Trelleborg

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ትሬለቦሪ፡ ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ሽወደን እትርከብ ኣስታት 43000 ተቐማጦ ዝነብሩዋ ከተማ እያ። ትሬለቦሪ ዝበሃግ ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ ሃልይዋ፡ ኣብ ደቡባዊ ገማግም-ባሕሪ፡ ጥቓ ዓበይቲ ከተማታት ማልሞን ሉንድን ኮፐንሃገንን ትርከብ። ብዜካ’ዚ፡ ናብ ስለስተ ኣብ ጀርመንን ፖላንድን ዝርከባ ወደባት ዝኸዳ ካብዛ ከተማ ዝብገሳ መስመራት መራኽብ ውን ኣሎ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብዝሒ-ህዝቢ

45307

ስፍሓት መሬት

1177 ኪሜ²

መንበሪ-ገዛ

ምምሕዳር ከተማ ትሬለቦሪ፡ ኣዝዩ ዘመናዊ መንበሪ ኣባይቲ ዘርከቦ ከተማ እዩ። መብዛሕትኡ መንበሪ-ኣባይቲ ናይ'ዚ ከተማ፡ ኣብ ጥቓ ወይ ውን ኣብ ውሽጢ ሃብታም ተፈጥሮኣዊ ከባቢ ተደኲኑ ይርከብ። መንበሪ-ኣባይቲ፡ ገዛውትን ቪላትንን የጠቓልል። እታ ብምምሕዳር ከተማ እትውነን፡ ብርክት ዝበለ ክራይ-ኣባይቲ እተመሓድር ትካል ትሬለቦሪስሀም ተባሂላ ትጽዋዕ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ከተማ ትሬለቦሪ ብብዝሑ ካብ ዝዝረበሎም ቋንቋታት፡ ቦስንያ፡ ዓረበኛ፡ ኣልባንያ፡ ዴንማርክን ማቃዶንያን ይርከብዎም። ኣብዚ እዋን ትምህርቲ ቋንቋ-ኣደ በዘን ዝስዕባ ቋንቋታት ይወሃብ፡- ኣልባንያ፡ ዓረበኛ፡ ቦስንያ፡ ዴንማርክ፡ ዳሪ (ትምህርታዊ ድጋፋት ጥራይ ኣብ ምሃብ)፡ እንግሊዘኛ፡ ፊንላንድ፡ ፈረንሳይ፡ ግሪክ፡ ጥልያን፡ ኢስላናድ፡ ክሮኦሽያ፡ ኩርዲ፡ ማቃዶንያ፡ ማንዳሪን፡ ኔዘርላንድ፡ ኢራነኛ፡ ፖላንድ፡ ሩመንያ፡ ራሻ፡ ሰርብያ፡ ስጳኛ፡ ቶጋሎግ፡ ታይ፡ ቱርኪን ጀርመነኛን ቃንቋ ሃንጋሪን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ መዝገብ-ማሕበራት ከተማ ትሬለቦሪ ብምእታው፡ ዝርዝር ናይተን ኣብቲ ቦታ ኣብ መዳያት ስፖርትን ባህልን ዝነጥፋ ማሕበራት፡ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

እኩባት ሰባት ኣብ ትረለቦርይ ናይ ሽወደን ሃገራዊ መዓልቲ የብዕሉ ኣለዉ። ጻሕያ መዓልቲ ኮይኑ ብዙሓት ሰባት የጣቅዑ ኣለዉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ትሬለቦሪ፡ ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ ንነባሮ፡ ቤት-ንባብ፡ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ (ኣርበትስፎርመድሊንገን) ማዕከን ማሕበራዊ-ውሕስነት (ፎርሸክሪንግስካሳን)፡ ባንኪታት፡ ቤት-ጽሕፈት ፖሊስ፡ ፋርማሲታት፡ መሐንበሲ-ማእከላትን ቤት-መዘክርን፡ ይርከብ።

መንገዲ ኣጋር ኣብ ትረለቦርይ። ብነጀው ሸነኽ ሓደ ናይ ብሮንዞ ፎንታና ኣሎ። እቲ ፎንታና፡ ኣብ ትሕቲ ብዙሓት ጽላላት ብሓባር ደው ናይ ዝበላ ታኮ ሳእኒ ዝወደያ ሽዱሽተ ጽምዲ ኣእጋር ምስሊ ኣለዎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ከተማ ትሬለቦሪ፡ 32 መውዓሊ-ህጻናት ይርከባ። ሓንቲ ካብኣተን ክፍቲ መውዓሊ-ህጻናት እያ። ብዜካ'ዚ። 18 ፍሉይን ስሩዕን መደባት ትምርህቲ ናይ መባእታዊ ደረጃ፡ ኣብያተ ትምህርታት ይርከባ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ከተማ ትሬለቦሪ፡ ብርክት ዝበላ ናይ መባእታዊ-ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ይርከባ። ገለ ካብዘን ኣብያተ-ትምህርታት መንግስታዊ እተን ዝተረፋ ከኣ፡ ናይ ግሊ እየን።

ኣብ ከተማ ትሬለቦሪ፡ ሓንቲ ናይ ካልኣይ-ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ትርከብ። እቲ ኣብታ ሶደርስለት-ጂምናስየት እትበሃል ቤት-ትምህርቲ፡ እቲ ትምህርቲ ኣብ ክልተ ዝተፈላለየ ቦታታት (ባስሹነን ሰይንትኒ-ኒኮላይን) ይወሃብ። ሶደርስሌት-ጂምናስየት፡ 14 ሃገራዊ መደባት ትምህርቲ፡ 5 ናይ ምእተዊ-መደብ ትምህርቲን፡ ናይ ኩዕሶ-እግሪን ኩዕሶ-ሰኪዔትን ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ፡ ፍሉይ ናይ ካልኣይ ደረጃ-ትምህርቲ ከምኡ ውን ሓፈሻዊ ትምህርቲ ንዓበይትን፡ ኣብ ምእንጋድ ትነጥፍ።

