Södermanlands län

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ሶደርማንላንድ ናይ ሽወደን መበል 21 ወረዳ እያ። ንሳ ካብ ስቶክሆልም ንደቡብ፡ ካብ ኦስተርዮትላን ንሰሜን ትርከብ። ብምብራቕ ድማ ምስ ኦሰተርሾን ትዳወብ። ኣብኣ 280,000 ሰባት ይነብሩ፡ እታ ዝዓበየት ከተማ ከኣ ኤስኪልስቱና እያ። ንሳ ልዕሊ 100,000 ተቐማጦ ኣሎዋ። ኣብ ሶደርማንላንድ ግሩም ናይ ሓባራዊ ጕዕዞ ምምልላስ ኣሎ፡ ኣብኡ ከኣ ካብ ኒሾፒንግ ወጻኢ፡ ስካቭስታ እተባህለ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሎ።

Map of Sweden Created with Highcharts 10.2.1

ኮሙንናት ኣብ

ኮሙንናት ኣብ Södermanlands län

ኣብ ታሕቲ እታ ብዛዕብኣ ብዝያዳ ከተንብብ ትደልያ ኮሙን ኣብ Södermanlands län ምረጽ

ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ

መንበሪ ኣባይቲ ክትካረን ክትዕድግን ትኽእል። ገዛ ምስ እትካረ ነቲ ኣካራዪ ወይ ወናኒ ኢኻ እትኸፍሎ። ገዛ ክትካረ ምስ እትደሊ ብቕልጡፍ ተራ ሓዝ። ኣብኡ ብዙሓት ገዛ ኪካረዩ ዚደልዩ ሰባት ስለ ዘለዉ፡ ጥርሑ ቤት ንምርካብ ኣሸጋሪ እዩ።

ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ብዛዕባ ናይቶም ኣብቲ ኮምዩን ዚርከቡ ኣካረይቲ ሓበሬታ ኣሎ። ገዛ ክትካረ ወይ ክትዕድግ ምስ እትደሊ ብመገዲ ረክላም ንኣብነት ኣብ ኢንተርነት ብምርኣይ ክትረክብ ትኽእል። ገዛ ክትካረ ምስ እትደሊ ኣብቲ Hyresgästföreningen ሓበሬታን ሓገዝን ክትረክብ ትኽእል።

ንግዳዊ-ንጥፈታትን ወሃብቲ-ስራሕን

ኣብዚ ዞባ እተን ዝዓበያ ወሃብቲ ስራሕ ኣብቲ ህዝባዊ ሰክተር እየን ዘለዋ። ንሳተን ከኣ ኮምዩናት፡ ዞባን እተፈላለያ መንግስታውያን ትካላት እየን። እተን ከም ኤስኪልስቱና፡ ኒሾፒንን ካትሪንሆልም ዝመሰላ ዓበይቲ ኮምዩናት ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕድላት ኣለወን። እቲ ንክንክን ጥዕና ዘመሓድር ዞባ ብዙሕ ሰብ እዩ ዘስርሕ።

እተን ዝዓበያ ብሕታውያን ወሃብቲ ስራሕ ናይ ፋብሪካ ዋኒናት እየን። ኣብ መግብን ዓለባን ንግድን ዝነጥፋ ዓበይቲ ዋኒናትውን ኣለዋ። ኣብ Samhall Aktiebolag እተፈላለየ ዓይነት ስራሕን ስልጠናን ኣሎ። ኣብ regionfakta ዝርዝር ናይተን ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ ክትረክብ ትኽእል።

ኣብያተ-ትምህርታትን ትምህርትን

ክሳዕ 16 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ናብቲ መባእታ ቤትትምህርቲ ይኸዱ፡ ካብኡ ድማ ናብ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ይሓልፉ፡ ኣብኡ ድማ እትደልዮ ትምህርቲ ክትመርጽ ይከኣል። ኣብቲ ኮምዩን ብዛዕባ ኣብያተትምህርቲ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል። ኣብ ሽወደን መባእታን ካልኣይ ደረጃን ትምህርቲ ናጻ እዩ።

ሓደ ሰብ በጽሒ ኮይኑ ኪመሃር ምስ ዚደሊ ብዙሕ ተኽእሎታት ኣሎ። እቲ ኮምዩን ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ ኣለዎ፡ ከምኡውን ህዝባዊ ኮለጃትን ሞያዊ ኮለጃትን ኣለዋ። ኣብ ሶደርማንላንድ፡ ኮለጅ ኣሎ፡ ናይ ኤስኪልስቱና መላርዳለን ኮለጅ፣ ግን ናብ ዩኒቨርሲቲታት ንኣብነት ሊንሾፒንግ-ኖርሾፒንግ ወይ ስቶክሆልም እውን እናተመላለስካ ክትመሃር ትኽእል ኢኻ።

