Helsingborg

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ሄልስንግቦሪ፡ ቅርበት ናብ መሳጢ ተፈጠሮኣዊ ከባቢን፡ ቅርበት ናብ ኣውሮጳን ዝልለ ምምሕዳር ከተማ እዩ። ናብ ጎረቤት ሃገር ዴንማርክ 20 ደቒቕ ናይ መርከብ ጉዕዞ’ዩ። ካብ ሄልስንግቦሪ፡ ብባብሩ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ፡ ናብ ከተማታት ሉንድ፡ ማልሞ ከምኡ ውን ኮፐንሃገን ክትከዱ ትኽእሉ። ኣብ ማእከል-ዕድጊ ከተማ ሄልስንቦሪ፡ ብርክት ዝበላ ድኳናት፡ ኣብያተ-መግብን እንዳ-ሻሂታት ኣለዋ። ኣብዚ ከተማ’ዚ፡ ብርክት ዝበለ መናፈሻታት ዝርከብ ኮይኑ፡ ገማግም-ባሕሪ፡ ጫካ-ኣግራብ ከምኡ ውን ነኣሽቱ ዓዲታት ካብቲ ከተማ ኣብ ናይ ዳርባ-እምኒ ርሕቀት ይርከብ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብዝሒ-ህዝቢ

147191

ስፍሓት መሬት

423 ኪሜ²

መንበሪ-ገዛ

ምምሕዳር ከተማ ሄልስንቦሪ፡ 130000 ተቐማጦ ኣለዉዎ። መብዛሕትኦም ኣብ መንበሪ-ኣባይቲ ዝነብሩ ኮይኖም ገለ ውን ኣብ ቪላታት ይቕመጡ። ኣብዚ ምምሕዳር ከተማ'ዚ፡ ዝግዛእን ዝካረን ኣባይቲ ይርከብ። እታ ብምምሕዳር ናይዚ ከተማ እትውነን ትካል ክራይ-ኣባይቲ ሄልስንቦር-ሄም ትበሃል። መንበሪ-ገዛ ምስ ዘድልየኩም ተመዝጊብኩም ሪጋ ምሓዝ የድልየኩም። እዚ ትካል ክራይ-ኣባይቲ'ዚ፡ ኣብ ከተማ ሄልስንቦር፡ ካታርፕ፡ ሞርኣርፕ፡ ፖኣርፕን ኦዶክራን፡ ዝካረ ኣባይቲ ኣለዎ። ኣብዚ ከባቢ ገዛ ክትዕድጉ ትሓስቡ ምስ እትህልዉ፡ ኣብ ኢንተርኔት ብምእታው ደላሎ-ኣባይቲ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ባሕሪ ብድሕሪት ዘለዎ ትርኢት ናይ ሀልሲንቦርይ። ሓደ ዓቢ ብቐይሕ ሕጡብ ዝተሰርሐ ህንጻ፡ ናይ ሀልሲንቦርይ ኣዳራሽ ከተማ ኣብ ማእከል ከተማ ይርከብ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሄልስንቦሪ ዝነብሩ ሰባት፡ ካብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም፡ ዝመጹ እዮም። ንቋንቋታት ሽወደን ዴንማርክን ወጊንካ፡ ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ ብርክት ዝበሉ ዝዝረበሎም ካልኦት ቋንቋታት ኣለዉ። ንኣብነት፡ ዓረበኛ፡ ኢራነኛ፡ ቦስንያ-ክሮኦሽያ-ሰርብያ፡ ቱርኪ፡ ቬትናም፡ ፖላንድ፡ ባዲናኒ፡ ክልእ ላህጃታት ኩርዳውያንን ይርከቦም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሄልስንቦሪ ብርክት ዝበላ ማሕበራት ኣለዋ። እዘን ማሕበራት እዚኣተን ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ዝነጥፋ እየን። ንኣብነት ስፕርት፡ ጸወታታት ምስጋር መሰናኽላት ወዘተ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣለኩም። ኣብዚ ዝተጠቕሰ መርበብ-ሓበሬታ ኣብ ዝርከብ መዝገብ-ማሕበራት ውን ኣቲኹም ከተናድዩ ወይ ዝርዝር ናይተን ማሕበራት ክትረኽቡ ትኽእሉ። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሄልስንቦሪ ብርክት ዝበላ ናይ ስደተኛታት ማሕበራት ውን ኣለዋ። ተወሳኺ ዝርዝር ብዛዕባ እዘን ማሕበራት ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ፡ ኣለኩም።

