Svalöv

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ናብ ስቫሎቭ ኮምዩን እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም! እተን ናይ ኮምዩንና ሰለሰተ ቀንዲ ቃላት፡ ሓምላይ፡ ዝሽውትን ጉርብትናን ዚብላ እየን።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ሓምላይ ነቲ ናይ ጥቓ ተፈጥሮ ቅርበት ይገልጽ፡ ዝሽውት ነቲ ነቶም ዝዓብዩ ዘለዉ ደቅና ዚወሃቦም ናይ ምምዕባል ዕድል የመልክት፡ ጉርብትና ከኣ ነቲ ኣብ ከተማታትና ዘንጸባርቕ ምሕዝነት ይገልጽ። ሉንድ፡ ማልመን ሀልሲንቦርይን ኣብ ናይ በጺሕካ ምምላስ ርሕቀት ይርከቡ። ናብኡ ንምብጻሕ ብኣውቶቡስ ካብ ፍርቂ ሰዓት ንታሕቲ እዩ ዚወስድ፡ ስለዚ ከኣ ንስኻ ኮነ ስድራቤትካ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ናይ ስራሕ ዕድላትን ነቲ ባህላዊ ህይወትን ክትጥቀመሉ ትኽእል። ከምኡውን ነቲ ኣብ ነኣሽቱ ከተማ ዘሎ ቅሳነት ከተስተማቕሮ ትኽእል ኢኻ። ስቫሎቭ፡ ተኮማቶርፕ፡ ቢለበርያ፡ ቶጋርፕ፡ ኮየሮን ሮስቶንጋን ኣብ ስቫሎቭ ኮምዩን ዚርከባ ከተማታት እየን። ኣብኡ 13 000 ሰባት ይነብሩ። ናብዚ ንኽትመጽእ ሕጉሳት ኢና፡ ኣብዚ ንህይወት ቦታ ኣሎና!

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ስቫሎቭ ክትነብር ምምራጽ ማለት ንስድራቤትካ ነቲ ዝበለጸ ነገር ከም ምምራጽ ማለት እዩ። ኣብዚ፡ ደስ ዘብል መንበሪ ኣሎ። ኣብ ዝደለኻዮ ቦታ ምረጽ ንደቅኻ ውሑስ ቤትትምህርቲ ኣሎ ከምኡውን እተፈላለየ ናይ መዘናግዒ ንጥፈታት። ኮለጅን ዩኒቨርሲቲን ኣብ ናይ በጺሕካ ምምላስ ርሕቀት ኢዮም ዚርከቡ።

ናይቲ ኮምዩን ቤትጽሕፈት ኣባይቲ ስቫሎቭቡስታድ ይብሃል። ንሱ ግሩም ኣባይቲ የቕርብ። ብዛዕባ ዓይነትን ጥርሑ ገዛውትን ኣብ SvalövsBostäders webbplats ረአ። ኣብቲ ኮምዩን ውልቃውያን ኣካረይቲውን ኣለዉ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብቲ ቦታ እተፈላለየ ቋንቋታት ይዝረብ፡ ከምዚ መኾኒኡ ከኣ እቲ ኮምዩን ብጥንቲ ስደተኛታት ይቕበል ስለ ዝነበረ እዩ። ካብቶም ብብዝሒ ዚዝረቡ ቋንቋታት፡ ዓረብ፡ ሶማሊ፡ ቦስንያን ፋርስን/ዳሪን እዮም። ናይ ቋንቋ ጉጅለታት ብናይ ሰባት ምምጻእን ምኻድን ይጽሎ እዩ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ናይ ስደተኛታት ኣተሓባባሪ ተወከስ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብቲ ኮምዩን ሓይሎ ዚነጥፋ ማሕበራት ኣለዋ። ከም ተቐማጣይ መጠን ንኣኻ ዚምሽእ ንጥፈታት ንምርካብ ዓቢ ዕድል ኣሎ። እቲ ናይቲ ኮምዩን ናይ መዘናግዒ ንጥፈታት በቲ ዘዝምልከቶ ማሕበር እዩ ዚካየድ። እቲ ናይቲ ኮምዩን ተራ፡ ነተን ማሕበራት ስራሐን ንምቅላል እዩ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ሰንትራል ስቫሎቭ ግሮሰሪታት፡ ፋርማሲ፡ ቤትንባብ፡ ሰከንድ ሃንድ ድኳናት ኣሎ። ኣብ ከተማ ስቫሎቭ ዚርከቡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ቤትንባብን ናይቲ ኮምዩን ኣብያተጽሕፈት እዮም።

