Askersund

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ከተማ ኣሰርሹንድ፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ነርከ፡ ጥቓ ባሕሪ ቬተርን ትርከብ። ብኣእማን ዝተሰርሐ ጽርግያታትን፡ ብዕንጸይቲ ዝተሰርሐ ናይትን መለለዪ ናይ’ዛ ከተማ እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ኣብ ማእከል ናይ'ዛ ከተማ፡ ድኳናትን፡ ኣብያተ-መግብን፡ እንዳ-ሻሂታትን ዝሓቆፈ ኣደባባይን፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ወደብን ይርከብ። ኣብ እዋን ክረምቲ፡ ከተማ፡ ኣሰርሹንድ ብካብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝመጹ በጻሕቲ ክትወሓጥ ትርአ።

እኩባት ደሴታት ኣስከርሱንድ ካብ ላዕሊ ክርኣያ ከለዋ።

መንበሪ-ገዛ

ንመንበሪ-ገዛ፡ ብዝምልከት ኣብ ከተማ እስከርሹንድ፡ ዝተፈላለየ ኣማራጺታት ኣለኩም። ንኣብነት፡ ዝካረ-ኣባይቲ፡ ዝግዛእ፡ ቪላታት ኣብ ማእከል ከተማ ይኹን ካብ ከተማ ወጻኢ፡ ክትረኽቡ ትኽእሉ። እቲ መንበሪ-ኣባይቲ፡ ነዊሕ ዘገበረ ህንጻታት ወይን ውን ዘመናዊ ክኸውን ይኽእል። ምስ ምምሕዳር ከተማ ኣስከርሹንድ ዝጥርነፋ ንኡሳን ዓዲታት፡ ሃማር፡ ኦልስሃማር፡ ሮነስህይታ፡ ዚንክግሩቫን፡ ኦመባሪ ከምኡ ውን ኦስብሩ የጠቓልላ። ካብዚኣተን ኣዝየን ንእስ ዝበላ ምስቲ ምምሕዳር ዝጥርነፋ ዓዲታት ውን ኣለዋ። ንሳተን ከኣ፡ ኤስታቡ፡ ኮርባሪ፡ ሌርቤክ፡ ማሬዳም፡ ኺለበሪ፡ ስናቭሉንዳ፡ ሴናን ኒዳለንን የጠቓልላ።

