Sollentuna

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣብዚ ምስ ብዙሓት ሰብ ትካልን ናይ ንግዲ ቦታን ካልእ ገዲፍካ ምስ ግሩም ዝኾነ ተፈጥሮኣዊ ከባብን ባህላዊ ንጥፈታትን ሂወት ይዕምብብ ኣሎ። ሶለንቱና ሴንትሩም፣ ስቲንሰን ማእከል ንግዲ፣ ጎላጉል ያርቫን ኣዳራሽ በረድ ኤድስቪክን፣ ውሑዳት ኣብነታት እዮም።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ሶለንቱና ቀጻሊ ትዓቢ ኣላ ሕጂ ድማ ተሃድሶ ከተማ ይካየድ ኣሎ። ማእከላይ ከባቢ ናይ ሶለንቱና ይህነጽን ሓድሽ ቅርጺ ይሕዝን ኣሎ።

ናይ ክረምቲ ስእሊ ናይ ብጸጋም ወገን ሓደ ሓምላይ ሕብሩ ናይ ብዙሓት ስድራ መንበሪ ህንጻን ውርድ ኢልካ ኣብቲ ጐደና ሓደ ሮዛ ብዙሕ ደርቢ ዘለዎ ህንጻን ዘለዎ ናይ ሓደ ናብ ማእከል ከተማ ዝመርሕ ጐደና።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢ ምምሕዳርና ኣባይቲ ንሃንጽ ኣለና። ኣብ ከባቢ ሰሜናዊ ምስራቕ ቬሸን ሓድሽ ከባቢ ንሃንጽ ኣለና፣ ኣብ ቱረባርይ ዘሎ ነጻ መሬት ይህነጽ ኣሎ ንሱ ድማ ናይ ሶለንቱና ናይ መጀመርያ ኣባይቲ ተመሃሮ ኮይኑ ኣብ ታሕሳስ 2015 ሰብ ክኣትዎ ክጅምር እዩ። ምህናጽ ኣብ ሩተብሩን ሄሌነሉንድን ኣብ መደብ ኣሎ።

መደብና ንኽትነብረሎም ምቹኣትን ሰሓብትን ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ኣባይቲ ህንጻን ነኣሽቱ ገዛውትን ኣብ ማእከልን ርሕቕ ዝበሉ ንተፈጥሮ ቅርበት ዘለዎም ከባብታትን ምህናጽ እዩ። ኣዝዮም ብርክት ዝበሉ ጽቡቓት ተፈጥሮኣዊ ከባቢታት ይርከቡ ሓደ ሲሶ ካብ ሶለንቱና ተፈጥሮኣዊ ከባቢ እዩ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ሶለንቱና ገለ ካብቶም ልሙዳት ናይ ወጻኢ ቋንቋታት ዓረብ፣ ፋርሲ፣ ስፐይን፣ ሶማልን ኩርድን እዮም። ብዘይካ ሽወደን ካልእ ቋንቋ ኣደ ዘለዎም ንነኣሽቱን መንእሰያትን ብኣስታት 40 ቋንቋታት ዝወሃብ ትምህሪ ቋንቋ ኣደ ክትመሃር ይከኣል እዩ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ሶለንቱና ብርክት ዝበሉ ማሕበራት ስፖርት፣ ባህልን ሙዚቃን ኣለዉ። ዝምባለታት ባህልን ታሪኽን ንዘለዎ፣ ባህሊ ህጻናት፣ ኤድስቪክ ኣዳራሽ ስነጥበብን ናይ ኤድስባርይ ታሪኽዊ ህንጻን ኣለዉ። ንመንእሰያት ዝኾኑ ናይ ትርፊ ግዜ ንጥፈታት ኣብ ኣሬና ሳተሊተን፣ ኖርዝሳይድን ኣብ ብዙሓት ናይ መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ ዝርከቡ ንጥፈታት ዝካየደሎም ናይ ትርፊ ግዜ ኣዳራሻት። ኣብ መዝገብ ማሕበራት ኣብ ሶለንቱና ዝርከቡ ማሕበራት: ስፖርት፣ ባህሊ፣ ስንኩላን፣ ናይ መራኽብ ክለባት፣ ናይ ተፈጥሮ ማሕበራትን ካልኦትን ክትረክብ ይከኣል እዩ።

