Upplands-Bro

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኡፕላንድስ-ብሩ፡ ምስ ልዕሊ 28 000 ነበርታ፡ብብዝሒ ነበርትን እግሪ ዝተኽላ ትካላትን ብዚምልከት ትዓቢ ዘላ ኮሙን እያ። ኣብዚ ክልተ ከተማታ ማለት ኩንግሴንኝን ብሩን ከምኡ'ውን ሓደ ሂወት ዘለዎ ገጠርን ኣሎ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

እዛ ኮሙን ኣስታት ዒስራ ኪሎሚተር ብሰሜናዊ ምዕራብ ካብ ስቶኮልም ርሒቓ ኣብ ጥቓ ሜላረን ትርከብ። ናብ መደበር ባቡር ስቶኮልም ብተመላላሲት ባቡር ኣስታት 25 ደቓይቕ ይወስድ።

ብሕጡብ ዝተሰርሓን ናይ’ዚ ኮሙን ምልክት ዘለዎን ቤት ጽሕፈት ኮሙን ናይ ኡፕላንድስ-ብሩ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ናይ ኡፕላንድስ-ብሩ ኮሙን ብዙሓት ዝተፈላለዩ ኣካረይቲ ኣባይቲ ኣለዉ። እቲ ኮሙናላዊ ትካል ክራይ ኣባይቲ ኡፕላንድስ-ብሩሁስ ይብሃል። ኣብ ናቶም መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ናጻ ዘለዉ ኣባይቲ ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ኡፕላንድስ-ብሩ ካብ ዝዝረቡ ቋንቋታት ገለ ንምጥቃስ፡ ፊንላድኛ፡ ዓረብኛ፡ ሶማልኛ፡ ፋርስኛ፡ ዳሪ፡ ትግርኛ፡ ስዋህሊን ወዘተን እዮም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ዝነጥፋ ብርክት ዝበላ ማሕበራት ይርከባ። ንኣብነት፡ ማሕበራት ስፖርታዊ-ንጥፈታት፡ ባህላዊ ማሕበራት፡ ኣብያተ-ክርስትያናት ምትእሳሳራተንን። ኣብቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ መዝገብ-ማሕበራት ብምእታው ምስ ዝምባሌታትኩም ዝሳነያ ማሕበራት ክትደልዩ ትኽእሉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ናይ ኡፕላንድስ-ብሩ ኮሙን ኣብ ገማግም ሜላረን ትርከብን ብዙሓት ዝተፈላለዩ ገማግም ባሕሪ ኣለዋን። ከምኡ'ውን ብእግርኻ እንዳ ተንቀሳቐስ ታሪካዊ ቅርስታት ክትርእየሉ እትኽእል ጽቡቓት ናይ ተፈጥሮ ኣካባቢ ኣለዋ። ከምኡ'ውን ናይ ስፖርት ህንጻታት፡ መሓምበሲ ኣዳራሽ፡ ባህላዊ ህንጻ፡ ቤት ንባብ፡ ናይ ስነ-ጥበብ ጋለሪን ብዙሕ ካልእን ኣለዋ። ኣብ ናይዚ ኮሙን መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ እቶም ዝተፈላለዩ ዝዳለዉ ንጥፈታት ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ሕጉሳት ቈልዑ ኣብ ሓደ ናይ ክረምቲ መዓልቲ ኣብ ሓደ መጸግዒ ጀላቡ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ጥቓ እቲ መጸግዒ ጀላቡ ይሕምብሱ ኣለዉ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

እዚ ኮሙን ካብ 1-5 ዓመት ንዝዕድሜኦም ቈልዑ ዝከውን ከም መውዓሊ ህጻናትን ስድራ ቤታዊ ክንክን ህጻናትን (familjedaghem) ዝኣመሰሉ ስነ-ትምህርታዊ ንጥፈታት ኣለዎ። ክልቲኡ ኮሙናላውን ብሕታውን ናይ ቅድመ-ትምህርትን ስነ-ትምህርታዊ ሓልዮትን ኣሎ።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

እዚ ኮሙን ቀረብ ናይ ክሳብ 9ይ ክፍሊ ዝምህር መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ኣለዎ። ኮሙናላውን ናይ ብሕትን ኣብያተ ትምህርቲ ኣሎ። ኣብ ካልኣይ ደርጃ ቤት ትምህርቲ ንዝምሃሩ መንእሰያት ብዙሕ ዝተፈላለየ መደባትን ትምህርታዊ ኣድህቦን ዘለዎ ኡፕላንድስ-ብሩ ጅይምናስየት ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ዝተፈላለየ መደባት ትምህርቲ ንዓበይቲ ከምኡ ውን መደብ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንዓበይቲ ይወሃብ እዩ። ንተወሳኺ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው፡ ብዛዕባ ትምህርታዊ ዕድላት፡ ብዝርዝር ከተንብቡ ትኽእሉ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ተጠቀምቲ ናይ ዝተፈላለየ ናይ ጥዕናዊ--ኣገልግሎታትን ክንክን ክትኮኑ ትኽእሉ። ኣብዚ ከተማ፡ ሓፈሻዊ ሕክምና፡ ማእከል-ጥዕና ህጻናት፡ ኣዴታት (ነፍሰ-ጾራት) ከምኡ ውን ክሊኒክ-ስኒ፡ ይርከብ። ሕክምናዊ ክንክን ምስ እትደልዩ፡ ናበይ ክትከዱ ከም ዘለኩምን ካልእ ንጥዕናዊ-ክንክን ዝምልከት ዝርዝራት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ትረኽብዎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ወይ ውን ምምሕዳራዊ ትካላት ናይቲ ከተማ ኣብ እትገብርዎ ርኽክባት፡ ንኣብነት ኣብ ምምሕዳር ከተማ፡ ሕክምና ወዘተ..ናይ ቋንቋ ሽወደን ሕጽረት ምስ ዝህልወኩም፡ ተርጓሚ ክቍጸረልኩም ይኽእል። ተርጓሚ ኣቐዲሙ በቲ ዝምልከቶ መግስታዊ-ኣካል ከም ዝቍጸር ይግበር።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ ስሉጥ ኣግልጎሎት መጎዓዝያ ኣሎ። ንሰዓታት ንቕሎን ናይ መጎዓዝያ ኣማራጺታትን ብዝምልከት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብዚ ኮሙን፡ ወይ ብናይ ተመላላሲት ባቡር ርሕቀት፡ ናእሽቱን ዓበይትን ወሃብቲ ስራሕ ኣለዉ። ኣብ ናይዚ ኮሙን መርበብ ሓበሬታ ንዓኻ ናይ ባዕልኻ ዋኒን ከተበግስ ትግደስ ሰብ ሓበሬታ ኣሎ። ከምኡ'ውን ኣብዚ ሕጂ እዋን እዚ ኮሙን ክህቦ ዝኽእል ናይ ስራሕ ዕድላት ተሓቢሩ ኣሎ።