Nora

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኑራ፡ ብኣግራብን መሬትን ዝተኸበት ኣብ ከባቢ ባሕሪ ኑራ ተደኵና ትርከብ። ይኹን እምበር እትርከበሉ ቦታ ውን ንጹል ኣይኮነን እንታይ ደኣ፡ ካብታ ብስፍሓታ ሻብዓይቲ ከተማ ሽወደን ዝኾነት ኦረብሩ ካብ ኑራ ናይ 30 ደቂቕ ጉዕዞ እያ ርሒቓ ትርከብ። ኣብ ኑራ እምበኣር ብዜካ ርግኣት ናይታ ንእሽቶይ ከተማ፡ ብቐሊሉ ናብ ካልኦት ከተማታት ናይ ምኻድ ዕድላት ውን ህሉው እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ትርኢት ናይ ከተማ ኖራ። ብነጀው ሸነሕ ሓደ ባሕሪ። ሓደ ጸሊም ናሕሲ ዘለዎ ጻዕዳ ቤተ ክርስትያብ ኣብቲ ደረት-ትርኢት ጸብለል ኢሉ ይርኣ ኣሎ።

እዛ ብኣግራብ ዝማዕረገት ንእሽቶይ ከተማ ኑራ፡ ንታሪኽ ሽወደን ዘወቅብ ሃብታምን ዝተፈላለየን ታሪኽ ዝሓቆፈት እያ። እዚ ኸኣ፡ ኣብነታዊት ንእሽቶይ ከተማ፡ ዕደናን ስርሓት ሓኣጺንን፡ ነዊሕ ዝገብረ ናይ ገዛእ ርእሳ መንገዲ ባቡርን የጠቓልል። ዝዓበየ ከባቢታት ኑራ ዳርጋ ካምቲ ቅድሚ 100 ዓመት ዝነብረ ምስሉ ኣሎ ክበሃል ይከኣል። ኣብዚ እዋን'ዚ ነታ ከተማ ዝድህስስ ባህላውን ቅርሳውን መደባት ነአንግድ ኢና።

መንበሪ-ገዛ

መንበሪ ገዛ ዝኾነኩም፡ ናይ ቀደም ገዛውቲ ዲኹም ትደልዩ ወይ'ሲ ዘመናዊ ገዛውቲ? ኣብዛ ኣብ ዞባ በሪስሎገን እትርከብ ከተማ ኑራ ዝደለኹሞ ዓይነት መንበሪ-ኣባይቲ ክትረኽቡ ትኽእሉ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይቲ ከተማ (ኮምዩን) ዝርዝር ናይ ዝተፈላለዩ ኣካረይቲ ክትረኽቡ ትኽእሉ። ኣብዚ ብምጥዋቕ ውን ዝርዝር ማሕበራት መንበሪ-ኣባይቲ ከምኡ ውን ደላሎ መንበሪ-ኣባይቲ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ያርንቡኦስ-ኣብ ጥቃ ተፈጥሮ ተቐመጡ

ኣብዚ ከባቢ'ዚ፡ ነባሪን ምቹእን መንበሪ-ገዛ ክትረኽቡ ትኽእሉ። ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ኦረብሩ፡ ኖራ ወይን ውን ሊንደስባሪ፡ ኣብ ስራሕ ወይ ውን ኣብ ትካልኩም ውዒልኩም ተመሊስኩም እትዕርፉሉ ህዱእ መንበሪ ገዛ እትረኽቡሉ ከባቢ እዩ።

