Stockholms län

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ወረዳ ስቶክሆልም ኣብ ሽወደን ብስፍሓት እቲ ዝነኣሰ እዩ፡ ግን ዝበዝሕ ህዝቢ ድማ ኣብኡ ይቕመጥ፤ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን።

Map of Sweden Created with Highcharts 10.2.1

ኮሙንናት ኣብ

ኮሙንናት ኣብ Stockholms län

ኣብ ታሕቲ እታ ብዛዕብኣ ብዝያዳ ከተንብብ ትደልያ ኮሙን ኣብ Stockholms län ምረጽ

ከም ርእሰ ከተማ ጽዑቕ ከተማዊ ህይወት ኣለዎ፡ ይኹንበር ናይ ገጠርን ተፈጥሮን ባህሪያት ከኣ ኣለዎ። ልዕሊ ፍርቂ ናይቲ ወረዳ ስፍሓት ብዱርን ብናይ ሕርሻ ቦታን እተሸፈነ እዩ። ኣብኡ ናይ ስቶክሆልም እኩባት ደሴታት ኣሎዋ፡ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ደሴታዊ ቦታ። ንሱ 30,000 ደሴታትን ኣርኪፐላጎን ኣለዎ።

ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ

ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ህዝቢ ስቶክሆልም ወሲኹ ኣሎ፡ ሕጽረት ገዛ ድማ ኣብ ኩሉ ኮምዩናት ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። ሽሕኳ ገዛውቲ ይስራሕ እንተሎ፡ እኹል ግን ኣይኮነን፡ ስለዚ ኣብ ወረዳ ስቶክሆልም ቍጽሪ ናይቶም ዚካረ ገዛ ዚደልዩ ካብ ናይ ካልኦት ዞባታት ሽወደን ዝበዝሐ እዩ። ሕጽረት ገዛውቲ ነቲ ናይ ቪላታትን ኮንዶሚንዩምን ኪራይ እውን ወሲኹሉ እዩ፡ ከምኡውን ነቲ ኣብ ኮሙናዊ ትካል ክራይ ኣባይቲ ዚግበር ናይ ምጽባይ ግዜ ኣናዊሑዎ ኣሎ።

ንግዳዊ-ንጥፈታትን ወሃብቲ-ስራሕን

እቲ 55,000 ሰባት ዘስርሕ ከተማ ስቶክሆልም ናይቲ ዞባ ዝለዓለ ወሃብ ስራሕ እዩ። እቲ ልዕሊ 10,000 ሰባት ዘስርሕ ተለኮምቡላገት ኤሪክሶን ድማ እቲ ዝዓበየ ብሕታዊ ወሃብ ስራሕ እዩ። ናይ ምርምር ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብዘን ዝመጻ ዓመታት ጠለብ ናይቲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርትን ዩኒቨርሲትን ዘድሊ ሓይሊ ሰብ ኪዓቢ እዩ፡ ጠለብ ንቅድመ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዘድሊ ሓይሊ ሰብ ግን ኪቕንስ እዩ።

ንጥፈታት ሲቪላዊ-ማሕበራት ኣብ መዳይ ምውህሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብ

ወረዳ ስቶክሆልም ግሩም ዝኾና ውድባት ኣለዋኦ። ንሳተን ንጠለባት ስደተኛታትን ምውህሃድን ኣብ ዚምልከት ጉዳያት ይሰርሓ።

ኣብያተ-ትምህርታትን ትምህርትን

ኣብ ስቶክሆልም ወረዳ 17 ዩኒቨርሲታትን ኮለጃትን ኣለዋ። እዚ ድማ ነቲ ዞባ ድሕሪ ኣመሪካ ኣብ ዓለም እቲ ዝለዓለ ናይ ፍልጠት ዞባ ይገብሮ። ካሮሊኒስካ ኢንስቲትዩት፡ ስቶክሆልም ዩኒቨርሲቲን ኩንግሊጋ ተክኒካል ኮለጅን ኣህጉራዊ ዝና ኣለወን፡ ኣብ ዓለም ድማ ብብዙሕ መዳይ ቀዳማይ ደረጃ ሒዘን ይርከባ።

ኣገልግሎት ጥዕና

ናይ ስቶክሆልም ዞባ እቲ ናይዚ ዞባ ተቐማጣይ ዘድሊ ናይ ጥዕናን ክንክንን ሕክምና ስንን ከም ዚግበረሉ የረጋግጽ። እቲ ንጥፈታት፡ ካብ ክንክንን ምድንፋዕ ጥዕናን ክሳዕ ምርምርን ምዕባለን ይጥርንፍ።

ባህላውን ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታትን

ዓቢ መትሮፖል ብምዃኑ እቲ ኣብኡ ዘሎ እተፈለለየ ባህላታት ኣዚዩ ብዙሕ እዩ። ኣብኡ ኣብያተመዘክርን፡ ትያትርን ሙዚቃን ትልሂትን ካልእ ናይ ስነጥበብ ምርኢትን ኣሎ። ኣብቲ ናይ ሽወደን ነዊሕ ዝገበረ ናይ ምንቅስቓሳትን ማሕበራዊ ናብራን ታሪኽ ዘለዎ ስቶክሆልም ናይ ስፖርትን ናይ ዕረፍቲ ግዜ መዘናግዕን ንጥፈታት ብዙሕ እዩ። ጥቓ ተፈጥሮ ብምዃኑ ድማ ምሉእ ዓመት ንደጋዊ ህይወትን ንተፈጥሮ ዙረትን ምሹእ እዩ። ንኣብነት እቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ናይ ስቶክሆልም ኣርኪፐላጎ 30,000 ደሴታት ኣለዎ።