Arvika

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ደው ምባል ከም ንድሕሪት ምኻድ እዩ - ኣቪካ ንቕድሚት ዚግስግስ ዘሎ ኮሙን እዩ። ብህዝቢ ኪረአ ኸሎ ኣርቪካ ኣብ ቨርማላንድ እቲ ዝዓበየ ኮሙን እዩ፡ 26000 ተቐማጦ ኸኣ ኣለዉዎ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ህዝቢ ኮሙናት ኣብ ማእከላይ ወገን ኣርቪካ ይነብር። ኣብ ኣርቪካ እቲ ዓይነት ህይወት ልዑል እዩ፡ እቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ዘሎ ምቅርራብ ከኣ ኣብቲ ህይወት ውሕስነትን ሚዛናውነትን ይፈጥር።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ኣርቪካ ብሕታውን ኮሙናውን ኣካረይቲ ኩባንያታት ኣለዉ። ኣብዚ፡ ኣብ ኣፓርትማ ተራ ገዛውቲ ወይ ቪላ ክትካረ ወይ ክትዕድግ ይከኣል። እቲ ብኮሙን ዚውነን ኣርቪካ ፋስቲግሀት ኦ.ቤ እተባህለ ኩባንያ ኣስታት 3000 ገዛውቲ ዘለዎ ኾይኑ እቲ ዝዓበየ ናይ ገዛውቲ ኣመሓዳሪ እዩ።

ትርኢት ኣብ ልዕሊ ክይርክቪከን፡ ክነጀው ሸነኽ ሓደ ክልተ ቤቱላ (ዓይነት ኦም) ኣሎ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ኣርቪካ ብዙሓት ቋንቋታት ይዝረባ። እዚ ኸኣ ብሓደ ወገን በቲ ናይቲ ኮሙን ጥንታዊ ናይ ስደተኛታት ምቕባል ባህሊ ኪኸውን ይኽእል ግን ከኣ ብኻልእ ወገን በቲ ተፈጥራዊ ጽባቐ ናይቲ ኮሙን ኪኸውን ይኽእል። እተን ብብዝሒ ዚዝረባ ቋንቋታት እዘን ዚስዕባ እየን፣ ሶማሊ፡ ዓረብ፡ ኣልባንያ፡ ቦስንያ፡ ፋርስ፡ ዳሪ፡ ኡርዱ፡ ስፓኛ፡ ጀርመንን ሆላንድን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ኣርቪካ ንመዘናግዕን ባህልን ሃይማኖትን ዚውክላ ኣስታት 370 ማሕበራት ኣለዋ። ኣብቲ ኮሙን ንስፖርትን ምንቅስቓስን ዚምልከት ብዙሕ ቦታታት ኣሎ፡ ከም ኣብቲ ግሩም ተፈጥሮ መዛወሪን ናብ መንእሰያትን ኣረጋውያንን ዝቐንዐ ሃብታምን እተፈላለየን ሙዚቃን። ኣብቲ ቦታ ስነጥበብን ባህልን ዓቢ ግደ ኣለዎም። ኣብዚ፡ ናይ ሶማልን ከልዳንን ማሓበራት ከምኡውን እስላማዊ ማእከል ኣብያተክርስትያን ሽወደን፡ ሚስዮን ቤትክርስትያን፡ ፐንተኮስታል ቤትክርስትያንን ናይ የሀዋ መሰኻኽር ማእከልን ኣሎ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣርቪካ ኩሉ ዓይነት ድሌታት እተኣከበሉ ኮሙን እዩ። ኣብዚ፡ ግሩም ዝኾነ ናይ መግቢ ድኳናት፡ ባህላዊ ናይ ኣደባባይ ዕዳጋ፡ ሽወደናዊ ኣብያተመግቢ ወይ ከኣ ናይ ኩሉ ባህልታት ዘጠቓለለ፡ ከምኡውን ካፈታት፡ ሓድሽ ቅዲ ዝሸይጥ እንዳ ክዳውንቲ ወይ ሰከንድሃንድ ድኳናት ይርከብ።

ህንጻ ኮሙን፡ ብየማኑ መናፈሻ ከተማ ዘሎ ሓደ ቀይሕ ናይ ሕጡብ ገዛ።

ኣብዚ፡ ናይ ዜግነት ቤትጽሕፈት፡ ቤትንባብ፡ ቤትጽሕፈት መራኸቢ ስራሕ፡ ውሕስነት ካሳ፡ ቤትጽሕፈት ቀረጽን ማሕበራዊ ቤትጽሕፍትን ይርከብ። ንግዳዊ ህይወት እተፈላለየ እዩ፡ ማለት ካብታ ኣብ ማእከል ከተማ ወይ ሰንትሩም እትርከብ ንእሽቶ ድኳን ክሳዕ ካብቲ ከተማ ውጽእ ኢልካ ዚርከቡ ዓበይቲ ሱፐርማርከታት። ኣቕሑ ገዛውትን ክሽነን ብእተፈላለየ ዋጋታት ይሽየጥ፡ ኣብቲ ማእከል ከተማ ድማ ብዙሓት ሰከንድሃንድ ድኳናት ኣለዋ። ኣርቪካ ካብ ካርልስታድ ብማኪና መገዲ ኣስታት ሓደ ሰዓት እዩ። ኣብ ካርልስታድ ኢከያ ኣሎ።

