Övertorneå

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኦቨርቶርነዮ ኮምዩን ኣብ ምብራቕ ኖርቦተን ጥቓ ቶርነኤልቨን ይርከብ። ናይ ሰሜናዊ ዋልታ መስመር ብሰሜን በቲ ኮምዩን ይሓልፍ፡ እቲ ናይቲ ኮምዩን ምብራቓዊ ዶብ፡ ምስ ፊንላንድ ዘራኽብ ዶብ ከኣ እቲ ኣብ ዓለም ኣዚዩ ሰላማዊ እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ኦቭርቶርነዮ ናይ ሽወደን ቀዳማይ ናይ ተፈጥሮ ኮምዩን እዩ፡ ማለት እቲ ኮምዩን ነቲ ቀዋሚ ምዕባለ ንምድንፋዕ ነቲ ከባቢ ይከናኸኖ እዩ። ኣብዚ እቲ ኣብ ሽወደን ዝበለጽ ኣብያተትምህርቲ፡ ግሩም ቁጠባ፡ ትሑት ኮሙናዊ ቀረጽ፡ ሕሱር ገዛ ኪራይ፡ ብቑዕ ክንክን ህጻናት፡ ናይ ኣረጋውያን ክንክንን ናይ ተፈጥሮ ቅርበትን ኣሎ። ዕላማና ካብቶም ዝመጹና ስደተኛታት እንተ ወሓደ 75% ምሳና ቀጻሊ ኪቕመጡ እዩ። ዝሓለፈ መለክዒ ኣብ 45% ከም ዝበጻሕና ይሕብር።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ኦቨርቶርነዮ ሰፊሕ ናይ ኣባይቲ ምርጫ ኣሎ። ኮምዶሚንዩምን ቪላታትን። ኣብ ከተማ ወይ ኣብ ገጠራት ክትመርጽ ይከኣል።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ሽወደን፡ ፊንላንድ፡ መያንክየሊ፡ ትርጉሙ 'ቋንቋና' ማለት እዩ። እዚ ቋንቋዚ ነቶም ተቐማጦ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፡ ከም ናይቲ ከባቢ ቀዳማይ ኣቐባሊ ባህሊ ድማ ይቝጸር። ካልኦት ዚዝረቡ ቋንቋታት ከኣ ሩስያ፡ ስፓኛ፡ ታይላንድ፡ ዓረብ፡ ፋርስ፡ ሶማሊ፡ ትግርኛን ዳሪን እዮም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ማሕበራዊ ናብራ ንጡፍ እዩ፡ ስለ ዝኾነ ድማ ናይ ስፖርትን ናይ ኣካላት ምንቅስቓስን ማሕበራት ብዙሓት እየን። ሃድንን ምጭማትን ኣሎ። ባህላዊ ናይ ገጠር ማሕበራትውን ኣለዋ። ናይ ሽወደንን ናይ ፐንተኮስተ ማሕበራትውን ኣለዋ።

ኣብቲ ኮምዩን ናይ ስፖርትን መሓምበስን ቦታታት፡ ከምኡውን ናይ መንሸራተቲ መገድታት፡ ኵዕሶ እግርን ኣደራሽ መሐምበስን ይርከብ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ናይ ኮምዩን ምምሕዳር ምስ መቐበሊ ስደተኛታት፡ ቤትንባብ፡ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ መጻወቲ፡ ድኳናት፡ ናይ ስፖርትን ክዳውንትን ድኳናት፡ቀይሕ መስቀል፡ ሰከንድ ሃንድ። ኢከያ ኣብ ሃፓራንዳ 70 ኪሎመተር ርሒቑ ይርከብ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ናይ ኦቨርቶርነዮ ኮምዩን ኣብ ኦቨርቶርነዮን ፐሎን ናይ ህጻናት ኣብያተትምህርቲ ኣለዎ። ፍሉያት ወይ ብሕታውያን ናይ ህጻናት ኣብያተትምህርቲ ኣብ ሀደናሰትን ማእከላይ ኦቨርቶርነዮን ይርከቡ። ናይ ህጻናት ኣብያተትምህርቲ ንነባሪ ትምህርቲ መሰረት እየን። እተን ኣብያተትምህርቲ ነቶም1-5 ዝዕድመኦምን ስድራኦም ዚሰርሑን ወይ ስራሕ ዚደልዩን ዝመሃሩን ወይ ዕረፍቲ ዝወሰዱን እየን ዘገልግላ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ነባሪ ትምህርቲ ኣብዚ ቅልጡፍ ምዕባሌ ዚካየደሉ ዘሎ ናይ ግዜና ሕብረተሰብ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ኦቨርቶርነዮ ኮምዩን ካብ መባእታ ክሳዕ ናይ ዓበይቲ ቤትትምህርቲ ንኽትመሃር ጽቡቕ ዕድላት ኣሎ።

