Huddinge

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ምምሕዳር ከተማ ሁድንገ፡ ካብ ከተማ ስቶክሆልም ብቐጥታ ንደቡብ ይርከብ። እዚ ምምሕዳር ከተማ’ዚ፡ ካብ ኣውራጃ ስቶክሆልም ካልኣይ ዝዓበየ ምምሕዳር ከተማ ከኣ’ዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ምምሕዳር ከተማ ሁዲንገ እቲ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ሳሕቲ ዝርከብ፡ ነጻ ክፉት መሬትን መሳጢ ተፈጥሮኣዊ ከባቢታትን፡ ዝርከቦ ምምሕዳር ከተማ እዩ። ዝተፈላላየ ዩኒቨርስታትን ኣብ ዞባ ስካንድናቭያ ዝዓበየ ማእከል-ዕድጊ ዝኾነ ኩንገንስኩርቫን፡ ኣብቲ ክፋል ናይ'ዚ ምምሕዳር ከባቢ'ዚ ዝኾነ፡ ፍሌምንስበሪ ይርከብ። ምምሕዳር ከተማ ሁዲንገ፡ ብሃገር ደረጃ ክርአ እንከሎ፡ ዝበዝሐ ካልእ መቦቆል ዘለዎም ተቐማጦ ዝርከብዎ፡ ከባቢ እዩ። 1 ካብ 3 ተቐማጦ ናይ'ዚ ምምሕዳር ከተማ'ዚ፡ ተስዲዱ ናብ ሽወደን ዝመጸ ወይ ውን ወለዱ ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዱ እዮም።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ከተማ ሁዲንገ፡ ነኣሽቱን ዓበይትን መንበሪ-ኣባይቲ ይርከብ። ሰለስተ-ርብዒ መንበሪ ኣባይቲ ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ ኣባይቲ-ክራይ እዩ። ኣብዚ ከተማ'ዚ ምንበሪ-ገዛ ንምርካብ ዝግበር መስርዕ ወይ ሪጋ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል። ምምሕዳር ከተማ ሁዲንገ ባዕሉ ዝውንኖ ትካል ክራይ-ኣባይቲ የብሉን። ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ዝካረ-ኣባይቲ ግን ብመንገዲ ትካል ክራይ-ኣባይቲ ከተማ ስቶክሆልም ኣቢሉ ኣብ ምልክታ ከም ዝወጽእ ይገብሮ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ተቐማጦ ከተማ ሁዲንገ፡ ካብ 150 ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ እዮም። መብዛሕትኦም ኣብዚ ከተማ ዝነብሩ ካብ ሃገራት ዒራቕ፡ ፊንላንድ፡ ቱርኪ ከምኡ ውን ፖላንድን፡ ተሰዲዶም ዝመጹ እዮም። እቶም ቋንቋ ኣዴታቶም ካልእ ቋንቋ ዝኾነ ህጻናትን መንእሰያትን ከኣ፡ ናይ ቋንቋ-ኣደ ትምህርቲ ከም ዝወሃቦም ይግበር። ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣብ ከተማ ሁዲንገ ትምህርቲ ቋንቋ-ኣደ ብ 40 ዝተፈላለየ ቋንቋታት ይወሃብ።

