Sjöbo

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ሾቡ ኮምዩን ኣብ ማእከላይ ደቡብ ስኮነ ጥቓ ዓበይቲ ከተማታት ማልመን ሉንድን ትርከብ። እቲ ኮምዩን ኣብ ስኮነ እቲ ዝሰፍሐ እዩ፡ ብዘይካ ከተማ ሾቡ ድማ ካልኦት ገጠራት ይጥርንፍ። እተን ገጠራት ንጡፋት ኣብ ልዕሊ ምዃነን ቀረብ ናይ ኣገልግሎት፡ ዱኳናትን ንጥፈታትን ኣለወን።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ከተማ ሾቡ ብዙሓት ዱኳናትን ሰፊሕ ቀረብ ኣገልግሎትን ኣለዋ። እቲ ኣብ ነፍስ ወከፍ ዓመት ኣብ ሓምለ ዝካየድ ናይ ሾቡ ዕዳጋ ሓደ ካብቶም ኣብ ሽወደን ዝተፈልጠን ዝጠንተወን እዩ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ሾቡ ኣብ ዓዲግካ ይኹን ተኻሪኻ ኣብ ኣፓርትማ፡ ሪጋ ገዛውቲ ወይ ቪላ ክትቅመጥ ይከኣል። ገዛውቲ ዘካርዩ ናይቲ ኮምዩን ብሕታውያንን ኣካረይቲ ኣለዉ። ብዛዕባ ዝርዝር ኣባይቲ ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን መርበብ ሓበሬታ ተመልከት። ብሕታውያን ኣካረይቲ ነኣሽቱ ገዛውቲ እውን የካርዩ እዮም። ብዛዕባ ገዛውቲ ኣብ ብሎከት (ኣብ ኢንተርነት) ወይ ካልእ ናይ ገዛውቲ መርበባት ረአ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብቲ ቦታ ብዘይካ ሽወደን፡ ዳንማርክ፡ ፖላንድ፡ ጀርመንን ታይላንድ ይዝረብ። እንግሊዝ፡ ሆላንድ፡ ዓረብ፡ ዳሪን ፓሽቶን ዚዛረቡ ተቐማጦውን ኣለዉ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብቲ ኮምዩን ብዙሓት ንጡፋት ማሕበራት ኣለዋ። ኣብቲ ናይ ማሕበር ደብተር ኣብቲ መርበብ ብዛዕባ ፍሉይ ዓይነት ስፖርት ክትደሊ ትኽእል። ኣብቲ ኮምዩን ናይ ሽወደን ቤትክርስትያን እታ ዝዓበየት ማሕበር እያ። ኣብተን ኣብ ጥቓ ሾቡ ዚርከባ ከም ሉንድን ማልመን ዝኣመሰላ ከተማታት እተፈላለያ ናይ ሃይማኖታት ማሕበራት ኣለዋ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብቲ ኮምዩን ብዙሓት ዕዳጋታትን ግሮሰሪታትን ከምኡውን ባራትን ቤትንባብን ፋርማሲን ሲነማን መሐምበስን ኣሎ። ኣብቲ ገጠራት ከይተረፈ ድኳናት ኣሎ፡ ኣብ ብለንታርፕን ሎቨስታድን ቮልሾ ድማ ቤትንባብ ከይተረፈ ኣሎ። ሜዳ ኵዕሶ ኣብ ፈቐዳኡ ኣብቲ ኮምዩን ኣሎ። ካብ 13-20 ዓመት ንዝዕድመኦም መንእሰያት ዚኸውን ናቨት እተባህለ ናይ ባሃሊ ኣደራሽ ኣሎ። ኣብ ብለንታርፕን ሎቨስታድን ቮልሾን ን13-20 ዝዕድመኦም መንእሰያት ዚኸውን መዘናግዒ ኣሎ።

