Överkalix

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ከተማ ኦቭረካሊክስ ኣብ ጥቓ ወሕዚ ካሊክስ ትርከብ። ንሳ ብረና እውን ትብሃል እያ። ጽቡቕ ጎደናታን ድኳናትን ከኣ ኣለዋ። ኩሉ ኣብያተትምህርቲ፡ ድኳናት፡ ምምሕዳር ኮምዩን፡ ሕክምና ስኒን ማእከል ጥዕናን ቀረባ እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብድሕረ-ምድሪ ኣኽራናት ዘለዎ ትርኢት ናይ ከተማ ኦቨርካሊክስ። እዛ ከተማ ብኣግራብ ትኸቢባን ኣብ ጥቓ ሓደ ፈለግ ተደኵናን ትርከብን።

ናብቲ ናይ ገማግም ባሕሪ ከተማ ካሊክስ ይኹን ወይ ናብ ሉለዮ ከምኡውን ናብቲ ሰሜናዊ ቦታታት ዕደና ከም ኪሩና፡ የሊቫረን ፓያላን ዘሎ መራኸቢታት ግሩም እዩ። ዱራትን ኣኽራናትን ወሓይዛትን ቀላያትን ንደጋዊ ህይወት ጽቡቕ እዩ። ምግፋፍ ዓሳን ምእራይ ዓጋምን ዝውቱር እዩ።

መንበሪ-ገዛ

ናይ ኦቭረካሊክስቡስተደ መሪሕነት ካብ 1-4 ክፍልታትን ክሽነን ዘለዎ ገዛ ይቕርብ። መብዛሕትኦም ገዛውቲ ክልተ ክፍሊ ዘለዎም ኮይኖም ኤለቨይተር የብሎምን፡ ኣብ ውሽጢ ኦቭረካሊክስ ከኣ ይርከቡ። ብሕታውያን ትካል ኪራይ ኣባይቲውን ኣለዉ። ነቶም ኣብቲ ናይ ምቕማጥ ቅርጺ ዝኣተዉ ሓደስቲ መጻእቲ ግን እቲ ናይቲ ኮምዩን ኣተሓባባሪ ባዕሉ ገዛ ይደልየሎም እዩ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ብዘይካ ሽወደንን ፊንላንድን፡ መብዛሕትኡ ተቐማጣይ ኦቭረካሊክስ ስፓኛ፡ ዓረብ፡ ዳሪ፡ ሶማሊን ታይላንድ እዩ ዚዛረብ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ናይ ኦቭረካሊክስ ስፖርት ማሕበር ወይ ÖIF ዝዓበየ ማሕበር እዩ። ካልእ ድማ ናይ ኣይስሆኪ ክላብ፡ ናይ ኵዕሶ እግሪ ክላብን ባስከትቦል ክላብ ንኹሉ ዕድመ ዝኾነ ኣሎ። ÖIF ናይቲ ናይ ግዜ ሓጋይ ዕዳጋ ኣዳላዊ እዩ። ኣብኡ ኩሉ ዓይነት ኣቕሑ ብዓቢ ድምጽን ብናይ ረክላም መገድን ይሽየጥ።ኣብቲ ናይ ኦቭርካሊክስ መርበብ ብዛዕባ ዝርዝር ማሕበራት ተመልከት።

ናይ ሽወደን ቤተ ክርስትያን (Svenska Kyrkan) ንቈልዑን መንእሰያትን ዝኸውን ክርስትያናዊ ንጥፈታት ኣለዎም። ከምኡ'ውን ሓደ ናይ ፒንግስት ሰበኻ ኣሎ።

ሽወደናዊ ቤትክርስትያን ናይ ክርስትያን ህጻናትን መንእሰያትን ንጥፈታ ተካዪድ። ናይ ፐንተኮስት ማሕበር እውን ኣሎ። ABF፡ ናይ ትምህርቲ ኣደንፋዕን ናይ ትምህርቲማሕበር ቩክሰን ስኩላን ኣብ እተፈላለየ ሳብጀክት ዘተኮረ ናይ ትምህርቲ ዘተ የካይዱ።

ዳርጋ ኩለን ኣብቲ ኮምዩን ዚርከባ ቁሸታት ናታተን ማሕበራትን ነኣሽቱ ገዛውትን ኣለወን፡ ኣብኡ ድማ ናይ ምስክንካት፡ ፒሳ ምስራሕ፡ ሃድን ካልእ ባህላዊ ጸወታታን ንጥፈታትን የካይዳ። ማሕበራት ቁሽት እተፈላለየ ባህላዊ ውድድር እውን የካይዳ እየን። ብግዜ ክረምቲ ናይ በረድ ስኩተር ጸወታ ኣዝዩ ዝውቱር እዩ። ነዚ ጸወታዚ ኢሎም ብዙሓት ሰብ ስኩተር ኣብ ሺፓስየርቭ ይእከቡ።

ንገዛ ዕዮን ጥበብን ህንጻ ገዛን ተያትርን ዚምልከታ ማሕብራትውን ኣለዋ። እቲ ሃገራዊ ናይ ትያትር ጉጅለውን ንኦቨርካሊክስ ይበጽሓ እዩ።

