Uppsala

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ከተማ ኡፕሳላ፡ ካብ ስቶክሆልም 38 ደቂቕ ካብ መዕርፎ-ነፈርቲ ስቶክሆልም ከኣ 18 ደቂቕ ርሒቓ ትርከብ። ከተማ ኡፕሳላ ሓንቲ ካብተን 4 ዓበይቲ ከተማታት ሽወደን እያ። ከተማ ኡፕሳላ በቲ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ዩኒቨርሲትን ባህላዊ ታሪኻን ኣዝያ ፍልጥቲ ከተማ እያ። ኣብታ ከተማ ብርክት ዝበላ ንኣሽቱን ዓበይትን ትካላትን ድኳናትን ኣብያተ-መግብን ይርከብ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብዝሒ-ህዝቢ

231729

ስፍሓት መሬት

2234 ኪሜ²

ትርኢት ናይ ኡፕሳላ ግምቢ። ናይዚ ግምቢ ፋሳድ ሮዛ ሕብሪ ኣለዎ።

ከተማ ኡፕሳላ ኣስታት 205 000 ተቐማጦ ይነብርዋ። ሰለስተ-ርብዒ ካብኣቶም ኣብታ ከተማ ዝቕመጡ ኮንይኖም እቶም ዝተረፉ ኸኣ ኣብቲ ምስቲ ከተማ ዝጥርነፍ ንኡሳን ዓዲታት ይነብር። ሓደ ሕሚሲት ተቐማጦ ኡፕሳላ ናይ ደገ መበቆል ዘለዎም ስደተኛታት እዮም።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ከተማ ኡፕሳላ ዓቢ ሕጽረት መንበሪ-ኣባይቲ ኣሎ። ምምሕዳር ከተማ ናይ ባዕሉ ሪጋ መንበሪ ኣባይቲ ኣለዎ፣ ኡፕሳላ መራኸብቲ መንበሪ ኣባይቲ፣ ካብ ኣባል ወነንቲ ኣባይቲ ነጻ መንበሪ ዘራኽብ። ንኽራይ ይኹን ንመሸጣ ዝርከቡ ኣባይቲ እምበኣር ብትካላት ኣባይትን ደላሎን ይምእከል። እቲ 15 500 መንበሪ-ኣባይቲ ዝውንን ትካል ኡፕሳላ-ሄም እቲ ዝዓበየ ትካል ክራይ-ኣባይቲ እዩ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ከተማ ኡፕሳላ ብርክት ዝበሉ ዝተፈላለዩ መበቆል ዘለዎም ዜጋታትን ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝዛረቡ፡ ነበርቲ ኣለውዋ። እቶም ኣዝዮም ብርክት ዝበሉ ጉጅሌታት ናይ ኢራን፡ ፊንላንድ፡ ዒራቕ፡ ቱርኪ፡ ሶርያ፡ ጀርመን፡ ቻይና፡ ሊባኖስ፡ ፖላንድን ኢትዮጵያን መበቆል ዘለዎም እዮም።

እቶም ቋንቋ ኣዲኦም ቋንቋ ሽወደን ዘይኮነ ህጻናት ቋንቋ ኣዲኦም ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ንኽመሃሩ ዕድል ይወሃቦም። ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ብ ልዕሊ 40 ዝተፈላለየ ቋንቋታት ይወሃብ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ከተማ ኡፕሳላ ብርክት ዝበላ ማሕበራት ኣለዋ-ካብ ስፖርት፣ ባህላዊን ንጥፈታት ኣብ ትርፊ ግዜን ክሳብ ንሕብረተሰብ ሓገዝ/ደገፍ ዝህባ ማሕበራት። ኣብ ውሽጢ ሕብረት ምትእኽኻብ ማሕበራት ወጻእተኛታት ኣብ ኡፕሳላ (SIU) ኣስታት 40 ዝኾና ናይ ወጻእተኛ ማሕበራት ኣለዋ። ሕብረት ምትእኽኻብ ማሕበራት ወጻእተኛታት ኣብ ኡፕሳላ ብ 11 ቋንቋታት ዝመሓላለፍ ናይ ገዛእ ርእሱ መደብ ፈነወ ሬድዮ ኣለዎ። ብዘይካ'ዚ ኣብ ኡፕሳላ ብርክት ዝበላ ኣብያተ ክርስትያንን ሃይማኖታዊ ምትእኽኻባትን ውን ይርከባ።