ሽዱሽተ ቈልዑ ኣብ ሓደ ሙዚቃዊ ምርኢት ቫየሊን ይጻወቱ ኣለዉ። ብድሕሪት ሓደ ናይ ዓበይቲ መዘምራን ይዝምሩ ኣለዉ።

ኣብ ሾቡ ናይ ዕዮ ቤትጽሕፈትን ናይ ስደተኛታት መቐበልን ናይቲ ኮምዩን ናይ ስድራቤትን ናይ ውልቅን ክንክን ኣሎ። ናይ መድህን ቤትጽሕፈት ኣብ ኢስታድ ኣሎ፡ ብኣውቶቡስውን ይኽየድ እዩ። ኣብ ኢስታድ ናይ ቀረጽ ቤትጽሕፈትውን ኣሎ።

ኣብቲ ናይ ሓራሽ ዕዳጋ ሕሱር ኣቕሑ ይርከብ፡ ገሊኡ ናይ ስፖርት ማሕበራት እዩ። ናይ ቶመልያ ኤሪክስየልፐን ኣቕሑ ገዛ ይሸይጥ እዩ። ኣብ ሾቡ ኣቕሑ ገዛ ዚሸይጥ ይስክ ዚብሃል ድኳናት ኣሎ። ካብ ማልመ ውጽእ ኢልካ ድማ ኢከያ ኣሎ። ማኪና ዘይብሉ ሰብ ብባቡር ክሳዕ ማልመ ይኸይድ እሞ፡ ኣብቲ ስቮገርቶርፕ እተባህለ ፈርማታ ባቡር ይወስድ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ካብ ሓደ ዓመት ክሳዕ ናብ መደበኛ ቤትትምህርቲ ዚኸዱ፡ እቶም ወለዶም ዚስርሑ ወይ ዚምሃሩ፡ ናብ ቤትትምህርቲ ህጻናት ኪኸዱ ይኽእሉ። ኣብቲ ናይ ህጻናት ቤትትምህርቲ እቶም ተመሃሮ ቋንቋ፡ ሒሳብ፡ ናይ ኣካላትን ሓንጎልን ምውህሃድ ይወሃቦም። ጸወታን ሙዚቃን ካልእ ናይ ፈጠራ ስራሕን ነቶም ህጻናት ናይ ምምዕባል መሰረት ይኾኖም።

ነቶም ዘይሰርሑን ዘይመሃሩን ወለዲ ንደቆም ዚኸውን ኣጠቓላሊ ቤትትምህርቲ ህጻናት ኣሎ (15 ሰዓታት ኣብ ሰሙን)። እዚ ከኣ ሰለስተ ዓመት ምስ መልኡ ኣብቲ ቀዳማይ ሰመስተር እዩ ዝጅምር። እዚ ነቶም ህጽናት ነቲ ናይ ምምሃር ክእለቶም ከመሓይሹዎ ይሕግዞም። እዚ ገንዘብ ዘየኽፍል ናጻ እዩ።

ኣብ ሾቡ 13 ናይቲ ኮምዩን 11 ከኣ ብሕታዊ ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣለዋ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን መርበብ ሓበሬታ እዘን ኣብያተትምህርቲ ኣበይ ከም ዝርከባን ከመይ ከም ዚሰርሓን ተመልከት።

እቲ ኣብ ሾቡ ዘሎ ክፉት ቤትጽሕፈት ህጻናት ከም መራኸቢ ቦታ እዩ ዚፍለጥ፡ ንናይቶም ካብ 0-10 ዓመት ዕድመ ዝኾኑ ውላድ ድማ ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልታት ክፉት እዩ። ኣብኡ ንነኣሽቱን ንዓበይትን ቆልዑ ናይ ፐዳጎጂ ንጥፈታት ኣሎ። ኣብቲ መራኸቢ ቦታ፡ እቶም ወለዲ ኪራኸቡን ኪመሓዘዉን ተመክሮ ኪለዋወጡን ዕድል ይረኽቡ።