መባእታ ቤትምህርቲ ኣብ ስቫንስተይን ኦቨርቶርነዮን ይርከብ። ናይ ብሕቲ ናይ ህጻናት ቤትትምህርቲ ኣብ ሀደናሰት ይርከብ። ግረንስኤልቭይምናስየት ኣብ ኦቨርቶርነዮ ይርከብ እተፈላለየ ፕሮግራማት ከኣ ኣለዎ።

ኣብ ዓመታዊ ትምህርቲ 7-9 ዘለዉ ኩሎም ተመሃሮ ነናቶም ላፕቶፕ ኣለዎም። መምህርን ተመሃሮን ናይ ሃገራዊ ኢንሳይክሎፐዲያ ኢንተርነት ኪጥቀሙ ይኽእሉ። እቲ ክፍሊታት ቤትትምህርቲ ፍሉይ ናይ ቪደዮ ሰሌዳ ኣለዎ። ወለዲ ብለትፕላትፎርመን ስኩል ሶፍት መርበብ ኮምፕዩተር ጌይሮም ናይ ደቆም ውጽኢትን መደባትን ይከታተሉ።

ኦቨርቶርነዮ በቲ ናይ ንግዳዊ ፈጣርነታ ናይዚ ዓመትዚ UF-kommun 2011 ከምኡውን 2012 ተሰይማ። ኩሉ ተመሃራይ ኣብቲ ናይ ካልኣይ ደረጃ ግዜኡ ናይ ውልቁ ዋኒን ኪጅምር ይፍትን።

ዕድላት ትምህርቲ

Utbildning Nord ነቶም ኣብ ሽወደን፡ ኖርወይ፡ ፊንላድ ዘለዉ ተመሃሮ ንዕዳጋ ዕዮ ንኺፈልጡ ዘሰልጥን መሪሕነት እዩ። ናይ ቶርነዳለን ህዝባዊ ናይ ህጻናት ቤትትምህርትን፡ ናይ ምብራቓዊ ኖርቦተን ማሕበር ኮለጅን ተወሰኽቲ ናይቲ ኮምዩን ናይ ትምህርቲ ኣተሓባበርቲ እየን።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ኦቨርቶርነዮ ማእከል ጥዕና ኣሎ፡ ኣብ ኦቨርቶርነዮ ማታረንዪቨገን 8C ድማ ናይ ስኒ ሕክምና ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ኣብ ኩሉ ትካላት ናይ ተለፎን ኣገልግሎት ትርጉም ኣሎ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ናይ ኖርቦተን Länstrafiken

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ናይ ኦቨርቶርነዮ ምህርቲ ዝበዝሕ ግዜ ከም ናይ 'ፖልሲርከላንድ' እዩ ዚስደድ። ኣብቲ ኮምዩን ሓያሎ ናይ ዕምባባታት ጀራዲን ኣሎ።

እቲ ናይ መካኒክ ኢንዱስትሪ ከበድቲ ተሽከርከርትን ናይ ፕላስቲክ ምህርትን፡ ናይ ኮምፕዩተር ስልክታትን ናይ ጸዓት ክፋላትን ይፍብርክ። ከም ባህሊ ናይቲ ከባቢ ናይ መግቢ ትራንስፖርትን ናይ ብደቂቅ ዕዳጋን ዓበይቲ እየን። ናይ ኦፕቲክ ፋይበር ኣብቲ ኮምዩን ኣብ ብዙሕ ቦታታት ኣሎ።