Hällefors

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ሃለፉሽ ኮምዩን ኣብታ ጽብቕቲ በርይስላገን ኣብ ወረዳ ኦረብሩ ትርከብ። ናብ ተፈጥሮን ናብ ዓበይቲ ከተማታትን ከኣ ቀረባ እያ። ንሳ ብምዕራብ ምስ ፊሊፕስታድ ኮምዩን ብሰሜን ድማ ምስ ሉድቪካ ኮምዩን ትዳወብ። እታ ቀንዲ ከተማ፡ ሃለፉሽ ትብሃል። ብድሕሪኣ እታ ዝዓበየት ከተማ፡ ግሪትሂታን እያ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ሓደ ሰባት ዘይብሉ ኣደባባይ ኣብ ሄለፎሽ።

ኣብ ንእሽቶ ኮምዩን ምቕማጥ ረብሓ ኣለዎ፡ ኣብኡ እቲ ማሕበረሰብ ከመይ ከም ዚነብር ጎሊሑ ይረኣየካ። ኣብ በጺሕካ እትምለሶ ርሕቀት ዓቢ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ኣሎ። ብማኪና ክሳብ ኦረብሩ ኣስታት ሓደ ሰዓት ይውስድ፡ ክሳብ ስቶክሆልም ወይ ዮተቦሪ ድማ ኣስታት ሰለስተ ሰዓታት ይወስድ።

መንበሪ-ገዛ

ናብ ሃለፉሽ ክትግዕዝ ምስ እትደሊ ኣብኡ ናይ ዚካረ ኣባይቲ ዝዓበየ ኣመሓዳርን ኣከፋፋልን ኣሎ ሃለፉሽ ቡስታድስ ኤ.ቢ ይብሃል።

ኣብ ሃለፉሽ ኮምዩን ብዙሓት ብሕታውያን ኣካረይቲ ኣባይቲ ኣለዉ፡ ከምኡውን እተፈላለየ ዋጋ ዝሓቱ ኮምዶሚንዩም ወይ ገዛውቲ ኣለዉ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ሃለፉሽ ኮምዩን እተፈላለየ ናይ ቋንቋ ጉጅለ ኣሎ። እቲ ኮምዩን ኣብ ነዊሕ እዋን ካብ ኩሉ ሸነኻት ዓለም ወጻእተኛታት ተቐቢሉ እዩ። ካብቶም ዝዓበዩ ጉጅለ ቋንቋ፡ ሶማሊ፡ ዓረብ፡ ፊንላንድ፡ ሆላንድ፡ ዳሪ፡ ፋርስ፡ ትግርኛ እዮም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብቲ ኮምዩን ብዙሓት ንጡፋትን ኣሳተፍትን ማሕበራት ኣለዋ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ደብተር ማሕበራት ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ሃለፉሽ ግሩም ዝኾነ ኣደባባይ ኣለዋ። ኣብኡ እተማልአ ናይ ኣገልግሎት ምርጫታት፡ ድኳናት፡ ግሮሰሪታት፡ ካፈታትን ኣብያተመግብን ኣሎ። ሕሱር ናይ ገዛ ወይ ናይ ክሽነ ኣቕሑ ምስ እትደሊ፡ ኮምፓንየት ዚብሃል ናይ ሰከንድሃንድ ቡቲክ ኣሎ።

እቲ ቤትንባብ ኣብ ማእከል ከተማ እዩ ዚርከብ፡ መጻሕፍትን መጽሔታትን ድማ ብእተፈላለየ ቋንቋታት ኣለዎ። ነቲ ቤትንባብ ክትበጽሖ ከሎኻ ናይቲ ቤትንባብ ኮምፕዩተር ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።

ስፖርት ምስ እትደሊ ካብ ብዙሓት ማሕበራት ስፖርት ክትመርጽ ትኽእል፡ ኣብ ጥቓ ሰንትሩም ድማ ናይ ስፖርት ኣደራሽ፡ መጻወቲ ኵዕሶን ኣደራሽ መንሸራተትን ኣሎ።

