ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ
ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ህዝቢ ስቶክሆልም ወሲኹ ኣሎ፡ ሕጽረት ገዛ ድማ ኣብ ኩሉ ኮምዩናት ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። ሽሕኳ ገዛውቲ ይስራሕ እንተሎ፡ እኹል ግን ኣይኮነን፡ ስለዚ ኣብ ወረዳ ስቶክሆልም ቍጽሪ ናይቶም ዚካረ ገዛ ዚደልዩ ካብ ናይ ካልኦት ዞባታት ሽወደን ዝበዝሐ እዩ። ሕጽረት ገዛውቲ ነቲ ናይ ቪላታትን ኮንዶሚንዩምን ኪራይ እውን ወሲኹሉ እዩ፡ ከምኡውን ነቲ ኣብ ኮሙናዊ ትካል ክራይ ኣባይቲ ዚግበር ናይ ምጽባይ ግዜ ኣናዊሑዎ ኣሎ።