Ljusnarsberg

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ዩስናሽበርይ ኮሙን ኣብ በርይስላገን እትርከብ ኮይናጥዑም ኣየርን እተፈላለየ ተመክሮታት ዚህብ ግሩም ተፈጥሮን ዘለዋ ኮሙን እያ። ኣብዚ ልዑልደረጃ ህይወትኣሎ፡ ኣብ ከተማ ንገጠርን ድማ ኪንበር ይከኣል። ኣብቲ ኮምዩን ክልተ ዝዓብያ ዘለዋ ዋኒናት ኣለዋ፡ ኩሉቲ ኮምዩን ድማ ድልዱል መጻኢተስፋ ዘለዎ እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ዩስናሽበርይ ኮምዩን ኣብ ከተማን ኣብ ገጠርንብዙሓት ነኣሽቱ መንበሪ ኣባይቲ ኣለዋ። ኣብኡ ኣስታት 10 እተፈላለዩ ወነንቲ ኣባይቲ ኣለዉ። ኣብቲ ናይቲ ኮሙን ወብሳይት ዝያዳ ሓበሬታ ይርከብ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኢንተግራኹን በርይስጎርደን ካብዘን ዚስዕባ ሃገራት ሓተትቲ ዑቕባ ተቐቢላ፤ ኢራን፡ ኢራቅ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሲርያ፡ ለባኖን፡ ኤርትራ፡ ሶማልያ፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ማሮኮን ላይበርያን። ሓደስቲ መጻእትና ነዘን ዚስዕባ ቋንቋታት ይዛረቡ፤ ዓረብ፡ እንግሊዝ፡ ሶማሊ፡ ኣምሓርኛ፡ ትግርኛ፡ ስፓኛ፡ ፈረንሳ፡ ፋርስን ዳሪን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ዩስናሽበርይ ኮምዩን ሓያሎ ናይ ስፖርት ማሕበራት ኣለዋ፡ ካብዚ፡ ኵዕሶእግሪ እዚ ዝዓበየ እዩ።

ABF ነቶም ዑቕባ ዚሓቱን ነቶም ቦታ ኪወሃቦም ዚጽበዩን፡ ናይ ማሕበረሰብ ሓበሬታን ሽወደን ንወጻእተኛታት ዚብል ኮርስን ይህብ።

ቀዪሕ መስቀል ኣብ ሰሰሙን ዚካየድ ናብ ሓተትቲ ዑቕባን ናብቶምብኮምዩን ቦታ እተዋህቦምን ዘተኮረ እተፈላለየ ንጥፈታት ኣለዎ።

ሽወደናዊት ቤትክርስትያን እውን ኣብቲ ሽወደን ንወጻእተኛታት ዚብል ፕሮግራም ትሕግዝ ነይራ እያ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ኮፓርበርይ ንእሽቶ ሰንትሩም ምስ ናይ ኣደባባ ይዕዳጋኣሎ። እቲ ቤትንባብ፡ ኢንተርነትን ብእተፈላለየ ቋንቋታት መጻሕፍትንመጽሔትን ኣለዎ። ድሕርቲ ቀንዲ ጎደና፡ ድኳናትን ባንክን ከምኡውን ሓያሎ ናይ ሰከንድሃንድ ቡቲካትን ኣሎ። ብእግሪ እትበጽሖም ድማ ማሕበራዊቤትጽሕፈት፡ ኢንተግራሹንበርይስ ጎርደን፡ ፋርማሲ፡ ቤትጽሕፈት ቱሪስት ወዘተኣሎ። ቤት ጽሕፈት መራኸቢ ስራሕን ውሕስት ካሳን ኣብ ሊንደስበርይ ይርከብ።

ዪለርስላክ፡ መሐምበሲ ኣደራሽን ማይ ውዑይን መብራህቲ ዘለዎ መንሸራተትን ዘለዎ ዓቢ ናይ ዕረፍቲ ቦታ እዩ። ኣብ ሰንትሩም ናይ ቦውሊንግ መጻወቲ ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ርክባት፡ ደስታን ምትሕግጋዝን ናይቲ ጸገማት ንምፍታሕዝዓለመ ቤትትምህርቲመሪሕ ቃላት እዩ። ኣብኡ ናይቶም ህጻናት ዝንባለን ዓቕምን ይምዘን ብሎጂካውን ደሞክራስያውን ኣወንታውን ምህሮ ድማ ህይወት ይረክብ። ኣጸደ ህጻናትና ነኣሽቱ እየን፡ ዚዓቢ ናይ ትምህርቲ ሃውህው ብብቑዓት መምህራን ድማ የቕርባ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ትምህርቲ ዘይውዳእ ብምዃኑ እቲ ህጻን ካብ ኣጸደ ህጻናት ክሳዕ ናይ ኣባጽሕ ትምህርቲ ቦታኡ ኪሕዝ ይግባእ። ኣጸደ ህጻናትና ነኣሽቱ እየን፡ ዚዓቢ ናይ ትምህርቲ ሃውህው ብብቑዓት መምህራን ድማ የቕርባ።

