Värmlands län

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣብ ቨርምላንድ ወረዳ ኣስታት 274,300 ተቐማጦ ኣለዉ። መብዛሕትኦም ኣብቲ ናይቲ ወረዳ ዝዓበየት ከተማ ካርስልታድ ይነብሩ። ቨርምላንድ ግሩም ተፈጥሮ ዘለዎን ናብ ዱርን ማያትን ቀረባ ዝኾነን ቦታ እዩ። ኣብኡ ክትሕምብስን ዓሳ ክትገፍፍን ብመርከብ ክትጎዓዝን ኣብ ክረምቲ ድማ ኣብ በረድ ክትንሸራተትን ትኽእል።

Map of Sweden Created with Highcharts 10.2.1

ኮሙንናት ኣብ

ኮሙንናት ኣብ Värmlands län

ኣብ ታሕቲ እታ ብዛዕብኣ ብዝያዳ ከተንብብ ትደልያ ኮሙን ኣብ Värmlands län ምረጽ

ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ

ኣብ ገለ ናይቲ ወረዳ ኮምዩናት ናይ ገዛ ሕጽረት ኣሎ። እቲ ዝሓሸ ኣብ ንእስ ዝበላ ከተማታት መንበሪ ኣባይቲ ምድላይ እዩ። መብዛሕትኦም ተቐማጦ ቨርምላንድ ኣብ ሓደ ቦታ እናተቐመጡ ኣብ ካልእ እዮም ዚሰርሑ ወይ ዚምሃሩ። ኣብ መንጎ መብዛሕትአን ናይቲ ወረዳ ከተማታት ግሩም ናይ ኣውቶቡስን ባቡርን መስመራት ኣሎ።

ንግዳዊ-ንጥፈታትን ወሃብቲ-ስራሕን

ኣብቲ ወረዳ ዓቢ ያታዊ ናይ ወረቐትን ሓጺንን ኢንዱስትሪ ኣሎ። ናብ IT ናብ ምጥቕላል ወይ ምዕሻግ፡ መግቢ፡ ንግዲ፡ ቱሪዝምን ባህልን ዘትኮሩ ሰክተራትውን ኣለዉ። እዚ ኮምዩንን ዞባን ካልኦት መንግስታውያን ትካላትውን ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ እዮም።

ንጥፈታት ሲቪላዊ-ማሕበራት ኣብ መዳይ ምውህሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብ

ኣብ ቨርምላንድ ኣብ ጉዳያት ስደተኛታትን ምውህሃድን እተዋፈራ ብዙሓት ውድባትን ማሕበራትን ኣለዋ። ገለ ካብኣታተን ንምጥቃስ፤ ረዳ ቦርነን Rädda Barnen, ሚግራሹንሰንተርMigrationscenter, Internationella Qvinnoföreningen, ቀዪሕ መስቀል Röda Korset።

ኣብያተ-ትምህርታትን ትምህርትን

ቨርምላንድ ብዙሕ ዓይነት ትምህርቲ ተቕርብ። ብዘይካቲ 18 ናይ ካልኣይ ደረጃ ሃገራውያን መደባት ስልጠና፡ ኣብ ካርልስታድ ዩኒቨርሲቲ ዝለዓለ ናይ ስልጠናን ምርምርን ንጥፈታት ኣሎ። ክልተ ነኣሽቱ ኮለጃትውን ኣለዋ፤ Bergskolan ከምኡውን Gammelkroppa skogshögskola

ኣገልግሎት ጥዕና

ናይ ቨርምላንድ ዞባ ምስ ክንክንን ጥዕናን ከምኡ'ውን ምስ ሕክምና ስኒ ብምትሕብባር ይሰርሕ። ኣብኡ 7 000 ሰራሕተኛታት ኣለዉ። ኣብቲ ወረዳ ኣስታት 30 ማእከላት ጥዕና ኣለዋ፡ ኣብ ኣርቪካን ካርልስታድን ኣብ ቶሽቢ ኮምዩንን ድማ ሆስፒታል ኣሎ። እቲ ናይ ካርልስታድ ማእከላዊ ሆስፒታል ኣብቲ ወረዳ ዝዓበየ እዩ። ኣብ ቨርምላንድ ኣስታት 40 ናይ ስኒ ክሊኒካት ኣለዋ።

ባህላውን ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታትን

ኣብ ቨርምላንድ ነቶም ኣብ ባህልን ታሪኽን ሙዚቃን ስፖርትን መዘናግዕን ተፈጥሮን ዚግደሱ ሰባት ሃብታምን እተፈላለየ ንጥፈታት ኣሎ። እቶም ዓበይቲ ቀላያት ብግዜ ሓጋይ ንምግፋፍ ዓሳን ንምሕምባስን ምጅላብን ይዕድሙ፡ ብግዜ ክረምቲ ድማ ኣብ ሰሜን ቨርምላንድ ግሩም ናይ ምንሽርታት ስፖርት ኣሎ። ቨርምላንድ ብዙሕ ናይ መዛወሪ መገድታትን 160 ናይ ተፈጥሮ ሕዛእትን ኣለዋ፡ ስለዚ ነቶም ኣብ ተፈጥሮ ብእግሮም ኪዛወሩ ዚደልዩ ግሩም ቦታ እያ። እቲ ኮምዩን ካብ ዘመን እምኒ ዝጅምር ታሪኻዊ ቦታታት ኣለዎ። ኣብ ስፖርትን መዘናግዕን ዘተኮረ ማሕበራዊ ህይወት ከኣ ኣለዎ።