ዕድላት ትምህርቲ

እቲ ብምምሕዳር ከተማ ዝምእከል መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ናይ መባእታውን ካልኣይን ደረጃታት ትምህርቲ የጠቓልል። ኣብዚ ቤት-ትምህርቲ'ዚ፡ ንጽል ኮርሳት ወይ ውን ምሉእ ሞያዊ ትምህርታት ክትመሃሩ ትኽእሉ። ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ (ኤስ.ኤፍ.ኢ) ከምኡ ውን ፍሉይ ትምህርቲ ንዓበይቲ ውን ኣካል ናይቲ በዚ ትምህርታዊ ትካል ዝወሃብ መደባት ትምህርቲ እዩ።

ብዜካ'ዚ፡ ኣብ ከተማ ትሬለቦሪ፡ ሞያዊ ኣንፈት ዘለዎ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ፡ ውን ኣሎ።

ናይ ከተማ መናፈሻ ኣብ ትረለቦርይ ሓደ ጻሕያ መዓልቲ። ብዙሓት ዝቝጽረን ናይ መናፈሻ መንበራት ጥርሓን ኣለዋ። ኣብ ሓንቲ ካብተን መንበራት ነንሕድሕደን ዝዛረባ ሰለስተ ሽማግለ ኣንስቲ ኣለዋ።

ኣገልጎት ጥዕና

ሆስፒታል ትሬለቦሪ፡ ኩሉ ዓይነት ጥዕናዊ ኣገልግሎታት ዝህብ ማእከል ጥዕና እዩ። ኣብዚ ጥዕናዊ ማእከል'ዚ፡ ፍሉይ ንጸገማት መሓውር ዝሕክም ክፍሊ፡ ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎታት ዝህብን፡ ማእከል ክንክን፡ ፍሉይ ሕማማት ዝረኣየሉ ክፍልታትን ክፍሊ መጥባሕትን ይርከቦ።

ኣብ ከተማ ትሬለቦሪ ብተወሳኺ ክልተ ሕክምናታት ኣለዋ። ካልእ ሳልሰይቲ ውን ኣብ ኣንደርሽሎቭ ዝበሃል ከባቢ ትርከብ።

ህዝባዊ ክሊኒክ ስኒ (ፎልክታንድቮርደን)፡ ብርክት ዝበሉ ናይ ግሊ ክሊኒካት-ስኒ ውን ኣብቲ ከተማ ይርከባ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ህዝባዊ ክሊኒክ ስኒ (ፎልክታንድቮርደን)፡ ብርክት ዝበሉ ናይ ግሊ ክሊኒካት-ስኒ ውን ኣብቲ ከተማ ይርከባ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ ውሽጢ ከተማ ትሬለቦሪን ናብ ማልሞ ዝኸይድ መስመራት ኣውቶቡሳትን፡ ብትካል መጎዓዝያ ኣውራጃ ስኮነ፡ ይመሓደር። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2015፡ እቲ ምምሕዳር ከተማ ብሃቀውታ ዝጽበዮ መስመር ባቡር (ፖጋ-ቶግ) ትሬለቦሪ-ማልሞ ክዛዘም፡ ትጽቢት ይግበረሉ።

ናብ ዝተፈላለየ መዓልቦ መንገዲ ዘርኢ ዝተፈላለየ መሓበሪ ሰሌዳ ዘለዎ ዓንዲ። እቶም መሓበሪ ሰሌዳ ንኣብነት መንገዲ ናብ ትረሪክስሮሰት፡ ስቶኮልም፡ ፓሪስን ሳስኒትዝን የርእዩ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

መብዛሕትኦም ተቐማጦ ከተማ ትሬለቦሪ፡ ኣብተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ከተማታት (ኮፐንሃገን ሓዊስካ) እናኸደኡ ይሰርሑ። መብዛሕትኦም ነባሮ ከተማ ትሬለቦሪ፡ ብቕርበት ናይቲ ከተማ ናብ ኩለን ከተማታት፡ ተሳሒቦም ዝመጽኡ እዮም።

እስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ ከተማ ትሬለቦሪ፡ ኣብ ምምዕባል ንግዳዊ ንጥፈታት ናይታ ከተማ ዝጻወቶ ተራ፡ ኣቃሊልካ ዝርአ ኣይኮነን። እታ ከተማ፡ ማህጸን ክንክን ዝገዓዓዝ ንብረት ተባሂላ ምስማያ ውን ብዕድል ዝመጽአን ነገር ኣይኮነን። ከም ወናኒ ትካል፡ ብምምሕዳር ከተማ፡ ሓገዝን ምኽርን ክግበረልካ፡ ይኽእል። ብዜካ'ዚ፡ እታ ብምምሕዳር ከተማ ትሬለቦሪ እትውነን፡ ኣብ ንግዳዊ መዳይ እትነጥፍ፡ ትሬለቦሪስ ኮምዩንን ኡትቨክሊንግስ ዝተሰምየት ትካል ውን፡ ነቶም ኣብ መዳይ ንግዲ ዝነጥፉን ትካል ክምስርቱ ዝደልዩን ሰባት ሓገዝን ምኽርን ኣብ ምብርካት ትነጥፍ።