Eda

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኤዳ ኮሙን ኣብ ምዕራብ ቬርምላንድ ኣብ ሰሓቢ ቦታ ተደዅና ትርከብ። እዛ ኮሙን ኣብ ድሕሪ ናይ ኖርወይን ሽወደንን ዶብ ትርከብ፣ እዚ ካልእ ከይጸብጸብካ ከም ኣብ ዶብ ዘሎ ኣዚዩ ምዕቡል ንግዲ ብኣወንታ ነዚ ዞባ ጸልይዎ እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ናይ ኣርቪካን ኦርየንግን ኮሙናት እተን ዝዳወባና ናይ ሽወደን ኮሙናት ኮይነን፡ ብምዕራብ ድማ ምስ ኖርወይ ኢና ንዳወብ። ኤዳ ኮሙን ብምምሕዳራት ኤዳ፡ ዬርንስኩግ፡ ሾላን ሺሊንግማርክን ዝቖመት ኮይና ዳርጋ 8 500 ብዝሒ ህዝቢ ኣለዋ። ቻርሎተንበርግ እታ ዝዓበየት ቦታ ኣብዚ ኮሙን እያ። ኮፖምን ኦሞትፎሽን ካልኦት ከተማታት እየን።

መንበሪ-ገዛ

ኣብዚ ኣብ ገለ ካብተን ከተማታት ወይ ገጠራት ኣብ ኣፓርትማ ወይ ኣብ ቪላ ንኽትቅመጥ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። እታ ብኮሙን ትውነን ትካል ኤዳ ቡስታድስ ኣበ ምስ 836 ኣፓርትማታት ኣብ ብምልኡ እዚ ኮሙን እታ ዝዓበየት ኣባይቲ ተመሓድር ትካል እያ። ኣብ ኤዳ ብዙሓት ብሕታውያን ኣካረይቲ ኣባይቲ እውን ኣለዉ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ብርክት ዝበሉ ተዛረብቲ ካልኦት ቋንቋታት ዝኾኑ ነባሮ ይርከቡ። ንተወሳኺ ሓበሬታ፡ ንክፍሊ ምቕባል ሓደስቲ ስደተኛታት ትወከሱ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ኤዳ ኮሙን ቁሩብ ልዕሊ 150 ንጥፋት ማሕበራት ኣለዋ። ኣብዚ ናይ ቈልዑን መንእሰያትን ማሕበራት፡ ቀረብ ናይ ኣዳራሻት ዘለወን ማሕበራት፡ ናይ ባህሊ ማሕበራት፡ ትምህርታውያን ማሕበራት፡ ማሕበራት ጥሮተኛታትን ካልኦት ከም ናይ ዓዲ ጋንታትትን ዝኣመሰላ ካልኦትን ኣለዋ። ከምኡ'ውን ንኣብነት ኵዑሶ እግሪ፡ ቃርሳ በረድን ፒንግፖንግን ትጻወተለን፡ ብመንሻታተሒ በረድ ምኻድ ወይ ናይ ተኵሲ ስፖርት ትለማመደለን ብዙሓት ዝተፈላለያ ማሕበራት ኣለዋ። እተን ዝተፈላለያ ሰበኻታት ቤተ ክርስትያን ኣብ ብዙሕ ቦታታት ናይዚ ኮሙን ማሕበራት እውን ኣለወን።

ሰባት መንፈቕ-ክረምቲ የብዕሉ ኣለዉ። ቈልዑን ዓበይትን ኣብ ዙርያ ዘንጊ መንፈቕ-ክረምቲ ይስዕስዑ ኣለዉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ቤት ጽሕፈት ዜጋታትን (Medborgarkontoret) ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ኣብ ሻርሎተንበርግ ይርከብ። ከምኡ'ውን ኣብኡ ናይ ኤዳ ቡስታድስ ኣበ ቤት ጽሕፈቶም ኣሎ። ቤት ጽሕፈት ቅበላ ስደተኛታትን ትምህርቲ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታትን (sfi) ኣብ ኦሞትፎሽ ይርከቡ። ኣብቲ ኣብ ኦሞትፎሽ ዝርከብ ብቀይሕ መስቀል ዝመሓደር ኩፓን ካልኣይ ኢድ ዝጠዓመ ኣቁሑት (ሰከንድ ሃንድ) ክትገዝእ ትኽእል ኢኻ። ቤት ንባብ፡ ባንክ፡ ናይ ስፖርት ቦታታትን ዱኳናት ምግብን ኣብ ኵለን ናይዛ ኮሙን ሰለስተ ከተማታት፣ ሻርሎተንበርይ፡ ኮፖምን ኦሞትፎሽን ኣሎ።

