Norrtälje

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኖርተልየ ኮምዩን ናይ ሮስላገን ሕምብርቲ እያ። ኣብዚ ግሩም ከተማ፡ ክፉት መሬትን ኣደናቂ እኩባት ደሴትን ትረክብ። ኣብ ኖርታልየ 11 000 ደሴታትን 57 000 ተቐማጦን ኣለዉ። ኣብ ግዜ ክረምቲ ድማ ቍጽርና ብኽልተ ዕጽፊ ይውስኽ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብድሕሪት ወደብ ምስ ናብ እኩባት ደሴታ ዝመላለሳ ጀላቡን ጥንታዊ ህንጻታት።

ንኖርተልየ ካብ ከተማ ስቶክሆልም መገዲ ሰዓት እዩ፡ ንኡፕሳላን ንኣርላንዳን ድማ ቀረባ እዩ። ኣባና፡ ዕቤትን ተስፋን ይርከብ። ኣብዚ ኣባና፡ ዕቤትን ናይ መጻኢ ግዜ ተስፋን ትረክብ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ኖርታልየ ኮምዩን ብሕታውን ኮሙናውን ትካል ክራይ ኣባይቲ ኣሎ። እቲ ኮሙናዊ ትካል ክራይ ኣባይቲ Roslagsbostäder AB እቲ ዝዓበየ ናይ መንበሪ ኣባይቲ ኣመሓዳሪ እዩ፡ ኣብ እተፈላለየ ክፋላት ናይቲ ኮምዩን ድማ መንበሪ ኣባይቲ ኣለዎ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ኖርታልየ ኮምዩን እተፈላለየ ቋንቋታት ይዝረብ፡ ምኽንያቱ ድማ እቲ ኮምዩን ካብ ነዊሕ ግዜ ናይ ስደተኛታት መቐበሊ ስለ ዝነበሮ እዩ። ገለ ካብቲ ቋንቋታት ንምጥቃስ፤ ዓረብ፡ ትግርኛ፡ ሶማሊን ዳሪን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ኖርታልየ ኮምዩን 200 ማሕበራት ዝሓቖፈ ሰፊሕን ንጡፍን ማሕበራዊ ናብራ ኣሎ። ኣብቲ ናይ ማሕበራት ደብተርና ብዛዕባተን ማሕበራት ሓበሬታ ኣሎ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ሰንትራል ኖርታልየ arbetsförmedlingen ቤትጽሕፈት ዕዮ ኣሎ። ኣብኡ ድማ ኣብ ናይ ሓባር ቦታ ኮይኑ፡ ናይ መድህን ትካል፡ ናይ ጥሮታ በዓልስልጣንን ናይ ቀረጽ ቤትጽሕፈትን ኣገልግሎት ኣብያተጽሕፈት ኣሎ። ኣብኡ ግሮሰሪታትን ፋርማስን ካፈታትን ኣብያተመግብን ሲነማን ካልእ እተፈላለየ ድኳናትን ኣሎ።

ኣብ ጥንታዊ ህንጻታት ዱኳናትን ቤት ምግብን ዘለዎ መንገዲ ኣጋር። ኣብ ዝተፈላለየ ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ኣብቲ ጐደና ይጓዩ።

ኣብ ከባቢቲ ኮምዩን ዓሰርተ ኣብያተንባብ፡ ኣብ ኖርታልየን ሪምቦን ሃልስታቪክ ድማ መሐምበሲ ኣሎ።

እቶም እተፈላለየ ሕቶታት ዘለዎም ሓደስቲ መጻእቲ ናብቲ ኣብ መቐበሊ ስደተኛታት ኖርታልየ ዘሎ ድሮፕ ኢን Drop-in መጺኦም ሕቶታቶም ብምቕራብ ሓገዝ ኪረኽቡ ይኽእሉ።

ትርኢት ናይ ናብ ጥንታዊ ህንጻታትን ሓደሽቲ ህንጻታትን ዘለዎ ማእከል ከተማን ብነጀው ሸነኽ ናይ ኖርተልየ ዛራን።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ናይ ኖርታልየ ኮምዩን ንጥፈታት ቤትትምህርቲ ህጻናት ንካብ 0-5 ዕድመ ዘለዎም ህጻናት ይቕበል። እቲ ንጥፈታት ከም ቤትትምህርቲ ህጻናት፡መውዓሊ ስድራቤት፡ ምሸታዊ መቐበልን ክፉት ቤትትምህርቲ ህጻናትን ኮይኑ ይሰርሕ። ኣባና 66 ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣለዉ። ኣብ ኩሉ ቦታን ኣብ ኩሉ ነኣሽቱ ከተማታትን ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣሎና።

ኣባና ኩሎም ስድራቤታት ምስቶም ደቂ 0-6 ዝዕድመኦም ደቆም ዕዱማት ዝኾኑሉ ሓያሎ ክፉታት ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣሎ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኩሎም ዕድመኦም 6-16 ዝኾኑ ህጻናት ናብ መባእታ ቤትትምህርቲ ይኸዱ። እቲ ንጥፈት ብመልክዕ መደበኛ ቤትትምህርቲ፡ ናይ ዕረፍቲ ቤትን ናይ ዕረፍቲ ኣጸደን ይካየድ። ኣባና 35 መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዉ፡ ኣብ ኩሉ ሰፈራት ድማ ኣብያተትምህርቲ ኣሎ።

ኣብ ሎማርስኩላን፡ ሮስላግስኩላን፡ ሎንግሾስኩላንን ሮደንዪምናስየት፡ ናብቶም ሓደስቲ መጻእቲ ዝኾኑ ህጻናትን መንእሰያትን ዝዓለመ ናይ ቋንቋ መእተዊ ኮርስ ኣሎ።

ኣብቲ ኮምዩን ኣርባዕተ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተትምህርቲ ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ናይ ኖርታልየ ኮሙናዊ ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ነቶም ሽወደን ቋንቋ ኣደኦም ዘይኮነ ብዛዕባ ቋንቋ ሽወደን ማሕበረሰብን መሰረታዊ ትምህርቲ ኪወሃቦም እዩ። ኣብ ኖርታልየ ኮምዩን ብመገዲ Norrtälje Kommunala Vuxenutbildning (NKV) ከምኡውን ብ Campus Roslagen ትምህርቲ ንዓበይቲ ኪወሃቦም እዩ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ኖርታልየ ኮምዩን ካብ ማእከል ጥዕና ጀሚሩ ክሳዕ ናይ ህጻናት ክሊኒክን ናይ ህጹጽ ረድኤት መቐበልን ይርከብ።

ሕክምና ስኒ ኣብ ኩሉ ቦታታት ናይቲ ኮምዩን ይርከብ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ወይ ውን ምምሕዳራዊ ትካላት ናይቲ ከተማ ኣብ እትገብርዎ ርኽክባት፡ ንኣብነት ኣብ ምምሕዳር ከተማ፡ ሕክምና ወዘተ..ናይ ቋንቋ ሽወደን ሕጽረት ምስ ዝህልወኩም፡ ተርጓሚ ክቍጸረልኩም ይኽእል። ተርጓሚ ኣቐዲሙ በቲ ዝምልከቶ መግስታዊ-ኣካል ከም ዝቍጸር ይግበር።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ ስሉጥ ኣግልጎሎት መጎዓዝያ ኣሎ። ንሰዓታት ንቕሎን ናይ መጎዓዝያ ኣማራጺታትን ብዝምልከት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

እቲ ናይቲ ኮምዩን ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ Vårdbolaget Tiohundra ከምኡውን ባዕሉ እቲ ኮምዩን እዩ።