ኣብ ከተማ እስከርሹንድ እታ ዝዓበየት ትካል ክራይ-ኣባይቲ፡ እታ ብምምሕዳር ናይቲ ከተማ እትውነን ትካል ኮይና፡ ኣስከርሹንድ-ቦስቴደር፡ ተባሂላ ትጽዋዕ። እዛ ትካል እዚኣ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ናይቲ ምምሕዳር፡ ብርክት ዝበለ ዝካረ ኣባይቲ ትውንንን ተመሓድርን። ናይ መንበሪ-ገዛ ሪጋ ክትገብሩ ምስ እትደልዩ ወይ ውን ነጻ ዝካረ ኣባይቲ ኣውጺኦም ምስ ዝህልዉ ንምርኣይን፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ'ዛ ትካል ኣቲኹም ክትርእዩ ትኽእሉ። ብዜካ'ዛ ብምምሕዳር ከተማ እትውነን ትካል፡ ካልእ ብርክት ዝበላ ናይ ግሊ ትካላት ክራይ-ኣባይቲ ውን ኣለዋ። ንዝርዝር ናይ'ዘን ትካላት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ፡ ትረኽብዎ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ከተማ ኣስከርሹንድ ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ነባሮ ኣለዉ። ገለ ንምጥቃስ፡ ዓረበኛ፡ እንግሊዝኛ፡ ፈረንሳይ፡ ዳሪ (ቋንቋ-ኢራን)፡ ትግርኛ ከምኡ ውን ኢራነኛ፡ ይርከብዎም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ከተማ ኣስከርሹንድ፡ ኣብ መዳያት ስፖርት፡ ሃይማኖታዊ-ዛዕባታትን ስድራ-ቤታዊ መዳያትን ዝነጥፋ ብርክት ዝበላ ማሕበራት ይርከባ። ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ ብርክት ዝበላ፡ ኣብያተ-ክርስትያናት፡ ሃይማኖታዊ ሰበኻታት ውይ ምትእኽኻባትን ማሕበራትን ይርከባ። ካብተን ኣብዚ ከተማ'ዚ ብንጥፈት ዝዋስኣ ማሕበራትን ምትእኽኻባትን፡ ቤት-ክርስትያን ሽወደን፡ቤተ-ክርስትያን ፒንግስ፡ ቤት-ክርስትያን ምስዮናውያን ብርክት ዝበላ ነጻ ኣብያተ-ክርስትያናትን ይርከባ። መስጊድ ብቐረባ፡ ኣብታ 5 ማይል ርሒቓ እትርከብ ከተማ ኦረብሮ፡ ይርከብ። ኣብዚ ከተማ'ዚ ብተወሳኺ፡ ብርክት ዝበላ ኣብ መዳይ ስፖርታዊ-ንጥፈታት ዝውስኣ ማሕበራት ውን ኣለዋ። ኣብቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ፡ መዝገብ-ማሕበራት ብምእታው ዝርዝር ናይ'ዘን ማሕበራት ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ሓደ ጕጅለ መንእሰያት ተጻወቲ ኵዕሶ እግርን ክልተ ዓለምትን ኣብ ሓደ ሜዳ ኵዕሶ እግሪ ብኽቢ ተኣኪቦም ኣለዉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ከተማ ኣስከርሹንድ፡ ብርክት ዝበላ ቡቲካት፡ ድኳናት መዓልታዊ ኣስቤዛ፡ እንዳ-ሻሂታትን ቤት-መግቢታትን ይርከባ። ንብረት፡ ክዳውንቲ ወይ ኣቍሑ-ገዛ፡ ብሕሱር ክትገዝኡ ምስ እትደልዩ ውን ብርክት ዝበላ ድኳናት ዘገልገለ-ንብረት ከም ቀይሕ-መስቀል፡ ሎፒስን ይርከባ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ቀይሕ-መስቀል ብምእታው፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ከተንብቡ ትኽእሉ። ሓድሽ ንብረት ክትገዝኡ ምስ እትደልዩ ውን፡ ሕሙሽተ ማይል ተጋዒዝኩም ናብ ከተማ ኦረብሩ ኣብ ዝርከብ ድኳን ንብረት (ኢኪያ) ብምኻድ ክትገዝኡ ትኽእሉ።

ኣብ ማእከል ከተማ ኣስከርሹንድ፡ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝተዳለወ መጻሕፍትን መጽሄታትን ዝርከባ፡ ቤት-ንባብ ኣላ። ናብቲ ቤት-ንባብ ኣብ እትዛወሩሉ እዋን ውን፡ ነተን ኣብኡ ዝርከባ ኮምፕዩተራት ክትጥቐሙለን ትኽእሉ። ኣብ አዳይ ስፖርት ክትነጥፉ ምስ እትደልዩ ውን፡ ብርክት ዝበላ ስፖርታዊ ንጥፈታት ዝአንግዳ ማሕበራት ኣለዋ። ንኣብነት፡ ኩዕሶ-እግሪ፡ ኢነባንዲ፡ ምግላብ-ኣፍራስ ወዘተ..። ብዜካ'ዚ ክልተ ማእከላት ስፖርታዊ ንጥፈታት ውን ኣለዋ። መሐንበሲ ወይ ውን ማእከል ጸወታ-በረድ፡ ኣብታ ክልተን-ፈረቓን ማይል ርሒቓ እትርከብ ከተማ ሃልስበሪ፡ ኣለኩም።

