Nynäshamn

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣብ ኒነስሃምን ከተማን ገጠርን ባሕርን ይራኸብ። ኣብኡ ናብቲ ናይ ህይወት ኣገዳሲ ነገራት ቀረባ ኢኻ። ነቲ ናይ ንእሽቶ ከተማ ውሕስነት ምስቲ ናይ ዓቢ ከተማ ተኽእሎታት ትሕውሶ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ኣብ ሓደ ናይ ክረምቲ መዓልቲ ኣብ ናይ ናእሽቱ ጀላቡ ወደብ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት። ናእሽቱ ትካላት ዝርከብኦ ቀያሕቲ ደለሳ። ብድሕሪት ሓንቲ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ መርከብ።

ጥቓ ባሕሪ ዝኾነ ከባብን ግሩም ባህልን፡ ናብ ደሴታት ዝቐረበ፡ ኣብ ክፉት መሬትን ዘደንቕ ተፈጥሮን ዘለዎ ከባቢ መንበሪ ቤት ንኽትረክብ ተኽእሎ ይህበካ። ንሕና እቶም ቀልጢፍና እንዓቢ ዘሎና ክፍሊ ሽወደን ኢና። ብተመላለስቲ ባቡራትን ናይ መኻይን ዓበይቲ መገድታትን እተሰነየ መጎዓዝያታት ናብቲ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ዘሎ ኣማራጺታትን ክፉት ስራሕን ክትከይድ የኽእለካ። ነታ ባሕርን ህይወትን ዚራኸቡላ ኒነስሃምን ዳህስሳ!

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ኒነስሃምን ኮሙን 27500 ሰባት ኣብ እተፈላለየ መንበሪ ኣባይቲ ይቕመጡ። ገሊኦም ጥቓ ባሕሪ፡ ገለ ድማ ኣብ ገጠራት፡ ካልኦት ድማ ኣብ ነኣሽቱ ከተማታት ከምኡውን ኣብ ከባቢ ከተማታት ይቕመጡ።

ቀያሕቲ ናእሽቱ ገዛውቲ ኣብ ሓደ ናይ መንበሪ ከባቢ ኣብ ናይ ገጠር ኣካባቢ

ኣብ ኒነስሃምን ነኣሽቱ ገዛውትን ኣፓርትማን ይርከብ። እቲ ኮሙን ናቱ ናይ ተራ መጸበዪን ናቱ ቤትጽሕፈት መራኸቢ ስራሕን የብሉን፡ ኒነስሃምንስቡስተደር ዚብሃል ናቱ ወኪል ገዛውቲ ኣለዎ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ብርክት ዝበሉ ተዛረብቲ ካልኦት ቋንቋታት ዝኾኑ ነባሮ ይርከቡ። ንተወሳኺ ሓበሬታ፡ ንክፍሊ ምቕባል ሓደስቲ ስደተኛታት ትወከሱ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ኒነስሃምን እቲ ማሕበራዊ ህይወት ዓቢ ኾይኑ ንእተፈላለየ ዝዕድመኦም ተገደስቲ ኣብ ሙዚቃን ስነጥበብን ኣተሓሕዛ እንስሳን ክንክን ጥዕናን ወዘተ.የሳትፍ። ኣብቲ ናይ ኒነስሃምን ኮሙን ደብተር ማሕበራት ነተን ንኣኻ ዚሰማምዓኻ ማሕበራት ክትረኽበን ትኽእል።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብቲ ኮሙን ናይ ኮሙን ሓበሬታን ናይ ማሕበረሰብ ኣገልግሎትን ትረክብ። ኣብቲ ፎልከትስሁስ፡ ቤትንባብ ኣሎ፡ ከምኡውን ኣብ ኣብያተትምህርቲ ኦስሞን ሶሩንዳን። ኣብ መብዛሕትኡ ናይቲ ኮሙን ክፍልታት፡ ናይ መግቢ ድኳናትን ኣብያተመግብን ካፈን፡ ከምኡውን ሓደስትን ኣረጊትን ኣቕሑ ገዛን ክዳውንትን መጻወትን ዚሸጣ ድኳናትን ይርከባ።

ናይ ናእሽቱ ጀላቡ ወደብ ዘለዎ ናይ ንይነስሃምን ስእሊ ካብ ነፋሪት። ማእከል ንይነስሃምን ብወገን የማን ኣብዚ ስእሊ፡ መዕቈር ማይን እኩባት ደሴታትን ድማ ብድሕሪት ይርኣ።

ኣብ ኒነስሃምን ከተማ ብዙሕ ፋርማሲታት፡ ባንክታት፡ እንዳ መነጽርን ካልእን ኣሎ። ናይ ኒነስሃምን ሰንትሩም ኣብቲ መርበብ ኢንተርነቱ ብዙሕ ድኳናትን ናይ ኣገልግሎት ኩባንያታትን የቕርብ።

ንድኳናት መግቢ ብዚምልከት ኣብቲ ኮሙን ብብዝሒ ኣሎ

ኣብ ኒነስሃምን ከተማ እዘን ዚስዕባ ሱፐርማርከታት ኣለዋ፣ ኩፕ ኒነስሃምን፡ ዊሊስ ንነስሃምን፡ ሊድል ኒነስሃምንን ማክሲ ኢካ ስቱርማክናድ ኒነስሃምን።

ኣብ ኦስሞ፡ ኢካ ሱፐርማርከት፡ ኣብ ሶሩንዳ ድማ ኩፕ ነራ ስፖንግቡ ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

