Kalix

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ካሊክስ ብተፈጥሮ እተዓደለት ጽብቕቲ ኮምዩን እያ፡ ኣብኡ ድማ ግሩም ዝኾነ ትርኢት ኣሎ። ርእሲ ከተማ ልክዕ ርባ ካሊክስ ነቲ ባሕሪ ኣብ ቦተንቪከን ኪሕወሶ ከሎ ኣብኡ ትርከብ። ካሊክስ ኣብ መንጎ እተፈላለየ ካብ ኣርባዕተ ሸነኻት ዓለም ዝነቐለ ባህላታት ትርከብ። እዚ ከኣ ኣዒንትና ከነግፍሕ ኣኽኢሉና። ውጽኢቱ ድማ ነቲ ቁጠባዊ ናብራ ብዙሕ ዝዓይነቱ ገይሩዎ፡ ካብ ዓቢ ኢንዱስትሪ ክሳዕ ብልጹግ ንኡስ ዋኒን።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መንበሪ-ገዛ

ነቶም ኣብ ትሕቲ ናይ ምቕማጥ ቅርጺ ዘለዉ ሓደስቲ መጻእቲ፡ እቲ ናይ ስደተኛታት ኣተሓባባሪ እዩ ገዛ ንኺረኽቡ ዚሕግዞም። ካልእ መንበሪ ምስ እትደሊ ኣብ Bo i Kalix ኣንብብ። ወይ ከኣ ኣብቲ ዝርዝር ኣካረይቲ ቤትጽሕፈት ኣብቲ ናይ ኮምዩን ወብሳይት ተመልከት።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ብዘይካ ሽወደን፡ ፊንላንድ፡ እንግሊዝ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ሩስያ፡ ታይላንድ፡ ዓረብ፡ ትግርኛን ፋርስን። ካሊክስ ንፊንላንድን መያንከሊን ናይ ምምሕዳር ከባቢ እያ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ሽወደናዊት ቤትክርስትያን ብዘይካ እቲ ልሙድ ክርስትያናዊ ቤትክርስትያናዊ ስራሕ፡ ምስ ቀዪሕ መስቀል ብምዃን ወይ ንበይና ሓገዛት ተወፊ። ናይ ሶማሊ ማሕበርውን ኣሎ።

ብጠቕላላ ኣብ ናይቲ ኮምዩን መርበብ እተመዝገባ 114 ማሕበራት ኣለዋ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ካሊክስ ምምሕዳር ኮምዩን፡ ማሕበራዊ ቤትጽሕፈት፡ ኩሉ ዓይነት ድኳናት፡ ድኳናት ዘለዎ ጋለሪያ፡ ቤትንባብ ምስ መኣከቢ ቦታ፡ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ናይ ቀዪሕ መስቀል መሸጣ ዘገልገለ ኣቕሑን፡ ናይ ምሕዳስ ቡቲክ JUC.

መብዛሕትኡ ግዜ ደቂ ዘለዎም ስድራቤት ካሊክስ ንጡፍ ናይ ዕረፍቲ ግዜ እዮም ዘሕልፉ። ብግዜ ሓጋይ ናብቲ ገማግም ቀላያት ኪሕጸቡ ይኸዱ። ኣብ ግዜ ክረምቲ፡ እቶም ምሕምባስ ዚፈትዉ ናብቲ ናይ ካሊክስ ናይ ስፖርት ሲቲ ውዑይ መሓምበሲ ይኸዱ ወይ ድማ ኣብቲ ናይ ሩድትረስክባከን ናይ በረድ ምንሽርታት ይጻወቱ። ነዚ ድሌታትዚ ዘማልኡ ትካላት ኣለዉ። ካብ ናይ ተልመዴን ተያትርን ቦውሊንግንን ትልሂትን ክሳዕ ፈረስ ምግላብን ቅድድም ማኪናን።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ስድራቤታት ካብቲ ኮምዩን ሓበሬታን ሓገዝን ኪረኽባ ይኽእላ። ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ናይ ካሊክስ ኮምዩን ናብዚ ዚስዕብ መሰጋገሪ ወይ ሊንክ ኣሎ፤ ናይ ህጻናት ቤትትምህርትን ናይ ቤትትምህርትን ሓበሬታ፡ ደገፍን ምኽርን ብዛዕባ ቁጠባዊ ሓገዝ፡ ናይ ምሽማት ምኽርን ውልቃዊ ምሃብ ምኽርን።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ካሊክስ ኮምዩን ኣብ ከተማታትን ኣብ ገጠራትን መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዎ። ምስ መባእታ ኣብያተትምህርቲ እተተሓሓዘ ናይ ህጻናት ኣብያተትምህርትን ኣጸደ ህጻናትን ኣሎ። ባህላዊ ቤትትምህርቲ ነቲ ኣብ ቤትትምህርቲ ህጻናትን ቤትትምህርትን ዚካየድ ንጥፈት ይመርሖ ምስ ናይቲ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ናይ ሙዚቃ ፕሮግራምን ምስቲ ናይ ፊንላንድ-ሽወደን ህዝባዊ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ናይ ሙዚቃ ንጥፈታትን ድማ ይተሓባበር።