ፍሽኽ ዝበሉ ሰለስተ ኣወዳት ኣብ መሬት ኮፍ ኢሎም ኣለዉ። ድሕሪ እቶም ኣወዳት ዘሎ መንደቕ ብሓደ ናይ ግራፊቲ ቅብኣ ዝተሸለመ እዩ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣገልግሎት

ኣብቲ ብቴራስትራፑር ዝፍለጥ፡ ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ሄልስንቦሪ ዝርከብ ከባቢ፡ ማእከል-ርኽክብ ምምሕዳር ከተማ ኣለኩም። ናብ ምምሕዳር ከተማ ሄልስንቦሪ ዝቐንዐ ሕቶታት ምስ ዝህልወኩም ናብዚ ማእከል'ዚ ብምኻድ፡ ክትዘራረቡ ትኽእሉ። ብኣካል ክትከዱ፡ ክትድውሉ ወን ብኢሜል መልእኽቲ ክትሰዱልና ይኽእሉ። ንቁጽሪ ስልኪ ወይ ውን ኢሜይል ናይ'ዚ ማእከል ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ፡ ኣለኩም።

ኣብ ማእከል ከተማ ሄልስንቦሪ፡ ማለት ካብ ገዛ ወጻኢ፡ ብነጻ ናይ ኢንተርነት ኣገልግሎት፡ ኣለኩም። ኮምፒተርኩም፡ ኣይፓድ ወይ ውን ብሞባይል ብመስመር ኢንተርነት ምምሕዳር ከተማ ክትጥቀሙ ትኽእሉ። እታ መስመር ናይ ኢንተርነት፡ ሄልስንቦሪ፡ ትበሃል። ቤት-ጽሕፈት ዕዮ (ኣርበትስፎርመድሊንገን) ኣብ ጎደና ሶደርጋታን ቁጽሪ 39 ኣለኩም። ሓደስቲ ፍቓድኩም ዝወሰድኩም ስደተኛታት ምስ እትኾኑ፡ ናብ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ብምኻድ ክትምዝገቡ ትኽእሉ።

ናእሽቱ ስየ ዘለዎ ገምገም ባሕሪ። ብድሕሪት ሓንቲ ብርሑቕ ትርኣ መርከብ ዘለዎ ባሕሪ። ሰባት ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ይሕምብሱን ጸሓይ ይጽለዉን ኣለዉ።

ዕድጊ

ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ሄልስንቦሪ፡ ብርክት ዝበላ ድኳናት ኣለዋ። ካብ ሄልስንቦሪ ውጽእ ኢልካ፡ ቬላ ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ብርክት ዝበላ ድኳናት ዝሓቆፈ ሰፊሕ ናይ ዕድጊ-ማእከል ኣሎ። ኣብዚ ማእከል'ዚ ንኣብነት ድኳን ኢኪያ ኣለኩም። ኣብ ምሉእ ምምሕዳር ከተማ ሄልስንቦሪ ብርክት ዝበላ ድኳናት ዝገለገለ-ንብረት ኣለዋ።

ቤት-ንባብ

ኣብ ከተማ ሄልስንቦሪ እታ ዝዓበየት ቤት-ንባብ፡ ስታድስ-ቢብልዮቴከት ትበሃል ኮይና፡ ኣብ ስታድስፓርከን ዝበሃል ከባቢ ወይ ጎደና ቡልብሩጋታን ቁጽሪ 1፡ ትርከብ። ኣብዛ ቤት-ንባብ ብርክት ዝበላ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝተዳለወ መጻሕፍቲ ኣለኩም። ንክፍቲ-ሰዓታት ንዝምልከት ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይቲ ቤት-ንባብ፡ ኣቲኹም ክትርእዩ ትኽእሉ።

ሓደ ኣይፓድ ዝሓዘ ወዲ ናይ ጸሓይ መነጽር ጌይሩ ኣብ ሳዕሪ ኮፍ ኢሉ ኣሎ። ብድሕሪት ዓንዲታት ናይ ሒደት ብጋንጽላ ዝንቀሳቐሳ ጀላቡ ይርኣ ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ህጻናት፡ ሓደ ዓመት ምስ መልኡ ኣብ መውዓሊ-ህጻናት ቦታ ክወሃቦም ይኽእል። ኣብዚ ናይ መውዓሊ-ህጻናት፡ ክሳብ 6 ወይ ውን 7 ዕእመት ዝመልኡ ኣብኡ ይጸንሑ። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሄልስንቦሪ 130 መውዓሊ-ህጻናት ኣለዋ። እዘን መውዓሊ-ህጻናት ዝተፈለላየ ኣንፈታት ዘለወን ክኾና ይኽእላ። ንኣብነት ገሊአን ንተዛረብቲ ቋንቋ ዓረብ ዘአንግዳ፡ ገሊአን ውን ንሕማም ኣዝማ ወይ ውን ኣለርጂ ዘለዎም ህጻናት ጥራይ፡ ዝቐንዓ ክኾና ይኽእላ።