ክልተ ኣወዳት ብመንሻተቲ ጣውላ (ስከትቡርድ) ይጕዓዙ ኣለዉ። እቲ ሓደ ወዲ ንታሕቲ ገለ ክልተ ደረጃ በቲ መንሻተቲ ጣውላ ጌይሩ ይዘልል ኣሎ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ኡፕሳላ፡ ሕብረተ-ሰብኣዊ ኣገልግሎት ንኣብነት፡ ሓበሬታ ናይቲ ከተማ፡ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ፡ ቤት-ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ማዕከን ውሕስነትን ቤት-ጽሕፈት ቀረጽን ቆጸራ ህዝብን ይርከብ። ኣብ ሕምብርቲ ናይታ ከተማ ብርክት ዝበለ ኣብያተ-መግቢ፡ ድኳናት፡ ቡቲካት ይርከብ። ዕብይ ዝበለ ናይ ንግዲ ማእከላት ከኣ፡ ኣብ ጫፋት ናይታ ከተማ ተደኵኑ ይርከብ። ብዜካ'ዚ ዝርክት ዝበላ ሓራጅ ንብረት ገዛ፡ ክዳውንቲ ወዘተ ዝእየጠሉ ድኳናት ውን ይረከብ።

ዝተፈላለዩ ዱኳናት ዘለዎ መንገዲ ኣጋር ኣብ ማእከል ኡፕሳላ። ኣብቲ ጐደና ብብዝሒ ሰባት ኣለዉ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ካብ 1 ክሳብ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዝኸውን መዋእለ-ህጻናትን ኣብ ገዝአን/ገዝኦም ህጻናት ዝከናኸና/ዝከናኸኑ ቦታ ኣሎ። ቅድሚ ሓደ ህጻን ኣብ መዋእለ ህጻናት ቦታ ምርካቡ፣ ህጻንን ወለድን ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ ንሓደስቲ መጻእቲ ክበጽሑ ይግባእ።

ኣብ ከተማ ኡፕሳላ ዝተፈላለያ ብወረዳ ወይ ውን ብግሊ ዝመሓደራ ብርክት ዝበላ ቤት-ትምርህቲ ወይ መውዓሊ ህጻናት ኣለዋ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ወረዳ ብምእታው ነተን ንጡፋታ ኣብያተ-ትምርህቲ ወይ መውዓሊ ህጻናት ክትርእዩን ከተወድድሩን ትኽእሉ።

ብዜካ'ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ክፉት መውዓሊ-ህጽናት ዝበሃል ውን ኣሎ። ዕረፍቲ ናይ ወላዲ ዝወሰደ፡ ውላዱ ሒዙ ናብ ክፉት መውዓሊ-ህጻናት ክመጽእ ይኽእል እዩ። ክፉት መውዓሊ-ህጻናት ማሕበራዊ መራኸቢ መኣዲ ዓበይትን ህጻናትን እዩ። ንጥፈታት ክፉት መውዓሊ-ህጻናት ብስነ-ምምህርና ብሱልታ ብዝኾኑ ሰባት እዩ ዝምራሕ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ከተማ ኡፕሳላ ኣስታት 70 መባእታዊ 25 ከኣ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብይተ-ትምህርታት ኣለዋ። ናይ ምምሕዳር ከተማን ናይ ብሕቲ ኣብያተ ትምህርትን ይርከባ። እዘን ኣብያተትምህርቲ እዚኣተን ዝተፈላለየ ዓይነት ዓውደ ትምህርቲ የአንግዳ። ኩሎም ትምህርቲ ዝጅምሩ ሓደስቲ መጻእቲ ንኣሽቱን መንእሰያትን ንዘተን ትምህርታዊ ዓቕምታቶም ንምግምጋምን ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ ንሓደስቲ መጻእቲ ክበጽሑ ይግባእ።

መብዛሕትአን ናይ መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ ከተማ ኡፕሳላ ንሓደስቲ መጻእትን ሓተትቲ ዑቕባ ንኣሽቱን ዝምልከት ፍሉያት መቀራረቢ ክፍልታት ይርከብወን። ኣብ ብዙሓት ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ቋንቋ መቀራረቢ/መላለዪ ክፍልታት ይርከብወን።

ዕድላት ትምህርቲ

ኡፕሳላ ከተማ ፍልጠት እያ። ክልተ ካብተን ዝዓበያ ዩንቨርሲታት ናይ ሽወደን ማለት ኡፕሳላ ዩኒቨርስቲ ከምኡ ውን መንግስታዊ ዩኒቨርስቲ ሕርሻን፡ ኣብዛ ከተማ ተድኵነን ይርከባ።

