Kävlinge

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ምምሕዳር ከተማ ኸቭሊንገ፡ ኣብ ማእከል ዞባ ኦረሱንድ ዝርከብ ኣስታት 30000 ተቀማጦ ዘለዎ ክተንብሮ እትብህጎ ከተማ እዩ። ዓበይቲ ነጋዶ፡ ሸቀጥን ኣገልግሎታትን ገለ ካብቲ ዉዕዉዕ መለለዪ ናይ’ዛ ከተማ እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ሓንቲ ተመላላሲት ባቡር ንሓደ ናይ ራፕስ ግራት ትሓልፎ ኣላ። ክረምቲ ኾይኑ እቲ ሰማይ ጽሩይ ሰማያዊ እዩ ዘሎ።

ካብ ከተማ ኸቭሊንገ ናብ ከተማታት ማልሞ፡ ሉንድ፡ ኮፐንሃገን፡ ላንድስክሩናን ህልሲንግቦርን ኣዝዩ ስሉጥ ኣገልግሎት መጎዓዝያ ኣለኩም። ካብ ኸቭሊንገ ናብ ሉንድ ብባቡር 10 ደቓይቕ ናብ ማልሞ ከኣ 20 ደቓይቕ ይወስድ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ከተማ ኸቭሊንገ ዝተፈላለየ ኣማራጺታት መንበሪ-ገዛ ኣለኩም። ከቢብታት ናይቲ ከተማ ኣዝዩ ዓይነታዊ ፍልልይ ዝለዎ ኮይኑ፡ ሓምላይ ከባቢታትን ካልእ መናፈሲ ቦታታትን ይርከቦ። ናብ'ዚ ከተማ'ዚ ክትግዕዙ ትሓስሙ ምስ እትህልዉ፡ ዝተፈላለየ ኣብ ትሕቲ'ዚ ምምሕዳር ዝተጠነፋ ዓዲታት ክትመርጹ ትኽእሉ። ንተወሳኺ ዝርዝር ናይዘን ዓዲታት ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው፡ ክተንብቡ ትኽእሉ። ኣብዚ ምምሕዳር ከባቢ'ዚ ዝዕእበየት ትካል ክራት ኣባይቲ እታ ብምምሕዳር ከተማ እትውነን፡ ኬቢቢ ዝተባህለት ትካል እያ። ንዝርዝር ናይተና ብዚ ከተማ'ዚ ዝርከባ ትካላት ክራይ-ኣባይቲ፡ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው፡ ትረኽብወን።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ቋንቋ ሽወደን ገዲፍካ፡ እተኣብዚ ቦታ'ዚ ብብዝሒ ዝዝረበለን ቋንቋታት፡ ታይላንድ፡ ዓረበኛ፡ ፖላንድን እየን። ካልእ ኣብቲ ከተማ ካብ ዝዝረባ ቋንቋታት፡ ኢራን፡ እንግልዝኛ፡ ዳሪ፡ ፑንጃቢ፡ ሶማለኛ፡ ኣልባንያ፡ ቻይና፡ቱርኪ፡ ሰርብያ፡ ስዋሂሊ፡ ፖርትጓል፡ ስጳኛ፡ ክሮኦሽያ፡ ሊትዌንያ፡ ሆላንድ፡ ራሻ፡ ሃንጋሪ፡ ጀርመን፡ ተሉጉ፡ ታሚል፡ ኩርዲ፡ ኩርማንጂ፡ ባዲናኒን ኣምሓርኛን፡ የጠቓልል።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ዝተፈላለየ ሲቪካዊ-ማሕበራት ተጠርኒፍካ ምውሳእ፡ ኣብ ሽወድን ዳርጋ ልሙድ እዩ። ኸቭሊንገ ኮይኑ ከኣ፡ ብርክት ዝበላ ከምዚአን ዝኣመሰላ ማሕበራት ሓቍፉ ይርከብ። ስለዝኾነ ኸኣ፡ ኣብዚ ከተማ'ዚ ንኹሉ ክል-ዕድመ ዝሓቁፍ ብርክል ዝበላ ባህላውን መዘናግዕን ንጥፈታት ይርከብ። ኣብቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ መዝገብ-ማሕበራት ብምእታው፡ ዝርዝር ናይዘን ማሕበራት ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ሽዱሽተ ጀላቡ ናብቲ ናይ ናእሽቱ ጀላቡ ወደብ ገጸን የንሳፍፋ ኣለዋ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ከተማ ኸቭሊንገ፡ ብርክት ዝበላ ድኳናት፡ ባንኪታት፡ ቤት-ንባብ፡ ፋርማሲ፡ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ (ኣርበትስፎርመድሊንገን)፡ ማሕበራዊ ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማን ቤት-ጽሕፈት ዜጋታት (መድቦርያር-ኮንቱር) ይርከብ። ኣብ ከተማ ሎደሾፒንገ፡ ቤት-ንባብ ከምኡ ውን እቲ 60 ድኳናት፡ እንዳ-ሻሂታትን ኣብየተ-መግብን ዝሓዘ ማእከል-ዕድጊ (ሾፒንሰንትረት-ሰንተር ሲድ)፡ ይርከብ። ዘገልገለ ክዳውንቲ ክትገዝኡ ምስ እትደልዩ ኣብ ፍሩሉንድ ኣለኩም። ዘገልገለ ኣቍሑ ገዛ ከኣ፡ ኣብ ኸቭሊንገ ኣለኩም። ኣብ ማእከል-ዕድጊ ሰንተር-ሲድ ውን ሕሱር ኣቍሑ ትረኽቡ ኢኹም።

