Haninge

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ምምሕዳር ከተማ ሃኒንገ፡ ካብ ከተማ ስቶክሆልም ኣስታት 20 ደቓይቕ ርሒቁ ይርከብ። እዚ ምምሕዳረ ከተማ’ዚ፡ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ምምሕዳር ከተማታት ናይቲ ዞባ እዩ። ኣብ ሃኒንገ፡ ብሉጽ መምበሪ-ኣባይቲ፡ ብርክት ዝበላ ድኳናትን እንዳ-ሻሂታትን ዝሓቆፈ፡ ሰፊሕ ማእከል ዕዳጋ (ሰንትሩም) ይርከብ። ብርክት ዝበላ ደሴታትን፡ ሃብታም ተፈጥሮእዊ ከባቢታን ውን ኣብዚ ምምሕዳር ከተማ’ዚ ይርከባ። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሃኒንገ ንነፍሲ-ወከፍ ሰብ ዘድልዮ ነገር ኣሎ’ዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ናብ ዳላርኦ ገጹ ዘርኢ ትርኢት ካብ ማይ። ብቕድሚት ጀላቡ ነዳዲ ክመልኣሉ ዝኽእላ ሓደ እንዳ ነዳድን ሓደ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት ዘለዎ ህንጻን ኣሎ። ርሕቕ ኢልካ ብየማን ሒደት ዓበይቲ ቪላታት ኣሎ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሃኒንገ፡ ሃኒንገ-ቡስቴደር ዝተስመየት፡ በቲ ምምሕዳር እትውነን ትካል ክራይ-ኣባይቲ ትርከብ። መንበሪ-ገዛ ንኽወሃበኩም፡ ተመዝጊቢኩም ሪጋ ክትሕዙ ትኽእሉ። ብዜካ'ዚኣ ውን ካልእ ብርክት ዝበላ ናይ ብሕቲ ትካላት ክራይ-ኣባይቲ ውን ኣለዋ። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሃኒንገ፡ 43% ናይ መንበሪ-ኣባይቲ ነኣሽቱ ፍልይ ዝበለ ገዛውቲ እዩ። 255 ካብ ነባሮ ናይዚ ከተማ ኣብ ክራይ ኣባይቲ ክቕመጡ እንከለዉ ኣቶም ዝተረፉ 32% ከኣ ኣብ ናይ ባዕሎም ወይ ዝገዝእዎ ገዛውቲ ይነብሩ።

ብቕድሚት መሕኮሪን ሰለል መበልን ዘለዎ መጻወቲ ቦታ፡ ብድሕሪት ሓደ ጻዕዳን ሓደ ሰማያውን ናይ ክራይ ህንጻ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ሓደ ርብዒ ካብ ተቐማጦ ሃኒንገ፡ ኣብ ደገ ወይ ኣብ ካልእ ሃገራት ዝተወልዱ እዩም። መብዛሕቶኦም ካብ ፖላንድ፡ ፊንላንድ፡ ቱርኪን ቺለን ዝመጹ እዮም። ንህጻናትን መንእሰያትን ብምምሕዳር ከተማ ሃኒንገ ዝምእከል፡ ብ 40 ዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝወሃብ፡ መደብ ትምህርቲ ቋንቋ-ኣደ፡ ኣሎ። ንተወሳኺ ዝርዝር ብዛዕባ'ዚ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ሃኒንገ፡ ኣለኩም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ከተማ ሃኒንገ፡ ኣብ መዳይ ባህሊ፡ ስፖርት፡ ሃይማኖት፡ ፖለቲካን ካልእ ዝነጥፋ፡ ብርክት ዝበላ ማሕበራት ኣለዋ። ኣብዚ ከተማ'ዚ ንኹሉ ዘገድስ ነገራት ዝተወዳደ እዩ። ዝርዝር ናይተን ንጡፋት ማሕበራት፡ ኣብቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ፡ መዝገብ-ማሕበራት፡ ትረኽብዎ።

