Grums

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ግሩምስ ኣብ ሕምብርቲ ቨርምላንድ ኣብ ጥቓ ቀላይ ቨነርን እትርከብ ኮምዩን እያ። ኣብኣን ኣብ ከባቢኣን ማለት ኣብ ከተማታት ግሩምስ፡ ቦርይቪክ፡ ቨርምስኩግ፡ ሰግሞንን ሊየዳልን ኣስታት 9000 ሰባት ይነብሩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መንበሪ-ገዛ

ኣብቲ ኮምዩን ኩሉ ዓይነት ኣባይቲ ኣሎ። እታ ኮሙናዊት ትካል ኪራይ ኣባይቲ Grums Hyresbostäder AB ትብሃል። ኣብቲ ንግሩምስ ግዓዝ ዚብል ወብሳይትና ተወሳኺ ኣንብብ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ፊንላንድ፡ ታይላንድ፡ ዓረብ፡ ፋርስ፡ ስፓኛ፡ ሶማሊን ሮማኒን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ዝነጥፋ ብርክት ዝበላ ማሕበራት ይርከባ። ንኣብነት፡ ማሕበራት ስፖርታዊ-ንጥፈታት፡ ባህላዊ ማሕበራት፡ ኣብያተ-ክርስትያናት ምትእሳሳራተንን። ኣብቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ መዝገብ-ማሕበራት ብምእታው ምስ ዝምባሌታትኩም ዝሳነያ ማሕበራት ክትደልዩ ትኽእሉ።

ሓደ ናይ ስፓይደርማን ክዳንን መንሳፈፊ ጃኬትን ዝወደየ ወዲ ካብቲ መሓምበሲ ጋብላ ዘሎ መሳልል ንላዕሊ ይድይብ ኣሎ። ብድሕሪት ካልኦት ቈልዑ መንሳፈፊ መጻወቲ ጌይሮም ይጻወቱ ኣለዉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብቲ ኮምዩን ናይ ዜጋታት ቤትጽሕፈት፡ ቤትንባብ፡ ግሮሰሪታት፡ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ፋርማሲ፡ ማእከላት ጥዕናን ሕክምና ስኒን ይርከብ። ከምኡውን ኣብይተክርስትያን፡ ባንክ፡ ሜዳ ስፖርት፡ መሐምበስን ስፖርትን ኣደራሽ፡ ናይ ምህዳስ ማእከል፡ መንሸራተቲ ቦታን ኣድራሽ መንሸራተቲን ኣሎ። ኣብቲ ጎረቤት ዝኾነ ናይ ካርልስታድ ኮምዩን፡ ኢከያን ናይ ሚሩርና ሰከንድሃንድ ቡቲክ የንጎቫን ኣሎ።

ኣብ ሓደ ቤት ንባብ ሓደ ሰብኣይ ኮፍ ኢሉ ሙዚቃ እንዳ ሰምዔ መጽሄት የንብብ ኣሎ። ሓንቲ ዓቃብ-መጻህፍቲ ካብ ጣውልኣ ቁሊሕ ትብል ኣላ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ እተፈላለየ ክፋላት ናይቲ ኮምዩን፡ ኣብያተትምህርቲ ህጻናትን ናይ ዕረፍቲ ቤትን ኣሎ። ኣብቲ ናይ ግሩምስ ቨክስትሪከት ናይ ወለዲ ጉጅለታት፡ ክፉት ናይ ህጻናት ቤትትምህርትን ናይ ህጻናት ካፌን ኣሎ።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

ኣብ ግሩምስ (F-3) (4-9) ኣብ ስሎትስብሩን (F 3) ከምኡውን ኣብ ስክሩቭስታድ (F 3) ኮሙናዊ መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዉ። ኣብ ቦርይቪክ (F-6) ከምኡውን ኣብ ቫርምስኩግ (F-6) ብሕታውያን ኣብያተትምህርቲ ኣለዉ። ኣብ ካርልስታድ ኮምዩን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተትምህርቲ ኣለዉ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ግሩምስን ኣብ ከባቢኣን ናይ sfi, komvux ን särvux, ናይ ሞያ ኮለጅ ከምኡውን ካርልስታድ ዩኒቨርሲቲ ኣሎ።

ብዛዕባ ትምህርቲ ኣባጽሕ ኣብዚ ዝስዕብ ኣንብብ፡

ናይ ኣደባባይ ዕዳጋ ዘለዎ ግሩምስቶርይ። ክልተ ናእሽቱ ኣንስቲ በቲ ኣደባባይ ይሓልፋ ኣለዋ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብዚ ናይ ማእከል ክንክን ጥዕና ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን ከምኡ'ውን ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ MVC/BVC ናይ ግሩምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ኣሎ (ዞባ ቨርምላንድ)። ከም'ውን ኣብዚ እቲ ሓድሽ ማእከል ክንክን ጥዕና፡ ለገቪስተን ከምኡ'ውን፡ ህዝባዊ ክንክን ስኒ፡ ከምኡውን ብሕታዊ ሕክምና ስኒ ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ቋንቋ ሽወደን ዘይትዛረብን ዘይትርዳእን ምስ እትኸውን እሞ ምስ ሰበስልጣንን ትካላትን ምስ ኮምዩንን ምስ ክንክን ጥዕናን ክትራኸብ ምስ እትደሊ፡ ናይ ትርጉም ሓገዝ ንኽትረክብ መሰለ ኣሎካ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብዚ ናይ ባቡርን ኣውቶቡሳትን መዓርፎ ኣሎ። ኣብኡ ድማ ብ SJ (ባቡር)፡ Värmlandstrafik (ወረዳ ኣውቶቡስ), Swebus, Karlstadsbuss (ናይ ካርልስታድ ከተማ ኣውቶቡስ) ትገይሽ። ኣብ ካርልስታድ፡ ካርልስታድ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሎ።

ብዛዕባ ኣብዚ ኮሙን ዘሎ ህዝባዊ መጓዓዝያ ብዝያዳ ኣንብብ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብዚ ኮምዩን፡ ወይ ናይ በጺሕካ ምምላስ ርሕቀት ኣብ ዘለዎ ቦታ፡ ናኣሽቱን ዓበይትን ወሃብቲ ስራሕ ኣለዉ። ከም ኣብነት፡ ቢለሩድኮሽኔስግሩቭኦንስ ብሩክ(BillerudKorsnäsGruvöns bruk)፡ ግሩምስ ኮምዩን፡ ስቱራ አንሶ (Stora Enso)፡ ናይ ቨርምላንድ ዞባ፡ ምምሕዳር ዞባ ቨርምላንድ፡ ካርልስታድ ኮምዩን፡ ካርልስታድ ዩኒቨርሲቲ፡ ቨርምላንድስትራፊክ፡ ካርልስታድስቡስ፡ ናይ ሊለሩድ ቤትትምህርቲ ሕርሻ፡ ሞኤልቨን (Moelven)፡ ሎፍበርግስ ሊላ (Löfbergs Lila)፡ ኢከኣ (IKEA) ከምኡውን ማእከል ዕዳጋ በርይቪክ ኣለዉ።