ናይ ተያትር ማሕበር ናቱ ጸሓፍትን ኣዳለውትን ኣለዉዎ። ናይ ኣፍራስን ኣኽላባትን ውድድር እውን ይካየድ እዩ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብቲ ከተማ፡ ቤትጽሕፈት ዕዮ ከምኡውን ናይ ሕብረተሰብ ቤትጽሕፈት ምስ ናይ ስደተኛታት መቐበሊ ኣሎ። ኣብኡ ግሮሰሪታት፡ ናይ ክዳውንቲ ድኳናት፡ ፋርማሲ፡ ናይ ራድዮን ቲቪን ድኳናት፡ ናይ ሓጸውን ድኳናት፡ ኣብያተመግቢ፡ ካፈ፡ ናይ ቀዪሕ መስቀል ሰከንድሃንድ ድኳን ምስ ኣቕሑ ገዛን ክዳውንትን፡ ምስ ኩሉ ዘገልገለ ኣቕሑቱን ኣሎ።

ፎልከትስ ሁስ ዚብሃል ፊልም የርኢ። ካብ ጥቅምቲ 2013 ጀሚሩ ድማ ቀጥታ ዚመሓላለፍ ኮንሰርትን ኵዕሶ እግርን ናይ ሆኪ ግጥምን ኣሎ።

መሐምበስን ኣደራሽ ስፖርትን፡ ናይ በረድ ገዛን መጻወቲ ኵዕሶን። ካብቲ ከተማ 4 ኪሎመተር ርሒቑ ዚርከብ ናይ መንሸራተቲ ቦታ ኣሎ። ኣብ ግዜ ሓጋይ ናይ መሐምበሲ ፑል ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኦቭርካሊክስ ክልተ ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣለዋ፤ አልቨንን አንገንስን። ብየርነን ዚብሃል ናይ ህጻናት ቤትትምህርትን፡ ኤኮረን ዚብሃል ናይ ህጻናት መዘናግዒ ቦታን ኣሎ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኦቨርካሊክ መባእታን ካልኣይ ደረጃን ኣብያተትምህርቲ ኣለዎ። ኦከርስኩላ ን1-3 ዝዕድመኦም፡ ስትራንድስኩላ ን4-9 ዝዕድመኦም። ብሕታውያን ናይ ህጻናት ኣብያተትምህርቲውን ኣለዉ። ናይ ኦቨርካሊክስ ናጻ ቤትትምህርቲ ነቶም ካብ ቤትትምህርቲ ህጻናት ክሳዕ 9 ዓመት ዝዕድመኦም እዩ። ናይ ባህልን ኣከባብን ትምህርቲ ይህብ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብዚ፡ ኮሙናዊ ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ ኣሎ። ካልኣይ ደረጃዊ ናይ ዓበይቲ ቤትትምህርቲውን ኣሎ።

ሓደ ግዜ ኣብ ሰሙን ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ብዛዕባ ሕብረተስብ ብቪደዮ እተሰነየ ኣስተምህሮ ይወሃቦም። ንሱ 100 ሰዓታት ይወስድ፡ ኣብቲ ቤትትምህርቲ ከኣዩ ዚካየድ።

ኣገልጎት ጥዕና

ዞባ ኖርቦተን ሓደ ናይ ሓኪም ቅበላን፡ ከምኡ'ውን ማእከል ክንክን ቈልዑን ማእከል ክንክን ነፍሰጾራትን ሓራሳትን፡ ኣምቡላንስ፡ ሓሙሽተ መደቀሲ ዘለዎ ክፍሊ ክትትል ዘጠቓልል ናይ ዞባ ክንክን ጥዕና ዝሓዘ ሓደ ማእከል ክንክን ጥዕና የካይድ። እቲ ስራሕ ፊዝዮተራፒ፡ ናይ ስራሕ ተራፒ፡ ሕክምናዊ ክንክን እግሪ፡ ናይ ጨረርታ ሕክምና፡ ከምእ'ውን ላቦራቶርን ኤክስረይን እውን ኣለዎ።

ናይ ስኒ ሕክምና ምስቲ ማእከል ጥዕና እተኣሳሰረ እዩ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ሰበስልጣን ብምስምማዕ ተርጓማይ ክትገብር ተኽእሎ ኣሎ። ትርጉም ዝበዝሕ ግዜ ብተለፎን እዩ ዚካየድ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ናብ ሉለዮ፡ የሊቫረ፡ ኪሩና፡ ካሊክስን ሃፓራንዳን ናይ ኣውቶቡስ ኣገልግሎት ኣሎ። ነዚ ዘካይድ እቲ ለንስትራፊከን ኢ ኖርቦተን ዚብሃል እዩ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ናይ ኦቨርካሊክስ ኮምዩን እቲ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ እዩ። ሓይሊ ሰብ ዚደልዩ ብዙሓት ነኣሽቱ ዋኒናት ኣለዉ። ብዙሓት ንስራሕ ናብ ካሊክስ በጺሖም ይምለሱ፡ ካልኦት ድማ ናብ ሉለዮ፡ የሊቫረ፡ ኪሩናን ፓያላን ናይ ሰሙን በጺሕካ ምምላስ ይገብሩ።