Örebro

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኦረብሩ ናይ ሽወደን ሳብዐይቲ ዝዓበየት ኮምዩን እያ። ባዕላ እታ ከተማ ኦረብሩ 700 ዓመት ዝገበረት እያ። እቲ ቤተመንግስቲ ኣብ 12 ክ/ዘመን እዩ ተጀሚሩ። 70% ህዝቢ ሽወደን ካብ ኣረብሩ 300 ራድዩስ ዘሎ ከባቢ ይነብ፡ ኦረብሩ መዓርፎ ነፈርቲ ድማ ናብ ኩሉ ሽወደንን ናብ ኤውሮጳን በረራ ኣለዎ። ብባቡር ኣብ ኩሉ ክፋላት ሽወደን ኪኽየድ ይከኣል።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብዝሒ-ህዝቢ

155774

ስፍሓት መሬት

1621 ኪሜ²

መንበሪ-ገዛ

ÖBO ናይቲ ኮምዩን ውልቃዊ ትካል ክራይ ኣባይቲ እዩ፡ ኣብቲ ናቱ ወብሳይት ድማ ብዛዕባኡን ብዛዕባ እቲ መንበሪ ኣባይቱን ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል። ካልእ ትካላት ክራይ ኣባይቲ ኣብቲ ናይ ኦረብሩ ኮምዩን ወብሳይት ክትረክብ ትኽእል።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ኦረብሩ ካብ ኣስታት165 ሃገራት ዝመጹ ስደተኛታት ይቕመጡ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ማእከል ኣገልግሎት Servicecenterብዛዕባ ናይቲ ኮምዩን ኣገልግሎት ብ15 ቋንቋታት ክትረክብ ትኽእል። ማለት ብፋርሲ፡ ኣዘሪ፡ ዳሪ፡ ኩርድ፡ ዓረብ፡ ቱርኪ፡ ቦስንያ፡ ሰርብያ፡ ክሮሽያ፡ ሶማሊ፡ ጣልያን፡ ፊንላንድ፡ ሊቱዋንያ፡ ናይ ምልክት ቋንቋ፡ ስፓኛን ጃፓንን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ኦረብሩ ኮምዩን ብዙሓት ኣብ ባህልን ስፖርትን ደጋዊ ዙረትን ዘተኩራ ማሕበራትን ካልኦትን ማሕበራትን ንጥፈታትን ይርከብ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ብዛዕባ መብዛሕትአን ዘድሊ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኦረብሩ ቀንዲ ከተማ ኮይና ካልኦት ግሩም ናይ ኣውቶቡስ መስመራት ዘለወን ነኣሽቱ ከተማታት ድማ ኣለዋ። ኣብኡ፡ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ቤትጽሕፈት መድህን፡ ቤትንባብ፡ ናይ ቀረጽ ቤትጽሕፈት ወዘተ..ኣሎ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣሎ። ካብቲ ማእከል ከተማ ውጽእ ኢልካ፡ ድኳናትን ካፈታትን ከምኡውን ናይ ኢከያ IKEA ዓቢ ድኳንን ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ትሰርሕ ወይ ትምሃር ምስ እትኸውን እቲ ካብ 1-5 ዝዕድመኡ ውላድካ ቤትትምህርቲ ህጻንን መውዓል ስድራቤትን ኪረክብ መሰል ኣለዎ። ኦረብሩ ኮምዩን ነቲ ካብ 1 ክሳዕ ኣብ ናይ ቀውዒ ሰመስተር 13 ዓመቱ ዚመልእ ውላድካ ኣላዪነት ወይ ክንክን ይህብ።

እቲ ማእከል ስድራቤት ወይ Familjecentralerወለድን ህጻናትን ዚራኸቡሉ ቦታ እዩ፡ ኣብ ኩሉ ዓበይቲ ናይ መንበሪ ከባቢታት ድማ ይርከብ። ኣብኡ ክትጻወትን ምስ ካልኦት ስድራቤት ክትራኸብን ደገፍ ክትረክብን ኣብ ጉጅለኣዊ ንጥፈታት ክትካፈለን ትኽእል። ኣብቲ ናይ ስድራቤት ማእከል መምህራን ኣማኸርቲ ናይ ህጻናት ነርሳትን መሕረስትን ኣለዋ። ንሱ ንኹሉ ክፉት እዩ፡ ምምዝጋብውን ኣየድልየካን።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

Perrongen ንሓደስቲ መጻእቲ ናብ ቤትትምህርትን መእለዪ ህጻናትን ዚኣትዉሉ ሓባራዊ መርሆ እዩ። ኣብኡ ንኣኻን ንውሉድካን ብዛዕባ ናይ ሽወደን ቤትትምህቲ ሓበሬታ ትረክብ፡ እቲ ህጻን ድማ ቅድሚ ትምህርቲ ምጅማሩ ይቀራረብ።