ሓደ ኣረጊት ቀይሕ ናይ ዕንጨቲ ገዛ ኣብ ኩንግስጋታን ኣብ ኖራ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ቋንቋ ሽወደን ገዲፍካ ኣብ ኑራ ካብ ዝዝረቡ ዓበይቲ ቋንቋታት፡ ዳች (ቋንቋ ሆላንድ)፡ ጀርመን፡ ዓረበኛ፡ ኩርዲ፡ ፋርሲ፡ ዳሪ፡ ሶማለኛ፡ ትግርኛ ከምኡ ውን ቋንቋ ታይላንድ ይርከብዎም። ብዜካ'ዚ ካልእ ኣዝዩ ውሑድ ተዛራቢ ዘለዎ ዓሰርተታት ቋንቋታት ውን ይርከብ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ከተማ ኑራ፡ ልዕሊ 140 ዝተፈላለያ ምዝጉባት ማሕበራት ኣለዋ። ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ኑራ 3 ክርስትያናዊ ምትእኽኻባት (ሰበኻ) ይርከባ። ኣብ ነኣሽቱ ዓዲታት ናይቲ ዞባ ብርክት ዝበላ ኣብያተ-ክርስትያን ኣለዋ። ዝቐረበ መስጊድ ኣብ ከተማ ኦረብሩ ይርከብ።

እተን ኣብ መዳይ ስፖርት ዝነጥፋ ማሕበራትና፡ ንዝተፈላለዩ ክሊ-ዕድመ ዝምልከት ሃብታም ንጥፈታት የማእክላን የዳልዋን። ብዜካ'ዚ፡ ዕዉታት ክለባት ውን ኣለዋና። ኣብዘን ክለባት እዚኣተን ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ብደረጃ ዓለም ውሩያት።

ስፖርተኛታት ዝሓቆፋ እየን። ብዜካ እዘን ዝተጠቕሳ ማሕበራት፡ ካልኦት ሕብረተ-ሰብኣዊ ረብሓታት ምርኩስ ብምግባር ዝዓያ ማሕበራት ንኣብነት፡ ከባብያዊ-ማሕበራት፡ ናይ ሳዕስዒት ማሕበራት፡ ባህላዊ-ማሕበራት፡ ምትእኽኻባዊ ማሕበራት ከምኡ ውን ናይ ኣግራብ-ማሕበራትን ወዘተ ይርከባ።

ኣድራሻን ዝርዝርን ብዛዕባ እዘን ማሕበራት ኣብዚ መዝገብ ማሕበራት'ዚ ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ዞባ ኑራ ዳርጋ ኩሉ ዘድልየኩም ኣሎ ክበሃል ይከኣል። ኣብ ኑራ፡ ይትቶርፕን ያርንቡኦስን ድኳናት መዓልታዊ-ሃለኽቲ ወይ ኣስቤዛ ይርከብ። ቤት-ጽሕፈት ዕዮ (ኣርበትስፎርመድሊንገን)፡ ማሕበራዊ ቤት-ጽሕፈት፡ መቐበሊ ስደተኛታት፡ ቤት-ንባብ፡ መሐንበስን ናይ ስፖርት ማእከላትን ከኣ ኣብ ማእከል ከተማ ኑራ ይርከብ።

ንመዓልታዊ ህወት ዘድልየኩም ነገራት ከም ሳእኒ፡ ክዳውንቲ፡ ፋርማሲ፡ ኑቕጣ-በንዚና፡ ድኳናት ኣቍሑ፡ መሸጢ ህንጻዊ መሳለጥያታት፡ ጋራጅ መዐረዪ ማካይን፡ ስፖርታዊ ማእከላትን ድኳናት ዘገልገለ ሓራጅ ኣቍሑን ካልእን ውን ይርከብ።

ሓደ ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣብ ኖራ ዝወስድ መገዲ ዘርኢ መሓበሪ ሰሌዳ ዘለዎ ዘንጊ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣገልግሎት ክንክን ቆልዑ ብክልተ መልክዓት፡ ማለት ከም መውዓሊ ህጻናትን ኣዚለ ክፍልን ይወሃብ። ካብ 1 ክሳብ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ትምርህቲ ዝተሓወሶ ክንክን ወይ ውን መውዓሊ-ህጻናት ቦታ ይወሃቦም። ነቶም ካብ 6 ክሳብ 13 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ከኣ፡ ትምህርታዊ ነጻ ናይ መዘናግዒ ንጥፈታት ይምደበሎም።