ማሕበራት ኣብ ኣፍ ደገ ናይ ማሕበራት ገዛ ነብሰን የፋልጣ ኣለዋ። ኣብታ ጻዕዳ ናይ ዕንጨቲ ገዛ፡ ቤት ንባብን ቤት ባህልን እውን ኣሎ።

ኣብ ከተማ ሃኒንገ፡ ብርክት ዝበላ ስፖርታዊ ንጥፈታት ዝአንግዳ ማእከላት፡ መሐንበሲ ቦታታትን መሳጢ ተፍጥሮኣዊ ከባብብን ይርከብ። ብርክት ዝበላ ኣብያተ-ክርስትያናትን ሃይማኖታዊ ምትእኽኻባትን ውን፡ ኣብዚ ከተማ ይርከባ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ማእክል ከተማ ሃኒንገ፡ ቤት-ጽሕፈት ምሕዳር ከተማ፡ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ (ኣርበትስፎርመድሊን)፡ ቤት-ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያትን ከምኡ ውን ቤት-ጽሕፈት ማዕከን ማሕበራዊ-ውሕስነት፡ ኣለኩም። ኣብቲ ኣብ ሃንደን ዝርከብ ማእከል-ዕድጊ (ሰንትሩርም)፡ ብርክት ዝበላ ድኳናትን ኣብያተ-መግብን ኣለኩም። ካብ ሕምብርቲ ሃንደን ውጽእ ኢልካ ውን፡ ዓበይቲ ናይ ዕድጊ-ማእከልትን ዓነይቲ ድኳናትን፡ ኣለኩም።

ሓደ ናይ ጥርሙዝ መእተዊ ናብ ሃኒንኘ ሰንትሩም። ሒደት ሰባት ናብኡ ይኣትዉ ኣለዉ፡ ዓረብያ ቈልዓ ዝሓዛ ሓደ-ክልተ ኣዴታት ድማ ኣብ ግዳም ደው ኢለን ኣለዋ።

ኣብ ሃኒንገ፡ ብርክት ዝበላ ድኳናት ዘገልገለ-ንብረትን ጨርቃጨርቕን ኣለኩም። ንኣብነት፡ እቲ ብምምሕዳር ከተማ ዝውነን ፊንደት ተባሂሉ ዝፍለጥ ድኳን ይርከብ። ኣታዊታት ናይዚ ድኳን'ዚ፡ ንወጻኢታት ናይቶም ስራ ዘይብሎም ተቐማጦ ናይቲ ከተማ ንምሽፋን ናብ ካሳ ምምሕዳር ከተማ ከምዝኣቱ ይግበር።

