Bromölla

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ብሩሞላ ኮምዩን ኣብ ሰመናዊ ምብራቕ ስኮነ እትርከብ ኮይና ምስ ብለኪንገ ድማ ትዳወብ። ኣብዛ ኮምዩን እዚኣ ጀዮግራፊኣውን ሰብኣውን ቅርበት ይረአ። ምስ ስኮነን ብለኪንገን ጽቡቕ ርክባት ኣሎ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብሩሞላ በብዓይነቱ ተፈጥሮን ክፉት መሬትን ዱርን ምብራቓዊ ገማግም ባሕርን ኣለዋ። ኣብቲ ኮምዩን ናይ ስኮነ ዝዓበየ ቀላይ ኣሎ። ኢቮሾን ይብሃል። ኣብቲ ኮምዩን ዝዓበያ ከተማታት፡ ብሩሞላ፡ ጉዋሎቭ፡ ነሱም፡ ቫልየ፡ ኒሞላን ኤደንሪድን እየን።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ብሩሞላ ኮምዩን ቪላታትን ኮምዶሚንዩምን ኣፓትማን ኣሎ። እቲ ዝዓበየ ኣካራዪ ብሩሙላሀም እዩ። ንሱ ኣብ ኩሉቲ ኮምዩን 800 ኣባይቲ ኣለዎ። ኣብ ማእከል ብሩሙላ hyresvärden Sydbo fastigheter ዚብሃል ኣካራዪ ኣባይቲውን ኣሎ።

ናይ መንበሪ ገዛውትን ናይ ኢንዱስትሪ ህንጻታትን ዘለዎ ትርኢት ናይ ከተማብሮሞላ። እታ ከተማ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ተደኵና ትርከብ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

እቲ ኮምዩን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ናይ ስደተኛታት መቐብሊ ስለ ዝነበሮ፡ ብዙሓት ብሔራት ይርከቡዎ። ካብተን ብብዝሒ ዚዝረባ ቋንቋታት ንምጥቃስ፤ ዓረብ፡ ሶማል፡ ታይላንን ዳሪን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ብሩሞላ ኮምዩን ሓያሎ እተፈላለያ ከም ንኣብነት ናብ ስፖርትን ባህልን ዘተኩራ ማሕበራት ኣለዋ። ብዙሓት ሰባት ድማ ኣብ ማሕበራዊ ንጥፈታት ይሳተፉ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ብዛዕባ ማሕበራዊ ንጥፈታት ተወሳኺ ከተንብብ ትኽእል። ብዛዕበአን ዘሎ ሓበሬታ ድማ ኣብቲ ደብተር ማሕበራት ክትረኽቦ ትኽእል።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ብሩሞላ ኮምዩን ኣብ መንጎ ካልእ፡ ናይ ምውህሃድ ኣሃዱ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ቤትንባብ፡ ቤትጽሕፈት ቱሪስት፡ ኣደራሻት ስፖርት፡ መሐምበሲ፡ ከምኡውን በብዓይነቱ ቡቲክን ባንካን ፋርማሲን ይርከብ። ኣብቲ ቤትንባብ ምኽርን ሓበሬታን ዚህብ ክፍሊ ኣሎ። እቲ ዝዓበየ ሱፐርማርከት ካብ ብሩሞላ ሰንትሩም ቅሩብ ፍንትት ኢሉ ይርከብ።

ኣብ ብሩሞላ ግሩም ናይ ሰከንድሃንድ ድኳን ኣሎ። ከምኡውን በቲ ኮምዩን ዚመሓደር ናይ ህጻናት ሰከንድሃንድ ድኳን። ኣብ ነሱም ናይ ቤትንባብ ጨንፈርን ሱፐርማርከትን ኣሎ። ትካላት መድህንን ቀረጽን ኣብ ክሪስቲያንስታድ ቤትጽሕፈት ኣለዎም።