እቲ ናይ ሾቡ ሽወደናዊ ቤትክርስትያን ከይተረፈ ንቖልዑን ወለድን መደባት ኣለዎ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ናይ ሾቡ ኮምዩን ሽድሽተ ናይቲ ኮምዩን ሰለስት ብሕታውያን መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዉ። ሰለስተ ካብኦም ኣብ ከተማ ሾቡ ይርከቡ፡ ካልኦት ድማ ኣብ ብለንታርፕ፡ ሎቨስታድን ቮልሾን።

ኣብቲ መለስተኛ ቤትትምህርቲ፡ መባእታ ዝወድኡ ናይ ሾቡ መንእሰያት ብዛዕባ ህንጻን ተሽከርከርትን ትራንስፖርት ወይ ሆቴልን ቱሪዝምን ኪመሃሩ ይኽእሉ። ናብ ማልመን ሉንድን ኢስታድን ብምኻድውን ካልእ ናይ ትምህርቲ መደባት ኪውሰዱ ይኽእሉ። ኣብ skanegy.seተወከስ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ሾቡ ናይ ዓበይቲ መሰልጠኒ ቤትትምህርቲ ኣሎ። ኣብኡ ሽወደን ንስደተኛታት (ኤስኤፍኢ) ንሓደስቲ መጻእቲ ድማ ምስ ማሕበረሰብ ምልላይ ኮርሳት ክትወስድ ትኽእል። ኣብዚ ንኣኻ ዚሕግዙ ንፉዓት መምህራንን ተሓባበርትን ኣለዉ። ናይ ሞያን ትምህርትን ተሓባበርቲ ንኣኻ ዚምሽእ መደባት ንምርካብ ኪተሓባበሩኻ እዮም። ኣብቲ ናትና ኮርሳት ተዓጻጻፊ መደባት እዩ ዘሎና፡ ብዘይ ሪጋ ኮርሳት ኪጅመሩ ይኽእሉ።

ናይ ሉንድ ዩኒቭርሲቲን ናይ ማልመ ኮለጅን ካብ ሾቡ ቀረባ እዮም። ኣብ ከባቢ ሾቡ ዘለዉ ኮምዩናት ብዙሕ ኮለጃት ኣለዎም።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ከተማ ሾቡ ክልተ ማእከል ክንክን ጥዕና ኣለዋ፤ ሾቡ ማእክል ክንክን ጥዕናን ኖቫክሊኒከን ሾቡን። ክልቲኣተን ቀረብ ናይ ብዙሕ ንጥፈታት ከም ማእከል ክንክን ቈልዑን ማእከል ክንክን ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን ኣለውን።

ኣብ ሾቡ ዝርከቡ ህዝባዊ ክንክን ስኒን ኖቫክሊኒክን ናይ ሕክምና ስኒ ኣገልግሎት ይህቡ እዮም። ኣብዚ ብሕታውያን ሓከምቲ ስኒ'ውን ኣለዉ።

እቲ ዝቐረበ ሆስፒታል ኣብ ይስታድ እዩ ዚርከብ። ከምኡ'ውን ኣብ ማልመን ሉንድን ሆስፒታላዊ ዩኒቭርሲቲ ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ሰበስልጣን ወይ ትካል ጥዕና ክትራኸብ ከሎኻ ናይ ተርጓማይ መሰል ኣሎካ። ምስ ትካላት ቆጸራ ክትገብር ከሎኻ ተርጓማይ ከም እትደሊ ሓብር።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ ናይ ሾቡ ኮምዩን ኣብ ውሽጢቲ ኮምዩንን ኣብ መንጎ ኮምዩናት ኣውቶቡስ ክትወስድ ትኽእል። እቲ ነተን ኣውቶቡሳት ዘመሓድር ትካል ስኮነትራፊከን ይብሃል።

ኣብቲ ኮምዩን እተፈላለያ ኣውቶቡሳት ኣለዋ። ንማልመን ሉንድን ዚኸዳ ቅልጡፋት ኣውቶቡሳት ኣለዋ። ካብ ሾቡ ናይ ኣውቶቡስ መዕረፊ ክሳዕ ኢስታድ ፍርቂ ሰዓት ይወስድ። ክሳዕ ሉንድ 40-55 ደቓይቕ። ክሳዕ ማልመ ዳርጋ ሓደ ሰዓት።

