Karlstad

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ካርልስታድ ናይ ዞባ ቬርምላንድ ሜዲና እያ። ኣብዚ ንብምልኡ ናይ ካርልስታድ ኣካባቢ ማለት ንካርልስታድን ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ኣርባዕተ ኮሙናትን፣ ፎሽሃጋ፡ ግሩምስ፡ ሃማርኦን ኪልን ኣገልግሎትን ህዝባዊ ኣገልግሎትን ኣሎ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ትርኢት ካብ ገማግም ፈለግ ክላራ ናብ ጋምላ ስተንብሩ ገጹ።

ካርልስታድ ኣብ ደለልታ ፈለግ ካላራ ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ ገማግም ቬነርን ኣብ ማእከል ስቶኮልምን ኦስሎን ተደኵና ትርከብ። ናይ ሽወደን መበል 21 ዝዓበየት ከተማን ድማ እያ።

ካርልስታድ ሓንቲ ካብተን ኣብ ሽወደን ካብ ዝምስረታ ነዊሕ ዘይገበራ ዩኒቨርሲቲ ኣለዋ። ኣብዚ ንኣብነት መማህራን፡ ሲቪል መሃንድሳት፡ ዝተመረቑ ስነ-ቍጠበኛታትን ኣለይቲ ሕሙማትን ንኽኾኑ ዝመሃሩ ኣስታት 12 500 ዝኾኑ ተምሃሮ ኣለዉ። ከምኡ'ውን ኣብዚ ሓደ ዓቢ ማእከላይ ሆስፒታልን ብዙሓት ከም ብዓል መዚ ኣህለኽትን (Konsumentverket) ብዓል መዚ ምክልኻል ሕብረተሰብን ምድላውን (Myndigheten för samhällsskydd och beredskap) ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስትን ኣለዉ።

ትርኢት ካብ ፈለግ ክላራ ናብ ማእከል ከተማ ገጹን ፊት ንፊት ድማ ረሲደንሰትን (ህንጻ) ብድሕሪት ካተድራል ናይ ካርልስታድን።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ካርልስታድ መንበሪ ቤት ትደሊ ኣለካ ዲኻ? ኣብ ናይዚ ኮምዩን መርበብ ሓበሬታ ናይ ክራይ ኣባይቲ ትካላትንን ናይ ኣባይቲ ወነንትን ዝርዝር ኣኪብና ኣሎና። ከምኡ'ውን ኣየናይ መንበሪ ከም ዝሰማምዓካ ኣፍልጦ ንኽህልወካ ብዛዕባ ናይ ካርልስታድ ናይ መንበሪ ቦታታት ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ሓድሽቲ ዝተሃንጹ ናይ ብዙሓት ስድራ ቤታት መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ጥቓ ገማግም ፈለግ ክላራ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ዓረብ፡ ዳሪ፡ ኩርድ/ሶራኒ፡ ሶማሊን ፋርስን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብቲ ደብተር ማሕበራት ብዛዕባ ውሱናት ማሕበራት ክትደሊ ትኽእል። ኣብቲ ከባቢ ኣየነይቲ ማሕበር ንጥፍቲ ምዃና ድማ ሓበሬታ ትረክብ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ሶላረቱርን ናይ ካርልስታድ ዝዓበየ ሰከንድሃንድ ቡቲክ እዩ። ኣብኡ ንገዛ ዝኸውን ዘገልገለ ኣቕሑ ትረክብ። ኣብኡ ካብ ዚርከብ ኣቕሑ ንምጥቃስ፤ ኣቕሑ ገዛ፡ መጻሕፍቲ፡ ኤለክትሮኒክ፡ መሳርሒ፡ ስእልታት፡ ናይ ክሽነ ኣቕሑን ክዳውንትን። ካብኡ ክትዕድግ ከሎኻ ነቲ ኣከባቢውን ኣስተዋጽኦ ትገብረሉ ኣሎኻ ማለት እዩ።

ናይ ቬርምላንድ ዘለዎ ቤተ-መዘክር ኣብ ሳንድግሩንድስኡደን ምስ ናይ ዕንጨቱ ፋሳዱ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ውላድካ ሓደ ዓመት ምስ መልአን ንስኻ ድማ ትመሃር ወይ ትሰርሕ እንተ ኾንካ፡ ቤትትምህርቲ ህጻናትን ናይ ስድራቤት መውዓልን ቀሪብናልካ ኣሎና። ውላድካ ስለስተ ዓመት ምስ መልአ ድማ እቲ ኮምዩን ኣብ ሰሙን 15 ዘይክፈሎ ሰዓታት ይውፍየልካ። እዚ፡ ህዝባዊ ቤትትምህርቲ ህጻናት ይብሃል።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