ማእከል ሻርሎተንበርይ ኣብ ናይ ሻርሎታ መዓልቲ ምስ ናይ ኣደባባይ ዕዳጋ። ክነጀው ሸነኽ ሰለስተ ብዕድመ ዝደፍኣ ኣንስቲ ኣብ ደገ ናይ ሓደ እንዳ ቡን ኣብ ጸሓይ ኮፍ ኢለን ቡን ይሰትያ ኣለዋ።

ኣብ መእተዊ ናይ ሻርሎተንበርይ ሓደ ማእከል ዕዳጋን ሓደ ኣደባባይ ዕዳጋን ኣሎ። ከምኡ'ውን ኣብዚ ሓደ ናይ ኣትለቲክስን ናይ ስፖርት ተዅስን ኣዳራሽ ኣሎ። ኣብ ቫልፍየለት ኣብ እዋን ሓጋይ ናይ ነዊሕ ጕዕዞ ሸርተቴን ስላሎምን ክትሸራተት ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኑረሱንድ ሓደ 18-ጉድጓድ ዘለዎ በቲ ጽቡቕ ባሕሪ ሁግን ዝተኸበ ናይ ጎልፍ ሜዳ ኣሎ።

ሓደ ንእሽተይ ናይ መሓምበሲ ቦታ ምስ ናእሽቱ ጃላቡን ንመጥበሲ ተኽእሎ ዘለዎን።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ኤዳ ኮሙን ንደቂ 1-5 ዓመት ዕድሚኦም ቈልዑ (ወይ ክሳብ እቲ ቈልዓ ቅድመ-ትምህርቲ ወይ ትምህርቲ ዝጅምር) ዝኾና ብዙሓት መውዓሊ ህጻናትን ስድራ ቤታዊ ክንክን ህጻናትን ኣለዋ። ኣብ ሻርሎተንበርይ ዘሎ ማእከል ስድራ ቤታት ካብ 0-6 ዓመት ቈልዑ ንዘለዎም ወለዲ ወይ ወለዲ ንሙኳን ዝጽበዩ ንዘለዉ ከም ወለዲ መጠን ንኻልኦት ቈልዑ ዘለዎም ወለዲ ክረኽብሉ ዝኽእሉ መራኸቢ ቦታ እዩ። ማእከል ስድራ ቤታት "ፋምነን" ኣብ መንጎ ማእከል ክንክን ጥዕና ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን፡ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ፡ ክፉት መውዓሊ ህጻናትን ቤት ጽሕፈት መሕበራዊ ኣገልግሎትን ብምትሕብባር ዝነጥፍ እዩ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ሻርሎተንበርይ፡ ኦሞትፎሽ፡ ኮፖም፡ ኣዶልፍስፎሽን ሺሊንግማርክን መባእታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ኣለዋ። ኣብቲ ኣብ ሻርሎተንበርይ ዝርከብ ጉናርስብይስኮላን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኮፖም ዘሎ ህየርነስኮላን ናይ ማእከላይ ደረጃ ትምህርቲ ኣሎ። ምስተን መባእታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዝተተሓሓዘ ነቶም ናይ ተምሃሮ ሓልዮት ዘድልዮም ቈልዑ ናይ ናጻ ግዜ መጽንሒ (fritidshem) ኣሎ። ከም'ውን ኣብዚ ኮሙን ሒደት ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኣለዋ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ኤዳ ዘሎ ትምህርቲ ንኣባጽሕ፡ ብኤስኤፍኢ-ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት፡ ክልተ ናይ ሞያ ትምህርትታትን ሓደ መባእታውን ናይ ካልኣይ ደረጃ ናይ ኣባጽሕ ትምህርትን ዝቖመ እዩ። ከም ሓድሽ መጻኢ ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብምትሕብባር ምስ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት ዝፍጸም ልልይ ሕብረተሰብ ንኽትምሃር እውን መሰል ኣለካ።