ከተማ ኣስከርሹንድ፡ ኣብ ጥቓ'ቲ ኣብ ሽወደን ብዕብየቱ ካልኣይ ዝኾነ ባሕሪ-ቬተርን፡ ተደኲና ትርከብ። ኣብዚ ባሕሪ'ዚ ብነጻ ስናራ ወይ ካልእ መግፈፊ ተጠቂምኩም፡ ዓሳ ክትገፉ ትኽእሉ። ኣብ ከባቢ ናይ'ዛ ከተማ ውን እቲ ብቲቨደን ዝፈለጥ ዓቢ ጫካ ኣሎ። ኣብዚ ጫካ'ዚ፡ ፍሩታታት-ዘገዳም ወይ ው ቃንጥሻ ክትቅንጥቡ ትኽእሉ።

ቤት-ጽሕፈት ዕዮ (ኣርበትስፎርመድሊንገን) ኣብታ ከተማ ቤት-ጽሕፈት ኣለዎ። ኣብያተ-ጽሕፈታት በዓል-መዚ ቀረጽ (ስካተቨርከት) ከምኡ ውን ማዕከን ማሕበራዊ-ውሕስነት (ፎርሸክሪንካሳን) ግን ብቐረባ ኣብ ኦረብሩ ይርከቡ። ኣብ ከተማ ኣስከርሹንድ፡ ብምምሕዳር ከተማ ዝእለ፡ ማእከል-ስድራ-ቤታት፡ ኣሎ። እዚ ማእከል'ዚ፡ መኣዲ-ርክብ ወለድን ህጻናትን ኮይኑ፡ ኣብዚ ብምምጻእ ንጥዕናን ቅሳነትን ደቕኹም ዝምልከት ዝየፈላለየ ጠቓሚ ነገራት ክትካፈሉ ትኽእሉ።

ኣብ ኣስከርሹንድ፡ ብዝተፈላለያ ኣብያተ-ክርስትያናት ዝምእከል፡ ኣብ መዳይ ስድራ-ቤታት ዘትኮረ ዝተፈላለየ፡ ንጥፈታት ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብ ክሎካርባከን፡ ነቶም ካብ 7 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሚኦም ህጻናት ዝምልከት ንጥፈታት ይካየድ። ኣብ ቤተ-ክርስትያን ኤኩሜንያ ውን መድብ ትምህርቲ ቋንቋ ሽውደን ንዓበይቲ፡ ኣብ ቤትክርስትያን-ኤሊም ከኣ፡ ዝተፈላለየ ጸወታታት ህጻናት ይካየድ።

ኣ.ቢ.ኤፍ (ማሕበር ህንጸት ሰራሕተኛታት) ብወገኑ፡ ዝተፈላለዩ ናይ ትምህርቲ መደባት፡ ናይ ትምህርቲ-ዓንኬላትን ካልእ ንጥፈታት፡ ይሰርዕ። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ መርብብ-ሓበሬታ ናይ'ዚ ትካል ክትረኽቡ ትኽእሉ። ኣድራሻ ቁጽሪ-ስልኪ ናይ ሓለፍቲ መስርሕ ምውህሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ውን፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ፡ ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

ናይ ቀይሕ መስቀል ዱኳን ካብ ጐደና ክርኣ ከሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ከተማ ኣስከርሹንድ፡ ብርክት ዝበላ መንግስታውን፡ ሓንቲ ብማሕበር-ወለዲ እትእለን መውዓሊ-ህጻናት ኣለዋ። እዚ ማእከል መውዓሊ-ህጻናት ነቶም ሓደ ዓመት ዝመልኡ ኮይኑ፡ ክሳብ 6 ዓመት ዝመልኡ ኣብኡ ይጸንሑ። ንውላድኩም፡ ኣብ መውዓሊ-ህጻናት ቦታ ክወሃቦ ምስ እትደልዩ፡ ብኣርባዕተ ወርሒ ኣቐዲሙኩም ከትመልክቱ ኣለኩም። እቲ ንምምልካት እትጥቀሙሉ ቅጥዒ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ፡ ትረኽብዎ።