ኣብ ካርልስታድ ንስኻ ከም ወላድን ከምኡውን ውላድካ ብሓደ ኴንኩም ነቲ ውላድ ዚሰማምዖ መባእታ ቤትትምህርቲ ክትመርጹ ትኽእሉ። ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ወይ ካልእ ቤትትምርህቲ ክትመርጽ ትኽእል። ኣብ ካርልስታድ ኣስታት 30 መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣሎ። መብዛሕትኡ ድማ በቲ ኮምዩን ይመሓደር። ይኹንምበር ሓያሎ ብሕታዊ ኣብያተትምህርቲ ድማ ኣሎ። ውላድካ ኣብ 6 ዓመት ዕድመኡ መባእታ ቤትትምህርቲ ኪጅምር መሰል ኣለዎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብቲ ኣብ ካርልስታድ-ሃማሮ ናይ ዓበይቲ ኮሙናዊ ትምህርቲ፡ ናይ መባእታን ካልኣይ ደረጃን ኮርሳት፡ ናይ ሞያ ኮርሳት፡ ሽወደን ንወጻእተኛታት (SFI) ከምኡውን ፍሉይ ስልጠና ንዓበይቲ ክትወስድ ትኽእል።

ናይ ሞያ ኮለጅ ድሕሪ ካልኣይ ደረጃ ዘሎ ትምህርቲ እዩ። ኣብኡ ቅድን ስፌትን ክትመሃር ትኽእል። ተዮሪ ምስ ግብሪ እተኣሳሰረ እዩ፡ መብዛሕትኡ እቲ ትምህርቲ ድማ እናሰራሕካ ተምሃር ዚብል መደብ ኣለዎ (LIA)። ኩሉ ናይ ሞያ ኮለጅ ትምህርቲ ኣይክፈሎን እዩ፡ ንስኻ ድማ ካብ CSN ገንዘባዊ ሓገዝ ክትረክብ መሰል ኣሎካ።

ብዛዕባ ኣብዚ ኮሙን ዘሎ ትምህርቲ ኣባጽሕ ብዝያዳ ኣንብብ።

ኣገልጎት ጥዕና

ምስ ኣገልግሎት ሕክምና ወይ ካልኦት ክሊኒካትን ክትራኸብ ምስ እትደሊ ንመርበብ ሓበሬታ 1177 ተወከስ። ነቲ ናይ መድለዪ መሳርሒ "Hitta vård" ዝብል ጠዊቕካ ብቕልጡፍ እቲ ትደልዮ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ'ውን ብመንገዲ እዚ መርበብ ሓበሬታ "Mina vårdkontakter" ለይትን መዓልትን ምስ ኣገልግሎት ጥዕና ርክብ ትገብረሉ ቀሊል ኣገባብ እዩ። ንኣብነት ቆጸራ ክትቅይር፡ ትእዛዝ ሓኪም ናይ መድሃኒት ከተሓድስን ናትካ መድሃኒታት ክትርእን ትኽእል።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ኣብ ቶልክሰንትራለን ተርጓማይ ክትእዝዝ ትኽእል፡ ንሕና ድማ ነቲ ናይ ትርጉም ትእዛዝ ነመሓላልፎ። ኣባና 205 ምዝጉባት ተርጎምቲ ኣለዉ፡ 135 ቋንቋታት ድማ ይመልኩ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ቭርምላንድስ ትራፊክ ብምዝውታር ብሓባር ኴንካ ኣከባቢ ክትዕቅብ ትኽእል! ኣብዚ፡ ነቲ መገሻኻ ክትደልዮ፡ ሰሌዳ ሰዓታት ክትሓትም ብዛዕባ መስመራትና ድማ ክትፈልጥ ትኽእል። ካብ A ክሳዕ Ö ከይሓልፈካ!

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ'ዚ ከተማ ይኹን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ከተማታት፡ ብርክት ዝበሉ ዓበይትን ነኣሽቱን ወሃብቲ-ስራሕ ይርከቡ። ኣብዚ ከባቢ ዘለዉ ክፍቲ ናይ ስራሕ-ቦታታት ንምርኣይ ኣብ ማእተዊ ናይ'ዚ ሓበሬታ ''ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታታት'' ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ትረኽብዎ። እቶም ናይ ባዕልኹም ትካል ክትጅምሩ እትሓስቡ ሰባት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ነዓኹም ዝኸውን ኣገዳሲ ሓበሬታ ትረኽቡ።

ሓወልቲ