ኣብዚ ከባቢ'ዚ ውን ክልተ መሐንበሲ ማእከላት ኣለኩም። እታ ሓንቲ ቪከንባደት ትበሃል ኣብ ፍሩሉንድ ትርከብ ክትከውን እንከላ፡ እታ ካልኣይቲ ቶልቭኦከርባደት ከኣ፡ ኣብ ሎደሾፒንገ ትርከብ።

ኣሰሓሓብ ገመድ ኣብ ደገ። ሓንቲ ኣርባዕተ ኣባላት ዘለውዋ ጋንታ ነቲ ገመድ ትስሕቦ ኣላ። ነቲ ኣሰሓሓብ ገመድ ዝርእይዎ ዘለዉ ሰባት የተባብዑን ሕጉሳትን እዮም ዘለዉ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ከተማ ኸቭሊንገ 15 መንግስታዊ 4 ከኣ ናይ ግሊ መውዓሊ-ህጻናት ኣለዋ። ክፉት መውዓሊ-ህጻናት፡ ኣብ ኸቭሊንገን ሎደሾፒንገን ኣለዋ።

ናይ ላቲን ፊደላት ኣብ ናእሽቱ ካርድታት። ነፍስ ወከፍ ካርድ ሓደ ዓብን ንእሽተይን ፊደል ሒዛ ኣላ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኸቭሊንገ፡ 13 ናይ መባእታዊ-ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኣለዋ። ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ብቐረባ ከተማ ሉንድ ይርከባ። ኣብ ኸቭሊንገ፡ ነቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 16 ክሳብ ዕስራ ዘለዉ መንእሰያት መእተዊ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ፡ ከምኡ ውን ትምህርቲ ቋንቋ-ኣደ፡ ይወሃብ። ነዚ ናይ ቋንቋ ኣደ ትምህርቲ ንኽወሃብ ግን ሓደ ካብ ወለዲ ህጻናት ካብ ቋንቋ ሽወደን ወጻኢ ካልእ ቋንቋ ዝዛረብ ክኸውንን እቲ ቋንቋ ውን ኣብ ገዛ ዝዝረበሉን ክኸውን ኣለዎ።

ሓደ ትምህርቲ ዝኻየደሉ ዘሎ ክፍሊ። ተምሃሮ ኣብ ዝተፈላለየ ጣውላ ኮፍ ኢሎም ይጽሕፉ ኣለዉ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ከተማ ኸቭሊንገ፡ ብምምሕዳር ከተማ ዝእለ ማእከል ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ኣሎ። ኣብዚ ብላርሰንትሩም ዝፍለጥ ማእከል-ትምህርቲ፡ መደብ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ (ኤስ.ኤፍ.ኢ) ከምኡ ውን ካልእ ዝተፈላለየ ኮርሳትን መደብ ትምህርትን፡ ክትመሃሩ ትኽእሉ። ምምሕዳር ከተማ ኸቭሊንገ ንሓደስቲ ስደተኛታት ዝወሃብ፡ መደብ ትምህርቲ ብዛዕባ ሕብረተ-ሰብ ሽወደን ውን ኣብ ምሃብ ይነጥፍ። ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርታዊ ማእከላትን ዩኒቨርስታትን ኣብ ከተማታት ማልሞን ሉንድ፡ ኮፐንሃገንን ሄልስንቦሪን፡ ኣለኩም።