ኣብ ናይ ትምህርትን ስራሕን ማእከል (På utbildnings- och jobbcenter)፡ ሽወደንኛ፡ ኢንግልዝኛን ቁጽሪንክትምሃሩ ዝኾንኩም ክእለትኩም ንምግምጋም ፈተና ክትገብሩ ትኽእሉ ሓደ ናይ ቋንቋ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት (sfi) መቐበኪ ኣሎ።። ኣብ ናይ ትምህርትን ስራሕን ማእከል ኣየናይ ትምህርቲ ወይ ደገፍ ምሳኩም ከም ዝሳኔ ሓበሬታ እውን ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ሓደ ትምህርቲ ንኣባጽሕ፡ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ፡ ዩኒቨርሲቲ ወይ ሓገዝ ኣብ ምንባብን ምጽሓፍን ንዘለዎም ክኸውን ይኽእል እዩ።

ዝመልኣ ናይ ዩኒቨርሲቲ መምሃሪ ኣዳራሽ ኣብ ኡፕሳላ።

ኣገልጎት ጥዕና

ዞባ ኡፕሳላ፡ ጥዕናውን ሕክምናውን ኣገልግሎታት ዝህብ ሓደ ፍሉይ ኮስሞስ ዝብሃል ማእክል ክንክን ጥዕና ኣሎ። ከምኡ'ውን ንሓደስቲ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሽወደን ናይ ጥዕና ዝርርብ የካይደሎም እዩ።

ናብ ቁጽሪ ስልኪ 1177 ቮርድጋይደን ብምድዋል፡ ንጥዕና ዝምልከት ሕቶታት ከተቕርቡን ምኽሪ ክትረኽቡን ከምኡ'ውን ንኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ኡፕሳላ ዝምልከት እኩብ ሓበሬታ ክትረኽቡን ትኽእሉ ኢኹም። ናብቲ ናቶም መርበብ ሓበሬታ www.1177.se ክትበጽሑ ወይ ናብ ቍጽሪ ተለፎን 1177 ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም። ከምኡ'ውን ናይ ዞባ ኡፕሳላ መርበብ ሓበሬታ ክትርእዩ ትኽእሉ ኢኹም።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ቋንቋ ሽወደን ዘይክእሉ ሰባት፡ ኣብ ኩሉ ዘካይድዎ ርክባት ምስ መንግስታዊ ትካላት ተራጓሚ ክቁጸረሎም መሰል ኣለዎም።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ካብ ከተማ ኡፕሳላ ንስቶክሆልም ብባቡር 35 ደቓይቕ ክወስድ እንከሎ ንመዕርፎ-ነፈርቲ ስቶክሆልም ከኣ 18 ደቓይቕ ጥራይ ይወስድ።

ኣብ ኡፕሳላ ብኡፕላንድስሎካልትራፊክ ዝፍለጣ መጎዓዝያ ክትንቀሳቀሱ ትኽእሉ፣ ብቐዳምነት ብኣውቶቡሳት። ካብቲ ኣብ ማእከል ከተማ ዝርከብ ረሰሰንትሩም ተበጊሰን ናብ ኩሉ ክፍልታት ናይታ ከተማ ተኸታቲለን ዝኸዳ ኣውቶቡሳት ኣለዋ።

ሓንቲ ቀያሕ ተመላላሲት ባቡር ኣብቲ ብዙሃት ሰባት ዝጽበይሉ ዘለዉ መድረኽ ደው ትብል ኣላ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣለዎ እቶም ዝዓበዩ ፈጠርቲ ዕድላት ስራሕ ኣብ ከተማ ኡፕሳላ፡ ዩኒቨርሲቲ፡ ምምሕዳር ከተማን ምምሕዳር ዞባን እዮም። ብዜካ'ዚኦም ኣስታት 17 000 ዝኾና ኣብ መዳያት ሓበሬታዊ-ተክኖሎጂ፡ ዝተፈላለያ ኣብያተ-ዕዮታት፡ መድሃኒት፡ ድኳናት ሃለኽቲ ስእላዊ ኢንዱስትሪ ካልእን ዝነጥፋ ትካላት ኣለዋ። ዕድግን ዝርግሐን ውን ኣብ ምፍጣር ናይ ስራሕ ዕድላት ወሳኒ ተራ ይጻወት።

ካብ ከተማ ኡፕልሳላ ነዊሕ ከይከድካ ናይ ስራሕ ዕድላት ኣብ መዕርፎ-ነፈርቲ ስቶክሆልም ይርከብ። ብዙሓት ካብ ነበርቲ ከተማ ኡፕሳላ መዓልታዊ ናብ ስቶክሆልምን ካልኦት ኣብ ከባቢ ዝርከባ ከተማታት ከም ቨስተሮስን ያቭለን እንዳ ተመላለሱ ይሰርሑ።

ሓደ ዕዳጋ ኣብ ሓደ ኣደባባይ። ብዙሓት ሰባት ነቲ ዕዳጋ ይበጽሕዎ ኣለዉ።