ባህላውን ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታትን
ሽወደን ሓያል ማሕበራዊ ህይወት ኣሎዋ። ማሕበራት ብኣባላተን ዚምርሓ ውድባት እየን። ኣባታተን፡ ናይ ስፖርትን ባህልን ዕዮን ማሕበራት ይርከብ። ምስ ካብ ብዙሕ ኩርናዓት ዓለም ዝመጹ ሰባት እትራኸበለን ማሕበራትውን ኣለዋ። ገለ ማሕበራት ብመገዲ Immigrantinstitutet .ክትረኽበን ትኽእል።
ኩለን ኮምዩናት ናጻ ኣብያተንባብ ኣለወን። ንሳተን ከም መራኸቢ ቦታ ከባብያዊ ባህሊ ኮይነን ይሰርሓ። ኣብኡ መጽሓፍን ሲዲን ፊልምን ክትልቃሕ ትኽእል፡ ብእተፈላለየ ቋንቋ ጋዜጣን መጽሔትን ከተንብብ፡ ኢንተርነት ዘለዎ ኮምፕዩተር ክትጥቀም ድማ ትኽእል። እቲ ቤትንባብ ብዛዕቲ ኮምዩን ሓበሬታ ኣለዎ። ገለ ካብተን ኣብያተንባብ እተፈላለየ ንጥፈታት የዳሉዋ፡ ከም ንኣብነት ሰብ ዝራኸበሉን ቋንቋ ሽወደን ዝላመድሉን ናይ ቋንቋ ካፈ። ከምኡውን ኣብ ኤስኪልስቱና፡ ኒሾፒንግ፡ ስትረንግነስን ካትሪንሆልምን ናይ ስደተኛታት መምርሕን ናይ ቋንቋ ብጾትን ንጥፈታት ኣሎ።
ኣብ ሶደርማንላንድ ወይ ኣብ ገለ እተን ኮምዩናት እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ክትፈልጥ ምስ እትደሊ ነተን ናይቲ ከባቢ ጋዜጣታት ምንባብ ጽብቕ እዩ። መብዛሕትኣን እተን ናይ ከባቢ ጋዜታታት ኣብ መርበብ ሓበሬትኣን ሕታም የውጽኣ እየን። ንሳተን ከኣ፡ ኤስክሊስቱና ኩሪረን፡ ሶደርማንላንድስንይሄተር፡ ካትሪነሆልምስኩሪረን፡ ቲድንኘን ሶርምላንድስብይግደን እየን። ከምኡ'ውን ብመገዲ መደበር ራድዮ ፐ4 ሶርምላንድ ናይቲ ከባቢ ዜና ብራድዮን፡ ብመገዲ ኤስቨተ ሶርምላንድ ናይቲ ከባቢ ዜና ብተለቪዥን ኣሎ።