ክነጀው ሸነኽ ናይ ቈልዑ መጻሕፍቲ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝሓዘ ናይ መጻሕፍቲ ሳጹን። ብድሕሪት ኣብ ሓደ ቤት ንባብ ኣብ ጥቓ ሓደ ጣውላ ዘለዉ ቈልዑ ይርኣ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሁዲንገ፡ 400 ንጥፋት ማሕበራት ኣለዋ። እዘን ማሕበራት እዚኣተን ነኣሽቱን ዓበይትን ኣባላት ኣለወን። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ፡ ኣብ መዝገብ-ማሕበራት ኣቲኹም ምስ ዝምባሌታትኩም ዝሳነያ ማሕበራት፡ ክትደልዩ ትኽእሉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ማሕበራዊ-ኣገልግሎት፡ ማለት፡ ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ፡ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ (ኣርበትስፎርመድሊንገን፡ ቤት-ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ቤት-ንባብ ወዘተ ኣብ'ዚ ምምሕዳር ከተማ'ዚ ኣለኩም። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ከተማ ሁዲንገ፡ ድኳናትን ኣብያተ-መግብን ዝርከቦ ማእከል-ዕድጊ (ሰንትሩም) ኣለኩም። ሓድሽን ዘገልገለን ንብረት ወይ ውን ክዳውንቲ ክትገዝኡ ምስ እትደልዩ፡ ኣብ ቀረባ ኣብ ከባቢኹም ኣለኩም። ኣብ ውሽጢ ሓጽር ግዜ ውን ብባቡር ናብ ስቶክሆልም ብምኻድ ዝሰፍሐ ናይ ዕዳጋ ማእከለት ክትረኽቡ ትኽእሉ።

 ዕዳጋ ኣደባባይ ኣብ ሓደ ናይ ክረምቲ መዓልቲ ኣብ ሁዲንኘ። ሒደት ዝድፋኣ ዓረብያ ዝሓዙ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ኣብ መንጎ እቲ ናእሽቱ ዱኳናት ይንቀሳቐሱ ኣለዉ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ነቶም ካብ 1 ክሳን 5 ዝዕድሚኦም ህጻናት፡ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን፡ ናይ መውዓሊ ህጻናት ቦታን ማእከል ክንክን ህጻናትን ኣሎ። ኣብ ከተማ ሁዲንገ ብኣማኢት ዝቍጸራ መንግስታውን ናይ ብሕትን መውዓሊ-ህጻናት ኣለዋ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ከተማ ሁዲንገ ኣስታት 30 ዝኾና ናይ መባእታዊ-ደረጃን 6 ናይ ካልኣይ-ደረጃን ኣብያተ ትምህርታት፡ ኣለዋ። ገሊአን መንግስታውያን ክኾና እንከለዋ ዝተወሰና ከኣ ብሕታውያን እየን። ከም ወለዲ መጠን ንደቕኹም ትምህርቲ ክትመርጹሎም መሰል ኣለኩም።

ሓደስቲ ስደተኛታት ዝኾነ ህጻናት ትምህርቲ ቅድሚ ምጅማሮም፡ ብግቡእ ንኽጅምሩ ተባሂሉ፡ ካብ ትካል ድጋፍ ንሓደስቲ (ሪሱሽ-ሰንትሩም ፎር ኒኣንላንዳ ኢኖም ፎሽኩላ ኦክ ስኩላ) ድጋፍ ይግበረሎም። ንምጅማር ትምህርቲ ናይ ደቕኹም ዝምልከት ሕቶታት ምስ ዝህልወኩም ምስ'ዚ ትካል'ዚ ክትዘራረቡ ኣለኩም።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ከተማ ሁዲንገ፡ ክመሃር ንዝደሊ ሰፊሕ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ኣሎ። እቲ ብምምሕዳር ከተማ ዝምእከል፡ ክፍሊ ትምህርቲ ንዓበይቲ ወይ ኣባጽሕ፡ ቩክስ-ሁዲንገ፡ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ማእከል'ዚ፡ ነቶም ትምህርትኹም ከተሓድሱ ወይ ውን ክብ ከተብልዎ ንእትደልዩ ሰባት፡ ዝተፈላለየ ዕድላት ሓቊፉልኩም ይርከብ። እዚ ትምህርታዊ ማእከል'ዚ፡ ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃታት ትምህርቲ ኣለዎ። ብዜካ'ዚ ኣብዚ ትካል'ዚ ውን፡ ቀጥታ ስራሕ ክትረኽቡሉ ትኽእሉ ሞያዊ ትምህርታትን ካልእ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ንምምሃር ዝሕግዘኩም ትምህርታት ውን ኣለዎ።