ኣብ መውዓሊ-ህጻናት ዝሰርሑ መምህራን ወይ ውን ተኸናኸንቲ ህጻናት ኣለዉ። ዝርዝር ኣስማት ናይተን መንግስታውን ናይ ግልን ዝኾና፡ ኣብ ሄልስንግቦሪ ዝርከባ መውዓሊ-ህጻናት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ትረኽብዎ። እተን ብምምሕዳር ከተማ ዝውነና መውዓሊ-ህጻናት ኩንስካፕስ-ስታደን ተባሂለን ክጽውዓ እንከለዋ፡ እተን ናይ ግሊ ከኣ፡ ፍሪስትወንደ ፎሽኩሉር ይበሃላ።

ኣብ ከተማ ሄልስንቦሪ፡ ብርክት ዝበላ ማእከል-ስድራቤታት ኣለዋ። ኣብዚ ማእከል'ዚ ደቕኹም ሒዝኩም ብምምጻእ ምስ ካልኦት ስድራቤታት ክትራኸቡ ትኽእሉ። ኣብ ከባቢኹም ብቐረባ ዝርከብ ማእከል-ስድራቤታት ምህላዉን ዘይምህላዉን ንምፍላጥ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

ሰለስተ ኣንስቲ ኣብቲ መናፈሻ ኣብ ሓደ ኮበርታ ኮፍ ኢለን ኣለዋ። ሓንቲ ካብተን ኣንስቲ ኣብ ሑቕፋ ሓደ ህጻን ሒዛ ኣላ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ከተማ ሄልስንቦሪ፡ 60 ናይ መባእታዊ-ደርጃ ኣብያተ ትምህርታት ኣለዋ። እዘን ኣብያተ-ትምህርታት ዝተፈላለየ ኣንፈታት ኣለውን። ንኣብነት፡ ሙዚቃ፡ ዳንስ፡ ተፈጥሮኣዊ-ፍልጠት ወይ ውን ቋንቋ። ብዜካ እዘን ዝተጠቕሳ ኣብያተ-ትምህርታት ውን ሓንቶ ናይ ቋንቋ እንግሊዝ ቤት-ትምርህቲ ካልእ ውን ናይ ቋንቋ ሽወደንን-ዓረብን ቤት-ትምህርቲ ኣለዋ።

ኣብ ከተማ ሄልስንቦሪ፡ 20 ናይ ካልኣይ-ደረጃ ኣብያተ-ትምህርታት ኣለዋ። እዘን ኣብየተ ትምህርታት ኣብ ፍሉይ ዓውዲታት ዘትኮራ እየን። ንኣብነት፡ ስፖርት፡ ሳዕስዒት፡ ትያትር፡ ሙዚቃ፡ ተፈጥሮኣዊ-ፍለጠት፡ ኢደ-ጥበብ ወዘተ የጠቓልል። እተን ብምምሕዳር ከተማ ዝውነና መውዓሊ-ህጻናት ኩንስካፕስ-ስታደን ሄልስንቦሪ ተባሂለን ክጽውዓ እንከለዋ፡ እተን ናይ ግሊ ከኣ፡ ፍሪስትወንደ ስኩሉር ይበሃላ።

ዕድላት ትምህርቲ

ሕብረተ-ሰብ ሽወደን ብኸመይ ይመሓደር ንኽትፈልጡ፡ ሓላፍነት ዝወስድ፡ ምምሕዳር ከተማ ሄልስንቦሪ እዩ። ቋንቋ ሽወደን ንኽትመሃሩ ሓላፍነት ዝወስድ ውን እቲ ምምሕዳር ባዕሉ እዩ። መደብ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ፡ ኤስ-ኤፍ.ኢ ተባሂሉ ብኣሕጽሮተ-ቃል ይጽዋዕ። ናብዚ ናይ ትምህርቲ ቋንቋ መደብ ብኸመይ ትምዝገቡ፡ ከምኡ ውን ተወሳኺ ዝርዝር ብዛዕባ እዚ ትምህርትን፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ኣለኩም።