ቤትጽሕፈት ዕዮ ኣብ ሃለፉሽ ኦፊስ ኣለዎ። ቤትጽሕፈት ቀረጽን ቤትጽሕፈት መድህንን ኣብ ኦረብሩ፡ 79.6 ኪ/መ ካብ ሃለፉሽ፡ ኦፊስ ኣለዎም።

መድቦርያርፕላትሰን ኩሉ ወጻእተኛን በዓል ዋኒንን ምስ ሕቶኡን ጠለባቱን ዝውከሰሉ ቦታ እዩ።

ብዛዕባ ናይቲ ኮምዩን ናይ ስደተኛታት ኣተሓባባርን ናይ ምውህሃድ ኣሃዱን ሓበሬታ ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ክትረኽቦ ትኽእል።

ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ተግባርን ስልጠና ስራሕን ዘካይድ ናይ ዕዳጋ ስራሕ ኣተሓባባሪ ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ክትረኽቦ ትኽእል።

ናይ ክዳውንቲ መሸጣ ኣብ ሓደ ኣደባባይ ኣብ ሄለፎሽ።
መእተዊ ናብ መድቦርያርፕላትሰን።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ናይ ህጻናት ቤትትምህርቲ ነቶም ካብ 1-5 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት እዩ። 5 ኮሙናውን 1 ብሕታውን ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣለዉ።

ፐዳጎጂካዊ ኣላይነት ነቶም ካብ 1-12 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት እዩ። ፐዳጎጂካዊ ኣላይነት ማለት እቲ ህጻን ኣብ ገዛ ሓደ ዓቢ ሰብ ይህሉ ማለት እዩ። ኣብቲ ኮምዩን 1 ፐዳጎጂካዊ ኣላይነት ኣሎ። ብብሕታዊ መገዲ እዩ ዚመሓደር። ተወሳኺ ብዛዕባ ኣላዪነት ህጻንን ትምህርትን ኣብ ሃለፉሽ ኣንብብ።

ናይ ዕረፍቲ ግዜ ገዛ፡ ናይ ህጻን ተመሃራይ ክንክን ተባሂሉውን ይጽዋዕ እዩ። ንሱ ነቶም ካብ 6-13 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት እዩ። ወለዲ ዚሰርሑ ወይ ዚመሃሩ ምስ ዝኾኑ፡ እቲ ህጻን ኣብቲ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ገዛ ቦታ ይህሉዎ። ኣብቲ ኮምዩን 4 ብኮምዩን ዚመሓደራ ናይ ዕረፍቲ ገዛ ኣለዋ።

ክፍሊ ቤትትምህርቲ ህጻናት ነቶም ካብ 6 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት እዩ። ንሱ ኣብቲ ናይ ቤትትምህርቲ ክፍልታት ይርከብ። ህጻናት 15 ሰዓት ንሰሙን ኣብቲ ክፍሊ ቤትትምህርቲ ህጻናት ኣለዉ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

መባእታ ቤትትምህርቲ ነቶም ካብ 6-16 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት እዩ። ኣብ ሃለፉሽ ኮምዩን ክልተ መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ።

ግሪትሂታን ቤትትምህርቲ ኣብ ግሪትሂታን ይርከብ። ህጻናት ካብ ቤትትምህርቲ ህጻናት ክሳዕ ትምህርታዊ ዓመት 5 ኣብኡ ይኸዱ።

ክሎካርሃግስስኩላን ኣብ ማእከል ሃለፉሽ ይርከብ። ህጻናት ካብ ቤትትምህርቲ ህጻናት ክሳዕ ትምህርታዊ ዓመት 9 ኣብኡ ይኸዱ።

ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ወይ ዪምናሴስኩላን ነቶም ካብ 16-20 ዓመት ዝዕድመኦም መንእሰያት እዩ። ፒልስኩላን ከኣ ይብሃል።

ዕድላት ትምህርቲ

ትምህርቲ ንዓበይቲ ነቶም 20 ዓመት ዝመልኡ በጽሕታት እዩ። ንሱ ኣብቲ ናይ ሃለፉሽ ፒልስስኩላን ይርከብ። ብዙሕን እተፈላለየን ዓይነት ትምህርቲ ንዓበይቲ ኣሎ።

