Salem

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ሳለም ኮምዩን ኣብ ሽወደን ዝነኣሰ ዝዕድመኡ ተቐማጢ ዘለዋ ኮምዩን እያ። ንሕና ኣብ መንጎ ግሩም ተፈጥሮን ዓቢ መዘናግዒ ቦታታትን ዚርከብ ምስ ስድራቤት ዚሰማማዕ መንበሪ ኣባይቲ ኣሎና።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ኮሙናዊ ኣገልግሎት ግሩም ውጽኢት የርእይ፡ ኣብ ግምገማ ድማ ጽቡቕ ነጥቢ የምጽእ። ንሕና ዚዕንብብ ማሕበራዊ ህይወት ኣሎና፡ ነቶም ናይ ከተማ ህይወት ከስተማቕሩ ዚደልዩ ድማ ስቶክሆልም ብፐንደልቶግ መገዲ 30 ደቓይቕ እያ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ሳለም ኮምዩን ናይ ክራይ ኣባይቲ ትካል፡ ናይ ቀስ ኢልካ እትገዝኦ መንበርን ዚዕደግ ተራ ገዛውትን ቪላታትን ኣሎ። ኮሙናዊ ትካል ክራይ ኣባይቲ የልቦን፡ ግን ብሕታውያን ኣካረይቲ ኣለዉ።

 ብዙሓት ስድራ ዝነብርሉ ብዓል ክልተ ደርቢ ብጫ ህንጻ ዘለዎ ናይ መንበሪ ኣከባቢ። እዚ ስእሊ ኣብ ሓደ ጻሕያ ናይ ሓጋይ መዓልቲ ዝተወስደ ኾይኑ ኣብቲ ኵርባን ናሕስን በረድ ኣሎ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ዓረብ፡ ስፓኛ፡ እንግሊዝ፡ ፖላንድን ፊንላንድን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብቲ ኮምዩን ብዙሓት እተፈላለያ ማሕበራት ኣለዋ፡ ከም ናይ ባህልን ስፖርትን ከምኡውን ሃይማኖታውን ማሕበራት።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብቲ ኮምዩናት ክልተ ሰንትሩም ኣሎ። ኣብቲ ናይ ሳለም ሰንትሩም ካልእ ገዲፍካ ቤትንባብ፡ ፋርማሲ፡ ግሮሰሪታት፡ ናይ ኣልኮል ሕጋዊ መሸጢ፡ ናይ ክዳውንቲ ሰከንድ ሃንድ ድኳን፡ ባንክ፡ ድኳናት ክዳውንትን ኣብያተመግብን ኣሎ። ኣብቲ ናይ ሮኒንገ ሰንትሩም ድማ ካልእ ገዲፍካ ናይ ፐንደልቶግ መነሃርያ፡ ግሮሰሪታትን ኣብያተመግብን ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ሳለም ንደቂ 1-5 ዓመት ዘገልግል ቤትትምህርቲ ህጻናትን ናይ ስድራቤትን ቦታን ኣሎ።ውላድካ ኣብቲ ኮሙናዊ ወይ ብሕታዊ ቤትትምህርቲ ህጻናት ወይ ናይ ስድራቤት ቦታ ኪኸይድ ከም ዘለዎ ባዕልኻ ኢኻ እትመርጽ። ነቶም ምስ ህጻናት ኣብ ገዛ ኮፍ ኢሎም ዚውዕሉ ክፉት ናይ ህጻናት ቤትትምህርቲ እውን ኣሎና። ኣብዚ፡ ህጻናትን ወለድን ምስ ካልኦት ብዘይ ክፍሊት ኪጻወቱን ኪፋለጡን ይኽእሉ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

