Sundbyberg

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ምስ ቅርበት ንስቶኮልም ከተማን መዕርፎ ነፈርትን ከምኡ'ውን ሰፊሕ ቀረብ ናይ ኣገልግሎት ምስ ዘለዎ ማእከል ከተማ፡ ሱንድብይበርይ ብዙሕ ትጋብዞ ኣለዋ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብነጀው ሸነኽ ኣብ ክሊ ሸውዓተ ዓመት ዕድመ ዝርከቡ ሓንቲ ጓልን ሓደ ወድን ምስ ኣቦኦም ኣብ ሓደ መራገፊ መራኽብ መደብ ብእግሮም ይንቀሳቐሱ ኣለዉ፡ ብድሕሪት መንበሪ ህንጻ ኣሎ።

ሱንድብይበርይ ካብ ሽወደን ብስፍሓት መሬት እታ ዝነኣሰት ኮሙን እያ፡ ከምኡ ክንሱ ግዳ ኣብዚ ሃገር እታ ብዝቐልጠፈ ትዓቢ ዘላ እውን እያ። እዚ እዛ ኮሙን ሓንቲ ካብተን ኣብዚ ሃገር ሰብ ብጻዕቂ ዝነብረለን ኮሙን ይገብራ።

ኣብዛ ኮሙን ዱኳናት፡ ቤት መግብታት፡ ባንክታትን ጽቡቕ ዝማዕበለ ህዝባዊ መጓዓዝያን ኣሎ። ኣብዚ ሓደ ሃብታም ማሕበራውን ባህላውን ሂወት ኣሎ። ብተወሳኺ ናብ ተፈጥሮን ናይ ነጻ ግዜ ቦታታትን ቀረባ እዩ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ከተማ ሱንድበሪ፡ ዝካረን ዝሽየጥን መበሪ-ኣባይትን ቪላታትን ኣሎ። ሓደ ካብቶም ኣብ ሽወደን ዝዓበየ ናይ መንበሪ-ኣባይቲ ፕሮጀክቲታት ማለት ፕሮጀክቲ-ኡሽቪክ ኣብዚ ከተማ'ዚ ይርከብ። እዚ ኸኣ፡ ንቁጽሪ ነባሮ ከተማ ሱንድበሪ ኣብ ምውሳኽ፡ ኣውንታዊ ተራ ኣብ ምጽዋት ይርከብ።

እቲ ብምምሕዳር ከተማ ዝውነን ትካል ክራይ-ኣባይቲ ሱንድበሪ፡ ፋስቲግሄት ፎርቫልታረን ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ትካል'ዚ ብርክት ዝበላዝካረ ኣባይቲ ይውንንን የመሓድርን። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ'ዚ ትካል ብምእታው፡ ናይ ገዛ ሪጋ ወይ መስርዕ ንምሓዝ ክትምዝገቡ ትኽእሉ። ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ ውሕስነት ንመንእሰያት ዝብል ንገዛ ዝምልከት ሕጊ ኣሎ። እዚ ማለት ከኣ፡ እቶብ ኣብዚ ከተማ ዝቕመጡ ኣብ ክሊ ዕድመ ካብ 16 ክሳብ 25 ዝርከቡ መንእሰያት ገዛ ናይ ምርካብ ውሕስነት ኣለዎም።

ሓደ ብወሰናስኑ ናይ ሰለስተ ደርቢ ዚካረ ገዛውቲ ዘመናዊ ህንጻ ዘለዎ ህዱእ ጐደና።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ከተማ ሱንድበሪ ብዙሕ ካብ ዝዝረቡ ቋንቋታት፡ ትግርኛ፡ ኣምሓሪኛ፡ ዓረበኛን ቋንቋ ኢራንን እዮም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ዝነጥፋ ብርክት ዝበላ ማሕበራት ይርከባ። ንኣብነት፡ ማሕበራት ስፖርታዊ-ንጥፈታት፡ ባህላዊ ማሕበራት፡ ኣብያተ-ክርስትያናት ምትእሳሳራተንን። ኣብቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ መዝገብ-ማሕበራት ብምእታው ምስ ዝምባሌታትኩም ዝሳነያ ማሕበራት ክትደልዩ ትኽእሉ።

ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብኡት ኣብ ሓደ ናይ ቸስ ማሕበር ቸስ ይጻወቱ ኣለዉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ከተማ ሱንድበሪ፡ ሓደ ካብቶም ጽዑቕ ወይ ብዙሓት ቤት-መግቢ ዝርከብዎ ከተማታት ሽወድን ምዃኑ፡ ይዝረበሉ። ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ ድኳናት መዓልታዊ-ሃለኽቲ (ኣስቤዛ)፡ ድኳናት ክዳውንቲ ከምኡ ውን ድኳናት ዘገልገለ-ንብረት ብብዝሒ ይርከባ። ብዜካ'ዚ ኣብዚ ከተማ፡ ባንኪ፡ ክልተ ኣብያተ-ንባብ፡ ሓድሽ ዝተሃንጸ መሐንበሲ-ማእከል፡ ህንጻ ስፖርታዊ ንጥፈታት፡ ህንጻ ጸወታታት ብረድ፡ መጻወቲ ማእከላት፡ ቀጠልያ ልሙዕ ከባቢታትን ናይ መዛወሪ ወይ መናፈሲ ከቢታትን ውን ይረክብ። ቅርሳዊ-ህንጻ ማራቡፓርኪ፡ ባህላዊ-ማእከል ቤት-መዘክርን ውን ገለ ካብቶም ኣብዚ ከተማ ዝርከቡ ባህላዊ ማእከላት እዩም። ማሕበር ስታድስሻና ሱንድበሪ ሓደ ካብቶም ንግዳዊ ንጥፈታት ናይቲ ከባቢ ንምሕያል ዝጽዕር ማሕበር እዩ።

ማእከል ምምሕዳር-ከተማ፡ ኣብ ጎደና ኦስትራ ማደንቬገን ቁጽሪ 4 ኣብ ሃሎንበርየን ይርከብ። ኣብዚ ህንጻ'ዚ ንኣብነት፡ ማሕበራዊ ቤት-ጽሕፈት ናይቲ ከተማን ኣብ መዳይ ስደተኛታት ዝሰርሑ ሰባትን ኣለዉ። ኣብ ሃሎንበርየን ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ (ኤስ.ኤፍ.ኢ) ክትመሃሩ ትኽእሉ።

ኣብ ከተማ ሱንድበሪ፡ ኣብያተ ጽሕፈታት በዓል-መዚ ኢሚግረሽን፡ በዓል-መጺ ቀረጽን ይርከቡ። ቤት-ጽሕፈት ዕዮ (ኣር በትስፎርመድሊንገ) ኣብ ሶልናን ስቶክሆለምን ይርከቡ።

ሓንቲ ጐርዞ ጓል ምስ ሓንቲ ዓቃብ መጻሕፍቲ ኣብ ሓደ ሰማያዊ ሶፋ ኮፍ ኢላ ኣላ። ብድሕሪት ዚልቃሓ ኮምፕዩተራት ዝሓዘ ጣውላን ዚልቃሕ መጻሕፍቲ ዝሓዘ ናይ መጻሕፍቲ ከብሕን ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ከተማ ሱንድበሪ ኣስታት 40 ዝኾና ናይ መንግስትን ናይ ግልን መውዓሊ-ህጻናት ኣለዋ። ሓንቲ ካብኣተን፡ እቶም ስድርኦም ናይ ምሸት ወይ ውን ለይቲ ዝሰርሑ ቆልዑ ዝግልገሉላ፡ ምሉእ መዓልቲ ክፍቲ ዝኾነት ማእከል እያ።

