Kil

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣብ ከተማ ሺል፡ ኩሉ ንመዓልታዊ መነባብሮኹም ዘድልየኩም ነገራት፡ ኣብ ጥቕኹም’ዩ ክበሃል ይከኣል። እዚ ቅርበት’ዚ ከኣ’ዩ ቅሳነት ዝፈጥር ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንምትሕግጋዝ ውን ዝተባብዕ እዩ። ነዚ መንፈሲ’ዚ ኸኣ፡ ኣብተን ኣብቲ ከተማ ብንጥፈት ዝዋስኣ ማሕበራት ክትርእይዎ ዘጸግም ኣይኮነን። ኣብዚ ከተማ’ዚ፡ መጻወቲ ሜዳ ጎልፍ፡ ዓቐበት መንሸራተቲ ጸወታ ብረድ፡ ማእከል ስፖርታዊ-ንጥፈታት፡ መጻወቲ ሜዳ ቴንስ ዝሓዘ ህንጻ፡ ስፖታዊ ህንጻታት፡ ክለብ-ፈረሰኛታን ሜዳ ኩዕሶን ይርከብ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ከተማ ሺል ኣብ ቪላታት፡ ክትገዝእዎ እትኽሉ ገዛውቲ ወይ ውን ኣብ ዝካረ-ኣባይቲ ክትነብሩ ትኽእሉ። ኣብ ኣብ ጥቓ ባሕሪ-ፍሪከን ዝርከብ ሎቫስትራንድ፡ ሓደስቲ መንበሪ-ኣባይቲ ንምስራሕ ተጸሚድና ንርከብ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብዚ ከተማ'ዚ ብብዝሒ ካብ ዝዝረቡ ካልኦት ቋንቋታት፡ ዓረበኛ፡ ዳሪ፡ ኢራነኛን ሶማልን፡ ካልእ ውሑዳት ሰባት ጥራይ ዝዛረብዎ ቋንቋታትን፡ ይርከቦም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ከተማ ሺል ኣስታት 1300 ኣባላት ዘለወን 100 ማሕበራት ኣለዋ። ኣብቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ መዝገብ-ማሕበራት ብምእታው፡ ዝርዝራተን ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ሸውዓተ ዝተፈላለያ ኣእጋር ምስ ናይ ኵዕሶ እግሪ ኣሳእን።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ማእከል ከተማ ሺል፡ ቤት-ንባብ፡ ድኳናት፡ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ (ኣርበትስፎርመድሊንገን)፡ ድኳናት ዘገልገለ-ንብረትን ይርከብ። ናብታ 20 ማይል ርሒቓ እትርከብ ከተማ ካርልስታድ ብምኻድ ውን ዘድልየኩም ንብረት ወይ ኣቍሑ ካብ ድኳን ኢክያ ኬድዩም ክትዕድጉ ትኽእሉ።

ስድራ ኣብ ሳዕሪ ኣብ ጥቓ ናይ ፍርይከን ገማግም ባሕሪ ኣብ ናይ ፍርይከን ናይ ማይ ፈስቲቫል። ናይ ሃፋ መርከብ ፍረያ ትሓልፍ ኣላ። ሓንቲ ናይውልቀ ሰብ ጃልባ ቅሩብ ርሕቕ ኢልካ ተዓሺጋ ኣላ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ከተማ ሺል፡ 11 መንግስታዊ ከምኡ ውን ክልተ ናይ ግሊ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ መውዓሊ-ህጻናት፡ክፉት መውዓሊ-ህጻናት ከምኡ ውን ማእከል-ስድራቤታት ይርከብ። ከባቢ ወርሒ ጥቕምቲ 2015፡ ኣብ ሞንስ-ባከ ሓዳስ መውዓሊ ህጻናት ክትክፈት ትጽቢት ይግበር። እቶም ናብ ከተማ ሺል ዝመጹ፡ መብዛሕትኦም ቆልዑ ዘለዎም ብዙሓት ስድራ-ቤታት ይርከብዎም።