ኣብ ሓደ ሓምላይ ቅርጻ መሬት ኣቋሪጹ ዝተዘርግሐ ሓደ ናይ ሓመድ መንገዲ። ኩርንዓቱ፡መሳኹቱን ማዕጽኡን ብጻዕዳ ሕብሪ ዝተለኽየ ሓደ ቀይሕ ገዛ ኣብ ጥቓ እቲ ናይ ሓመድ መንገዲ ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ብሩሞላ ኮምዩን ኣብ ብዙሕ ቦታታት ኮሙናዊ ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣሎ። ብሕታዊ ግን የልቦን። ኣብ ብሩሞላ ኮምዩን ምሸታውን ለይታውን መዓልታዊ ቀዳመሰንበት ናይ ህጻናት ምእላይ ኣሎ፡ ማለት በዘን ዝተጠቕሳ ግዜታት ትሰርሕ እንተ ኾንካ። ደቂ ናይቶም ኣብ ናይ ወላድነት ዕረፍቲ ዘለዉን ወይ ስራሕ ዚደልዩን ኣብቲ ቤትትምህርቲ ህጻናት 3 ሰዓታት ንመዓልቲ ወይ 15 ሰዓታት ንሰሙን ኪጸንሑ መሰል ኣለዎም።

ክልተ ናእሽቱ ቈልዑ ኣብ ዙርያ ሓደ ጣውላ ኮፍ ኢሎም ይበልዑ ኣለዉ። እቲ ሓደ ቈልዓ ኣብ ቅድሚኡ ሓንቲ ብርጭቆ ጸባ ሒዙ ፍሽኽ ኢሉ ኣሎ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ነቶም 7-16 ዝዕድመኦም ህጻናት፡ መባእታ ትምህርቲ ግዴታ እዩ። ነቶም ደቂ 6 ዓመት ወለንታዊ ዝኾነ ቤትትምህርቲ ህጻናት ኣሎ። ኣብ ብሩሞላ ኮምዩን ኣብ ብዙሕ ቦታታት F-6 ኣብያተትምህርቲ ኣለዉ (ታሕተዋይን ማእከላይን ደረጃ)፡ ከምኡውን ኣብ ከተማ ብሩሞል 7-9 ኣብያተትምህርቲ ኣለዉ (ላዕለዋይ ደረጃ)። ኣብ ኩሉ F-6 ኣብያተትምህርቲ ናይ ዕረፍቲ ገዛ ኣሎ። ብሕታዊ ግን የልቦን።

ፍሩሉንድስስኩላን እቲ ዝቐረበ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ እዩ፡ ኣብ ሶልቨቦሪ ድማ ይርከብ።

ኣርባዕተ ኣብ ናይ ትምህርቲ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ተምሃሮ ኣብ ቅድሚኦም መጻሕፍቲ ሒዞም ኣብ ዙርያ ሓደ ጣውላ ኮፍ ኢሎም ኣለዉ። ሓደ መምህር ኣብ ጥቓ እቲ ጣውላ ደው ኢሉ ምስ ተምሃሮ ይዛረብ ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

እቲ ኣብ ብሩሞላ-ሶልቨስቦሪ ዘሎ ትምህርቲ ንዓበይቲ ስሩዕ ናይ ሽወደን ንወጻእተኛታት(sfi) ምዝገባ ኣለዎ። ወላ እቶም ኣብ ሽወደን ነዊሕ ዝገበሩውን ኪጅምሩ ይኽእሉ። ኣብ ብሩሞላ፡ ኮምቩክስ ኣሎ፡ እቶም ሓደስቲ መጻእቲ ድማ ኣብቲ ብምትሕብባር ክሪስትያንስታድ ኮምዩን ዚወሃብ ናይ ምልላይ ማሕበረሰብ ኮርስ ኪሳተፉ ይዕደሙ። ኣብተን ናይ ከባቢ ኮምዩናት ኣብ ኮለጅ ንምምሃርውን ዕድል ኣሎ።

