Svedala

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ጥቓ ማልመ ኤርፖርት ብምዃና፡ ካብ ኦረሱንድብሩን ብዙሕ ስለ ዘይትርሕቕ፡ ስቨዳላ ምስ በዓል ማልመን ሉንድን ብቕሩብ ሰዓታት እትራኸብ ስትራተጅያዊት ኮምዩን እያ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ናይ ቶሩፕ ግምቢ። እቲ ግምቢ ብናይ ዛን ኦም ዝተኸበ እዩ።

ካብቲ ናይቲ ኮምዩን 20 000 ነባሮ፡ ኣስታት 10 000 ኣብ ስቨዳላ እዮም ዚቕመጡ። ብባቡር ምስ ደንማርክ ብምርኻባ ናይ ንእሽቶ ከተማ ረብሓታት ዘለዋ ዓባይ ከተማ እያ።

መንበሪ-ገዛ

እቲ ኮምዩን ኣብን ጥቓን ተፈጥሮ ገዛውቲ የቕርብ። እቲ ገዛውቲ፡ ቪላታትን ኣፕርትመንትን እዩ። እቲ ናይ ስቨዳላ ቤትጽሕፈት ክራይ ኣባይቲ ስቨዳሀም እዩ ዚብሃል።

ኮሙን ህንጻ ኣብ ስቨዳላ። ናይ ነሓሲ ናሕሲ ዘለዎ ናይ ሕጡብ ህንጻ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ብቐዳምነት ታይላንድን ዓረብን። ብናይ ኣደ ቋንቋ ዚወሃብ ትምህርቲ በዘን ዚስዕባ ቋንቋታት ይካየድ፤ ታይላን፡ ዓረብ፡ ፓሽቶ፡ ፋርስን ሶማልን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብቲ ኮምዩን ሽወደናዊት ቤትክርስትያን ኣላ። እተፈለለየ ናይ ስፖርትን ባህልን ማሕበራትውን ኣለዋ።

ሓደ ተጻዋታይ ጎልፍ ኣብ ሓደ ሜዳ ጎልፍ ሓንቲ ቅላዕ ይቀልዕ ኣሎ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ማእከል ከተማ ስቨዳላ፡ እተፈላለያ ዓይነት ድኳናት፡ ባንክታት፡ ፋርማሲ፡ ቤት ንባብን ሓደ ህቡብ ህዝባዊ መሐምበስን ወዘተ. ኣሎ። እቶም ዝዓበያ ግሮሰሪታት ካብ ማእከል ከተማ ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ይርከባ።

ሰለስታ ሰባት ኣብ ውሽጢ ኣግራብ ዛን ብእግሮም ይዛወሩ ኣለዉ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብቲ ኮምዩን ብዙሕ ኣብይተትምህርቲ ህጻናት ኣሎ። ናይ ምጽባይ ግዜ ሓጺር እዩ። ከምዚ ማለት ንውላድካ ቀልጢፍካ ቦታ ትረኽበሉ ማለት እዩ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ስቨድላን ባራን ክሎገሩፕን ናይ ህጻናት ኣብያተትምህርቲ ኣሎ። ኣብኡውን ናይ ኒልስ ፍረደሪክሶን ስልጠና ኣሎ። NFU ኣብ ስቨዳላ ይርከብ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኮምቩክስን ኤስኤፍኢን ኣብ ኒልስ ፍረደሪክሶንን ስልጠና፡ ናይ ስቨዳላ NFU ኣሎ። ኣብ ማልመን ሉንድን ካልእ ስልጠናታት ኣሎ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ስቨዳላ፡ ማእከል ጥዕና፡ ናይ ኣደታት ክሊኒክ፡ ናይ ህጻናት ክሊኒክን ናይ ስኒ ሕክምናን ይርከብ። ኣብ ባራ፡ ማእከል ጥዕና ኣሎ። እቲ ዝቐረበ ሆስፒታል ኣብ ማልመ እዩ ዚርከብ (ኣስታት 20 ኪሎመተር)።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ቋንቋ ሽወደን ዘይትዛረብን ዘይርደኣካን ምስ ዚኸውን ምስ ሰበስልጣን ብምስምማዕ ብቛንቋኻ ተርጓማይ ክትረክብ መሰል ኣሎካ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ካብ ስቨዳላ ናብ ማልመ፡ ይስታድ፡ ሉንድ፡ ትረለቦርይ ግሩም ናይ ባቡርን ኣውቶቡሳትን መራኸቢታት ኣሎ። ካብ ስቨዳላ ቀጥታ ናብ ኮፐንሃገን ኪኸድ ይከኣል።

ስእሊ: Martin Bard

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ምስ ዓበይቲ ከተማታት ግሩም መጎዓዝያ ስለ ዘሎ፡ በጺሕካ እትመጸሉ ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕድላት ኣሎ።