ኣብ ማእከል ትምህርቲ-ዓበይቲ ኣብ ከተማ ሄልስንቦሪ፡ ናይ ካልኣይ-ደረጃ ትምህርቲ ይወሃብ። ኣብ ከተማ ሄልስንቦሪ ክፋል ሉንድ ዩኒቨርስቲ (ካምፓስ-ሄልስንቦሪ) ይርከብ። ኣብ ሄልስንቦሪ፡ ነቶም ናይ ምምዕባል ጸገማት ወይ ውን ኣእምሮኣዊ ጉድለት ዘለዎም ተመሃሮ፡ ዝዓለመ ቤት-ትምህርታት ውን ኣሎ።

ሰለስተ ሰብኡትን ክልተ ኣንስትን ኣብ ሓደ ሓምላይ መናፈሻ። ነንሕድሕዶም ይዛረቡን እዳዎም የወዛውዙን ኣለዉ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ከተማ ሄልስንቦሪ፡ ብምምሕዳር ኣውራጃ ስኮነ ዝእለያ፡ ብርክት ዝበላ ጥዕናዊ-ማእከላት ኣለዋ። ምስ እትሓሙ፡ ብቐዳምነት ናብ ከባብያዊ ማእከል-ጥዕና ክትከዱ ኣለኩም። ንማእከላት-ጥዕና ዝምልከት ዝርዝር፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ኣውራጃ ስኮነ፡ ኣለኩም። ኣብ ከተማ ሄልስንቦፕሪ ውን እንተኾነ፡ ዓባይ ሆስፒታል፡ ትርከብ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ቋንቋ ሽወደን ዘይትመልኩ ምስ እትኾኑ፡ ምስ ምምሕዳር ከተማ ሄልስንቦሪ ኣብ እትገብርዎ ርኽክብ፡ ተርጓሚ ከም ዝቍጸረልኩም ይግበር። ተርጓሚ የድልየኩም ምስ ዝኸውን፡ ኣቐዲምኩም ንዝምልከቶ ክፍሊ-ምምሕዳር ሓብሩ። ድሕሪ ምሕባርኩም ንሕና ውን ብነጻ ናይ ተርጓሚ ድጋፍ ከም ዝግበረልኩም፡ ክንገብር ኢና።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣገልጎት መጎዓዝያ ካብን ናብን ከተማ ሄልስንቦሪ፡ ስሉጥ እዩ ክበሃል ይከኣል። እተን ኣብቲ ከባቢ ዝመላለሳ ባቡራት ኣብ ከተማ ሄልስንቦር፡ ቫላኦክራ፡ ሪደቤክ፡ ጋንቱፍታ፡ ፖኣርፕ፡ ሞርኣርፕ፡ ኦዶክራን ካታርፕን ደው ብምባል ሰብ ይጽዕናን የራግፋን። ኣብ ውሽጢ ከተማ ሄልስንቦሪ ው እንተኾነ ካብ ሓደ ጫፍ ናብቲ ሓደ ዝመላለሳ ኣውቶቡሳት ኣለዋ። ንኣገልግሎት መጎዓዝያ ዝምልከት ዝርዝር፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ኣገልግሎት መጎዓዝያ ኣውራጃ ስኮነ (ስኮነ-ትራፊክ)፡ ኣለኩም።

ክልተ ናይ መሓምበሲ ስረ ዝገበሩ ኣውዳት ኣብ ልዕሊ እቲ ናብቲ ባሕ ዝወስድ መድረኽ ይኸዱ ኣለዉ። ብሩህን ካብ ንፋስ ህዱእን እዩ ዘሎ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ከተማ ሄልስንቦሪ፡ ናይ ባዕልኹም ትካል ክትምስርቱ ዘተባብዕ ሃዋህው፡ ኣሎ። ብምምሕዳር ከተማ ውን፡ ወነንቲ ትካል ወይ ውን ትካል ክምስርቱ ንዝደልዩ ወገናት፡ ብርክት ዝበለ ድጋፍ ይግበረልኩም። ተወሳኺ ዝርዝር ንምምስራት ትካል ኣብ ከተማ ሄልስንቦሪ ብዝምልከት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ኣለኩም። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ብምእታው፡ ኣብ ከተማ ሄልስንቦሪ ዝርከብ፡ ክፍቲ ናይ ስራሕ-ቦታታት ክትርእዩ ትኽእሉ።