ኣብ ኮለጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ክትምሃር መደብ እንተ ኣሎካ ግሩም ናይ መጎዓዝያ ዕድላት ኣሎ። እቲ ዝቐረባ ኮለጃት/ዩኒቨርሲቲታት፡ ናይ ክሪስትያንስታድ ኮለጅ፡ ብለኪንገ ተክኒካል ኮለጅ፡ ማልመ ኮለጅን ሉንድ ዩኒቨርሲቲን እየን።

ብዛዕባ ኣብዚ ኮሙን ዘሎ ትምህርቲ ኣባጽሕ ብዝያዳ ኣንብብ።

ኣብ ደግኡ ዝተዓሸጋ በሽክለታታት ዘለዎ ናብ ብናዊ ዝኸደ ቀይሕ ዝሕብሩ ናይ ሕጡብ ህንጻ። ሓንቲ መኪና ኣብ ጥቓ መእተዊ ናይቲ ህንጻ ተዓሺጋ ኣላ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ማእከል ብሩሞላ፡ ንናይ ኣደታትን ህጻናትን ክሊኒካትውን ዘመሓድር ማእከል ጥዕና ኣሎ። ኣብቲ ቦታ ሕክምና ስኒውን ኣሎ። እቲ ዝቐረበ ሆስፒታልን ናይ ህጽጹ ረድኤት መቐበልን ኣብ ክሪስትያንስታድ እዩ ዘሎ።

ኣብ 1177 - መምርሒ ክንክን ጥዕና ብዛዕባ ክንክን ሕማን ሕክምና ስንን ሓበሬታ ኣሎ። ኣብኡ ናይ ክንክን ጥዕና ምኽሪ ወይ ሓበሬታ ትረኽቡ። ናብ 1177 ክትድውሉውን ትኽእሉ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ትካላት ኣብ እትራኸበሉ ግዜ ናይ ትርጉም ኣገልግሎት ናይ ምርካብ ተኽእሎ ኣሎ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ካብ ብሩሞላ ፈጣን ባቡር ጌርካ ናብ ብለኪንገ፡ ስኮነ ወይ ደንማርክ ኪኽየድ ይከኣል። እቲ ባቡር ጣብያ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ብሩሞላ ይርከብ፡ እቲ ናይ ኣውቶቡስ መነሃርያ ድማ ኣብ ብሩሞላ ሰንትሩም ይርከብ። ኣብቲ ኮምዩን ግሩም ናይ ኣውቶቡሳት መራኸቢ ኣሎ።

ክልተ ባቡራት ጥቓ ንጥቓ ኣብ ሓደ መድረኽ ባቡር። ሰባት ናብታ ባቡር ይወርዱን ይድይቡን ኣለዉ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

Ifö Sanitär ከምኡውን Nymölla Bruk ናይ ምስናዕ ፋብሪካታት እየን፡ ናይቲ ኮምዩን ዝዓበያ ድማ እየን። እቲ ኣስታት 900 ሰራሕተኛታት ዘለዎ ብሩሞላ ኮምዩን፡ እቲ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ እዩ። ኣብቲ ኮምዩን ኣብ እተፈላለየ ንጥፈታት እተዋፈራ ዓበይትን ነኣሽቱን ዋኒናት ኣለዋ።

ናብተን ናይቲ ከባቢ ዓበይቲ ከተማታት ንኣብነት ክሪስትያንስታድ፡ ሃሰለሆልም ወይ ካርልስሃምን ንስራሕ በጺሕካ ናይ ምምላስ ተኽእሎ ኣሎ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ብዛዕባ ናይ ብሩሞላ ቁጠባዊ ህይወት ዝያዳ ሓበሬታ ኣሎ።

ናይ እምኒ ስኑዕ መንጫዕጫዕታ ኣብ ፎቶርየት ኣብ ማእከል ብሮሞላ። እቲ መንጫዕጫዕታ ንኽልተ ዓበይቲ ሓምላይ ሰማያዊ ሕብሪ ዘለዎም ጠበቕ ዝገልጽ እዩ።