Klippan
ክሊፓን ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ስኮነ እትርከብ ውቅብቲ ኮምዩን እያ። ኣብዚ፡ ግሩም ኣገልግሎትን ንንጡፍ ህይወት ድማ ዓቢ ዕድልን ኣሎ። ካብኡ ናብ ዓበይቲ ከተማታት ወይ ቦታታት ምኻድ ቀሊል እዩ። ናብ ኮምዩንና እናቋዕ ብደሓን መጻእኩም።
ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ
ብዝሒ-ህዝቢ
17754
ስፍሓት መሬት
380 ኪሜ²
መንበሪ-ገዛ
ናብ ክሊፓን ክትመጹ ምስ እትሓስቡ፡ ኣብኡ ብዙሕ ዓይነት ኣባይቲ ኣሎ፤ ኣፓርትመንት፡ ኮንዶሚንዮምን ቪላታትን። ንኪራይ ዝደሊ ድማ ትረክሎቨን ዚብሃል ናይ ኪራይ ኣባይቲ ቤትጽሕፈት ኣሎ ከምኡውን ሓያሎ ብሕታውያን ኣካረይቲ ኣለዉ።
ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ
ብብዝሒ ታይላን፡ ፖላንድን ሲርያን ይዝረብ። ከምኡውን ቪየትናም፡ ሊታውስካን ቱርክን ይዝረብ።
ማሕበራትን ምትእኻባትን
ኣብ ክሊፓን ብዙሓትን እተፈላለያን ማሕበራት ኣለዋ፡ ኣብቲ ደብተር ማሕበራት ብተወሳኺ ኣንብብ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ
ናይ ክሊፓን ኮምዩን ግሩም ኣገልግሎት የቕርብ። ኣብ ውሽጢ ከተማ፡ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ መድህን ድርጅት፡ ማሕበራዊ ኣብያተጽሕፈት፡ ባንክታትን ናይቲ ኮምዩን ኣገልግሎት ዓሚል ይርከብ። ድኳናት፡ ቤትንባብን መሐምበስንውን ኣሎ። ኣብተን ከም ዩንግቢሀን ኦስትራ ዩንቢ ዝኣመሰላ ነኣሽቱ ከተማታውን ድኳናትን ቤትንባብን ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ
ኣብ ክሊፓን ኮምዩን ብኮምዩንን ብብሕትን ዝመሓደር ናይ ህጻናት ማእከል ጥዕና ኣሎ። ኣብ ክሊፓን፡ ዩንግቢሀድን ኦስትራ ዩንግቢ ማእከል ጥዕና ኣሎ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን መርበብ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣሎ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን
ኣብ ክሊፓን ኮምዩን ኮሙናውን ብሕታውን መባእታን ካልኣይ ደረጃን ቤትትምህርቲ ኣሎ። እተን መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣብ ናይ ክሊፓን ዓበይቲ ከተማታትን ኣብ ዩንግቢሀድ ይርከባ።
ኣብቲ ናይ ክሊፓን ውሽጢ ከተማ ዚርከብ ናይቲ ኮምዩን ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ፡ ናብ ማሕበራዊ መደባትን ናይ ህጻናት መዘናግዕን፡ ተሽከርከርትን መጎዓዝያን ከምኡውን ኤለትሪሲቲን ጸዓትን ዝዓለመ ትምህርቲ ኣሎ። ኣብ ዩንግቢሀድ ናይ በረራ ተክኖሎጂ፡ ኣብ ኦስትራ ዩንግቢ ድማ ናብ ሕርሻ ዝዓለመ ናይ ሰግራ ብሕታዊ ቤትትምህርቲ ኣሎ።
ፍሉይ ናይ መባእታን ካልኣይ ደረጃን ኣብያተትምህርቲውን ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ
ኣብ ክሊፓን ኮምዩን ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ ዕድላታውን ኣሎ። ኣብኡ ኮንቩክስ፡ ግሩንድቩክስ፡ ኤስኤፍኢ፡ ይርከስቩክስ፡ ናይ ተልመዴን ትምህርቲ፡ ናይ ሞያ ቤትትምህርቲን ፍሉይ ቤትትምህርትን ኣሎ። ኣብቲ በጺሕካ እትምለሶ ክሪስትያንስታድ፡ ኮለጅ፡ ካምፑስ ሀልሲንቦርይ፡ ሉንድ ዩኒቨርሲቲን ናይ ማልመ ኮለጅን ይርከብ።
ኣገልጎት ጥዕና
ኣብ ናይ ክሊፓን ኮምዩን ሰለስተ ማእከል ጥዕና፡ ክልተ ኣብቲ ናይ ክሊፓን ሰንትሩም፡ ሓደ ድማ ኣብ ዩንግቢሀድ ይርከባ። ኣብኡ ከከምቲ ኣድላይነትካ ናይ ወረዳ ሓኪምን ነርስታትን ኣለዉ። ኣብኡ ናይ ህጻናትን ናይ መሕረስትን ክሊኒክ ኣሎ።
ሓኪም ስኒ ኣብ ከተማ ክሊፓንን ኣብ ዩንግቢሀድ ኣሎ።
ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ
እቲ ኮምዩን ብትእዛዝ ናይ ትርጉም ሓገዝ የቕርብ።
ኣገልግሎት መጎዓዝያ
ካብቲ ከተማ ክሊፓን ናብ ሀልሲንቦርይ፡ ሃስለሆምን ክሪስትያንስታድን ናይ ባቡር ኣገልግሎት ኣሎ። ካብኡ ናብቲ ካልእ ቦታታት ስኮነን ናብ ካልእ ቦታታት ሽወደንን ምጕዓዝ ይከኣል። ካብ ክሊፓን ናብ ኣንገልሆልም እትኸይድ ኣውቶቡስ ኣላ።
ካብ ዩንግቢሀድ ናብ ከተማ ክሊፓን ወይ ስተሃግ መደበር ባቡር ኬድካ ካብኡ ኣብ ውሽጢ ስኮነ ክትቅጽል ትኽእል። ብዛዕባ ሰዓታት ኣብቲ ናይ ስኮነትራፊከን ኣንብብ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን
ካብ ከተማ ክሊፓን ናብ ሀልሲንቦርይ፡ ሃስለሆምን ክሪስትያንስታድን ብምኻድ ስራሕ ክትደሊ ትኽእል።