ናይ ካልኣይ ደረጃ ተመሃሮና ኣብቲ ፉሩሀድስኩላን ናይ ኮምዩን ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ይመሃሩ። ንሱ ኣብዚ እዋንዚ ሰፊሕ ሃገራዊ ፕሮግራም ኣለዎ። ስለዚ ተመሃሮና ንካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ናብ ካልእ ዓዲ ኪኸዱ ኣይግደዱን። ብቐረባ ምስ ንግድን ኢንዱስትሪን ምትሕብባር ነቲ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርትና ፕሮግራም ምስ ስራሕን ምስቲ እንጽበዮ ጭቡጥ ኩነታትን ከም ዚተሓሓዝ ገይሩዎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ካሊክስ እተፈላለየ ናይ ትምህርቲ ዕድል ኣሎ። ናብ መድያን ጋዜጠኛነትን ዘድሃበ ህዝባዊ ካልኣይ ደረጃ Folkhögskola፡ ናይ ሕርሻ ቤትትምህርቲ፡ ከምኡውን ናይ ሞያ ትምህርቲ። ምስ ሕብረተሰብ ንምልላይ ዚግበር ኣስተምህሮ ብቪደዮ ኮይኑ 60 ሰዓታት ይወስድ። ካሊክስ ዩኒቨር ሲቲ Kalix UniverCity እቲ ኮምዩን ካብ ቤትትምህርቲ ንዓበይቲ ጀሚሩ ክሳዕ ኮለጅ ንዚገብሮ ኣስተዋጽኦ ዚጥርንፍ ስም እዩ። ካሊክስ ዩኒቨር ሲቲ ንትምህርቲ ንዓበይትን ኮለጅን ኤስኤፍኢን ከይ ዋይ ስልጠናን ይጥርንፍ። ሉለዮ ተክኒካል ዩኒቨርሲቲ መገዲ ሓደ ሰዓት እዩ። ኣብ ቀረባ ድማ ህዝባዊ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣሎ። ኣብ ዝኾነ እዋን ብርሑቕ ዚወሃብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ክትጅምር ትኽእል፡ ኣብቲ ዘለኻዮ ኴንካን ብዝደለኻዮ ኣገባብን።

ኣገልጎት ጥዕና

ዞባ ኖርቦተን ኣብ ካሊክስ ኣገልግሎት ሕክምና የካይድ፡ ኣብቲ ሆስፒታል 60 ናይ ሕክምና ቦታትት መምስ ክሊንኪቱን መቐበሊኡን ኣሎ።

ኣብ ካሊክስ ኮሙን ብዞባ ዚካየዳ ክልተ ማእከላት ጥዕና ኣለዋ}። ምስ ካሊክስ ኮምዩን ብሓባር ኣብ ፋሚልየንስ ሁስ (Familjens Hus) ናይ ቈልዑ ማእከል ክንክን ጥዕናን ናይ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን ማእከል ክንክን ጥዕና የካየዳ።

ኣብቲ ጥቓ ሆስፒታል፡ ናይ ስኒ ሕክምና ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ናይ ትርጉም ኣገልግሎት ኣብ ኩሉ ኣብያተጽሕፈትን ናይ ጥዕና ትካላትን ይርከብ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

እቲ ናይ ኖርቦተን ናይ ወረዳ ትራፊክ ኣብቲ ቀንዲ መገድታት ኣገልግሎት ይህብ ስለዚ ናብ ሉለዮን ሃፓራንዳን ምምልላስ ይከኣል።

እቲ ናይ ካሊክስ ናይ ከባቢ ትራፊክ ካብ ከተማታት ናብ ገጠራት ናይ ጕዕዞ ኣገልግሎት ይህብ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ካሊክስ ከምኡውን ኣብ ምብራቕ ኖርቦትን እቲ ዝዓበየ ኢንዱስትሪ እቲ ናይ ቢለሩድ ካርልስቦርይ ናይ ወረቐት ፋብሪካ እዩ። ንሱ ኣስታት 430 ሰራሕተኛታት ኣለዉዎ፡ 1.8 ቢልዮን ክሩነር ዓመታዊ ባጀት ከኣ ኣለዎ።

እዚ ኮምዩን ኣስታት 1 700 ሰራሕተኛታት ኣለዉዎ፡ ዞባ ኖርቦትን ድማ 775 ሰራሕተኛታት ኣለዉዎ።

ገለ ናይ ሽወደን ቀንዲ ናይ ኤለክትሮኒክ ፋብሪካታት ኣብ ካሊክስ እዩ መሰረተን። ካረተክ ብናይ ኣላርም ወይ ሓለዋ መሳርያታት ኣብ ዓለም ቀዳመይቲ እያ። ምስ ካሊክስ ዩኒቨር ሲቲ ኮይና ድማ ኣብ ትምህርትን ምርምርን ትነጥፍ።

ካሊክስ ናይ ኢንፎርመሽን ተክንሎጂ ማእከል እያ። ኮልሰንተር ክፍሊ፡ ንመላእ ስካንዲናቭያ የገልግል፡ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ከኣ ኣለዎ።

ተሓባባሪ ናይ ዕንጸይቲ ስራሕ ጽርበትን ናይ ህንጻ መሳርሕን ይሰርሕ። ሰትራ ሮልፍ ሶግ 80 ሰራሕተኛታት ዘለውዎ ናይ ጽርበት ትካል እዩ። ንሳቶም ነቲ ፍሉጥ ናይ ኖርቦተን ጽሕዲ የብቁሉ። እቲ ናይ ስቨያስኩግ ቀንዲ ቤትጽሕፈት ኣብ ካሊክስ ይርከብ።