Älvkarleby

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ሓውሲ-ከተማ አልቪካርለቢ 9000 ተቐማጦ ሃልይዎ፡ ካብ ከተማ ያቭለ 20 ኪሎ-መተር ካብ ከተማ ኡፕሳላ ድማ፡ 80 ኪሎመተር ርሒቓ ትርክርብ። እቲ ከተማ ንንኡሳት ዓዲታት፡ አልቪካርለቢ፡ እልቪካርልዮ-ብሩክ፡ ሎንግሳንድ፡ ጎርድስኻር፡ ማርማን ስኩትኻርን የጠቓልል።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ትርኢት ኣብ ልዕሊ ቡዳኦን። ኣብ ጥቓ እዚ ወሓዚ ብዙሓት መንበሪ ህንጻታት ኣሎ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ አልቪካርለቢ ንመንበሪ-ኣባይቲ ብዝምልከት፡ ኣብ ማእከል ወይ ውን ኣብ ምሕድግ ዝበለ ከባቢታት ናይ ምንባ ዝተፈላለየ ኣማራጺታት ኣሎ። መንበሪ-ገዛ ክትካረዩ ምስ እትደልዩ፡ በቲ ምምሕዳር ከምኡ ውን ብውልቂ ዝውነን ዝካረ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ናይቲ ወረዳ ብርክት ዝበለ ኣባይቲ ኣለኩም። በቲ ምምሕዳር ዝወነን ትካል ክራይ ኣባይቲ ንኣብነት አልቪካርለቢሁስ ኣለኩም።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ብርክት ዝበሉ ተዛረብቲ ካልኦት ቋንቋታት ዝኾኑ ነባሮ ይርከቡ። ንተወሳኺ ሓበሬታ፡ ንክፍሊ ምቕባል ሓደስቲ ስደተኛታት ትወከሱ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ አልቪካርለቢ፡ ብርክት ዝበላ ማሕበራት ኣለዋ። ነቲ ኣብ ነጻ እዋንኩም ከተዘውትርዎ እትደልዩ ዝምባሌታትኩም ዘእንግድ ባይታ ኣለኩም። ኩዕሶ-እግሪ፡ ተኒስ፡ ባንዲ ከምኡ ውን ሞተር-ስፖርት ገለ ካብዚ ዝተጠቕሰ ንጥፈታት ኮይኑ ነዚ ዘአንግዳ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ዘለውን ዝተፈላለያ ማሕበራት ይርከባ።

ሓሙሽተ ቈልዑ ኵዕሶ ኢድ ይላመዱ ኣለዉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ማእከል ከተማ ስኩትዃር፡ ብርክት ዝበለ ባንክታት፡ ኣብያተ-መግቢ፡ ከምኡ ውን ድኳናት መዓልታዊ-ሃለኽትን ፋርማሲታትን ይርከብ። ብዜካ'ዚ ብርክት ዝበለ ኣብያተ-ጸጕሪ፡ ስፖርታዊ ነገራት ዝሓዘ ድኳናት፡ ቡቲክ ክዳውንትን ሳእንን ሲነማን ቤት-ንባብን ውን ይርከብ። ውጽእ ኢልኩም ምዝዋር ንእትፈትዉ ሰባት ከኣ፡ ብርክት ዝበለ ናይ ምንቕስቓስን፡ ምንሽርታት ብረድ መሐንበሲ ቦታታትን ኣለኩም።

ሓደ ዱኳናት ዘለዎ ህንጻ ኣብ ስኩትስሼር ማእከል ከተማ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ ነቶም ቆልዑ ዘለዎም ኣገልግሎት መዋዓሊ-ህጻናት ኣሎ። ምምሕዳር ከተማ፡ ነቶም ካብ 1 ክሳብ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዝዓለመ፡ ትምህርታዊ ንጥፈታት ውን ኣለዎ። ንተወሳኺ ዝርዝር ብዛዕባ'ዚ፡ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ከተንብቡ ትኽእሉ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ምምሕዳር-ከተማ፡ ካብ ኣዚለ ክሳብ 9ይ ክፍሊ ዘጠቓልል ናይ መባእታዊ ደረጃ-ትምህርቲ ኣለዎ። ንመባእታውን ናይ ካልኣይ-ደረጃን ቤት-ትምርህቲ ብዝምልከት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ከተንብቡ ትኽእሉ።

