Östhammar

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኦስትሃማር፡ ናብ ተፈጥሮ ቀረባ ዝኾነ ብሉጽ መነብሪ ኣባይቲ፡ ሓደ ሃብታም ኢንዱስትሪን ንግድን ከምኡ'ውን ዕድል ናይ ምምዕባል ኣብ ሓንቲ ኣብዚ ዞባ ካብ ዘለዋ ቦታታት እታ ኣዚያ ለውጢ ናይ ምምጻእ ሓይሊ ዘለዋ ብእኩባት ዴሰታት ዝቆመት ኣብ ዞባ ኡፕሳላ ትርከብ ኮሙን እያ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ናይ ኣስትሃማር ኮሙን ብሓሙሽተ ከተማታትወይ ዓዲታትን ዝዳወባ ገጠርን ዝቆመት ኮይና፡ እቲ ስሉጥ ኣገልግሎት መጎዓዝያ ምህላዉ ከኣ፡ ከም ነባሪ ናይዛ ኮሙን ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ናብ ዞባ ሜላርዳለን፡ ኡፕሳላ፡ መዕርፎ-ነፈርቲ ስቶክሆልም ክጎዓት ከኣ ኣብ ምቹእ ናይ ምምልላስ ርሕቀት ኢኻ ትርከብ።

መንበሪ-ገዛ

ምምሕዳር ዞባ ኦስትሃማር፡ ንንኡሳን ዞባታት ኦስትሃማር፡ ኦረግሩንድ፡ ጊሞ፡ ኦስተርቢብሩክን ኣሉንዳን ዝሓቆፈ እዩ። ማእከል ምምሕዳር ናይቲ ዞባ፡ ከተማ ኦስትሃማር እዩ። ምምሕዳር ከተማ ኦስትሃማር ኣስታት 22000 ተቐማጦ ኣለዎ። እብቲ ዞባ ዝዓበየት ትካል ክራይ ኣባይቲ ኣታ ብምምሕዳር ከተማ እትውነን ትካል ኦስትሃማር-ሄም እያ። እዛ ትካል እዚኣ ኣብ ኦስትሃማር፡ ጊሞ፡ ኦረግሩንድ፡ ኣሩንዳ፡ ኦስተርቢብሩክን ሃርግሃምንን ዝርከብ ኣስታት 1900 ዝካረ ኣባይቲ ኣለዋ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ምምሕዳር ዞባ ኦስትሃማር፡ ትምርህቲ ቋንቋ ኣደ በዘን ዝስዕባ ቋንቋታት ይወሃብ፡- ታይላንድ፡ ዓረበኛ፡ ትግርኛን ሶማለኛን። ትምርህቲ ቋንቃ ኣደ ብኻልእ ቋንቋታት ንኽወሃብ ምእንቲ፡ ብውሕዱ ሓሙሽተ ዝቍጽሮም ተመሃሮ ክርከቡ ኣለዎም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ኦስትሃማር፡ 49 ኣብ መዳይ ስፖርት ከምኡ ውን ካልኦት ኣብ ካልእ ሕብረተ-ሰብኣዊ መዳያት ዝነጥፋ ማሕበራት ይርከባ። እዚ ኸኣ፡ እዘን ማሕበራት እዚኣተን ንነበርቲ ከተማ ዝተፈላለየ መሳጢ ናይ ዕረፍቲ ንጥፈታት ኣብ ምእንጋድ ዓቢ ተራ ይጻወታ። ስፖርት ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ፡ ኩዕሶ እግሪ ኣገዳሲ መለለዪ ናይቲ ከባቢ እዩ። ብዜካ'ዚ፡ ንማሕበራዊ ህወት ምምሕዳር ከባቢ ኦስትሃማር ኣብ ምምዕራግ ዝዋስኣ ብርክት ዝበላ ሃይማኖታዊ፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን ዝምባሌታት ዘለወን ማሕበራት ውን ይርከባ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

እቲ ብኢካ ዝፍለጥ፡ ድኳን መዓልታዊ-ሃለኽቲ ወይ ኣስቤዛ፡ ኣብ ኩለን ንኡሳን ዓዲታት ናይቲ ዞባ ይርከብ። ቤት-ጽሕፈት ዕዮ (ኣርበትስፎርመልዲንገን) ኣብ ጊሞን ኦስትሃማርን ይርከብ። ኣብ ኦስትሃማር፡ ጊሞ፡ ኦስተርብይብሩክ፡ ኣሉንዳን እረግሩንድስን፡ ቤት-ንባብ ኣሎ። ምምሕዳር ዞባ ኦስትሃማር፡ ዜጋታት ነቲ ዞባ ዝምልከት ርእይቶታት ይኹን ሓሳባት ከቕርብሉ ዝኽእሉ መኣዲ-ርእይቶታት ኣለዎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ኦስትሃማር፡ 12 ቤት-ትምርህቲ ወይ መውዓሊ-ህጻናትን 10 ግዝያዊ መጽንሒ-ህጻናትን ይርከባ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ብዜካ'ዚ፡ ብምምሕዳር ናይቲ ዞባ ዝእለያ 14 መባእታዊ ኣብያተ-ትምርህርታትን፡ ፍሉይ ድልየታት ንዘለዎም ተመሃሮ ዘአንግዳ ፍሉያት-ኣብያተ ትምህርታትን ኣለዋ። እዘን መባእታውን ፍሉያት ኣብያተ-ትምህርታትን ኣብ ኩሉ ከባቢታት ናይቲ ዞባ ይርከባ።