እቲ ብፒራያን ዝፍለጥ ማእከል ስድራቤታት ነቶም ካብ ክሳብ 6 ዓመት ዘለዉ ህጻናትን ስድራቤቶምን ዝጥርንፈ መራኸቢ ማእከል እዩ። ኣብዚ ማእከል'ዚ፡ ምስ ህጻናትን ዓበይትን ሻሂ-ቡና እናበልኩም ከተውግዑን ምኽሪ ክትረኽቡን ትኽእሉ።

ሓደ መጻወቲ ቦታ ዘለዎ መናፈሻ። ኣብቲ መጻወቲ ቦታ ሸተት መበልን ሰለል መበልን ኣለዎ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኑራ፡ 6 መንግስታዊ ሓንቲ ከኣ ግላዊት መባእታዊት ኣብያተ-ትምህርታት ይርከባ። እታ ብካርልስአንግስ እትፍለጥ ኣብ ማእከል ከተማ ኑራ እትርከብ ቤት-ትምርህቲ እታ እንኮ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ።

ኣብታ ብህየርነት እትፍለጥ ኣብ ኑራ እትርከብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ 3 ዝተፈላለየ ኣንፈታት ትምርህቲ ኣለዋ። ንሳተን ከኣ፡ ውልቃዊ ኣማራጺ፡ መዳለዊ ፖርግራም፡ ሞያዊ መእተዊ ፖሮግራምን እዮም። እቶም ዝበዝሑ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኑራ ሃገራዊ መደብ ትምርህቲ ምስ መረጹ ናብ ከተማታት ሊንድስበሪን ኦረብሩን ከይዶም ይመሃሩ።

ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ የርነት ኣብ ኖራ። ብቐይሕ ሕጡብ ዝተሃንጸ ናይ ክልተ ደርቢ ህንጻ።

ዕድላት ትምህርቲ

ምምሕዳር ከተማ ኑራ፡ ንትምርህቲ ዓበይቲ ወይ ኣባጽሕ ዝምልከት ሰፊሕ ዕድላትን ባይታን ዘዋደደ ኮይኑ፡ ብጸጋ ጀኦግራፍ ውን ዩኒቨርስቲ ኣብ ዝርከበሉ ከባቢ ይርከብ። ብቐረባ ካብ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ እቲ ኣብ ኦረብሩ ዝርከብ እዩ። እቲ ብምምሕዳር ናይቲ ከተማ ዝምእከል ትምርህቲ ዓበይቲ ብትካል ህየርነት ዝውነን ኮይኑ ኣብኡ ትምርህቲ ዓበይቲ፡ ትምርህቲ ቋንቋ ሽወደን ከምኡ ውን ፍሉይ ትምህርቲ ንዓበይትን ሞያዊ ትምርህርቲ (ኣብ መዳይ ክንክን) ይርከብ። ብዜካ'ዚ ምስ ድልየታትኩም ዝሳነ ዝተፈላለየ ንምምስራት ትካላት ማእከል ዝገብር ትምህርታን ካልእ ብርሕቀት ዝውሰድ ትምህርታትን ውን ኣለና።