ኣብ #Meetsollentuna ሓበሬታ ብዛዕባ ማሕበራትን ትካላትን ክትረክብ ከምኡ ውን ሓደሽቲ መጻእትን ተቐማጦ ሶለንቱና ምእንቲ ክፋለጡን ክራኸቡን ኣብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ክትዋሳእ ይከኣል እዩ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ሴንትሩም ኣብ መእተዊ ህንጻ ምምሕዳር ናይ ሓበሬታ ማእከል ብምምጻእን ብምድዋልን ንምምሕዳር ዝምልከት ሓበሬታ ክትረክብ ይከኣል እዩ። ኣብ ሶለንቱና ቤት ጽሕፈታት ዕዮን ማሕበራዊ ኣገልግልትን እውን ኣለዉ። 3 ኣብያተ ንባብ፣ ኣብ ሰሙን ብድምር 99 ሰዓታት ኣገልግሎት ዝህባ ሓንቲ ኣብ ሶለንቱና ሴንትሩም ከምኡ ውን ኣብ ኤድስባርይን ሩተብሩን ኣለዋ። ኣብ ቤት ንባብ ሶለንቱና ሴንትሩም ኣብ ሞንጎ ሓደስቲ መጻእትን ነባራት ተቐማጦ ሶለንቱናን ዝተፈላለየ ንጥፈታት ዘካተተ ከም መራኸቢ ዘገልግል #Meetsollentuna ይርከብ። ሮድሩም ዝበሃል ሓደ ካብ ንጥፈታት ምስ ብወለንታ ዝነጥፉን ሕብረተሰባዊ ምኽርን ሓበሬታን ዝህቡ ክትራኸብ ውን ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ብዙሓት ክፍልታት ሶለንቱና ድኳናትን ኣብያተ መግብን ዝሓዘ ሴንትሩም ይርከብ። ሓደስትን ናይ ሓራጅ ክዳውንትን ናይ ገዛ ኣቑሕትን ዝሸጡ ድኳናት ብቐሊሉ ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ። ኣብ ማልምቬገን ንኣብነት ናይ ቀይሕ መስቀል ኩፓን ይርከብ። ብሓጺር ጉዕዞ ባቡርን ቱነልባናን ናብ ናይ ስቶክሆልም ድኳናትን ኣገልግሎትን ከትከይድ ይከኣል እዩ።

ኣብ ዙርያ ሶለንቱና መዘናግዒ ሜዳታት፣ መጻወቲ ቦታ፣ ሓምላይ ቦታን ተፈጥሮኣዊ ከባቢታትን ኣለዉ። ከም በዓል ረሸባደት፣ ኖርቪከን ቶርፓርኤንገንን ኤድስቪከን ስትራንድቬገንን ዝኣመሰሉ ናይ ደገ መሐምበሲ ቦታት ኣለዉ። ኣብቲ ምምሕዳር ሓደ ዓቢ መሐምበሲ ኣዳራሽ ምስ መዕረፍን ጂምን ከምኡ ውን ናይ ስፖርት ቦታታት፣ መንቀሳቐሲ ቦታ፣ ናይ ደገ ጂም፣ ክረምታዊ ስፖርት ብእግሪ ናይ መኸድን ምዝዋር ብሽክለታን ካልኦትን እውን ይርከቡ።

ኣብዚ ብዛዕባ እዚ ዝስዕብ ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል፡

ናይ ሓጋይ ስእሊ ናይ ሓደ ዓቢ ገዛ ጕልተኛ ዘለዎ ናይ መናፈሻ ከባቢ። ብድሕሪት ናይ ብዙሓት ስድራኣ መንበሪ ገዛ ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብቲ ምምሕዳር ኣስታት 100 መዋእለ ህጻናትን ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ውልቀ ሰባት ዝርከብ መዋእለ ህጻናትን ይርከቡ።

ሓደስቲ መጻእቲ ስድራቤታት ኣብ ክሊ ዕድመ መዋእለ ህጻናት ዝርከቡ ቆልዑ ዘለዎም ሓደሽቲ መጻእቲ ኣብ ማእከል ሕብረትን ተዛረብቲ ብዙሓት ቋንቋታትን (CIFS) ሓበሬታ ንኽረኽቡ ቆጸራ ይተሓዘሎም።

ኣብቲ ምምሕዳር ኣገልግሎት ክንክን ኣዴታት፣ (ኣብ ግዜ ጥንሲ) ክንክን ጥዕና ህጻናትን ክፉት መዋእለ ህጻናትን ዝህቡ ማእከላት ስድራቤት ይርከቡ። ክፉት መዋእለ ህጻናት ምስ ህጻናት ኣብ ገዛ ንዝውዕሉ ዝዓለመ እዩ። እቲ ኣገልግሎት ብነጻ ኮይኑ ኣቐዲምካ ምምልካት ውን ኣየድልን እዩ። ክፉት መዋእለ ህጻናት ትምህርቲ ሓዘል ሓባራዊ ንጥፈታት የአንግድ ህጻናት ድማ ብሓባር ወይ ንበይኖም ይጻወቱ። ወለዲ ኣብ ክፉት መዋእለ ህጻናት ምስ ደቆም ይህልዉ።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