ኣብ ኦስትሃማር፡ 4 ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርታት ኣለዋ። እተን 3 ኮሙናላውያን ክኾና እንከለዋ እታ ሓንቲ ከኣ፡ ናይ ብሕቲ ቤት-ትምርህቲ እያ። ብዜካ'ዚ ምስ ኡፕሳላን ቴርፕን ዝተበጽሐ ንትምርህቲ ዝምልከት ስምምዓት ውን ኣሎ። በዚ መሰረት ኣብ ኦስትሃማር ዝቕመጡ ተማሃሮ ኣብ ክሊ እዚ ዝስስምዕ ኣብዘን ዝተጠቕሳ ከተማታት ኣብ ዝወሃብ ሃገራዊ መደብ ትምርህቲ ክሳተፉ ይኽእሉ እዮም።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ኦስትሃማር እውን፡ ብርክት ዝበለ ናይ ኣባጽሕ ትምርህቲ ዕድላት ኣሎ። ምስ ካልኦት ኮሙናት ዝትበጽሐ ስምምዓት ምህላዉ፡ ተመሃሮ ናብ ካልእ ከተማታት ብምኻድ ወይ ብርሕቀት ትምርቶም ዝከታተልሉ ዕድላት ኣሎ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ተጠቀምቲ ናይ ዝተፈላለየ ናይ ጥዕናዊ--ኣገልግሎታትን ክንክን ክትኮኑ ትኽእሉ። ኣብዚ ከተማ፡ ሓፈሻዊ ሕክምና፡ ማእከል-ጥዕና ህጻናት፡ ኣዴታት (ነፍሰ-ጾራት) ከምኡ ውን ክሊኒክ-ስኒ፡ ይርከብ። ሕክምናዊ ክንክን ምስ እትደልዩ፡ ናበይ ክትከዱ ከም ዘለኩምን ካልእ ንጥዕናዊ-ክንክን ዝምልከት ዝርዝራት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ትረኽብዎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ወይ ውን ምምሕዳራዊ ትካላት ናይቲ ከተማ ኣብ እትገብርዎ ርኽክባት፡ ንኣብነት ኣብ ምምሕዳር ከተማ፡ ሕክምና ወዘተ..ናይ ቋንቋ ሽወደን ሕጽረት ምስ ዝህልወኩም፡ ተርጓሚ ክቍጸረልኩም ይኽእል። ተርጓሚ ኣቐዲሙ በቲ ዝምልከቶ መግስታዊ-ኣካል ከም ዝቍጸር ይግበር።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ካብ ኦረግሩንድ፡ ብኦስትሃማርን ጊሞን ኣቢላ ናብ ኡፕሳላ፡ ኣብ ሰዓት ክልተ ግዜ እትኸይድ ኣውትቡስ ኣላ። ካብ ኦስተርቢብሩክ ድሒራ ምስ ባቡር ኡፕቶገት ዝተኣሳሰረት ኣብ ሰዓት ክልተ ግዜ እትኸይድ ኣውቶቡስ ኣላ። እቲ ጉዕዞ ካብ ኦስትሃማር ናይ ሰዓት ኣቢሉ ይኸውን።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

እቲ ኣስታት 1500፡ ኣብ ዝተፈላላያ ጽላታት ዝነጥፋ ትካላት ዝርከብኦ ምምሕዳር ዞባ ኦስትሃማር፡ ኣካል ናይቲ ብሉጽ ናይ ስራሕ-ዕድላት ዘለዎ ኣውራጃ ኡፕሳላ ብምዃኑ፡ ስራሕ ናይ ምርካብን ነብስኻ ንምኽኣልን ዘሎ ተኽእሎታት ኣዝዩ ትስፉው እዩ። ዕዳጋ ስራሕን ንግዳዊ ንጥፈታትን ምምሕዳር ከተማ ኦስትሃማር፡ በተን ኣብ ምፍራይ ዝተፈላላየ ነገራት ዝነጥፋ ፋብሪካታት ዝተዓብለለ እዩ። ንምጥቃስ ዝኣክል ገለ ካብዘን ትካላት፡ ፎሽማርክስ ሻርንክራፍት-ቬርክ፡ ሳንድቪክ ኮሩማንትን ይርከብአን። ብዜካ'ዚ፡ ካልእ ዝተፈላለያ ኣብ መዳይ ኣገልግሎታት ዝዓያን ኣብ ምስፋሕ ዕድላት ዕዳጋ-ስራሕ ኣውንታዊ ተራ ዝጻወታ ትካላት ውን ኣለዋ።

እቶም ሓሙሽተ ዝዓበዩ ወሃብቲ-ስራሕ ኣብዚ ኮሙን፤ ናይ ኦስትሃማር ኮሙን፡ ሳንድቪክ ኮሩማንት፡ ፎሽማርክ ክራፍትግሩፕ፡ ዞባ ኡፕሳላን ኢ.ኤስ.ኤስ ፋሲሊቲ ሰርቪስን እዮም። እቲ ኣብ ምትካል ዝርከብ፡ ምእከል መኸዘኒ ሓተላ-ነዳዲን ማእከል ዕደና ዳነሙራ እውን ኣብ ምዕባይ ዕድላት ስራሕ ኣብዚ ኮሙን ኣውንታዊ ተራ ክጻወት ተስፋ ይግበረሉ።

ካልኦት ከተማታት ናይቲ ኣውራጃ ከምኡ ውን ከተማታት ኡፕሳላን ስቶክሆልምን፡ ኣብ ናይ ቐረባ ርሕቅት ዝርከባ ብምዃነን፡ ነባሪ ናይቲ ዞባ ስራሕ ንምርካብ ጽቡቕ ዕድላት ኣለዎ።