ብዛዕባ ኣብዚ ኮሙን ዘሎ ትምህርቲ ኣባጽሕ ብዝያዳ ኣንብብ።

ሰለስተ ኣንስቲ ኣብ ሓደ ክፍሊ ኣብ ጥቓ ሓንቲ ኮምፕዩተር ኮፍ ኢለን ነቲ ሻሽ ናይታ ኮምፕዩተር ይርእየኦ ኣለዋ። ኣብ ቅድሚኣን ሓደ ዝተገንጸለ መጽሓፍ ኣለወን።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ከተማ ኸቭሊንገን ሎደሾፒንገን፡ ክልተ ማእከላት-ጥዕና፡ ፍሉይ ክፍሊ-ሕክምና ኣዴታትን ህጻናትን ከምኡ ውን ህዝባዊ ክሊኒክ-ስኒን ይርከብ። ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልጎት ዝህብ ናይ ቀረባ ሆስፒታል ኣብ ከተማ ሉንድ፡ ማልሞ፡ ላንድስክሩናን ይርከብ። ፍሉይ ሕክምናዊ ክንክን ዝህብ ሆፕሲታል ውን ኣብ ከተማ ኤስሎቭ ኣሎ። ንሕቶታትን ሓበሬታን ብዛዕባ ጥዕና፡ ንሓባሪ ጥዕናዊ-ጉዳያት (ቮርድ-ጋይደን) ብቁጽሪ ስልኪ 1177 ክትውከሱ ትኽእሉ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምምሕዳር ከተማ ኸቭሊንገ፡ ምስ መንግስቲ ኣብ እትገብርዎ ርኽክባት፡ ብተሌፎን ወይ ውን ብኣካል ናይ ምትርጓም ሓገዝ ይገብረልኩም። እቲ ምምሕዳር ብመንገዲ ናይተን ኣብ ሉንድ፡ ላንድስርኩና፡ ከምኡ ውን ሄልሲንቦሪ ዘለዋ ናይ ትርጉም ትካላት ኣቢሉ ተርጎምቲ ይቆጽር።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ከተማ ኸቭሊንገ ናብ ኩሉ ኩርንዓት ንምጕዓዝ ዝሕግዝ ምቹእ ጅኦግራፊካዊ ኣቀማምጣ ኣለዋ። ንሉንድ፡ ማልሞ፡ ኮፐንሃገን፡ ሄልሲንቦሪ ከምኡ ውን ናብ ላንድስኩና ብዘይ ዝኾነ ሽግር ክትጎዓዙ ትኽእሉ። መጎዓዝያ ኣብቲ ዞባ ብትካል መጎዓዝያ ኣውራጃ ስኮነ (ስኮነትራፊልክ) እዩ፡ ዝመሓደር። መዕረፍን መበገስን ባቡራት ኣብ ከተማታት ኸቭሊንገን ዶስየብሩን ኣለኩም።

ነዊሕ ክትጎዓዙ ምስ እትደልዩ ንኣብነት ናብ ዮተቦሪ፡ ስቶክሆልም ወይ ውን ካልኦት ዓበይቲ-ከተማታት ሽወደን፡ ምስ ትካል ባቡራት ኤስ.ጀይ ክትጎዓዙ ትኽእሉ። ምስዘን ባቡራት ካብ ማልሞ ወይ ሉንድ ኢኹም ትብገሱ። ካብ ከተማ ሉንድ ብኣውትቡስ ምስ ትካል ስዌቡስ ወይ ውን ትካል ኔትቡስ ናብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ሽወደን ክትከዱ ትኽእሉ። መዕርፎ-ነፈርቲ ብቐረባ ኣብ ማልሞ (ስቱሩፕ) ከምኡ ውን ኣብ ኮፐንሃገን (ካስትሩፕ) ይርከቡ።

ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣብዚ ኮሙን

ሓንቲ ብሩራዊት ተመላላሲት ባቡር ኣብ ሓደ መድረኽ ባቡር ጠጠው ኢላ ኣላ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኸቭሊንገ ዳርጋ መንበሪ ከተማ እዩ ክበሃል ይከኣል። ስለዝኾነ ከኣ፡ መብዛሕቶኦም ነብርቲ ናይቲ ከተማ ናብተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ከተማታት (ሉንድ፡ ማልሞ፡ ኮፐንሃገን) እንዳተመላለሱ ይሰርሑ። ኣብ ከተማ ኸቭሊንገ ዝዓበየ ቦታ-ስራሕ እቲ ብሰንተር-ሲድ ዝፍለጥ ቦታ እዩ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ (ኣርበትስፎርመድሊንገን) ኣብዚ ከተማ ይኹን ኣብ ከባቢ ዘሎ ክፍቲ ናይ ስራሕ ዕድላት ክትርእዩ ትኽእሉ። ትካል ንምምስራት ዝምልከት ሓበሬታ ከኣ፡ ኣብ መርብብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ኣለኩም።

ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ኣብ ቕድሚ ሓደ