ኣብ ሶለንቱና 30 ዝኾኑ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ምምሕዳርን ናይ ብሕትን ኣለዉ። ገለ ካብቶም ኣብያተ ትምህርቲ ዝልለዩሎም ዓውድታት ከም ኣብነት ሙዚቃ ወይ ከኣ ቋንቋ ይርከቡ። ኣብ 7 ናይ መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ ንሓደሽቲ መጻእቲ ተመሃሮ ዝኸውን ናይ መቀራረቢ ክፍልታት ኣለዉ።

ማእከል ሕብረትን ተዛረብቲ ብዙሓት ቋንቋታትን (CIFS) ንሓደሽቲ መጻእቲ ተመሃሮ ተቐቢሉ የአንግድ። ሓድሽ መጻኢ ተማሃራይ መባእታ ናብ CIFS ምስ መጸ ንሓበሬታ፣ ገምጋም ትምህርታዊ ዓቕምታትን ምርመራ ጥዕና ንኽገብር ቆጸራ ይተሓዘሉ። ኣብ ክሊ ዕድመ መዋእለ ህጻናት ዝርከቡ ቆልዑ ዘለዎም ስድራቤታት ንርክባት ሓበሬታ ቆጸራ ይተሓዘሎም።

ኣብ ሶለንቱና ሓንቲ ናይ ምምሕዳርን ሓሙሽተ ናይ ብሕታውያን ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኣለዋ። ሩድቤክ ናይ ምምሕዳር ሶለንቱና ቤት ትምህርቲ ኮይና ብዝሒ ናይ መጀመርያ ምርጭኦም ግዱሳት ኣመልከቲ ኣብ ግምት ብምእታው ካብ ኣውራጃ ስቶክሆልም ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ህቡባት ዝኾና ቤት ትምህርቲ እያ። እታ ቤ ትምህርቲ ኣስታት 2000 ተመሃሮን ልዕሊ 200 ሰራሕተኛታትን ኣለዉዋ። ኣብ ሩድቤክ ንሓደሽቲ መጻእቲ ተመሃሮ ናይ ቋንቋ መቀራረቢ መደብ ኣሎ።

ኣብ ሶለንቱና ካብ ሽወደን ዝበለጹ ኣብያተ ትምህርቲ ክህልዉና ኢና ንሰርሕ። ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ኩሎም ተመሃሮ ኣብ ኩሎም ሳብጀክት ዕዉታት ክኾኑ፣ ካብ ሽወደን እቲ ዝለዓለ ንካልኣይ ደረጃ ዘእቱ ነጥቢ ክህልወናን ኮሎም ተመሃሮ ኣብ ቢት ትምህርቲ ውሕስነት ከመዖም። ንተማሃሮና ምስ ንቴክኒካዊ መጻኢ ቅሩባት ክንገብሮም ኢና።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ መኣዲ ፍልጠት ንናይ ዓበይቲ ትምህርቲ ዝምልከት እዋናዊ ሓበሬታ ትረክብ ኢኻ። ብዛዕባ ዝስዕቡ ኮርሳትን ትምህርትን ሓገዝ ትረክብ ኢኻ፤

  • ትምህርቲ ንዓበይቲ
  • ላርቩክስ (ፍልይ ዝበለ ትምህርቲ ንዓበይቲ)
  • ቋንቋ ሽወደን ንወጻእተኛታት (SFI)

ንላዕለዋይ ይምህርትን ዩኒቨርሲቲን ንከተምልክት ውን ንሕግዘካ ኢና። ሓበሬታን ምስራዕ መደብ ትምህርቲ ምስ እትደሊ ናብ መኣዲ ፍልጠት ብብምጻእ እትደልዮ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሶለንቱና ሌላ ምስ ሕብረተሰብ ብ ማእከል ሌላ ምስ ሕብረተሰብ እዩ ዝወሃብ። ገለ ካብ ኮርሳት ኣብ ሶለንቱና ክወሃብ ከሎ ገለ ከኣ ኣብ ስቶኮልም እዩ ዝወሃብ።

ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም ብመጉዓዝያ ኣብ ናይ 30 ደቓይቕ ርሕቀት እዩ ዝርከብ። ኣብ ስቶክሆልምን ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም ዝርከባ ምምሕዳራትን ብርክት ዝበላ ህዝባውያን ትምህርቲ ዓበይትን ሞያዊ ኣብያተ ትምህርትን ይርከባ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ምምሕዳር ኣገልግሎት ክንክን ኣዴታት፣ ማእከል ክንክን ህጻናትን ክፉት መዋእለ ህጻናትን ዝህባ ማእከላት ስድራቤታት ኣለዋ። ኣብዚ ኣብ ማሕበራውን ውልቃውን ሕቶታት ብውልቅን እኩብን ሓገዝን ምኽርን ዝህቡ ክኢላታት ማሕበራውን ሕብረተሰብኣውን ሕቶታት ከምኡ ውን ስነ ኣእምራውን ማሕበራውን ሕቶታት ይርከቡ።

ኣብዚ ምምሕዳር ብርክት ዝበሉ ማእከላት ጥዕናን ናይ ሓኪም ስኒ ክሊኒካትን ኣለዉ።

ዞባ ስቶክሆልም ኣገልግሎት ጥዕናን ሕክምናን 2017-2018 ንምዕባይ መጠነ ሰፊሕ ወፍሪ ኣካይዱ ኔይሩ። የካይድ ኣሎ ሆስፒታል ሶለንቱና ኣብ ናይ'ዚ ዞባ ናይ መጻኢ መደባት ዓቢ ግደ ኣለዋ። እቲ ወፍሪ ምሕዳስን ብልዕሊ 230 ዘመናውያን ዕጹው ናይ ሕክምና ቦታታትን ናይ ስፐሻሊስት ክፍልን ምዕባይ ማለት እዩ ኔይሩ። ማለት እዩ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ወይ ውን ምምሕዳራዊ ትካላት ናይቲ ከተማ ኣብ እትገብርዎ ርኽክባት፡ ንኣብነት ኣብ ምምሕዳር ከተማ፡ ሕክምና ወዘተ..ናይ ቋንቋ ሽወደን ሕጽረት ምስ ዝህልወኩም፡ ተርጓሚ ክቍጸረልኩም ይኽእል። ተርጓሚ ኣቐዲሙ በቲ ዝምልከቶ መግስታዊ-ኣካል ከም ዝቍጸር ይግበር።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

E4:ን ናይ ፔንደል መጓዓዝያ ባቡርን ካብ ሰሜን ንደቡብ ብማእከል ከተማ ይሓልፉ። ሓሙሽተ ናይ ፔንደል ጣብያታት ባቡር/ስቴሽን ንስሉጥ ህዝባዊ መጓዓዝያ ጽቡቕ ተኽእሎታት ይህባ። 2022 ብፈርቢ ፋርት ስቶክሆልም ዝፍለጥ ሰሜናውን ደቡባውን ክፍልታት ስቶክሆልም ዘራኽብ መንገዲ ትሕቲ መሬት ክውዳእ ትጽቢት ይግበረሉ። ብመኪና ይኹን ኣውቶቡሳት ስሉጣት ኣሰርቲ መንገድት ኣለዉ ምንዋሕ ናይ ከተማ ባቡራት ካብ ስቶክሆልም ንምዕራባዊ ከባብትን ንሄለነሉንድን ኣብ መብ ኣሎ።

ሶለንቱና ንሓደሽቲ መንገዲታት ብሽክለታ ብልዑል ይሰርሓሉ ኣሎ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ሶለንቱና ካብ ሽወደን ዝበለጸ ናይ ኣውፈርቲ/ሰብ ትካል ኩነታት ኣሎ። ንመንፈስ ኣውፈርትን ሰብ ትካላትን ከኣ ነተባብዕ። ክልተ ዓመት ብምክትታል ኣብ ምምሕዳራት ዘሎ ኩነታት ትካላት ዝምልከት ካብ 290 ምምሕዳራት ሶለንቱና ናይ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ። እቲ ዕላማ ከኣ ካብ ሽወደን ብሉጻት ምዃን እዩ።

ምስ ኣዝዩ ብሉጽ ኣቀማምጥኣን ቅርበት ንመዕርፎ ነፈርቲ ኣርላንዳን ከተማ ስቶክሆልምን ብዙሓት ኣብ ሶለንቱና ክነብሩን ክነጥፉን ይምነዩ። ዝበዝሑ ካብ ኣብ ምምሕዳር ዝርከቡ ኣስታት 4000 ትካልት ነኣሽቱን ሓውሲ ዓበይቲ ትካላትን እዮም።