ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ
ኣውራጃ ኡፕሳላ፡ ክትነብረሉ ተበሃጊ ዝኾነ፡ ህቡብ ኣውራጃ እዩ። እዚ ኣውራጃ'ዚ ኣብ መስርሕ ምስፍሕፋሕ ይርከብ። ብተዛማዲ ንእሽቶይ ኣውራጃ ኮይኑ፡ ስሉጥ ኣገልግሎት መጎዓዝያን፡ ማእከላይ ጅአኦግራፊካዊ ኣቀማምጣን ዘለዎ ንኹሉ ቀረባ ዝኾነ ኣውራጃ እዩ። ኣብዚ ዝውራጃ'ዚ ሕጽረት መንበሪ-ኣባይቲ ኣሎ። ነዚ ሕጽረት'ዚ ንምግጣሙ ኸኣ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ናይቲ ኣውራጃ ብርክት ዝበለ ናይ መንበሪ-ኣባይቲ ናይ ህንጸት ፕርጀክቲታት ኣብ ምስልሳል ይርከብ። ምህናጽ መንበሪ-ኣባይቲ፡ ምምሕዳር ኣውራጃ ቅድሚት ዝሰርዖ ኣገዳሲ ነጥቢ ኮይኑ፡ ነዚ ክውን ንምግባር ውን ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ከተማታት ናይቲ ኣውራጃ፡ ስጡም ምትሕግጋዛት ኣሎ።