Heby

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ጥቓ ስቶክሆል፡ ኡፕሳላ፡ ቨስተሮስ፡ ኣርላንዳ እዩ ዚርከብ፡ ምስኣተን ድማ ግሩም ናይ ፐንደልቶግ ወይ ተመላላሲ ባቡር ኣገልግሎት ኣለዎ፡ ቅሳነትን ሰላምንውን ኣለዎ። ኣብ ሀቢ ናይ ኣራዊት ዱር ኣሎ፡ ግሩም ገጠርን ወሓይዝን ኣኽራናትን ወሽመጣትን ኣህጉራዊ ፓርክን ንጡፋት ከተማታትን ሃብታም ማሕበራዊ ህይወትን።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መንበሪ-ገዛ

ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ ብርክት ዝበላ ናይ መንበሪ-ኣባይቲ ኣማራጺታት ኣለኩም። ብርክት ዝበላ ኣባይቲ ዘካርያ ትካላት ኣለዋ። መንበሪ-ገዛ ክትዕድጉ ምስ እትደልዩ ውን ኣሎ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው፡ ነጻ ዘሎ መንበሪ-ገዛን ትካላት ክራይ-ኣባይትን ዝምልከት፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኩርድ፡ ዓረብ፡ ፋርስ፡ ዳሪን ኪሩንዲን

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ዝነጥፋ ብርክት ዝበላ ማሕበራት ይርከባ። ንኣብነት፡ ማሕበራት ስፖርታዊ-ንጥፈታት፡ ባህላዊ ማሕበራት፡ ኣብያተ-ክርስትያናት ምትእሳሳራተንን። ኣብቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ መዝገብ-ማሕበራት ብምእታው ምስ ዝምባሌታትኩም ዝሳነያ ማሕበራት ክትደልዩ ትኽእሉ።

ጎየይቲ ኣብ ሓደ ናይ ጉያ ሜዳ ይምርቀፉ ኣለዉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ሀቢን ኦስተርቮላን ናይ ምምሕዳር ከተማ ቤትጽሕፈት ኣሎ። ኣብ ሀቢ፡ ሞሮንጎቫ፡ ቪቲንገ፡ ተርንሾን ኦስተርቮላን ቤትንባብ ኣሎ። ኣብ ሀቢ ናይ ማሕበራዊ ምምሕዳር ቤትጽሕፈት ኣሎ፡ ከምኡውን ቤትጽሕፈት ዕዮ። ቤትጽሕፈት መድህን ኣብ ኡፕሳላ። ኣብ ሀቢ ናይ ስደተኛታት ሓጋዚ የልቦን ግን ኣብቲ ናይ ስደተኛታት መቐበሊ ኩርድ፡ ዓረብን ፋርስን ይዛረቡ እዮም። ኣብ ሀቢን ኦስተርቮላን ግሩም ናይ ሰከንድሃንድ ድኳን ኣሎ። ኣብ ኡፕሳላ ኢከያ ኣሎ። ኣብ መብዛሕትኡ ከተማታት ግሮሰሪታት ኣሎ። ኣብ ሞሮንጎቫ Lågprisvaruhuset Karlson.se ኣሎ።

ሀቢ ከም ናይ ሀስትኮሙን ወይ ናይ ፈረስ ኮምዩን እያ እትፍለጥ፡ ኣብ ፍርቂ ሓጋይ ድማ ናይ ሰሙን በዓል ኣሎ።

ኣብዚ ብዛዕባ እዚ ዝስዕብ ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል፡

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ ነቶም ቆልዑ ዘለዎም ኣገልግሎት መዋዓሊ-ህጻናት ኣሎ። ምምሕዳር ከተማ፡ ነቶም ካብ 1 ክሳብ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዝዓለመ፡ ትምህርታዊ ንጥፈታት ውን ኣለዎ። ንተወሳኺ ዝርዝር ብዛዕባ'ዚ፡ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ከተንብቡ ትኽእሉ።

ኣንጸባራቂ ጅለ ዝወደዩ ሓሙሽተ ሕጉሳት ኣብ መውዓሊ ህጻናት ዝውዕሉ ቈልዑ ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ምምሕዳር-ከተማ፡ ካብ ኣዚለ ክሳብ 9ይ ክፍሊ ዘጠቓልል ናይ መባእታዊ ደረጃ-ትምህርቲ ኣለዎ። ንመባእታውን ናይ ካልኣይ-ደረጃን ቤት-ትምርህቲ ብዝምልከት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ከተንብቡ ትኽእሉ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ዝተፈላለየ መደባት ትምህርቲ ንዓበይቲ ከምኡ ውን መደብ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንዓበይቲ ይወሃብ እዩ። ንተወሳኺ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው፡ ብዛዕባ ትምህርታዊ ዕድላት፡ ብዝርዝር ከተንብቡ ትኽእሉ።

ብዛዕባ ትምህርቲ ኣባጽሕ ኣብዚ ዝስዕብ ኣንብብ፡

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ተጠቀምቲ ናይ ዝተፈላለየ ናይ ጥዕናዊ--ኣገልግሎታትን ክንክን ክትኮኑ ትኽእሉ። ኣብዚ ከተማ፡ ሓፈሻዊ ሕክምና፡ ማእከል-ጥዕና ህጻናት፡ ኣዴታት (ነፍሰ-ጾራት) ከምኡ ውን ክሊኒክ-ስኒ፡ ይርከብ። ሕክምናዊ ክንክን ምስ እትደልዩ፡ ናበይ ክትከዱ ከም ዘለኩምን ካልእ ንጥዕናዊ-ክንክን ዝምልከት ዝርዝራት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ትረኽብዎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ወይ ውን ምምሕዳራዊ ትካላት ናይቲ ከተማ ኣብ እትገብርዎ ርኽክባት፡ ንኣብነት ኣብ ምምሕዳር ከተማ፡ ሕክምና ወዘተ..ናይ ቋንቋ ሽወደን ሕጽረት ምስ ዝህልወኩም፡ ተርጓሚ ክቍጸረልኩም ይኽእል። ተርጓሚ ኣቐዲሙ በቲ ዝምልከቶ መግስታዊ-ኣካል ከም ዝቍጸር ይግበር።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ ስሉጥ ኣግልጎሎት መጎዓዝያ ኣሎ። ንሰዓታት ንቕሎን ናይ መጎዓዝያ ኣማራጺታትን ብዝምልከት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ዞባ ኡፕሳላ፡ ኣርላንዳ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ስርዓተ-ትምህርቲ ኣብ ኡፕሳላ ኮምዩን።