ኣብ ኦረብሩ ኮምዩን ብዙሕ መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ። ብዛዕባኣተንን ኣበይ ከም ዚርከባን ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣሎ። ኦረብሩ ኮምዩን 17 ካልኣይ ደረጃ ኣብያተትምህርቲ ኣለዎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ኦረብሩ ሰፊሕን እተፈላለየን ናይ በጽሕታት ትምህርቲ ኣሎ። ኣብቲ ናይ ኦረብሩ ኮምዩን ወብሳይት ብዛዕባ ኤስኤፍኢ፡ ናይቲ ኮምዩን ትምህርቲ ንዓበይቲን ብዛዕባ ካልኦት ትምህርቲ ንዓበይትን፡ ከም ዩኒቨርሲቲ፡ እኩብ ሓበሬታ ኣሎ። ንሓበሬታ፡ መምህሒን ከመይ ጌርካ ብዛዕባ ትምህርቲ ንዓበይቲ መጠየቕታ ከም እተቕርብን ነቲ Vägledningscenter ተወከስ።

ኣብ ኦረብሩ እተፈላለዩ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ኣለዉ። Cityakademin ናይ ኦረብሩ ማእከል ምህሮ እዩ ምስቲ ናይ ከተማ ቤትንባብ ድማ ኣብ ሓደ ኣደራሽ እዩ። ኣብዚ፡ እቲ ናይ ኦረብሩ ኮምዩን ምስ ኦረብሩ ዩኒቨርሲቲን፡ ህዝባዊ ፈጠራን፡ ሰራሕተኛታት ማሕበር፡ ቁጠባዊ ንጥፈታትን ቤትጽሕፈት ዕዮን ብምትሕብባር ይሰርሕ። ሓደ ካብቲ ናይ ቀንዲ ስራሕ ነቲ ናይ ከባብን ዞባውን ድሌት ትምህርትን ምምዕባል ዓቕምን ምስ ንግዳዊ ትካላት ኮይኑ ምምራሕ እዩ። ብዛዕባ ዕድላት ትምህርቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦረብሩ ከምኡውን ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ህዝባውያን ኮለጃት ኣንብብ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ዞባ አረብሩ ኣስታት ሰላሳ ዝኾና ማእከላት ክንክን ጥዕና ኣለዋ። መብዛሕተአን ብዞባ አረብሩ እየን ዚካየዳ፡ ግን ገለ ከኣ ብዞባ ተኣዚዘን ዚነጥፋ ብሕታውያን ወሃብቲ ክንክን እውን ኣለዋ። ማእከላት ክንክን ጥዕና፡ መሰረት ናይቲ ዞባ ኣገልግሎት ጥዕና እየን፣ ኣብ ግዜ ሕማም ወይ'ውን ብዛዕባ ጥዕናኻ ሕቶ እንተ ደኣ ኣሎካ ድማ ናብአን ክትውክውስ ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ማእከል ክንክን ጥዕና ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን ከምኡ'ውን ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ ኣሎ።

ኣብ ኦረብሩ ናይ ህጹጽ ረድኤትን ክኢላታትን ዘለዉዎ ዩኒቨርሲታዊ ሆስፒታል ኣሎ።

እቲ ኮምዩን ናይ ጥዕና ሕማምን ክንክን የመሓድር። እዚ ድማ ነዚ ዚስዕብ ይጥርነፍ፤ ናይ ገዛ ሕክምንና፡ ጥዕናዊ ምሕዳስን ነቶም ኣብ ሆስፒታል ደቂሶም ዘለዉን ነቶም ኣብ ናይ ክንክን መንበሪ ዘለዉን ረድኤት፡ መንበሪ ምስ ፍሉይ ኣገልግሎት፡ መዓልታዊ ንጥፈታት፡ ናይ መንበሪ ኣገልግሎት፡ ሰብኣዊ ረድኤትን ነቶም ብመገዲ ስነኣእምሮኣዊ ሓገዝ ዚደልዩ ምሕጋዝን።

ዞባ አረብሩ ሕክምና ስኒ የመሓድር፡ ይኹን'ምበር ብሕታውያን ሓከምቲ ስኒ እውን ኣለዉ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ኦረብሩ ኮምዩን ኣድላዪ ኮይኑ ምስ ዚርከብ ተርጓማይ ተምጽእ፡ ንድምጻውን ንናይ ጽሙማን ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎምን ዚግበር ናይ ምልክት ዘረባን። ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ማእከል ኣገልግሎት Servicecenter​.ኣሎ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኦረብሩ ግሩም መራኸብታት ኣለዋ። ካብን ናብን ከተማ ምግያሽ ቀሊል እዩ። ኣብ መንጎ ከተማታትን ናይ ከባቢ ቦታታትን ብኣውቶቡስ ምግያሽውን ቀሊል እዩ። ኦረብሩ ናይ ብሽግለታ ከተማ እያ፡ ኣብኣ ድማ 215 ኪ/መ ናይ ብሽግለታ መገዲ ኣሎ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ናይ አረብሩ ኮሙን ኣብቲ ከባቢ እቲ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ እዩ ኣስታት 11 000 ሰራሕተኛታት ከኣ ኣለዉዎ። ካልኦት ዓበይቲ ህዝባውያን ወሃብቲ ስራሕ ከኣ ዞባ አረብሩን ዩኒቨርሲቲ አረብሩን እዮም። ገለ ካብቶም ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ ኣብ ብሕታውያን ጽላታት እዞም ዚስዕቡ እዮም፤ Atlas Copco Rock Drills AB, Nobina Sverige AB, EuroMaintRail AB ከምኡውን DHL Express AB።

ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት፡ ንኣኻ ዋኒን ክትጅምር ትሓስብ ዘሎኻን ነቲ ዛጊት ዋኒን ዘለዎን ሓበሬታ ኣሎ።