ኣብኡ ነቲ ቅድም እተመሃርካዮ ንኸተመሓይሽ ክትመሃር ትኽእል ወይ ከኣ ሓድሽ ነገራት ትመሃር።

ኣብቲ ኮምዩን ብዙሕ ናይ ስልጠና ምርጫ ኣሎ፡ ካብ ናይቲ ኮምዩን ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ወይ ተክኒክ ኮለጅ፡ ወይ ናይ ዲዛይን ስልጠና ዚህብ ህዝባዊ ኮለጅ ክሳዕ ንመግብን ኣብያተመግብን ዚምልከት ስልጠና ዚህብ ናይ ግሪትሂታን ዩኒቨርሲቲ።

ካብ ካልእ ሃገር ዚመጹ ሰባት ናይ ሽወደን ቋንቋ ንወጻእተኛታት ዚብል ስልጠና ኪወስዱ ይኽእሉ።ንሱ ኤስኤፍኢ ይብሃል። እተን ዩኒቨርሲቲ ዘለወን ዝቐረባ ከተማታት፡ ኦረብሩን ካርልስታድን እየን።

ኣገልጎት ጥዕና

ሃለፉሽ ማእከል ጥዕና፡ ናይ መወልዳን ክፍሊ፡ ናይ ህጻናት ክሊኒክ ኣብ ዪለርስቨገን 20 ይርከብ።

ናይ ስኒ ሕክምና ኣብ ስታሹንቨገን 1 ሃለፉሽ ይርከብ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ተርጎምቲ በቲ ኣገልግሎት ትርጁማንን ትርጉምን ቆጸራ ይግበረሎም።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ካብን ናብን ሃለፉሽ ምግያሽ ቀሊል እዩ። ናይ ሃለፉሽ ናይ ባቡርን ኣውቶቡሳትን መነሃርያ ኣብ ማእከል ከተማ እዩ ዘሎ።

ኣውቶቡሳት ኣብ መመዓልቲ ናብ ኖራን ኦረብሩን ይኸዳ።

ካብ ኦረብሩ ናብ ሃለፉሽ ቅልጡፋት ኣውቶቡሳት ኣለዋ። ኣብቲ ናይ ለንስትራፊከን ወብሳይት ብዛዕባ ሰሌዳ ሰዓታት ረአ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ሃለፉሽ ኮምዩን ኣብቲ ቦታ እቲ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ እዩ። ኣብ ሃለፉሽ ኮምዩን ኣስታት 550 ሰባት ይሰርሑ። እቲ ዝበዝሐ ስራሕ ኣብ ክንክን ጥዕናን፡ ምእላይን ቤትትምህርትን እዩ ዘሎ። ኣብቲ ኮምዩን 108 ናይ ሞያ ዓይነታት ኣሎ፡ ንሱ ድማ ንኣረጋውያንን ህጻናትን ናይ ምእላይ ተልእኾ ዘለዎ እዩ።

ኣብ ሃለፉሽ ኣብ ብዙሕ ዕዮታት እተዋፈራ ዋኒናት ኣለዋ። 1100 ሰባት ከኣ ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ቁጠባዊ ህይወት ብሞያዊ መገዲ ይነጥፋ። መብዛሕትኡ ናይ ስራሕ ዕድላት ኣብቲ ናይ ምስናዕ ፋብሪካታት ይርከብ፡ ግን ከኣ ኣብ ንግድን ህንጻን ትራንስፖርትን ዚሰርሑውን ብዙሓት እዮም።

እተን ዝዓበያ ብሕታውያን ወሃብቲ ስራሕ፡ ካልኦት ገዲፍካ፡ ኦቫኮ፡ ስፐንድሩፕስ ብረወሪ ኤ.ቢ፡ ሎካ ብሩን፡ ዳሊ ማት፡ ኢካ እየን።

ናይ ቱሪስት ኢንዱስትሪን ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕድላት ኣለዎ።

ምስ ገለ ናይቲ ከባቢ ዋኒናት ክትራኸብ እንተ ደሊኻ፡ ኣብቲ ናይ ዋኒናት ደብተር ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ብባቡር በጺሕካ ኣብ እትምለሶ ቦታታት፡ ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕድላት ኣሎ። ክሳዕ ኦረብሩ 79.6 ኪ/መ እዩ።