Hallsberg

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ሃልስበሪ ኮምዩን ኣብ ሲድነርከ ይርከብ ኣብ መንጎ ለሰን ዱርን። ኣብ ኩሉቲ ኮምዩን ናይ ስፖርት መሳለጥያታትን፡ ዓጋምን ቃንጥሻን ዚእረዮ መሬት፡ ቡንካ ወይ መግፈፍ ዓሳኻ ሒዝካ እትበጽሖ ዱር ወይ ገምገም ባሕሪ ኣሎ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ናይ ሃልስበርይ ህንጻ ኮሙን ብጸሓይ በሪሁ ከሎ።

ማሕበራውን ባህላውን ህይወት ካብ ጃዝ ጀሚሩ ናብ ኩሉ ዓይነት ኣርእስቲ ዝሓዘለ መጽናዕቲ ጉጀለ፡ ናይ ኢድ ኵዕሶ፡ ውድድር ኲዕሶ፡ ናይ ካርል ላሾን ናይ መንደቕ ቅብኣ ስእልን የቕርብ።

መንበሪ-ገዛ

ብመንበሪ ቤትካ ምድሳት ናይ ህይወት ልዑል ደረጃ እዩ። ናብ ሃልስበሪ ትግዕዝ ዲኻ ዘሎኻ ወይ ገዛ ትደሊ ዲኻ ዘሎኻ? ኣብቲ ናይ ሃልስበሪ ወብሳይት ንኣኻ ቤት ትደሊ ዘሎኻ ዚኸውን እኩብ ሓበሬታ ኣሎ።

እቲ ናይ ሃልስበሪ ዝዓበየ ኣመሓዳርን ደልዳልን ዝካረዩ ኣባይቲ እቲ ናይቲ ኮምዩን ቤትጽሕፈት ኪራይ ኣባይቲ ማለት ሃልቡ እዩ። ኣብ ሃልቡ ወብሳይት ኪራይ ንምርካብ ሪጋ ትሕዝን ብዛዕባቲ ኣባይቲ ድማ ሓበሬታ ትረክብን።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ሃልስበሪ ካብ ኩሉ ሸነኻት ዓለም ዝመጹ ሰባት ይነብሩ። ኣብነታት ዝዝረቡ ቋንቋታት እዞም ዚስዕቡ እዮም። ዓረብ፡ ፋርስ፡ ሶማሊ፡ ሩስያ፡ ትግርኛ፡ ታይላንድ፡ ካረን፡ በርማ፡ ፊንላንድ፡ እንግሊዝ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ሃልስበሪ ኮምዩን እተፈላለየ ንጥፈታት ዘካይዳ 120 ማሕበራት ኣለዋ። ኣብዚ ካብ ናይ ስፖርት ማሕበራት ክሳዕ ናይ ዓድን ባህልን ማሕበራት ኣለዋ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ሃልስበሪ ኮምዩን ሰፊሕ ኮምዩን ኮይኑ ዓቢ ከተማኡ ድማ ሃልስበሪ ይብሃል። ካልኦት ከተማታት ንምጥቃስ፤ ዩትካቫርን፡ ፖልስቡዳ፡ ኾለርስታ፡ ኦስታንሾን ቭረትስቶርፕን እየን። ኣብአን ድማ ግሮሰሪታት፡ ቤትትምህርቲ፡ ክንክን ህጻናት፡ ሃብታም ማሕበራዊ ህይወት፡ ውቓበ ዘለዎ ተፈጥሮ፡ ግሩም ተኽእሎ ናይ በጺሕካ ምምላስ ግዕዞ ኣሎ።

ቤትጽሕፈት ቀረጽን መድህንን ሚግራሹንቨርከትን ጥቓ ኦረብሩ ይርከቡ። ቤትጽሕፈት ዕዮ ግን ኣብ ሃልስበሪ ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ቤትትምህርቲ ህጻናትን መዕረፊ ቦታን ነቶም ካብ 1 ክሳዕ 13 ዓመት ዝዕድመኦም ይዳለወሎም። ኣብ ሽወደን ዚቕመጥ ህጻን ነዚ ዕድልዚ ንኺረክብ እቲ ኮምዩን ሓላፈነት ኣለዎ። ኣብቲ መደባትና ዚርከቡ ህጻናት ኪሕጎሱን ቅሳነትን ውሕስነትን ኪስማዖም እዩ። ህጻናት ንበይኖም ወይ ብጉጅለ ወይ ብዓበይቲ ተሓጊዞም ኪጻወቱ፡ ኪፈጥሩን ኪመራመሩን ይግባእ። ብዛዕባ ክንክን ህጻናት ብተወሳኺ ኣብቲ ናይ ሃልስበሪ ወብሳይት ኣንብብ።

ብርሳሳት ዝመልኣ ዕምባባዊ መትሓዚታት ኣብቲ መስኮት ተር ኢሉ ተቐሚጡ ኣሎ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

