Uppsala län

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣውራጃ ኡፕሳላ ሓንቲ ካብቶብ ኣብ ሃገረ ሽወደን ኣብ ጎደና ምምዕባል ብፍጥነት ዝሕንበባ ዘለዋ ኣውራጃታት ሽወደን ሓንቲ እያ። ኣብዚ ኣውራጃ እታ ዝዓበየት ከተማ፡ እታ ዝበዝሐ ህዝቢ’ቲ ኣውራጃ ዝነብረላ፡ ከተማ ኡፕሳላ እያ። ልዕሊ 200000 ካብቶም ኣብዚ ኣውራጃ ዝቕመጡ ኣስታት 345000 ሰባት፡ ኣብዛ ከተማ ይነበሩ። ከባብያዊ ትሕዝቶ ናይዚ ኣውራጃ ዝተፈላለየ እዩ። ጽዑቕ ጫካታትን ደሴታትን ገለ ካብ ዓይነታዊ ብዙሕነት ተፈጥሮኣዊ ጸጋ ናይዚ ኣውራጃ እዩ። ኣውራጃ ኡፕሳላ 250 ባሕሪ ከምኡ ውን 11300 ደሴታትን ይርከብኣ። ኣውራጃ ኡፕሳላ ኣካል ዕዳጋዊ-ዞባ ስቶክሆልም ኮይኑ፡ ካብ ኡፕሳላ ናብ ሕምብርቲ ስቶክሆልም ንምኻድ፡ ኣስታት 40 ደቓይቕ ኣቢሉ ይወስድ።

Map of Sweden Created with Highcharts 10.2.1

ኮሙንናት ኣብ

ኮሙንናት ኣብ Uppsala län

ኣብ ታሕቲ እታ ብዛዕብኣ ብዝያዳ ከተንብብ ትደልያ ኮሙን ኣብ Uppsala län ምረጽ

ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ

ኣውራጃ ኡፕሳላ፡ ክትነብረሉ ተበሃጊ ዝኾነ፡ ህቡብ ኣውራጃ እዩ። እዚ ኣውራጃ'ዚ ኣብ መስርሕ ምስፍሕፋሕ ይርከብ። ብተዛማዲ ንእሽቶይ ኣውራጃ ኮይኑ፡ ስሉጥ ኣገልግሎት መጎዓዝያን፡ ማእከላይ ጅአኦግራፊካዊ ኣቀማምጣን ዘለዎ ንኹሉ ቀረባ ዝኾነ ኣውራጃ እዩ። ኣብዚ ዝውራጃ'ዚ ሕጽረት መንበሪ-ኣባይቲ ኣሎ። ነዚ ሕጽረት'ዚ ንምግጣሙ ኸኣ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ናይቲ ኣውራጃ ብርክት ዝበለ ናይ መንበሪ-ኣባይቲ ናይ ህንጸት ፕርጀክቲታት ኣብ ምስልሳል ይርከብ። ምህናጽ መንበሪ-ኣባይቲ፡ ምምሕዳር ኣውራጃ ቅድሚት ዝሰርዖ ኣገዳሲ ነጥቢ ኮይኑ፡ ነዚ ክውን ንምግባር ውን ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ከተማታት ናይቲ ኣውራጃ፡ ስጡም ምትሕግጋዛት ኣሎ።

ንግዳዊ-ንጥፈታትን ወሃብቲ-ስራሕን

ኣብዚ ዞባ'ዚ ካብ ዝርከቡ ዓበይቲ ወሃብቲ-ስራሕ፡ ኮሙናት ናይዚ ዞባ፡ ኡፕሳል ዩኒቨርስቲ፡ ዩኒቨርስቲ ሕርሻ ሽውደን ከምኡ ውን ዞባ፡ ይርከብዎም። ምንስትሪ ምክልኻል፡ ኢንዱስትርያዊ ትካል ሳንድቪክ፡ ኣብ ጊሞ ዝርከብ ትካል ኮሮማንት ውን ካልኦት ኣብዚ ዞባ ሰሪቶም ዝርከቡ ወሃብቲ-ስራሕ እዮም። ኣብ መዳይ ኣገልግሎታት ዝነጥፋ፡ ኣብ ምስፍሕፋሕ ዝርከባ ውን ብርክት ዝበላ ነኣሽቱ ትካላት ኣብቲ ኣውራጃ ይርከባ።

