Kumla

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኩምላ ብብዙሕ መገዲ እትዓቢ ዘላ ኮምዩን እያ። ተቐማጦና ይበዝሑ ኣለዉ። ንሕና መሃዝቲ ኢና ሓድሽ ብምህናጽ ከኣ ንዓቢ። ኣብዚ ካብ መጀመርታ ክሳዕ ሽምግልና ግሩምን ውጡንን ንጥፈታት ኣሎ። ትምህርቲን ዕረፍትን፡ ባህልን ተፈጥሮን ንኣካልን ንኣእምሮን። ነቲ መዓልታዊ ኣከባቢ ኣስተዋጽኦ ንገብረሉ። ኩሉ ንገብር፡ መታን ከማና ኣብ ኩምላ ደስ ኪብለካ!

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መንበሪ-ገዛ

ኩምላ ኮምዩን ኩሉ ዓመት እዩ ዚዓቢ፡ ስለዚ ኩሉ ገዛ መታን ኪህሉዎ ሓደስቲ ገዛውቲ ይስርሑ። ነኣሽቱን ዓበይትን መንበሪ ኣባይቲ፡ ስድራቤታዊ ኣባይቲ።

ከም ተቐማጣይ ኩምላ በቲ መንበሪ ቤትካ ጥራይ ዘይኮነስ በቲ ኣከባቢኻውን ክትሕጎስ ኢኻ፡ በቲ ኩሉ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ። ኣብ ቪላ ወይ ሰርቪስ ወይ ኣፓርትማ ትቀመጥ ብዘየገድስ፡ ኩሉ ግዜ ጥቓ ተፈጥሮ፡ ኣገልግሎት፡ መዘጋግዒ ቦታ፡ ባህልን ናይ ስራሕ ቦታን ኢኻ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ወብሳይትና ኣንብብ።

ኣብ ኩምላ ሓያሎ ናይ ገዛ ደላሎ ኣለዉ። ዝርዝር ብዛዕባኦም ኣብ ናትና ወብሳይት ይርከብ።

ትርኢት ናይ ሓደ ሳዕራም ሜዳ ኣብ ኩምላ። ብድሕሪት ነዋሕቲ ገዛውትን ቪላታትን ይርኣ ኣሎ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ኩምላ ኮምዩን ካብ ኩሉ ሸነኻት ዓለም ዝመጹ ሰባት ይነብሩ፡ ኣብኡ ኸኣ ልዕሊ 70 ብሔራት ኣለዉ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኩምላ ኮምዩን ንኹሉ ዘሳትፍ ሃብታምን ሰፊሕ ማሕበራዊ ህይወት ኣሎ። ኣብኡ ካብ ስፖርት ጀሚርካ ናይ ዓዲ ማሕበራት ኣለዋ።

መንእሰያት ኣብ ሓደ ናይ ስፖርት ኣዳራሽ ኵዕሶ እግሪ ይጻወቱ ኣለዉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኩምላ ብስፍሒ ንእሽቶ እያ ግን ከኣ ናብ ኩሉ ቀረባ እያ። ኩምላ ናይቲ ኮምዩን ከተማ እያ፡ ኣብኡ ከኣ ቤትንባብ፡ ድኳናት፡ ባንክ፡ ጽባቐ ጸጕሪ፡ ፋርማሲ፡ ማእከል ጥዕና፡ መሐምበሲ፡ ኣደራሽ መንሸራተቲ፡ መጻወቲ መናፈሻን ካልእን ኣሎ።

ኣብያተጽሕፈት ቀረጽ፡ መድህንን ሚግራሹንቨርከትን ኣብ ኦረብሩ ይርከቡ። ቤትጽሕፈት ዕዮ ኣብ ኩምላ ይርከብ።

ክልተ ቈልዑ ምስ ኣቦም ኣብ ገምገም ባሕሪ ኵዕሶ እግሪ ይጻወቱ ኣለዉ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኩምላ ኮምዩን ካብቲ ህጽናትን መንእሰያትን መጻኢ ተስፋና እዮም ዚብል ነጥቢ ተላዒሉ እዩ ዚሰርሕ።

ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ንደቂ 1-5 ዝዕድመኦምን ኣላዪነት ንዚደልዩን እዩ። ተወሳኺ ሓበሬት ብዛዕባ ኣብያተትምህርቲ ህጻናትና ኣብ ወብሳይትና ኣንብብ። ኣብኡ ንደቅኻ ቦታ ክትሓተሎም ትኽእል።

ሓንቲ ጓል ኣብ መውዓሊ ህጻናት ኣብ መንሸራተቲ ሸተት ትብል ኣላ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

መባእታ ቤትትምህርቲ ግዴታ እዩ፡ 9 ትምህርታዊ ዓመት ከኣ ኣለዎ። ቤትትምህርቲ ኪጅምር ከሎ 13 መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ፡ ካብ ናይ ህጻናት ክላስ ክሳዕ ትምህርታዊ ዓመት 9.

እቶም ኣብ ሽወደን ሓደስቲ መጻእቲ ዝኾኑ ተመሃሮ ዓመታዊ ትምህርቶም ብናይ መእተዊ ክላስ ኪጅምሩዎ ይኽእሉ። ኣብኡ መሰረታዊ ፍልጠት ቋንቋ ሽወደን ይቐስሙ፡ ከምኡውን ትምህርታዊ ድሕረባይታኦም ይግለጽ። ድሕሪዚ ናይቲ ዚቕጽል ትምህርታዊ ዓመት ውልቃዊ ውጥን ይግበር። እቲ ናይ መእተዊ ክላስ ኣብ ማልመንስ ቤትትምህርቲ እዩ ዚካየድ። ንናይ 2-5 ትምህርታዊ ዓመት ተምሃሮ፡ ኣብ ኩምላቢ ቤትትምህርቲ፡ ንናይ 6-9 ትምህርታዊ ዓመት ተምሃሮ፡ ከምኡውን ጆን ኖርላንደር ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ንተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ። ኣብ ናትና ወብሳይት ተወሳኺ ሓበሬታ ይርከብ።

ኣብ ኩምላ ካልእይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣሎ፡ John Norlandergymnasiet። ንሱ ተዮሪያውን ግብራውን ትምህርቲ ይህብ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ናይ ኩምላ ኮምዩን ኮሙናዊ ትምህርቲ ንዓበይቲ መሰረታውን ካልኣይ ደረጃውን ሞያውን ኤስኤፍኢን (sfi)ፍሉይ ትምህርቲ ንዓበይትን ዝሓዘ ኮርሳት ክትወስድ ትኽእል።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ከተማ ኩምላ ክልተ ማእከላት ጥዕና ኣለዋ። መወልዳን፡ ናይ ህጻንት ክሊኒክ፡ ናይ ተመሃሮ ክንክን፡ ክፉት ቤትትምህርቲ ህጻናት ከምኡውን እተፈላለየ ደገፍ ወለዲ ኣብቲ Familjens Hus ይርከብ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ኩምላ ኮምዩን ምስ ዘድሊ፡ ነቲ ኦረብሩ ዝመሰረቱ ኣገልግሎት ትርጁማንን ትርጉምን ይውከስ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ወረዳዊ ትራፊክ ኦረብሩ ነቲ ናይ ኩምላ ሓባራዊ መስመራት የካዪዶ። እቲ ናይ መጎዓዝያ ሰንትሩም ኣብ ማእከል ኩምላ ይርከብ። ኣብኡ ባቡር ወይ ኣውቶቡስ ምውሳድ ቀሊል እዩ።

ክልተ ሰማያዊ ኣውቶቡሳት መቖም ኣውቶቡስ ደው ኢለን ኣለዋ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ኩምላ እተፈላለየ ዕቤት ዘለዎ ዋኒናት ይርከብ። ነተን ዋኒናት ድማ ኣብ ናይቲ ኮምዩን ናይ ዋኒናት ደብተር ትረኽበን።

ኩምላ ዚሰፍሕ ዘሎ ኮምዩን እዩ። ንሱ ቅልጡፍ ምዕባለ ዘርእዩ ተቐማጦን ተበላሓትትን ከምኡውን ኣብ ኩሉ ዋኒናት ዚረአ ምዕባለን የርኢ። ንሕና ግሩም ዋኒናዊ ንጥፈታት፡ ኣብ ወረዳ ኦረብሩ ድማ ዝበለጸ ናይ ቍጠባ ሃዋህው ኣሎና።