ከም ስቫሎቭ ገይረን ናይ ተፈጥሮ ተመክሮ ዚህባ ኮምዩናት ውሑዳት እየን። ኣብቲ ልሙዕ ቦታ ሕርሻ ናይ ደቡብ፡ እቲ ብጫ ናይ ራፕስ ዕምባባ ኪወጽእ ከሎ ኣዚዩ ዚምስጥ እዩ። ሶደሮሰን ሃገራዊ መናፈሻ ኣዚዩ ብርቂ እዩ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ናይ ስቫሎቭ ኮምዩን ንህጻናትን ወለድን እተፈላለየ ናይ ክንክን ኣገልግሎት ይህብ። ኣብቲ ኮምዩን ናይ ኮምዩን ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ከምኡውን ናይ ውልቂ ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣለዉ። ኣብ 1-5 ዓመተትምህርቲ ዘለዉ ተመሃሮ ቅድምን ድሕርን ትምህርቲ ኣብ መዘናግዒ ገዛ ኪህልዉ ይኽእሉ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ስቫሎቭ ኮምዩን፡ ኣብ ቢለበርያ፡ ኮየሮድ፡ሮስቶግና፡ ስቫሎቭን ተኮማቶርፕን ናይቲ ኮምዩን መባእታ ቤትትምህርቲ ኣሎ። ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ስቫሎቭ 7-9 ዝኾነ ሊኖከርስኩላን ዚብሃል ቤትትምህርቲ ኣሎ። እታ ቤትትምህርቲ ካብ ኩሉ ቦታታት ናይቲ ኮምዩን ተመሃሮ ትቕበል።

ብናይ ኣደ ቋንቋ ትምህርቲ ኪወሃብ ዚኽእል፡ ነቲ ቋንቋ ዚዛረቡ እኹል ቍጽሪ ተመሃሮ ምስ ዚህሉ እዩ።

ኣብ ስቫሎቭ ኮምዩን ክልተ ናይ ብሕቲ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ፤ ናይ ስቫሎቭ ሞንተሶሪን ናይ ቢቸርስ ናጻ ቤትትምህርትን።

ኣብቲ ኮምዩን ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣሎ፡ ሳቭሎቭ ይምናስዩም ይብሃል።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ሳቭሎቭ ኮምዩን እቲ ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ ብኮምቩክስ እዩ ዚካየድ። ኮንቩክስ ዘቕርቦ መደባት፤ ኤስኤፍኢ፡ ሰርቩክስን ናይ ዓበይቲ ትምህርትን።

ነቶም ክሳዕ 18 ዝዕድመኦም ሓደስቲ መጻእቲ ዝኾኑ ቆልዑ፡ ዕድል ናይ ቋንቋ መላለዪ ትምህርቲ ይወሃቦም እዩ። ናይ ኣደ ቋንቋ ትምህርቲ ኪወሃብ ዚኽእል፡ ነቲ ቋንቋ ዚዛረቡ እኹል ቍጽሪ ተመሃሮ ምስ ዚህሉ እዩ።

ኣብዚ ከባቢ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ፍሪድሄምስ እውን ኣሎ። እቲ ቤትትምህርቲ ካብ ፖለቲካን ሃይማኖትን ናጻ እዩ። ዋና ናይቲ ቤት ትምህርቲ ማሕበር ፍሪድሄምስ ፎልክሀግስኩላ እዩ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ከተማ ስቫሎቭ ማእከል ጥዕናን ናይ ህዝባዊ ስኒ ሕክምናን ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ሰበስልጣንን ትካላትን ኣብ ዚግበር ርክብ ተርጓማይ ናይ ምርካብ ተኽእሎ ኣሎ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ሉንድ፡ ማልመን ሀልሲንቦርይን ኣብ ናይ በጺሕካ ምምላስ ርሕቀት ይርከቡ። ናብኡ ንምብጻሕ ብኣውቶቡስ ካብ ፍርቂ ሰዓት ንታሕቲ እዩ ዚወስድ፡ ስለዚ ከኣ ንስኻ ኮነ ስድራቤትካ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ናይ ስራሕ ዕድላትን ነቲ ባህላዊ ህይወትን ክትጥቀመሉ ትኽእል።

ብዛዕባ ሰዓታት መበገስን መብጽሕና ኣብቲ ስኮነትራፊከን ተመልከት።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብቲ ኮምዩን እቲ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ ባዕሉ እቲ ኮምዩን እዩ። እቲ ናይ ከባቢ ቁጠባዊ ህይወት ብቐንዱ ንእሽቶን መጠነኛን ዋኒናት ዝጠርነፈ እዩ።