ማእከል ኣርቪካ፡ ብኽልቲኡ ሸነኽ ናይቲ መንገዲ ዱኳናትን ኣብ መንገዲ ኣጋር ኮይኖም ዝዛረቡ ሰባትን ኣለዉ። ርሕቕ ኢልካ ብሽክለታን መኻይንን እውን ክትርኢ ትኽእል።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ኩሉ ኮሙናት ክንክን ህጻናት ኣሎ፡ ንሱ ድማ ነዚ ዚስዕብ ይጥርንፍ፣ ቅድመትምህርቲ፡ ትምህርታዊ ክንክን፡ ሓፈሻዊ ኣጸደህጻናት ንደቂ 4-5፡ ክፉት ቅድመትምህርትን ናይ ግዜ ዕረፍቲ መቐመጢ ቦታን (ሎቭቲልሲን)

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

ኣብ ኣርቪካ ዝበዝሕ ሃገራዊ መደባት ዘለወን 17 ኮሙናዊ መባእታ ኣብያተትምህርትን ክልተ ኮሙናውያን ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርትን ይርከባ። ከምኡውን ናብ ስነጥበብ ዝዘንበለ ላዕለዋይን ካልኣይ ደረጃውን ብሕታዊ ቤትትምህርቲ ኣሎ። ሓደ ሰብ ኣብ ግዜ ዕረፍቱ ኪዝምርን ሙዚቃ ኪጻወትን ምስ ዚደሊ ናብቲ ናይ ኮሙን ቤትትምህርቲ ሙዚቃ ከመልክት ይኽእል።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብቲ ናይ ኣርቪካ ማእከል ቢዚነስ ንኣባጽሕ ዚኸውን ትምህርቲ ኣሎ። ኣብዚ ድማ ለርሰንትሩም ዚብሃል ኣሎ። ኣብኡ፡ እተፈላለየ ናይ ኮለጅን ናይ ርሕቀትን ትምህርቲ፡ ናይ ሞያ ትምህርትን ኩንትራታዊ ኮርሳትን ኣሎ። ኣብኡ፡ ኤስኤፍኢ፡ ናይ ኣባጽሕ መሰረታዊ ትምህርቲ፡ ፍሉይ ትምህርቲ ኣባጽሕ፡ ናይ ኣባጽሕ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣሎ። ኣብ ኣርቪካ ናይ ኢንገሱንድ ህዝባዊ ኮለጅን ኢንገሱንድ ቤትትምህርቲ ሙዚቃን ኣሎ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ኣርቪካ ምስ ሀልሶቫል ቫርምላንድ እተኣሳሰራ ክልተ ማእከል ጥዕና ኣለዋ፡ ናይ ቨርክስታድ ማእከል ጥዕናን ኪነኩለሀልሳን። ናይ ኣርቪካ ሆስፒታል ብዙሓት ክኢላታት ኣለዉዎ፡ ሓደ ካብተን ኣብ ቫርምላንድ ዝርከባ ሰለስተ ሆስፒታል ከኣ እዩ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ነንሕድሕድና ክንራዳዳእ ምስ እንደሊ ኣስተርጓሚ ንጠልብ። እዚ ኸኣ ኣብ ናይ ስራሕ ህይወትና፡ ቤትትምህርቲ ፡ ኣብቲ ናብ መንግስታዊ ትካላት እንገብሮ ምብጻሕን ኣብ ማእከላት ጥዕናን ኪኸውን ይኽእል። ዝበዝሕ ናይ ምትርጓም ርክባት ብተለፎን እዩ ዚካየድ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ ኣርቪካ ኩሉ ይቀራረብ እዩ። ኣርቪካ ኣብቲ ናይ ስቶክሆልም-ኦስሎ መገዲ ባቡር ስለ እትርከብ ምስ ክልቲኣተን ርእሰከተማታት ጽቡቕ ርክብ ኣለዋ። ካብቲ ናይ ኣርቪካ መነሃርያ ኣውቶቡሳት ብኣውቶቡስ ጌርካ ብኸተማታት እናሓለፍካ ንኹሉ ከባቢ ኣርቪካ ክትዞሮ ትኽእል። ከምኡውን በተን ንርሑቕ ቦታታት ዚኸዳ ኣውቶቡሳት ጌርካ ናብ ስቶክሆልም፡ ዮተቦሪን ኦረብሩን ክትገይሽ ትኽእል።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣርቪካ ኣስታት 11000 ስራሓት ኣለዋ፡ ከም ኮሙን ድማ እቲ ናይ መፍረዪ ኢንዱስትሪታታ ንኹሉ ካልእ ይዕብልሎ። ኣርቪካ ዓበይቲ ኩባንያታት ኣለዋ፣ ቮልቮ፡ ተርሚያን ስወጎን ከምኡውን ካልኦት ንእስ ዝበላ ግን ልዑል ደረጃ ዘለወን ኩባንያታት ኣለዋ። ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ንግድን ካብቶን ናይ ስራሕ ዕድል ዚህቡ ንጥፈታት እዮም። ካብቲ ከባቢ ንኺሰርሑ ናብ ኣርቪካ ዚኣትዉ ተመላለስቲ ኣስታት 1500 እዮም።