Filipstad

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ፊሊፕስታድ ናይ ሓንቲ ንእሽቶ ኮምዩን ሰብኣዊ ምጭውነት ኣለዋ ብዙሕ ነገራት ከኣ ከተቕርብ ትኽእል። ኣብኡ ግሩም መንበሪ ኣባይቲ፡ እተፈላለየ ደረጃታት ትምህርቲ፡ ብናይ ድንፋዐ መንፈስ እተደረኸ ቁጠባዊ ህይወት ኣሎ። ኣብኡ ኩሉ ንስራሕ፡ ንትምህርቲ፡ ንዕረፍቲ ግዜን ንተፈጥሮን ቀረባ እዩ። ልዑል ናይ ባህልን ንጥፈታትን ምርጫታት ከኣ ኣሎ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ፍፊሊፕስታድ መንበሪ ትደሊ ኣላኻ ዲኻ? ኣብ ፊሊፕስታድቡስቴደር ነጻ ዝኾኑ ኣባይቲ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ናይዛ ኮሙን መርበብ ሓበሬታ ካልኦት ትካላት ኣባይትን ደለልቲ ኣባይትን እውን ኣለዉ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ፊሊፕስታድ ብዙሓት ናይ ቋንቋ ጉጅለታት ኣለዋ፡ ከም ኣብነት፡ ሶማሊ፡ ሲርያ፡ ሆላንድ፡ ወዘተ።

ብዙሓት ኣብ ዝተፈላለየ ክሊ ዕድመ ዝርከቡን ዝተፈላለየ ዓሌት ዘለዎን ሰባት ሓደ ቦኣል ንምብዓል ኣብ ኤረፐላረን ተኣኪቦም ኣለዉ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብቲ ኮምዩን ሓያሎ ናይ ስፖርትን ምንቅስቓስ ኣካላትን ቅርጽታት ኣሎ፡ ከም ንኣብነት እቲ ኣብ ሽወደን ዝያዳ ዘመናዊ ዝኾነ ናይ ኣርቲፊሻል ውርጪ ህንጻን ኣብ ማእከል ግሩም ተፈጥሮ እተሰርሐ መገድን ዘለዎ Kalhyttans friluftsområde።

ናይ ኒልስ ፈርሊን ሓወልቲ ካብ ድሕሪት ክርኣ ከሎ፡ ንሱ ናብ ፈለግ ሺለ የማዕዱ ከሎ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ፊሊፕስታድ ኮምዩን ግሮሰሪታት፡ ናይ ኣደባባይ ዕዳጋ፡ ሽወደናዊ መዓልታዊ መግቢ ወይ ካብ ናይ ኩሉ ባህላታት መግቢ ዘአንግዳ ኣብያተመግቢ፡ ካፈታት፡ እንዳ ክዳውንትን ሰከንድሃንድ ቡቲክን ኣሎ። ኣብኡ ቤትንባብ፡ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ፋርማስን እተላለያ ድኳናትን ይርከብ።

ናይ ደገ ኣገልግሎት ዘለዎ ሓደ እንዳ ቡን ኣብ ስቱራ ቶርየት። ገለ ሰባት ኣብ ደገ ኣብ ጸሓይ ኮፍ ኢሎም ቡን ይሰትዩ ኣለዉ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

እትሰርሕ፡ እትምህር፡ ስራሕ እትደሊ፡ ወይ ህጻን ትሕሉ ወላዲ ምስ እትኸውን ወይ ውላድካ ፍሉይ ጠለብ ምስ ዚህሉዎ፡ ኣብቲ ናይ ህጻናት ቤትትምህርቲን መውዓል ስድራቤትን ክትሳተፍ ትኽእል።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

ኣብተን ናይ ፊሊፕስታድ ኮምዩን ሸሞንተ መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኩሉ ብመጠን ዓቕሙ ጽቡቕ ውጽኢት ንኸምጽእ ይጋደል። ኣብዚ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲውን ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብዚ Lärcentrum ዚብሃል ኣሎ። ኣብኡ ድማ እተፈላለየ ናይ ኮለጅን ናይ ርሑቕ ትምህርትን ስልጠና ኪውሰድ ይከኣል። ኣብዚ ኤስኤፍኢን ትምህርቲ ንዓበይትን ኣሎ። ፊሊፕስታድ ክልተ ኮለጃት ኣለዋ- በርይስኩላን፡ ጋመልክሮፓ ስኩግስኩላን።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ፊሊፕስታድ ክልተ ማእከላት ጥዕና ኣለዋ፡ ከምኡውን ናይ ህጻናት ማእከል ጥዕናን ናይ መንእሰያት ክሊኒክን ዘለዎ ማእከል ስድራቤት። ኣብቲ ኮምዩን ሓያሎ ናይ ስኒ ክሊኒካት ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ከም ኣድላይነቱ ተርጓማይ ይጥለብ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ናይ Värmlandstrafiks ዝኾና ብጫታት ኣውቶቡሳት ኣብ ውሽጢ ኮምዩንን ካልእ ናይ ቨርምላንድ ቦታታትን ይወስዳኻ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ፊሊፕስታድ ኮምዩን እቲ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ እዩ። ንሱ ኣብ እተፈላለየ ሞያታት እተዋፈሩ ቀወምቲ ሰራሕተኛታት ኣለዉዎ። ኣብዚ ዓበይቲ ኢንዱስትሪታት ኣለዋ፡ ከም ባሪላን OLW ን።