ኣገልጎት ጥዕና

ማእከል ጥዕና፡ ሕክምና ኣዴታት፡ ሕክምና ቆልዑ ከምኡ ውን ሕክምና ስኒን ኣብ ማእከል ከተማ ኑራ ይርከብ።

ማእከላት ህጹጽ ሕክምናዊ-ኣገልግሎት ኣብ ሆስፒታል ሊንድስበሪ ሕክምና ዩኒቨርስቲ ኦረብሩን ይርከብ።

ኖራ ማእከል ክንክን ጥዕና፡ ሓደ ቀይሕ ናይ ሕጡብ ህንጻ ዝኾነ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ኣብያተ-ጽሕፈታት ኣብ እትራኸቡሉ አዋን እሞ ኸኣ ናይ ቋንቋ ሕጽረት ምስ ዝህልወኩም ተርጓሚ ከም ዝቍጸረልኩም ይግበር።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ካብ ኑራ ናብቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ከተማታት ናይ ምጕዓዝ ዕድላት ብዝምልከት ናይ ኣውቶቡስ ኣማራጺ ጥራይ እዩ ዘሎ። ካብ ኑራ ናብ ኦረብሩ ዝኸይድ መስመር ባብሩ ግን ኣብ መስርሕ ይርከብ። ማእከል መውፈሪ ኣውቶቡሳት፡ ኣብ ማእከል ከተማ ኑራ ኣብ ከባቢ ባሕሪ-ኑራ (ኖራኾን) ይርከብ።

መደበር ባቡር ኣብ ኖራ። እቲ ብድሕሪት ዘሎ ኣዳራሽ መደበር ሓደ ቀይሕ ናይ ሕጡብ ህንጻ ኾይኑ ቀጠልያ ናይ ላሜራ ናሕሲ ኣለዎ።

ካብ ኑራ ናብ ከተማ ኦረብሩ፡ ሊንድስበሪን ሄለፎርሽን ዝኸዳ ስሩዓት ኣውቶቡሳት ኣለዋ። ንሰዓታት ንቕሎ ብዝምልከት ኣብ መርበብ ሓበሬታ መጎዓዝያ ኣውራጃ ኦረብሩ ኣቲኹም ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

ካብ ኦረብሩ ናብ ዝዓበየ ክፋል ሽወደንን ከተማ ኦስሎ ነርወይን ብቀጥታ ዝኸዳ ባቡራት ኣለዋ። ኣህጉራዊ መዕርፎ-ነፈርቲ ብቐረባ ካብ ከተማ ኦረብሩ ውጽእ ኢልካ ይርከብ።

ክልተ ሰማያዊ ኣውቶቡሳት ደው ኢለናሉ ዘለዋ መቖም ኣውቶቡስ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ዝዓበየ ወሃቢ-ስራሕ ኣብ ከተማ ኑራ፡ ምምሕዳር ከተማ እዩ። ኣብ ምምሕዳር ናይቲ ከተማ 750 ተቆጺሮም ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ኣለዉ። ኣብዚ ምምሕዳር ከተማ'ዚ ኣስታት 100 ኣብ ግላዊ ጽላት ዝነጥፋ ትካላት ይርከባ። ካብዘን ዝተጠቕሳ ትካላት እተን ዝዓበያ ትካላት፡ ኦሪካ-ማይኒን፡ ሳንድቪክ ጨንፈር ኑራ፡ ዳንፉ፡ ድሪልኮንን ዩሮፕሮፊልን ይርከብአን። ኣብ እዋን ሓጋይ፡ ከተማ ኑራ ብበጻሕቲ ክተዕለቕልቕ ትርአ። ስለዝኾነ ከኣ፡ ኣብዚ መዳይ'ዚ ንኽትሰርሕ ምሕሳብ ውን ውጽኢታዊ ክኽእውን ይኽእል'ዩ።

ከተማ ኑራ ኣብ ዞባውን ኣውራጃውን ሜዳታት ዝግበር ንግዳውን ኢንዱስትርያውን ንጥፈታት ብዕቱብ እትዋሳእ ከተማ እያ። ሓደስቲ ትካላት ንምምስራት ኣብ ዝግበር ተበግሶታት ብርክት ዝበለ ድጋፋት ካብ ኣልሚ ከማኡ ውን ኢኤፊኤስ ዝበሃላ ከምኡ ውን ኣህጉራዊ ማሕበር ትካላት ሽውደን ዝኣመሰላ ትካላት ብርክት ዝበለ ድጋፍ ኣብ ምግባር ይተሓባበራ።