ኣብ ኣክሰርሹንድ ዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያናት፡ ንህጻናትን ወለድን ዝሓቁፍ ዝተፈላለየ ንጥፈታት የዳልዋ። ብምምሕዳር ከተማ ዝእለ፡ ማእከል-ስድራ-ቤታትን ክፉት መውዓሊ-ህጻናትን ውን ኣብዛ ከተማ ኣሎ።

ቈልዑን መማህራን መውዓሊ ህጻናትን ኣብ ዱር ዙረት ይገብሩ ኣለዉ። እቶም ቈልዑ ኣብ ልዕሊ ዛራ ኣብ ዘሎ ናይ ዕንጨቲ ድልድል ኮይኖም ንመማህራኖም ኢዶም የወዛውዙለን ኣለዉ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

መባእታዊ-ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ሽወደን፡ ክሳብ ታሽዓይ ክፍሊ ኮይኑ፡ ንኹሉ ኸኣ፡ ግዴታ እዩ። ዓመተ-ትምህርቲ፡ ኣብ ክልተ ዝምቀል ኮይኑ፡ እቲ ሓደ ኣብ መስከረም ክጅምር እንከሎ እቲ ካልኣይ ክፋል ከኣ፡ ኣብ ከባቢ የካቲት ኣቢሉ ይጅምር። ኩሎም ተመሃሮ ቅድሚ ቀዳማይ-ክፍሊ ምምሃር ምጅማሮም፡ ኣዚለ ክፍሊ ክመሃሩ ይኽእሉ። እዚ ነቶም 6 ዓመት ዝመልኡ ህጻናት ዝምልከት ኮይኑ፡ ወለንታዊ እዩ።

ኣብ ከተማ ኣስከርሹንድ፡ 7 ናይ መባእታዊ-ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ሓንቲ ናይ ላዕለዋይ-ደርጃ ክትከውን እንከላ እታ ካልኣይቲ ከኣ፡ ናይ መባእታዊ-ደረጃ፡ እዘን ድሒረን ዝተጠቕሳ ክልተ ኣብያተ-ትምህርታት ኣብ ሕምብርቲ ናይታ ከተማ ዝርከባ ክኾና እንከለዋ፡ እዝተን ዝተረፋ ኸኣ፡ ኣብ ካልእ ዓዲታት ወይ ከባቢታት ናይቲ ከተማ፡ ይርከባ። እዘን ኣብያተ ትምህርታን ርሕቀተን ካብ ማእከል ከተማ ኣሰርሹንድ ብዝምልከት ከምዚ ይመስል፡ ኦመበሪ 9.3 ኪሎ-ሜተር፡ ሮነስሂታ 14.5፡ ስናቭሉንዳ 11.4፡ ኦስብሩ 19.1 ከምኡ ውን ሃማር 12.2 ኪሎ-ሜተር ርሒቐን ይርከባ። ብቐረባ እትርከብ ናይ ካልኣይ-ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ኣሌ-ስኩላን ኮይና፡ 2.5 ማይል ርሒቓ ኣብ ከተማ ኣሃልስበሪ፡ ትርከብ።

ዕድላት ትምህርቲ

መድብ ትምህርቲ-ዓበይቲ ከምኡ ውን ትምርህቲ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ (ኤስ-ኤፍ.ኢ)፡ ኣብ ከተማ ሃልስበሪ ይወሃብ። ኣብ መንጎ ከተማታት ሃልስበሪን ኣስከርሹንድን ውን ስሉጥ ናይ መጎዓዝያ ኣገልግሎት ኣሎ። ዩኒቨርስቲ፡ ብቐረባ ኣብ ከተማ ኦረብሩ ትርከብ። ናይ ትምህርቲ መደብ ምስ ዝህልወኩም ንቤት-ጽሕፈት ዕዮ (ኣርበትስፎርመድሊንገን) ክትወከሱ ትኽእሉ። ኣብ ምምሕዳር-ከተማ ዝሰርሑ ሓለፍቲ ክፍሊ ምውህሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብ፡ ንሕብረተ-ሰብ ሽወደን ዝምልከት ንሓደስቲ ዝወሃብ ትምህርቲ የዳልዉ።

ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ ሓንቲ ኮምፕዩተር ኮፍ ኢላ ኣላ።

ኣገልጎት ጥዕና

ሓፈሻዊ-ሕክምና፡ ክፍሊ-ጥዕና ኣዴታትን ህጻናትን ከምኡ ውን ህዝባዊ ክሊኒክ-ስኒ (ፎልክ-ታንድቮርደን) ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ኣስከርሹንድ ይርከብ። ብዜካ'ዚ ናይ ግሊ ክሊኒካት-ስኒን ሓካይም-ስኒ ውን ኣለዉ። ብቐረባ ዝርከብ ህጹጽ ሕክምናዊ ረዴት እትረኽቡሉ ሕክምና፡ ኣብታ 3 ማይል ርሒቓ እትርከብ ከተማ ኩምላ፡ ይርከብ። እቶም መኪና ዘይብልኩም፡ ህጹጽ መኪና መጎዓዝያ-ሕሙማን፡ ብምጥላብ ናብ ክፍሊ ህጹጽ ሕክምናዊ ረድኤት ኩምላ ወይ ኦረብሩ ክትከዱ ትኽእሉ። ዓቢ ሆስፒታል፡ ብቐረባ ኣብ ከተማ ኦረብሩ ይርከብ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ትካላት ኣብ ዝግበር ርኽክባት ተርጓሚ ክቍጸረልኩም ይኽእል። ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ኣስከርሹንድ ብመንገዲ'ቲ ኣብ ኦረብሩ ዝርከብ ትካል ትርጉም፡ ተርጎምቲ ይቆጽሩ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ምምሕዳር ከተማ ኣስከርሹንድ፡ ብርክት ዝበላ ነኣሽቱ ዓዲታት ዝጥርንፍ እኳ እንተኾነ፡ ካብን ናብን እዘን ዓዲታት ንምጉዕዓዝ ግን ደሓን ዝኾነ፡ ናይ ኣውቶቡሳት መጎዓዝያ ኣገልግሎት ኣሎ። ብኣውቶቡስ ውን ካብዚ ከተማ ናብ ካልኦት ዓበይቲ ከተማታት፡ ከም ሙታላን ኦረብሩን፡ ክትከዱ ትኽእሉ። ትካል መጎዓዝያ ኣውራጃ ኦረብሩ፡ ኣብ መንጎ ካብን ናብን ኦረብሩን ኣስከርሹንድስ፡ ብስሩዕ ዝመላለሳ መስመር-ኣውቶቡሳት ኣለዎ።

ብባቡር ክትጎዓዙ ምስ እትደልዩ፡ ዝቐረበ መውፈሪ-ባቡራት ኣብ ከተማ ሃልስበሪ ይርከብ። ኣብ ትካል መጎዓዝያ ባቡራት ማለት ኤስ.ጀይ፡ ብምእታው፡ ትኬት ንምቍራጽን ሰዓታት-ንቕሎ ንምርኣይን ዝምልከት፡ ዝርዝር ሓበሬታ፡ ክትረኽቡ ትኽእሉ። ካብ ሃልስበሪ ናብ ኣሰርሹንድ ብቐሊሉ ክትከዱ ትኽእሉ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ'ዚ ከተማ ይኹን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ከተማታት፡ ብርክት ዝበሉ ዓበይትን ነኣሽቱን ወሃብቲ-ስራሕ ይርከቡ። ኣብዚ ከባቢ ዘለዉ ክፍቲ ናይ ስራሕ-ቦታታት ንምርኣይ ኣብ ማእተዊ ናይ'ዚ ሓበሬታ ''ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታታት'' ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ትረኽብዎ። እቶም ናይ ባዕልኹም ትካል ክትጅምሩ እትሓስቡ ሰባት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ነዓኹም ዝኸውን ኣገዳሲ ሓበሬታ ትረኽቡ።