ኣብ ጥቓ ሓደ ጫካ ሓንቲ ብጫ ኣውቶቡስ ኣብ መቖም ኣውቶቡስ ደው ትብል ኣላ።

ኣብ ስኮነ ፖጋቶገት እተባህለ ንኹሉ ቦታታት ስኮነ ዘተኣሳስር ናይ ባቡር ኣገልግሎት ኣሎ። ንሱ ኣብ ኢስታድን ሉንድን ማልመን ደው ይብል። ካብኡ ኣብ ሓሓደ ሰዓት ናብ ደንማርክ ይኸይድ። ብናይ ስኮነትራፊከን ክሳዕ ብለኪንገ ወይ ሃላንን ዮተቦርይ ክትጎዓዝ ትኽእል። ካብ ሉንድን ማልመን ንኦስሎ፡ ኖርወይ ወይውን ንስቶክሆልም ወይ ናብ ካልእ ቦታታት ምኻድ ይከኣል።

ካብ ኢስታድ ብኣሳጋሪት መርከብ ጌርካ ናብ ፖላንድን ደንማርክን (ደሴት ቦርንሆልም) ምኻድ ይከኣል። ካብ ማልመ ውጽእ ኢልካ ኤይርፖርት ኣሎ (ስቱሩፕ)፡ ኣብ ደንማርክ ድማ ዓቢ ኣህጉራዊ ኣርያቦርቶ (ካስትሩፕ) ኣሎ። ካብን ናብን ሾቡን ካስትሩፕን ብባቡር ወይ ብኣውቶቡስ መገዲ ሓደ ሰዓትን ፈረቓን እዩ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ናይ ሾቡ ኮምዩን እቲ ዝዓበየ ናይቲ ኮምዩን ወሃብ ስራሕ እዩ። 200 ሰራሕተኛታት ኣለዉዎ። ኣብዞም ዚስዕቡ ናይ ስራሕ ዕድላት ኣለዉ፤ ቤትትምህርቲ ህጻናት፡ ትምህርቲ፡ ናይ ውልቅን ስድራቤትን ክንክን፡ ናይ ኣረጋውያንን ስንኩላንን ክንክን፡ ባህልን መዘናግዕን፡ ኣከባብን ህንጻን፡ መገዲ፡ማይን ረሳሕ ፈሳስን፡ ምምሕዳር፡ ቁጠባ ወዘተ.ኣብቲ ናይ ኮምዩን መርበብ ብዛዕባ ወሃብቲ ስራሕን ብዛዕባ ክፉት ቦታን ከተንብብ ትኽእል።

ኣብ ሾቡ ኮምዩን ብዙሓት ነኣሽቱ ናይ ብሕቲ ዋኒናት ኣለዉ። ብዛዕባኦም ኣብቲ ናይ ዋንናት ደብተር ኣንብብ።

ሾቡ ንናይ ዋኒናት ዕብየት ይነጥፍ፡ ንነኣሽቱ ዋኒናት ድማ ይከላኸለለን። ናትካ ዋኒን ክትገብር ምስ እትደሊ ምስ ሾቡ ኮምዩን ምስ NyföretagarCentrum ኦረሱን ሓቢርካ ስራሕ፡ ንሳቶም ሓበሬታ ኪህቡኻ እዮም።

ማልመን ሉንድን ምስ ካልኦት ኮምዩናት ናይ ትራንስፖርት ቅርበት ኣለወን። ንኣብነት ነተን MAX IV (2015) ን ESS(2019) ን ኣብ ሉንድ ምትካለን ነቶም ሰብ ሳየንስን ተመራመርትን ጥራይ ዘይኮነስ ነተን ነኣሽቱ ትክላት ነቲ ትካልን ሰራሕተኛታቱን ዘድሊ ኣቕሑን ኣገልግሎትን ከም ዘቕርባ ይገብረን።