ኣብ እዋን ምሸት ዝበርሃ ሃኒንኘ ሰንትሩም።

ኣብ ከተማ ሃኒንገ 6 ኣብያተ-ንባብ ኣለዋ። ንሳተን ከኣ፡ ኣብ ብራንድባርየን፡ ሃንደን፡ ዩርድብሩ፡ ኦርኖ፡ ቬስተርሃኒንገን ቡክቡሰንን ይርከባ። ኣብዘን ኣብያተ-ንባብ፡ መጻሓፍትን መጽሄታትን ክትልቕሑ፡ ኮምፒተራትን ኢንተርነትን ክትጠሙን በቶም ምኩራት ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ድማ፡ ዘድልየኩም ሓገዛት ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ኣብቲ ቤት ንባብ፡ ብዝተፈላለየ ዓውዲ ዝመልኣ መጻሕፍቲ ኣብ ዘለዎ ከብሕታት፡ ሒደት ኣንስቲ ደው ኢለን መጻሕፍቲ ይደልያ ኣለዋ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ከተማ ሃኒንገ፡ ብርክት ዝበላ፡ ማእከላት መውዓሊ-ህጻናትን መዘናግዒ ህጻናትን፡ ይርከባ። ገሊአን መንግስታዊ ክኾና እንከለዋ ዝተወሰና ከኣ፡ ብብሕቲ ዝወነና እየን። ደቕኹም ናይ መውዓሊ-ህጻናት ቦታ ዓመት ምስ መልኡ ክወሃቦ ይኽእል። ኣብዚ ከተማ'ዚ ኩሉ ክጽንበረን ዝኽእል ክልተ ክፉት መውዓሊ-ህጻናት ኣለዋ። ክፉት መውዓሊ-ህጻናት ነጻ እዩ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ከተማ ሃኒንገ፡ ኣስታት 20 ዝኾና መንግስታው 10 ከኣ ግላውያን ናይ መባእታዊ-ደረጃ ኣብያተ-ትምህርታት፡ ይርከባ። እታ ናይ ሃኒገ ፍሬድሪካ ብረመር ጂምናስየት በቲ ኮሙን እያ እትእለ። ኣብ ከተማ ሃኒንገ፡ ዝተፈላለየ ትምህርታዊ መደባት ዝሓቆፋ 6 ዝተፈላለየ ናይ ካልኣይ-ደረጃ ኣብያተ-ትምህርታት ይርከባ። ንኣጠቓቕማ መሬት ዝምልከት ናይ ካልእይ-ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ምሃብ እትነጥፍ ቤት-ትምርህቲ ውን፡ ኣብዚ ክተማ ትርከብ።

ዕድላት ትምህርቲ

​ኣብ ከተማ ሃኒንገ፡ ንዓበይቲ ዝምልከት ዝተፈላለየ ዕድላት ትምህርቲ ይርከብ። 20 ዓመት ዝመልኡ ኣባጽሕ ኣብ ማእከል-ትምህርቲ ዓበይቲ ሰንትሩም ቩክስ፡ ክመሃሩ ይኽእሉ። ኣብዚ ማእከል እዚ ዝተፈላለየ ኮርሳት ንኣብነት፡ ቁጽሪ ወይን ቋንቋ፡ ናይ ምሸት ወይ ውን ንግሆ፡ ክትመሃሩ ትኽእሉ። ኣብዚ ማእከል'ዚ፡ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ (ኤስ-ኤፍ.ኢ)፡ ክትመሃሩ ትኽእሉ።