ኣገልግሎት ጥዕና

ኣብ ሶደርማንላንድ ኩሉ ሰብ ናይ ሕክምና መሰል ኣለዎ። ወላ ሓተትቲ ዑቕባ። ህጹጽ ሕክምና ምስ እትደሊ ናብ SOS Alarm 112 ደውል።

ህጹጽ ምስ ዘይከውን ግን ናብ ማእከል ጥዕና ጥራይ ኪድ። ኣብኡ ሓኪምን ነርስን ኣለዉ። ፍሉይ/ስፐሻሊስት ሕክምና ምስ እትደሊ እቲ ማእከል ጥዕና ናበይ ከም እትኸይድ ኪሕብረካ ይኽእል እዩ። እቲ ዝቐረበ ናይ ቦታኻ ማእከል ጥዕና ኣብ ናይዚ ዞባ መርበብ ሓበሬታ ክትረኽቦ ትኽእል።

ኣብ ሶደርማንላንድ ሰለስተ ሆስፒታላት ኣለዋ። ንሳተን ኣብ ኤስኪልስቱና፡ ኒሾፒንግን ካትሪንሆልምን ይርከባ። ኣብኡ ፍሉይ መቐበልን ናይ ህጹጽ ረድኤት መቐበልን ኣሎ። ንመምርሒ ሕክምና ብመገዲ ተለፎን 1177 ወይ vårdguidens hemsida.ክትውከስ ትኽእል። ኣብቲ መምርሒ ሕክምና ወይ ቮርድጊደን ንሕቶታትካ መልሲ ከምኡውን ብዛዕባ ሕማምን ክንክንን፡ ምኽሪ ክትረክብ ትኽእል።

ባህላውን ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታትን

ሽወደን ሓያል ማሕበራዊ ህይወት ኣሎዋ። ማሕበራት ብኣባላተን ዚምርሓ ውድባት እየን። ኣባታተን፡ ናይ ስፖርትን ባህልን ዕዮን ማሕበራት ይርከብ። ምስ ካብ ብዙሕ ኩርናዓት ዓለም ዝመጹ ሰባት እትራኸበለን ማሕበራትውን ኣለዋ። ገለ ማሕበራት ብመገዲ Immigrantinstitutet .ክትረኽበን ትኽእል።

ኩለን ኮምዩናት ናጻ ኣብያተንባብ ኣለወን። ንሳተን ከም መራኸቢ ቦታ ከባብያዊ ባህሊ ኮይነን ይሰርሓ። ኣብኡ መጽሓፍን ሲዲን ፊልምን ክትልቃሕ ትኽእል፡ ብእተፈላለየ ቋንቋ ጋዜጣን መጽሔትን ከተንብብ፡ ኢንተርነት ዘለዎ ኮምፕዩተር ክትጥቀም ድማ ትኽእል። እቲ ቤትንባብ ብዛዕቲ ኮምዩን ሓበሬታ ኣለዎ። ገለ ካብተን ኣብያተንባብ እተፈላለየ ንጥፈታት የዳሉዋ፡ ከም ንኣብነት ሰብ ዝራኸበሉን ቋንቋ ሽወደን ዝላመድሉን ናይ ቋንቋ ካፈ። ከምኡውን ኣብ ኤስኪልስቱና፡ ኒሾፒንግ፡ ስትረንግነስን ካትሪንሆልምን ናይ ስደተኛታት መምርሕን ናይ ቋንቋ ብጾትን ንጥፈታት ኣሎ።

ኣብ ሶደርማንላንድ ወይ ኣብ ገለ እተን ኮምዩናት እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ክትፈልጥ ምስ እትደሊ ነተን ናይቲ ከባቢ ጋዜጣታት ምንባብ ጽብቕ እዩ። መብዛሕትኣን እተን ናይ ከባቢ ጋዜታታት ኣብ መርበብ ሓበሬትኣን ሕታም የውጽኣ እየን። ንሳተን ከኣ፡ ኤስክሊስቱና ኩሪረን፡ ሶደርማንላንድስንይሄተር፡ ካትሪነሆልምስኩሪረን፡ ቲድንኘን ሶርምላንድስብይግደን እየን። ከምኡ'ውን ብመገዲ መደበር ራድዮ ፐ4 ሶርምላንድ ናይቲ ከባቢ ዜና ብራድዮን፡ ብመገዲ ኤስቨተ ሶርምላንድ ናይቲ ከባቢ ዜና ብተለቪዥን ኣሎ።