እቶም ናብ ሽወደን ዝመጻእኩም ሓደስቲ ስደተኛታት ውን ኣብዚ ማእከል-ትምህርቲ'ዚ፡ ኣብ መደብ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ (ኤስ.ኤፍ.ኢ) ክትሳተፉ ትኽእሉ። ኣብተን ኣብ ፍሌምንስበሪ ዝርከባ ዩኒቨርሲታት (ሶደርቶርን፡ ካሮሊንስካን ኩንግሊጋ ዩኒቨርስትን) ኣስታት 20000 ተመሃሮ ይመሃሩ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ከተማ ሁዲንገ፡ ናይ ዩንቨርስቲ-ህስፒታል ትክረብ። ኣብዛ ሆስፒታል'ዚኣ፡ ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎታት ይወሃብ። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ከተማ ሁዲንገ፡ ብርክት ዝበላ፡ ነኣሽቱ ጥዕናዊ-ማእከላት ኣለዋ። ኣብቲ ብ 1177 ዝፍለጥ ማእከል ጥዕናዊ-ምኽሪ ብምድዋል ወይ ውን ኣብ መርበብ-ሓበሬታኦም ብምእታው ዝተፈላለየ መልሲ ንሕቶታኩምን ምኽርን ክትረኽቡ ትኽእሉ። ኣብዚ መርበብ-ሓበሬታ'ዚ፡ ንሕክምናዊ ክንክን ኣገልግሎት ጥዕናን ኣብ ኣውራጃ ስቶክሆልም፡ ሰፊሕ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ናይ ቋንቋ ሽወደን ሕጽረት ምስ ዝህልወኩም፡ ምስ መንግስታዊ ትካላት ኣብ እትገብርዎ ርኽክባት ተርጓሚ ክግበረልኩም፡ መሰል ኣለኩም።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ካብን ናብን ከተማ ሂዲንገ ዳርጋ ስሉጥ ኣገልግሎታት መጎዓዝያ ኣሎ ክበሃል ይከኣል። ካብ ሁዲንገ ናብቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ከተማታት ከም ንኣብነት ስቶክሆልም፡ ብባቡራት ወይ ውን ኣውቶቡሳት ዞባ ስቶክሆልም (ኤስኤል) ክትጎዓዙ ትኽእሉ። ኣበየናይ ከባቢ ናይ ከተማ ሁዲንገ ትነብሩ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ናብ ማእከል ከተማ ስቶክሆልም ካብ 15 ክሳብ 20 ደቒቕ ኣቢሉ ይወስድ። ናብ ካልኦት ከተማታት ሽወደን ክትጎዓዙ ምስ እትደልዩ ውን ምስተን ኣብ ፍሌምንስበሪ ጠጠው ዝብላ ባቡራት ኤስ.ጀይ ክትጎዓዙ ትኽእሉ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

እቶም ዝዓበዩ ወሃብቲ-ስራሕ ኣብ ከተማ ሁዲንገ፡ እቲ ኣብ ፍሌምንስበሪ ዝርከብ ኣስታ 6500 ሰራሕተኛታት ዘልዎ ሆስፒታል ካሮሊንስካ፡ ከምኡ ውን እቲ ኣስታት 6000 ሰራሕተኛታት ዘለዎ ምምሕዳር ከተማ ሁዲንገን ይርከብዎም። ብካልኣይ ደረጃ ዝስርዑ ካልኦት ዓበይቲ ወሃብቲ-ስራሕ ካሮሊንስካ ዩኒቨርስቲን ኢኪያን ይርከብዎም። መብዛሕትኦም ተቐማጦ ከተማ ሁዲንገ ኣብተን ኣብ ከባቢ ዝርከባ ከተማታት እንዳተመላለሱ ይሰርሑ።