ኣብቲ፡ ብኩንግሊጋ ተክኒስካ ሆግስኩላን ዝፍለጥ፡ ዩኒቨርስቲ፡ ቴክኒክካዊ ኣንፈት ዘለዎም ትምህርታ ክትመሃሩ ትኽእሉ። ናይ ካልኣይ-ደርጃ ትምህርቲኹም ክትዛዝሙ ምስ እትደልዩ ውን ኣብቲ ብኣልማ ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ህዝባዊ ትካል ላዕለዋይ-ደረጃ ትምርህቲ፡ ክትመሃሩ ትኽእሉ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ሃኒንገ፡ ብርክት ዝበላ ማእከላት ክንክን ጥዕና፡ ማእከላት ክንክን ጥዕና ቈልዑ፡ ከምኡ 'ውን ሓንቲ ክሊኒክ መንእሰያትን ኣለዋ። ብተወሳኺ፡ ብርክት ዝበሉ ሓካይም ስኒን፡ ማእከላት ክንክን ጥዕና ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን እውን ኣብ ሆስፒታል ሃንደን ኣሎ። ተቐማጦ ናይ'ዚ ዞባ ዝግብኦም ጥዕናዊ-ኣገልግሎት ይረኽቡ ምህላዎም ሓላፍነት ዝወስድ ዞባ ስቶክሆልም፡ እዩ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ-ትካላት ኣብ እትገብርዎ ርኽክባት፡ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን (ቋንቋ ሽወደን ምስ ዘይትመልኩ) ፡ ተርጓሚ ክቁጸረልኩም ይኽእል። ናይ ምዝራብ ወይ ናይ ምስማዕ ጸገም ምስ ዝህልወኩም ውን፡ ተርጓሚ ክግበረልኩም ይኽእል። ቆጻራ ክትሕዙ እንከለኹም፡ ተርጓሚ የድልየኩም እንተኾይኑ ሓብሩ፡ ንሕና ውን ተርጓሚ ንቆጽረልኩም።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ናብ ከተማ ሃኒንገ፡ ብኣውቶቡስ ወይ ውን ብባቡር ክትመጹ ትኽእሉ። ናብተን ኣካል ናይ'ዚ ምምሕዳር ከተማ ዝኾና ደሴታት ውን ብጀላቡ ክትከድወን ትኽእሉ። እታ ብማእከል ከተማ ስቶክሆልም እትመጽእ ባቡር፡ ኣብ ሃንደን፡ ዩርድብሩ፡ ቬስተርሃኒንገ፡ ክሪግስሊዳ፡ ቱንገልስታን ሄምፉሳን ደው ብምባል ሰብ ትወርድን ትጽዕንን። ካብዘን ዝተጠቕሳ ቦታታት ወጻኢ ዝርከባ ከባቢታት ናይቲ ምምሕዳር ከተማ ብኣውቶቡስ ወይ ውን ብጀላቡ ክትከዱወን ትኽእሉ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ መጎዓዝያ ኣውራጃ ስቶክሆልም ብምእታው፡ ጉዕዞኹም ክትውጥኑን ዋጋታት ትኬት ክትረእዩን፡ ትኽእሉ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ከተማ ሃኒንገ ነኣሽቱ ማእከሎትን ዓበይትን ዝኾና፡ ኣስታት 6000 ትካላት፡ ኣለዋ። ገለ ካባኣተን ኣዝየን ነኣሽቱ ውሑዳት ሰራሕተኛታት ዘለወን ክኾነ እንከለዋ ገሊአን ከኣ፡ ኣህጉራዊ ትካላት ከም ኮካ-ኮላ፡ ይርከብአን። ዝዓበየ ወሃቢ-ስራሕ ምምሕዳር ከተማ ባዕሉ ኮይኑ፡ ኣስታት 5000 ሰራሕተኛታት ኣለዎ። ናብ ማእከል ከተማ ስቶክሆልም 25 ደቓይቕ ጥራይ ስለዝወስድ ግን፡ ኣብ ምሉእ ዞባ ስቶክሆልም ኬድካ ናይ ምስራሕ ዕድላት ኣሎ።

ሓደ ወናኒ ንእሽተይ ትካል ኣብ ጨንፈር ፍሩታታት፡ ዝተፋለለየ ፍሩታታት ዘለዎ ኣብ ሓደ ዝሽየጥ ኣቑሑት ዝርኣየሉ ዕዳጋ ንእሽቶ ድኳን ኣለዎ።

ኣብ ከተማ ሃኒንገ ስራሕ ትደልዩ ምስ እትኾኑ፡ ናብቲ ኣብ ሃንደን ዝርከብ፡ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ (ኣርበትስፎርመድሊንገን)፡ ኬድኩም ክትዘራረቡ፡ ትኽእሉ። እቲ ብምምሕዳር ከተማ ዝእለ፡ ማእከል-ስራሕ (ኣርቤትስ-ሰንትሩም)፡ ነቶም ስራሕ ንምርካብ ጸቢብ ዕድላት ዘለዎም ሰባት፡ ኣብ ምሕጋዝ፡ ይነጥፍ። እዚ ትካል'ዚ፡ ነዞም ሰባት፡ ናይ ስራሕ ልምምድ ዘካይድሉ ቦታ ኣብ ምርካብ ወይ ውን ስራሕ ኣብ ምድላይ ይሕግዞም። ኣብ ከተማ ሃኒንገ፡ ናይ ባዕልኹም ትካል ክትጅምሩ ትሓስቡ ምስ እትህልዉ፡ ንትካል ኒፎረታግስ-ሰንትሩም፡ ተራኺብኩም ተመያየጡ።