ከምኡ'ውን ውሑዳት ጕጅለታት ቈልዑ ኣብ ገዛ ዝሕዙ ሓለውቲ ቈልዑ (dagbarnvårdare) ኣለዉ።

ብዜካ'ዚ ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ 3 ክፉት መውዓሊ-ህጻናት ውን ኣለዋ። እቶም ኣብ ገዛ ዘለዉ ወለዲ ምስ ደቆም ኣብዚ ቦታ'ዚ ብምምጻእ ካልኦት ወለድን ቆልዑን ክረኽቡን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ክሳተፉን ይኽእሉ።

ምስ ወለዶም ብሓባር ዝጻወቱ ናእሽቱ ቈልዑ ዘለውዎ ሓደ ክፉት መውዓል ህጻናት ኣብ ናይ መንበሪ ኣካባቢ።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

ኣብ ከተማ ሱንድበሪ፡ 12 መንግስታውን ናይ ግልን ናይ መባኣታዊ-ደረጃ ኣብያተ-ትምህርታት ኣለዋ። ሓንቲ ካብዘን ኣብያተ-ትምህርታት፡ ነቶም ናይ ምምሃር ጸገማት ዘለዎም ተመሃሮ ተአንግድ።

እቶም ካብ ኣዚለ ክሳብ ሳልሳይ ክፍሊ ዝመሃሩ ህጻናት፡ ድሕሪ ትምህርትን፡ ትምህርቲ ኣብ ዝዕጸወሉን እዋንናት ዝኸድዎ ናይ መዘናግዒ ማእከል ኣለዎም። እቶም ካብ ራብዓይ ክሳብ 6 ክፍሊ ዝመሃሩ ህጻናት፡ ናይ መዘናግዒ ክለባት ኣለዎም።

ኣብ ከተማ ሱንድበሪ፡ 4 መንግስታውን ናይ ግልን ናይ ካልኣይ-ደረጃ ኣብያተ-ትምህርታት ኣለዋ። ሓንቲ ካብዘን ኣብያተ-ትምህርታት፡ ቤት-ትምርህቲ ሰይንቲ ማርቲን፡ ናይ ኢደ-ጥበብ ቅርጻ-ቅርጺን ሞዳን ሞያዊ ትምህርታት ኣለዋ። ቤት-ትምህርቲ ሎፍስትሮም፡ ነቶም ኣብ ሃገራዊ መደብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ንኽመሃሩ እኹል ነጥቢ ዘይብሎም ተመሃሮ፡ እተኣንድግ ቤት-ትምርህቲ እያ። እዛ ቤት-ትምርህቲ እዚኣ፡ ነቶም ተመሃሮ ንኻልእ ዝለዓለ ትምርህቲ ወይ ውን ንስራሕ ከምዝዳለዉ ትገብሮም።

ክልተ መንእሰያት ኣብ ቅዲ ክዳን ይሰርሓ ኣለዋ። እታ ሓንቲ ጓል ኣብ ጥቓ ሓንቲ ሰፋይት ማኪና ኮፍ ኢላ ኣላ፡ እታ ካልኣይቲ ድማ ምስ ናይ መፈተኒ ባምቡላ ትሰርሕ ኣላ።

ዕድላት ትምህርቲ

መደብ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ (ኤስ.ኤፍ.ኢ)፡ ነቶም ልዕሊ 16 ዝዕድሚኦም ዝምልከት እዩ።

ኣብ ማእከል-ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ መባእታውን ናይ ካልኣይ ደርጃ ትምርህታት ወይ ውን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ንኽትመሃሩ ዘድልየኩም ነጥቢ ንምውህላል ክትመሃሩ ትኽእሉ። ኣብዚ ማእከል'ዚ፡ ብርክት ዝበላ ሞያዊ ትምህርታት ውን ክትመሃሩ ትኽእሉ።

