Jokkmokk

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ዮክሞክ ኮምዩን ኣብ ሰሜናዊ ዋልታ ዓለም ትርከብ፡ ብስፍሓታ ድማ ኣብ ሽወደን ካልኣይቲ ዝዓበየት ኮሙን እያ። ዮክሞክ ሓንቲ ማእከል ናይ ሳሚስክ መኣከቢ ቦታ እያ፡ በቲ ኣብ መጀመርታ ለካቲት ዚብዓል ዓመታዊ ናይ ሓጋይ ዕዳጋኡ ድማ ይፍለጥ። ኣብዚ ኮሙን ሓደ ካብ ናይ ዓለም ዓለማዊ ውርሻ ከባቢ ኣሎ። ላፖንያ። ኣብኡ ኣርባዕተ ሃገራዊ ፓርክታት ኣሎ፤ ሳረክ፡ ፓድየላንታ፡ ስቶራ ሾፋለትን ሙዱስን።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ሓደ ሰብኣይ ንሓደ ሰረገላ በረድ ዝስሕብ ዘሎ ዓጋዜን በረድ ሒዙ ኣሎ። ሓጋይ እዩ ዘሎ፡ እቲ መሬት ብበረድ ተሸፊኑ ኣሎ።

ኣብዚ ቀረብ ናይ ክትሙኮሮ እትኽእል ተፈጥራዊ ከባቢታት ኣሎ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ከተማ ዮክሞክ ኩሉ ቀረባ እዩ። ኣብያተ ትምህርቲ፡ ድኳናትን ካልእ ወሃብቲ ኣገልግሎትን ኣብ ናይ እግሪ ርሕቀት ይርከቡ። ኣብዚ ጽቡቕ ሂወት ኣሎ፣ ምስ ሰብን ኣከባብን ንኽትፋለጥ ቀሊል እዩ። ኣብዚ ሰብ ከም ሰብ እምበር ከም ሓደ ካብ ብዙሓት ኣይኮነን ዝርኣ። ናብዚ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም!

መንበሪ-ገዛ

እቲ ናይ ኮምዩን ቤትጽሕፈት ኣባይቲ ዮክሞክስ ሁስ.ኣብ ከተማን ኣብ ነኣሽቱ ከተማን ከም ፖርዩስ፡ ቩዎለሪም ደስ ዘብል ገዛውቲ የቕርብ። ይኹንበር ገዛ ዘካርዩ ብሕታዊ ኣካረይቲ ድማ ኣለዉ። ነቶም ኣብ መትከሊ ቅርጺ ዝኣተዉ ሰደተኛታት፡ እቲ ናይቲ ኮምዩን ናይ ስደተኛታት ኣተሓባባሪ ገዛ ንኺረኽቡ ይሕግዞም። ኣቐዲሙ እቲ ገዛ ብመሰረታዊ ኣቕሑ ይምላእ። እቲ ተኻራዪ ብውሕዱ ክልተ ዓመት ኣብቲ ኮምዩን ምስ ዚቕመጥ ነቲ ኣቅሑ ኪውንኖ ይኽእል።

ሓንቲ ኣብ ብበረድ ዝተሸፈነ ናይ ኣግራብ ቅርጻ መሬት ትርከብ ብጫ ቪላ። ወርሒ ነቲ ኣብ መሬት ዘሎ በረድ ኣብሪሃቶ ኣላ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብዚ ብዙሓት ዜጋታት ይርከቡ፡ ኣብዚ ግዜዚ እቲ ኣዚዩ ዝውቱር ቋንቋ፡ ፋርስ/ዳሪ፡ ሶማሊ፡ ትግርኛ፡ ዓረብ፡ ሩስያን ታይላንድን እዩ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብዚ ሽወደናዊ ቤትክርስትያንን ፐንተኮስተን ይርከባ። ናይ እስላም ሃይማኖታዊ ማሕበር የሎን፡ ስለዚ ዒድ ንምብዓል እቲ ተኸታሊ እስልምና ናብ ሉለዮ እዩ ዚኸይድ።

ሓደ ሰብ ኣብ ደገ ናይ ነዊሕ ሸታሕትሖ በረድ ይኸይድ ኣሎ። እቲ ሰብ ብጫ ናይ ደርሆ ምስሊ ዘለዎ ክዳን ተኸዲኑ ኣሎ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ድኳናት፡ ኣብያተንባብ፡ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ሓደስቲ መጻእቲ ዚቕበል ናይቲ ኮምዩን ኣብያተጽሕፈት፡ ዘገልገለ ኣቕሑ ዚሸይጥ ድኳን፡ ኣብያተ መግቢ፡ ባራት፡ ናይ ስፖርትን መሓምበስን ኣደራሽ፡ 60 ኪሎመተር ዝምርሓቑ ናይ ኮብዳሊስ ናይ መንሸራተቲ ቦታ፡ ከምኡውን ናይ ሓጋይን ክረምትን ስፖርት ከም ሆኪ፡ ኵዕሶ፡ ቮሊቦል፡ ባስከትቦል። መሓምበሲ ንደቀንስትዮን ንህጻናትን።

ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ናይ ደገ ራህያ ይሕምብሱ ኣለዉ። ክልተ ሰባት ኣብ ጥቓ እቲ ራህያ ጠጠው ኢሎማ ኣለዉ። ኣብ ኩርናዕ ናይቲ ራህያ ሓደ ናይ ማይ መንሻትሒ ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብዚ ናይ ኮምዩን ቤትትምህርቲ ህጻናት ኣሎ፡ ማለት ኣብ ዮክሞክ፡ ፖርዩስን ቩዎለሪምን። ናብ ቤትትምህርቲ ህጻናት ወይ ኣጸደ ህጻናት ንምእታው ኣየጸብን።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ከተማታት መባእታን ካልኣይ ደረጃን ኣብያተትምህርቲ ይርከብ። መባእታ ቤትትምህርቲ ነቶም ትሑት ዝዕድመኦም (ትምህርታዊ ዓመት1-5) ኣብ ፖርዩስ እውን ይርከብ። ኣብ ቩዎለሪም ድማ ንተመሳሳሊ ዕድመ ዘለዎም መዘናግዒ ቤትትምህርቲ ኣሎ። ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ዝኾኑ ህጻናትን መንእሰያትን መዳለዊ ትምህርቲ ኣሎና።

ዕድላት ትምህርቲ

ዓበይቲ ዚመሃሩሉ መለስተኛን ላዕለዋይ ደረጃን ቤትትምህርቲ ኣሎ። ንሕና ብጽቡቕ ዚሰርሕ ማእከል ትምህርቲ ኣሎና፡ ኣብዚ ድማ ኤስኤፍኢ፡ ኮምቩክስ፡ ናይ ሞያ መሰልጠንን ምስ ናይ ሉለዮን ኡመዮን ዩኒቨርሲቲ እተተሓሓዘ ናይ ርሑቕ ትምህርቲ ኣሎ። ኣብቲ ማእከል ትምህርቲ ናይ ኤስኦ-ስልጠና ብቪደዮ ኮንፈረንስን ብናይ ኣደ ቋንቋን ይወሃብ። ኤስኤፍኢ ንምእታው ኣየጸብን።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ዮክሞክ፡ ማእከል ጥዕና፡ ናይ ኣደን ህጻንን ክሊኒክ ኣሎ። ስፐሺያሊስት ኣዚዩ ኣብ ዘይርሑቕ የሊቨረን ሱንደርቢን ይርከብ፡ ኣብ ገለ ቋንቋታት ተርጓማይ ይርከብ እዩ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ናብ የሊቨረን ሉለዮን ናይ ኣውቶቡስ ኣገልግሎት ኣሎ። ናይ ሙርየክ ናይ ባቡር መደበር 40 ኪሎመተር ርሒቑ ይርከብ። ኣብ ግዜ ሓጋይ ባቡር ብዮክሞክ ትሓልፍ እያ። መዓርፎ ነፋሪት ኣብ የሊቨረን ሉለዮን ይርከብ። ካብ ሉለዮ ናብ ስቶክሆልም ብኣየር ኣስታት ሓደ ሰዓት ይወስድ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ናብ ዬሊቫረን ሉለዮን ዘራኽብ ጽቡቕ ናይ ኣውቶቡሳት መስመር ኣሎ፡ መደበር ባቡር ሙርየክ እውን ኣርባዕተ ሚል ካብዚ ከተማ ርሒቁ ይርከብ እዩ። ኣብ እዋን ክረምቲ ኣብ ኢንላንድስባናን ትኸይድ ብዮኮሞክ ትሓልፍ ባቡር ኣላ። ኣብ ዬቭለቫረን ሉለዮን ካብ ነፋሪት ናብ ነፋሪት ትሰጋገረሉ መስመር ነፋሪት ኣሎ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

እዚ ኮምዩን እቲ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ ናይዚ ቦታ እዩ። ኣብ ክፋል ናይዚ ምምሕዳር ብቐዳምነት ኣብ ናይ ኣረጋውያን ክንክን ብዙሕ ግዜ ተካኢ ሰራሕተኛታት የድልዩ እዮም። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ብዙሓት ሰባት ጡረታ ክወጹ እዮም፣ እዚ ኣብዚ ስራሕ ዘሎ ድልየት ሰራሕተኛታት እንዳ ወሰከ ክኸይድ እዩ ማለት እዩ።

ኣብዚ ከተማ ኣብ ብዙሕ ዝተፈላለየ ስራሕ ዝነጥፋ ሓደ ወይ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ዘለወን ብዙሓት ናእሽቱ ትካላት ኣለዋ። ምናልባት ንስኻ ሓደ ካብኣታቶም ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ወይ ምናልባት ቁሩብ ጸኒሕካ ናትካ ትካል ትጅምር ትኸውን። እምበኣርከስ ኣብ ናይ ኢንዱስትሪን ንግድን ቤት ጽሕፈትና ስትሩክቱሩም ክትረኽቦ ትክእል ሓገዝ ኣሎ።!

ኣብ እዋን ክረምቲ ዮኮሞክ ኣዚዮም ብዙሓት በጻሕቲ ዝመጽዋ ናይ ቱሪስቲ ቦታ እያ። እዚ ናይ ወቕቲ ስራሕ ንምርካብ ዓቢ ዕድል ኣሎ ማለት እዩ። ኣብ ምሉእ እዚ ዞባን ኣብ የሊቫረ ከይተረፈን ናይ ዕደና ኢንዱስትሪ ሓደ ዓቢ ወሃብ ስራሕ እዩ። ብዙሓት ሰባት ኣብ መንጎ ናይ መንበሪ ቦትኦም ዮኮሞክን ናይ ስራሕ ቦትኦም ዬሊቫረን መዓልታዊ ይመላለሱ እዮም።