ቤት-ትምርህቲ አልቪቦዳ ንኣብነት ብውልቂ እትመሓደር ቤት-ትምርህቲ ኮይና ካብ 6 ክሳብ 16 ዝዕድሚኦም ተማሃሮ ትቕበል።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ዝተፈላለየ መደባት ትምህርቲ ንዓበይቲ ከምኡ ውን መደብ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንዓበይቲ ይወሃብ እዩ። ንተወሳኺ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው፡ ብዛዕባ ትምህርታዊ ዕድላት፡ ብዝርዝር ከተንብቡ ትኽእሉ።

ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ክቕጽል ንዝደሊ፡ ናብቲ ብተመላላሲት ባቡር ርሑቕ ዘይኮነ፡ ኣብ የቭለ ኮለጅ፡ ኣብ ኡፕሳላን ስቶኮልም ድማ ዩኒቨርሲቲ ኣሎ።

ሓደ ሓደ መዓልታት ማሕበር ተኻረይቲ ሓደ ስፕሮክካፈ የዳሉ እዩ። ኣብዚ ሰባት ቋንቋ ሽወደንኛ ንኽለማመዱን ብሓባር ቡን ክሰትዩን ይራኸቡ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ስኩትስዃር፡ ማእከል ጥዕና፡ ሕክምና ወረዳ፡ ናይ ኣዴታትን ህጻናትን ሕክምና ኣሎ። ብዜካ'ዚ ኣብቲ ወረዳ፡ ናይ ሰኒ ሕክምናን ፋርማሲታትን ውን ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ወይ ውን ምምሕዳራዊ ትካላት ናይቲ ከተማ ኣብ እትገብርዎ ርኽክባት፡ ንኣብነት ኣብ ምምሕዳር ከተማ፡ ሕክምና ወዘተ..ናይ ቋንቋ ሽወደን ሕጽረት ምስ ዝህልወኩም፡ ተርጓሚ ክቍጸረልኩም ይኽእል። ተርጓሚ ኣቐዲሙ በቲ ዝምልከቶ መግስታዊ-ኣካል ከም ዝቍጸር ይግበር።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

መጎዓዝያ ብዝምልከት ካብን ናብን አልቪካርለቢ ዳርጋ ጹቡቕ'ዩ ክበሃል ይከኣል። ኡፕቶገት ዝስማ ባቡር ካብታ ብሰሜን እትርከብ ከተማ ያቭለ ናብታ ብደቡብ እትርከብ ከተማ ኡፕሳላ ትጎዓዝ። ክትሓልፍ እንከላ ኸኣ፡ ኣብ ስኩትዃር፡ ኤልቭካርለቪን ማርማን፡ ጠጠው ትብል። ካብ ኡፕሳላ ክትቕጽሉ ምስ እትደልዩ ነተን ብፐንደልቶግ ዝፍለጣ ባቡራት ናይ ስቶክሆልም ካብ ኡፕሳላ ወሲድኩም፡ ንመዕርፎ-ነፈርቲ ማለት ኣርላንዳ ብ 80 ደቂቕ ናብ ስቶክሆልም ከኣ ብክልተ ሰዓት ትበጽሕዎ። ካብ አልቪካርለቢ ናብ ያቭለ ብቀሊሉ ብኣውቶቡስ ክትከዱን ክትምለሱን ትኽእሉ። ንሰዓታት ንቕሎ መጎዓዝያ ብዝምልከት፡ ኣብዚ ዝስዕብ መርበብ-ሓበሬታ ኡፕላንድስ ትራፊክ ብምጥዋቕ ክትርእዩ ትኽእሉ። ንዋጋታት ጉዕዞ ብኣውቶቡስን ባቡርን ዝምልከት ውን ዝርዝር ሓቤሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብዚ ኮሙን ከም ስቱራ ኤንሶን (Stora Enso) ቫተንፋልን (Vattenfall) ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ ኣለዉ። ከምኡ'ውን ኣብ ዝተፈላለየ ዋኒታት ዳርጋ 400 ናእሽቱ ትካላት ኣለዋ። ኤልቭካርለብይ ንንግዲን ምልውዋጥ ኣቑሑን ኣገልግሎትን ሓደ ስትራተጂካዊ ሰፈር ኣለዋ። ምስተን ከም ሳንዲቪከን፡ የቭለን ኡፕሳላን ዝኣመሰላ ኣብ ናይ ምምልላስ ርሕቀት ዝርከባ ከተማታት ዓቢ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ኣሎ።