መባእታ ቤት ትምህርቲ

ኣብቲ ስኩግሰንግስኩላን፡ ክልተ ክላሳት ኣሎ ማለት ነቶም ናብ ሽወደን ዝመጹን ሽወደን ዘይኮነ ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡን። ሓደ መዳለዊ ክላስ ነቶም ዝነኣሱ ተመሃሮ 7-11 ዝዕድመኦም፡ ሓደ ድማ ነቶም 12-15 ዝዕድመኦም። ብድምር ኣብቲ ኮምዩን ኣርባዕተ መባእታ ኣብያተትምህርቲ ማለት ካብ ቤትትምህርቲ ህጻናት ክሳዕ ትምህርታዊ ዓመት 9 ኣሎ።

ሓንቲ ሕጉስቲ ጓል ካብቲ ናይ ቤት ትምህርቲ መመገቢ ልክዕ ሕጂ መግቢ ወሲዳ። ብድሕሪት ሓንቲ ሰራሕተኛ ምግብና ሰበይቲ እቲ ቈልዑ ምግቢ ዝወስድሉ ጽሩይን ደስ ዝብልን ምዃኑ ተረጋግጽ ኣላ። ብድሕሪት ተምሃሮ ኮፍ ኢሎም ይምገቡ ኣለዉ።

ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ

ኣብ ሳለም ሮኒንገ ዪምናስዩም እተባህለት ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣላ። ንሳ ናይ ሞያን ተይሪያውን መደባት ኣለዋ። ይኹንምበር ኣብ ስቶክሆልም ወረዳ ናብ ዝኾነ ዓይነት ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ምኻድ ናጻ እዩ።

ዕድላት ትምህርቲ

ሽወደን ንወጻእተኛታት

Sfi ነቶም ቋንቋ ሽወደን ናይ መጀመርታ ቋንቋኦም ዘይኮነ ዓበይቲ ዚወሃብ መሰረታዊ ስልጠና እዩ። ኣብ ሳለማብቲ ጥቓ ሮኒንገ ዪምናስዩም ዚርከቡ ቦታታት ኬድካ ብምሉእ ግዜ ወይ ከፊል ግዜ ኤስኤፍኢ ክትምሃር ትኽእል። እቲ ስልጠና ኣይክፈሎን እዩ። ነቲ ትምህርቲ ዚምልከት መጽሓፍቲውን ክትልቃሕ ትኽእል።

ትምህርቲ ንዓበይቲ

እቲ ኮሙናዊ ናይ ዓበይቲ ቤትትምህርቲ (ኮምቩክስ)፡ ዓበይቲ ልክዕ ከም መባእታ ወይ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ዚስልጥኑሉ ቦታ እዩ። እቶም ኣቐዲሞም መባእታ ወይ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ዘይወሰዱ ሰባት ኣብ ኮምቩክስ ኪምሃሩ መሰል ኣለዎም። ካልኣይ ደረጃ ምስ ወዳእካ ናብ ኮለጃት ወይ ዩኒቨርሲቲ ክትቅጽል ይከኣል።

ኣብ ኮምቩክስ ንኽትምሃር ብናጻ እዩ፡ ግን ንመጻሕፍትን ወረቓቕትን ክትከፍል ይግበኣካ።

እቲ ስልጠና ኣብ ክላሳት ወይ ብርሑቕ መገዲ ኪውሰድ ይከኣል።

ሰርቩክስ/ለርቩክስ

ሳለም ኮምዩን ምስተን ከባቢታት ኮምዩናት ብምትሕብባር ነቶም ልዕሊ 20 ዓመት ዝዕድመኦምን ናይ ምምሃር ጸገማት ዘለዎምን ይሕግዞም።

ሰርቩክስ/ለርቩክስ ነዚ ዚስዕብ የቕርብ፤

  • ነኣሽቱ ናይ ትምህርቲ ጉጅለታት
  • ፍሉይ ናይ ትምህርቲ ክእለት ዘለዎም መምህራን
  • ናይ መጽናዕትን ሞያን መምርሒታት
  • ናይ መባእታ ደረጃ ስልጠና ቋንቋ ሽወደንን ቍጽርን
  • ኤስኤፍኢ