መባእታ ቤትትምህርቲ ግዴታ እዩ ትሽዓተ ትምህርታዊ ዓመታት ድማ ይወስድ። ነፍስወከፍ ትምህርታዊት ዓመት ኣብ ክልተ ሰመስተር ይኽፈል፡ ቀውዕን ጽድይን ሰመስተር። ቅድሚ መባእታ ትምህርቲ ምጅማር፡ ትምህርቲ ንህጻናት ኣሎ፡ ንደቂ ሽድሽተ ዓመት ኮይኑ ወለንታዊ ኣገባብ እዩ ዚስዕብ።

ኣብ ሃልስበሪ ብድምር ሸውዓተ መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ። ኣብኡ 1500 ተመሃሮ ኣለዉ። ብዘይካ ኣብ ትራንስተንስኩላን፡ 7-9 ትምህርታዊ ዓመት ዘለዎ፡ ኣብ ኩሉ ኣብያተትምህርቲ ናይ ቅድመትምህርቲ ክላስን ናይ ዕረፍቲ ገዛን ኣሎ። ብዛዕባ መባእታ ቤትትምህርቲ ኣብ ሃልስበሪ ተወሳኺ ኣንብብ።

እቲ ኣብ ሃልስበሪ ኮምዩን ዘሎ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ፡ ኣለስኩላን ይብሃል ብናይ ሲድናርከ ናይ ስልጠና ማሕበር ኢዩ ዚመሓደር።

ሓደ መሓበሪ ሰሌዳ ኣብ ናይ ቤት ትምህርቲ ኣሌ ቀጽሪ፡ እቲ ሰሌዳ ናይ እቲ ቤት ትምህርቲ ህንጻታት ካርታ የርኢ።

ዕድላት ትምህርቲ

ዓቢ ዲኻሞ ኣብ ሃልስበሪ ክትመሃር ትደሊ? ንትምህርቲ ኣብ ሃልስበሪ ኮምዩን ግሩም ተኽእሎ ኣሎ።

ብሲድናርከ ናይ ስልጠና ማሕበር ዚወሃብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ብዙሕ ዕድላት ይህብ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ናይ ሲድናርከ ናይ ስልጠና ማሕበር ወብሳይት ኣንብብ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ሃልስበሪ ኮምዩን ብዙሕ ማእከላት ጥዕና ኣሎ። ኣብዚ ናይ ሃልስበሪን ናይ ፖልስቡዳ ማእከል ጥዕና ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ሃልስበሪ ኮምዩን ናይ ትርጁማንን ትርጉምን ኣገልግሎት ካብ ኦረብሩ ይጥቀም።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ሃልስበሪ ኮምዩን ናይ መገድታትን መገድታት ባቡርን ኣሳሪት ነቝጣ እያ። ክሳዕ ሃልስበሪ ኮምዩን ብባቡር፡ ብማኪና ወይ ብባስ ብቐሊሉ ኪኽየድ ይከኣል። ኣብ ሃልስበሪ ካብ ኩሉ ሸነኻትዝመጸ መገዲባቡራት ይራኸብ። ኣብቲ ኮምዩን E 20 ከምኡውን ሃገራውያን ጽርግያታት 50፡ 51ን 52ን ይርከቡ። ካልኦት ንእስ ዝበሉ ናይ መኻይንን ብሽግለታን ጽርግያታትውን ኣለዉ።

ኣብ Sj ብዛዕባ ናይቲ ሃገር ናይ መገድታት ባቡር ሓበሬታ ክትረክብን መገሻኻ ከተመዝግብን ትኽእል።

Länstrafiken ንናይ ኦረብሩ ወረዳ ሓባራዊ ጕዕዞ የመሓድር።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ሃልስበርይ ግሩም ቁጠባዊ ሃዋህው ኣሎ፡ ንሱ ድማ ብምትሕብባር ሰብ ዋኒን እተፈጥረ እዩ።ኣብቲ ኮምዩን ኣስታት 1200 ዋኒናት ኣለዋ፡ ካባታተን ድማ ሓያሎ ነኣሽቱን ንጡፋትን እየን። ኣብዚ፡ ሓያል ተክኒካውን ደረጃውን ብቕዓት ዘለወን ፋብሪካታት ኣለዋ።

ሃልስበሪ ኣብቲ ቨስትራባናን፡ መላርባናን ስቨያላንድባናን ዚራኸቡሉ ቦታ ትርከብ ከምኡውን ግሩም መራኸቢታትን ተፍጥሮኣዊ ጸጋን ኣለዋ። ቅርበት ናብ ትምህርታውያን ማእከላትን ባህላዊ ንጥፈታትን ነቲ ኮምዩን ኣዝዩ ሰሓቢ ይገብሮ። ብተወሳኺ ብዛዕባ ናይ ሃልስበሪ ቁጠባዊ ናይ ስራሕ ህይወት ኣንብብ።

ናብ ሃልስበርይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ዝብል ናይ ሓበሬታ ሰሌዳ።