እቲ ብሳርቩክስ ዝፍለጥ ቤት-ትምርህቲ ኸኣ፡ ነቶም ፍሉይ ድሕረ-ባይታን ድልየታት ዘለዎም፡ ማለት ፊዴል-ዘይቆጸሩ ወይ ውን ትምርህቶም ከመሓይሹ ዝደልዩ ኣባጽሕ ዝምልከት ቤት-ትምርህቲ እዩ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ኩሉ ከባቢታት ከተማ ሱንድበሪ፡ ብርክት ዝበላ ማእከላት-ጥዕና ኣለዋ። ናብኣተን ብምኻድ ቆጸራ ሒዝኩም ሓኪም ክትረኽቡ ወይ ውን ህጹጽ ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ። ኣብዚ ከተማ፡ ፍሉይ ሕክምና ኣዴታትን ህጻናትን ውን ኣሎ። ብዜካ'ዚ፡ ብርክት ዝበሉ ሓካይም -ስኒ ውን ኣለዉ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምምሕዳር ከተማ ሱንድበሪ፡ ምስ ናይ ትርጉም ትካል ዝኸተሞ ውዕል ኣሎ። በዚ መጠን ኣብ ዝግበር ርኽክባት ናይ ተርጓሚ ድሌት ምስ ዝህሉ፡ ከም ዝቍጸር ይግበር።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣገልግሎት መጎዓዝያ ካብን ናብን ከተማ ሱንድበሪ፡ ኣዝዩ ስሉጥ እዩ። መስመር መጎዓዝያ ናተን ብትሕቲ ምድሪን ብላዕሊ ካብ ከተማ ወጻኢ ዝኸዳን ባቡራት፡ ኣውቶቡሳት፡ ከማኡ ውን ካልኦት ባቡራትን ኣሎ። ናብ ማእከል ከተማ ስቶክሆልም ንምኻድ ኣስታት 10 ደቓይቕ ይወስድ። ናብ ካልእ ክፋል ከተማ ወይ ውን ካብ ከተማ ወጻኢ ንምኻድ ውን ስሉጥ ናይ መጎዓዝያ ኣማራጺታት ኣሎ።

ክልተ መርዕረፊ-ነፈርቲ (ማለት ናይ ስቶክሆልምን ብሮማን)፡ ብቐረባ ይርከቡ። ናብዚ መዕርፎ-ነፈርታት ብመኪና ወይ ውን ብህዝባዊ መጎዓዝያ ክትከዱ ትኽእሉ።

ኣብ ልዕሊኡ ናይ መንገዲ ባቡር ድልድልን ናይ መንገዲ ድልድልን ዘለዎ መደበር ተማላላሲት ባቡር። ሒደት ሰባት ኣብቲ ኣብ ደገ ዘሎ መንገዲ ብብሽክለታ ይጕዓዙ ኣለዉ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ'ዚ ከተማ ይኹን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ከተማታት፡ ብርክት ዝበሉ ዓበይትን ነኣሽቱን ወሃብቲ-ስራሕ ይርከቡ። ኣብዚ ከባቢ ዘለዉ ክፍቲ ናይ ስራሕ-ቦታታት ንምርኣይ ኣብ ማእተዊ ናይ'ዚ ሓበሬታ ''ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታታት'' ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ትረኽብዎ። እቶም ናይ ባዕልኹም ትካል ክትጅምሩ እትሓስቡ ሰባት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ነዓኹም ዝኸውን ኣገዳሲ ሓበሬታ ትረኽቡ።

ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ብናይ ኤለክትሮኒክ ኣቁሑት ተኸቢቦም ኣብ ናይ መኻዚኖ ክፍሎም ኮፍ ኢሎም ኣለዉ።

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሱንድበሪ ኣስታት 1800 ተቆጺሮም ዝሰርሑ ሰባት ኣለዉ። ንድልየታት ናይቶም ብብዝሒ ናብዚ ከተማ'ዚ ዝውሕዙ ዘለዉ ሰባት ንምርዋይ፡ ምምሕዳር ከተማ ሱንድበሪ፡ ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ናይ ምቍጻር ውጥናት ኣለዎ። ኣብ መዳያት መውዓሊ ወይ ክንክን ህጻናትን ክንክን ኣረጋውያንን ጽቡቕ ናይ ስራሕ ዕድላት ኣሎ።