ንጥፈታት ሲቪላዊ-ማሕበራት ኣብ መዳይ ምውህሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብ

ኣብ ኣውራጃ ኡፕሳላ፡ ኣብ መዳያት ባህልን ስፖርትን ዝነጥፋ ማሕበራት፡ ከምኡ ውን ሃይማኖታውያን፡ ቀቢላውያን ናይ ድጋፍ ማሕበራትን ካልእን፡ ይርከባ። ምምሕዳር ኣውራጅ ውን እንተኾነ፡ ተራ ሲቪካዊ ማሕበራት ኣብ መስርሕ ምቕባል ሓደስቲ ስደተኛታትን ዘለዎ ጽልዋ ብዕምቆት ካብ ዝርኣዮም ጉዳያት እዩ። ብኸምዚ ኣቢሉ ከኣ፡ ሲቪላውያን ማሕበራት ምስ መንግስታዊ ምምሕዳራዊ ጽላት ብምድግጋፍ፡ ንመስርሕ ምውህሃድ ሓደስቲ ስደተኛታት ኣብ ሕብረተ-ሰብ ሽወደን ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል። እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ምስ ምውሳእ ኣብ ማሕበራት ዝመጽእ ነገር፡ እቲ ኣብ ተሳተፍቲ ዘትርፎ ዕጋበት ተቐባልነት ኣብ ሕብረተ-ሰብ ሽወደን እዩ። በዚ ኣቢሉ ውን እቲ ሓድሽ ኣብዚ መዳይ ዝዋሳእ ውልቀ-ሰብ ናይ ርኽክባት መስመራቱ ኣብ ምስፋህ ውን ይሕግዞ።

ኣብያተ-ትምህርታትን ትምህርትን

ከተማ ኡፕሳላ፡ ባህላዊት ጥንታዊት ከተማ ኮይና፡ ኣብኣ ክልተ ብሉጻት ዩኒቨርስታት ሽወደን (ኡፕሳል ዩኒቨርስቲን ዩኒቨርስቲ ሕርሻ ሽውደንን) ሓቊፋ እትርከብ፡ ከተማ እያ። ኣብዘን ዝተጠቕሳ ዩኒቨርስታት ዓለማዊ ተፈላጥነትን መለኪዕታትን ዘማልአ መደባት ትምህርትን ምርምራዊ-መጽናዕታትን ይካየድ። ኣብዚ ኣውራጃ'ዚ ብተወሳኺ ብርክት ዝበላ ሞያዊ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርታት ውን ይርከባ። ንኣብነት ኣብ ከተማ ኤንሾፒንግ።

ኣገልግሎት ጥዕና

ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ዞባኡፕሳላ፡ ብዞባ ይእለን ይመሓደርን። ኣብ ከተማ ኡፕሳላ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ሽወደን ዝዓበያ ሆስፒታላት ዝኾነት፡ ሆስፒታል-ኣካደሚስካ፡ ትርከብ። ኣብ ከተማ ኤንሾፒንግ ውን ብተመሳሳሊ ዓቢ ሕክምና ይርከብ። ኣብዚ ኣውራጃ'ዚ ብጠቕላላ፡ ኣስታት 51 ነኣሽቱ ሕክምናዊ-ማእከላት ይርከባ። ጥዕናዊ ክንክን ከምኡ ውን ክንክን-ስኒ ውን ሓልፍነት ዞባ እዩ።

ባህላውን ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታትን

ኣውራጃ ኡፕሳላ፡ ንጡፍ ባህላዊ ንጥፈታት ዘለዎ፡ ኣውራጃ እዩ። ትያትር፡ ኣብያተ-መዘክር፡ ምርኢታትን ፌስቲቫላትን ገለ ካብቲ ንባህላዊ ንጥፈታት ናይ'ዚ ኣውራጃ ዝወቕቡ ንጥፈታት እዮም። ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ከተማ ናይዚ ኣውራጃ ብማሕበራት ዝምእከል ዝተፈላለየ ንጥፈታት ይርከብ። ክፉት ነጻ ከባቢታት ውን፡ ዳርጋ ኣብ ኩለን ከተማታት ኣሎ። ንዑደት ወይ ዙረት ዝኸውን ቦታታት ውን ኣብቲ ኣውራጃ ብብዝሒ ይርከብ። ንኣብነት፡ ዑደት ናብ ደሴታት ናይቲ ኣውራጃ።