እቲ ኮሙን ነቶም ደቂ 1-5 ዝኾኑ ህጻናት ከም ኣጸደ ህጻናትን ስድራቤታዊ ኣጸደ ህጻናት ዝኣመሰለ ትምህርታዊ ንጥፈታት ኣለዎ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

እቲ ኮሙን ክሳዕ 9ይ ክፍሊ ዚድይብ መባእታዊ ቤትትምህርቲ ኣለዎ። ኣብቲ ናይቲ ኮሙን መርበብ ኢንተርነት ብዛዕባ ናይቲ ኮሙን መባእታ ኣብያተትምህርቲ ዝያዳ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል።

ንኒነስሃምን ኮሙን ኣብቲ ናይ ኒነስሃምን ዪምናስዩም በዚ ዚስዕብ መደባት ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ይህብ:

  • ምህናጽን ቅርጽን
  • ቁጠባ
  • ኤለክትሪክን ጸዓትን
  • ስነጽባቐ
  • መተኣታተዊ
  • ተፈጥሮኣዊ ሳየንስ
  • ቤትምግብን መሸጣ ጥረ መግብን
  • ማሕበራዊ ሳየንስ
  • ተክኒክ

ዕድላት ትምህርቲ

እቲ ናይ ኒነስሃምን ኮምፐተንስ ሰንትሩም - NKC ናይ ኒነስሃምን ኮሙናዊ ቤትትምህርቲ ኣባጽሕ እዩ። ኣብኡ ነቶም ትምህርቲ ኣባጽሕ ንትምህርትን ሞያን ዚምልከት ትምህርታዊ ምኽሪ ዚደልዩ ዕድላት ኣሎ። NKC ኣብቶም ናብ ሽወደን መጺኦም ሽወደን ኪምሃሩ ዚደልዩ፡ ሞያ ኪቕይሩ ዚደልዩ ወይ ኪሰርሑ ዚደልዩ ዝጠመተ እዩ።

ኣብዚ ብዛዕባ እዚ ዝስዕብ ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል፡

ሓሙሽተ መንእሰያት ተተሓሒዞም እንዳ ሰሓቑ ናባና ገጾም ይመጹ ኣለዉ።

ቤትትምህርቲ ባህሊ ናይ ኒነስሃም ኣገዳሲ ናይ ባህሊ ክፍሊ እዩ፡ ንህጻናትን መንእሰያትን ኣባጽሕን ድማ ንጡፍን ትርጉም ዘለዎን ናይ ትርፊ ግዜ ስራሓት ይህቦም።

እቲ ናይ ተፈጥሮ ቤትትምርቲ ኣብ ተፈጥሮ/ኣከባቢ ከምኡውን ናይ ኢንተርነት ተክኖሎጂ ትምህርቲ ኣሎ። ኣብ ደገ ኴንካ ምምሃር ካብ ዚብል ሓሳብ ዝመንጨወ እዩ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብቲ ኮሙን እተፈላለየ ናይ ክንክን ጥዕና ቅርጽታት ኣለዎ። ኣብኡ፡ ንኹሉ ጉዳያት ዚርእይ ማእከል ጥዕናን ክንክን ህጻናትን ኣደታትን፡ ክንክን ስንን ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ቋንቋ ሽወደን ዘይትዛረብን ዘይትርዳእን ምስ እትኸውን ኣብቲ ምስ ሰበስልጣን፡ ኮሙንን ሕክምናን ዚካየድ ምርኻብ ናይ ኣስተርጓሚ ሓገዝ ንኺህልወካ መሰል ኣሎካ። እዚ ድማ ኣቐዲሙ በቶም ዝምልከቶም ኣካላት ይተሓዘልካ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ብ ናይ SL ፐንደልቶግን ኣውቶቡሳትን ካብን ናብን ኒነስሃምን ብ ክትጎዓዝ ትኽእል።

ኣብቲ ኮሙን ሓሙሽተ ናይ ፐንደልቶግ/ተመላለስቲ ባቡራት መነሃርያ ኣሎ፡ ሰለስተ ድማ ኣብቲ ከተማ ይርከብ። ብፐንደልቶግ ንስቶክሆልም ብኣስታት ሓደ ሰዓት ትበጽሕ።

ሓንቲ ተመላላሲት ባቡር ኣብ ውሽጢ መደበር ባቡር ደው ኢላ ኣላ። ክልተ ኣንስቲ ኣብቲ መድረኽ ብእግረን ይንቀሳቐሳ ኣለዋ። ሓንቲ ካብተን ኣንስቲ ሓደ ንእሽተይ ከልቢ ብመእሰሪ ሒዛ ኣላ።

ካብ ኒነስሃምን ካብን ናብን ዮትላንድ ከምኡውን ደሴታት ኖታሮ፡ ኣስፖ፡ ኖሮ፡ ሮኖን ኦሎን ብቭክስሆልም ኩባንያ ጌርካ ክትጎዓዝ ይከኣል።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ብዙሓት ናብተን ጎረቤት ኮሙናት ይመላለሱ ብዙሓት ድማ ንኺሰርሑ ክሳብ ኒነስሃምን ኮሙን ይኸዱ።

ኣብቲ ኮሙን እቲ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ፡ ኒነስሃምን ኮሙን፡ ኒናስ ኦ.ቤ፡ ለግቪሲተን ኦ.ቤ፡ ከዮሊስ ስቨርየ ከምኡውን ቶታልፈርሽቫረት ናይ ምርምር ኢንስቲቱት FOI እዩ።

ኣብቲ ናይቲ ኮሙን መርበብ ኢንተርነት ነቶም ኣብቲ ኮሙን ዘሎ ኢንዱስትርያዊ ስራሓት ዚግደሱ ሓበሬታ ኣሎ።