ኣገልጎት ጥዕና

ምኽሪ ወይ ሕክምና ከድልየካ ከሎ ምስ ኤዳ ማእከል ክንክን ጥዕና ርክብ ግበር።

ኣብቲ ኣብ ሻርሎተንበርግ ዝርከብ ማእከል ስድራ ቤታት፡ ማእከል ክንክን ጥዕና ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን፡ ከምኡ'ውን ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ ኣሎ። ኣብ እዋን ምሸት ወይ ቀዳመ-ሰንበት ወይ በዓላት፡ ህጹጽ ሕክምና ምስ ዘድልየካ ምስቲ ካብ ኦሞትፎርሽ ናይ 20 ኪሎመተር ርሕቀት ዝርከብ ናይ ኣርቪካ ሆስፒታል ክሊንክ ህጹጽ ረድኤት ርክብ ግበር። ህዝባዊ ክንክን ስኒ ኣብ ኦሞትፎርሽ ኣሎ። ኣብዚ ኮሙን ብሕታውያን ሓካይም ስኒ እውን ኣለዉ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ነንሕድሕድና ክንረዳዳእ ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ፡ ከድሊ ከሎ ኣስተርጐምቲ ንጥቀም ኢና። እዚ ኣብ እዋን ርክብ ምስ ስራሕ፡ ቤት ትምህርቲ፡ ምብጻሕ ናብ መንግስታውያን ኣብያተ ጽሕፈትን ኣገልግሎት ሕክምናን ክኸውን ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ናይ ኣስተርጐምቲ ርክብ ብተሌፎን እዩ ዝፍጸም። ሓደ ዝተቘጽረ ኣስተርጐሚ ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታን ኣብቲ ዝርርብ ኵሎም ዝተዛረብዎ ናይ ምቱርጓምን ግዴታ ኣለዎ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

እቲ ንኤዳ ኮሙን ቆሪጹ ዝሓልፍ ብሪክስቬግ 61 ዝፍለጥ ጽርግያ ኣብ ናይ ኖርወይ ዶብ ናብ ሪክስቨይ 2 ይሰጋገር። ነዚ ኮሙን ዝቖርጽ፡ ብቬርምላንድ ዚሓሊፍ፡ ንካርልስታድ፡ ኣርቪካ፡ ኦሞትፎርሽን ሓሊፉ ከም መወዳእታ ቅድሚ ናይ ኖርወይ ዶብ ናይ ባቡር መደበር ኣብ ሻርሎተንበርግ መደበር ዘለዎ ማዕረ ማዕረ እዚ ጽርግያ ዝኸይድ ሓደ ሓዲድ ባቡር ኣሎ። ኣብ ምንጎ ስቶኮልም-ኦስሎ ዝርከብ ቦታ፡ ጽቡቕ ናይ መራኸቢ ኵነት ናብ ክልቲኤን መዲና ማለት እዩ።

እቲ ኣብ ቬርምላንድ ብዝርከባ ኮሙናትን ዞባን ዝውነን ቬርምላንድስትራፊክ ሓላፍነት ናይዚ ኣካባቢ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣለዎ። ካብ ኤዳ ናብቲ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኦስሎ ሉፍትሃቭን (ጋርደሞኤን) ኣስታት 100 ኪሎመተር እዩ። ዳርጋ ኣብ ማዕረ ርሕቀት እቲ ናይ ውሽጢ ሃገር በረራታትን ሓደ ሓደ ናይ ቻርተር በረራታትን ዘለዎ ናይ ካርልስታድ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሎ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብዚ ኮሙን ኣስታት 1500 ናይ ስራሕ ቦታታት ኣሎ። ቅርበት ናብ ዶብ ኖርወይ፡ ኣብቲ ዱኳናትን ማእከል ዕዳጋን ዕሙር ንግዲ ይፈጥር። ኣብዚ ከም ፉንዶ ኮምፖነንትስ ኣበ፡ ኖርማ ፕረስሽን ኣበን ኖርዲክ ፓፐር ኦሞትፎርሽ ኣበን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ኢንዱስትሪታት ኣለዋ። ኣብ ክንክን ጥዕናን ቤት ትምህርቲን ሓልዮት ቈልዑ እውን ናይ ስራሕ ዕድላት ኣሎ።

እዚ ኮሙን ዓመታዊ ሕጊ፡ ክፍሊ መሸጣን ምሕደራን ዘጠቓልል ናይ ሓድሽ ምብጋስ ዋኒን ትምህርቲ (starta eget-kurs) የዳሉ እዩ። ኣልሚ ፎረታግስፓርትነር ቬርምላንድ ናይ ወጻእተኛ መበቈል ዘለዎምን ኣብ ሽወደን ትካል ከበግሱ ወይ ክገዝኡ ንዝደልዩን መራሕቲ-ዋኒን ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ኣለዎ።