መላለዪ ምስ ሕብረተ

ሳለም ኮምዩን ምስተን ካልኦት ኣብ ወረዳ ስቶክሆልም ዘለዋ ኮምዩናት ብምትሕብባር ብእተፈላለየ ቋንቋታት ናይ ማሕበረሰብ ምልላይ ትምህርቲ ይህብ። ኣብ ስቶክሆልም ነቲ ናይ ማሕበረሰብ ምልልላይ ኮርሳት ዘዳሉ ሰንትሩም ኣሎ።

ብዛዕባ ትምህርቲ ኣባጽሕ ኣብዚ ዝስዕብ ኣንብብ፡

ኣገልጎት ጥዕና

ንስኻ ወይ ውላድካ ምስ እትሓሙ ብቐዳምነት ናብቲ ናይ ሳለም ሰንትሩም ማእከል ጥዕና ኢኹም እትኸዱ። ኣብኡ ማእከል ጥዕና፡ ናይ ኣደታት ህጻናትን ማእከል ጥዕና ኣሎ። እቲ ማእከል ጥዕና ምስ ዚዕጾ ናብቲ ናይ ሶደርታልየ ህጹጽ ሕክምና ሆስፒታል ትኸዱ። ኣብቲ ቮርድጊደን ተሌ.1177 ቀጻሊ ጥዕናዊ ምኽርታት ይርከብ።

ኣብቲ ናይ ሳለም ሰንትሩም፡ ናይ ስኒ ሓኪምውን ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ቋንቋ ሽወደን ምስ ዘይትዛረብ ወይ ዘይትርዳእ፡ ምስ ኩሎም ሰበስልጣን ወይ ኮምዩን ክሊኒካትን ኣብ እትገብሮ ርክባት ናይ ትርጉም ኣገልግሎት ንምርካብ መሰል ኣሎካ። እቲ ተርጓማይ በቲ እትረኽቦ ዘሎኻ ትካል እዩ ቆጸራ ዚግበረሉ። እቲ ኮምዩን ምስቲ ናይ ትርጁማን ቤትጽሕፈት ርክብ ኣለዎ። ምሳና ክትራኸብ ከሎኻ ተርጓማይ ምስ ዘድልየካ ምስቲ ተርጓማይ ቆጸራ ንገብር።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ ሳለም ናይ ኣውቶቡሳትን ፐንደልቶግን ሓባራዊ መስመራት ኣሎ። እቲ ካብ ስቶክሆልም ናብ ሶደርታልየ ዚኸይድ ናይ ፐንደልቶግ መስመር ኣብ ሮኒንገ ደው ይብል እዩ።

ሓንቲ ቀያሕ ናይ ስቶኮልም ናይ ከባቢ ትራፊክ ኣውቶቡስ መዓጽኣ ከፊታ ኣብ መቖም ኣውቶቡስ ደው ኢላ ኣላ። ኣብታ ኣውቶቡስ እቲ ዘዋሪኣን ሓደ ተጓዓዛይን ይርኣዩ ኣለዉ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብቲ ኮምዩን ትሑት ስእነት ስራሕ ኣሎ። ኣብቲ ኮምዩን ዓበይቲ ናይ ስራሕ ቦታታት የልቦን ግን ኣብ ካልኦት ኮምዩናት እናተመላለስካ ኪስራሕ ይከኣል። ኣብ ሳለም ኣስታት 400 ዋኒናት ኣለዋ። እቲ ኣዚዩ ዝውቱር ንጥፈታት ኣብ ኣገልግሎት፡ ሸቐጥ፡ ህንጻን ኮንሳልተሽንን ዝዓለመ እዩ። መብዛሕትአን ዋኒናት ብገምጋም 4 ሰባት ዘስርሓ ነኣሽቱ እየን። እቲ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ እቲ 900 ሰራሕተኛታት ዘለዉዎ ባዕሉ እቲ ኮምዩን እዩ።