ናይ ካልኣይ ደረጃ ተመሃሮ ናብቲ ኣብ ሊንደስበርይ ዚርከብ ናይ ሊንደስስኩላን ካልኣይደረጃ ቤትትምህርቲ ብኣውቶቡስን ባቡራትን በጺሖም ይምለሱ። ሊንደስስኩላን እተፈላለየ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም የቕርብ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ናይ ኮፓርበርይ ኮምቩክስ sfi (ሽወደን ንወጻእተኛታት) ክትወስድ ትኽእል። ዩስናሽበርይ ኮምዩን ንምቕባል ዘዳሉን ዘተሓባብርን ናይ ውህደት ኣተሓባብሪ ኣሎ። ብዙሕ ኮርሳትን ፕሮግራማትን ብናይ ርሑቕ ትምህርቲ ኪውሰድ ይከኣል እዩ።

እቲ ብዛዕባ ምልላይ ሕብረተስብ ዚወሃብ ኮርስ ምስተን ኣብ ኦረብሩ ወረዳ ዘለዋ ኩለን ኮምዩናት ብምትሕብባር እዩ ዚካየድ። እዚ ንኹሉ መታን ከሳትፍ ብናይ ኣደ ቋንቋ ይውሃብ። እቲ ሓበሬታ፡ ብመሰረት ቋንቋን ብዝሒ ተሳተፍትን ኣብ ኩሉ ቦታ እዩ ዚወሃብ።

ኣገልጎት ጥዕና

ናይ ኮፓርበርይ ማእከል ጥዕና ናይ ዞባ ክሊኒክ፡ ናይ ኣደታት ክሊኒክ (MVC), ናይ ህጻናት ክሊኒክ (BVC) ከምኡውን ህዝባዊ ሕክምና ስንን የቕርብ።

እቲ ናይ ሊንደስበርይ ናይ ዑቕባን ውህደትን ክሊኒክ፡ ነቶም ዑቕባ ዚሓቱ፡ ናይ ህጹጽ ረድኤት MVC ን BVC ን ይቕርብ።

ህጹጽ ረድኤት ናብ ሊንደበርይ ረፈራል ይምራሕ

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ዩስናሽበርይ ኮምዩን ከም ኣድላዪነቱ ኣብ ሉድቪካ ወይ ኣብ ቡርለንገ ናይ ትርጉም ኣገልግሎት ይጥቀም። ናይ በርይስጎርደን ኮፓርበርይ ኢንተግራኹን፡ 10 ቋንቋታት ኪትርጉም ይኽእል።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

Tågkompaniet ከምኡውን Tåg i Bergslagen ነቲ ብጥቓ ኮፓርበርይ ዚሓልፍ መስመር ባቡር የገልግሎ። Länstrafiken ምስ ሊንደስበርይ፡ ኦረብሩ፡ ሉድቪካን ቡርለንገን ናይኣውቶቡስ ርክባት ኣለዎ።ባቡር ወይ ኣውቶቡስ ንሊንደስበርይ 30 ደቓይቕ ይወስደለን፡ ክሳዕ ኦረብሩ ድማ 1 ሰዓት፡ ክሳብ ሉድቪካ 20 ደቓይቕ፡ ክሳብ ቡርለንገድማ 1 ሰዓት። ባቡር ወይ ኣውቶቡስ ኣብ ሰሰዓት እየን ዝነቕላ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ናይ ኮፓርበርይ ፋብሪካ ቢራ፡ ዩስናሽበርይ ኮምዩንን ኣልስትሮምን ካብተን ናይቲ ኮምዩን ዝዓበያ ወሃብቲ ስራሕ እየን። ABB ኣብ ሉድቪካ ዓቢ ፋብሪካ ኣለዎ፡ ግረንየስበርይ ፋብሪካ ቢራ ድማ ኣብ ውሽጢ 25 ኪ/መ ይርከብ።

ኣልስትሮም ልክዕ ከምኮፓርበርይ ፋብሪካ ቢራ፡ ሰራሕተኛታት ይደሊ። ንሳተን ናይ መኽዘንን ናይ ዳታኢንጂነርን ወዘተ. ሰራሕተኛታት የድልየን። እቲ ማእከል ጥዕና ሓፈሻውያን ሓኪማትን ነርስታትን ይደሊ። እቲ ኮምዩን ናይ ኣጸደ ህጻናት ቤትትምህርቲ መምህራንን ነርስታትን ተሓጋገዝቲ ነርስታትን ይደሊ።