ሓደ ብድሕሪ እዝኑ ማስክሩስ (ዓይነት ዕምባባ) ዘለዎ ናይ ሓርማዝ ስእሊ ዘለዎ ሰማያዊ ጎልፎ ዝወደየ ወዲ ኣብ ጥቓ ሓንቲ ቀይሕ ጎልፎ ዝወደየት ጓል ኮፍ ኢሉ ኣሎ። እቶም ቈልዑ ብሓባር ኣብ ሃንቲ መጽሓፍ ይርእዩ ኣለዉ።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

እታ ኣብ ሺል እትርከብ፡ ናይ ማእከላይ-ደርጃ ዝኾነት ቤት-ትምህርቲ ሳነርኡድስ፡ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝተመስረተት ኮይና፡ ኣብ ሽወደን ዝበለጸት ቤት-ትምርህቲ ናይ ምዃን መደብ ኣለዋ። ኣብ ማእከል ከተማ ሺል 4 ናይ መባእታን ማእከላይ ደረጃን ኣብያተ-ትምህርታት ይርከባ። ኣብ ዓዲታት ፋገርኦስ፡ ሆግቡዳን ቱሊታን ከኣ ተመሳሳሊ ኣብያተ-ትምህርታት ኣለዋ። ኣብ ከተማ ሺል፡ ናይ ላዕለዋይ-ደርጃ ቤት-ትምህርቲ የለን። መብዛሕትኦም ኣብዚ ከተማ ዝቕመጡ ተመሃሮ እምበኣር ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቶም ኣብ ከተማ ካርልስታድ ብምኻድ ይመሃሩ።

ዕድላት ትምህርቲ

ብቐረባ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ፡ እቲ ኣብታ 20 ደቓይቕ ርሒቓ እትርከብ ዝርከብ ብስምታ ከተማ ዝጽዋዕ ካርልስታድ ዩኒቨርስቲ እዩ። እቶም ብርሕቐት ክትመሃሩ እትደልዩ ሰባት፡ ቁሩብ ገንዘብ ብምኽፋል፡ ነቲ ኣብ ቤት-ንባብ ሺል ዝርከብ ላርስቱድዮን ዝበሃል መምሃሪ ክፍሊ፡ ክትጥቀሙ ትኽእሉ። ኣብቲ ኣብ ከተማ ሺል ዝርከብ፡ ክፍሊ ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ (ኤስ-ኤፍ.ኢ)፡ ክትመሃሩ ትኽእሉ። ብመንገዲ ናይታ ኣብ ክሪስቲነሃምን እትርከብ ህዝባዊ-ዮኒቨርስቲ ውን ንሕብረተ-ሰብ ሽወደን ዝምልከት ትምህርቲ፡ ብቋንቋኹም ይወሃበኩም።

ንከተማ ሺል ዝምልከት ኣፍልጦኹም ንምዕባይ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው፡ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ፎልምታት ክትርእዩ ትኽእሉ። ገለ ካብዚ ፍልምታት'ዚ፡ ውለዶም ምስኦም ዘየለዉ ትሕቲ-ዕIድመ ስደተኛታት ጸወታ-ብረድ (ስላሎም) ክላመዱ እንከለዉ ክትርእዩ ትኽእሉ። እዚ ፊልምታት'ዚ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ፡ ትረኽብዎም።

ብዛዕባ ትምህርቲ ኣባጽሕ ኣብዚ ዝስዕብ ኣንብብ፡

ሓደ ካብቶም ብዘይ ወለዶም ናብ ሽወደን ዝተሰዱ ቈልዑ ፍሽኽ ኢሉ ኣብ በረድ ኣብ ኩርባ ፍርይስታ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ከተማ ሺል ማእከል-ጥዕና ኣሎ። ኣብቲ እዚ ሕክምና ዝርከበሉ ህንጻ ውን ማእከል-ስድራቤታት፡ ኣሎ። እዚ ማእከል-ስድራቤታት'ዚ፡ መራኽቢ ወለዲ ክኾኑ ዝጽበዩን ወለዲ ዝኾኑን ቆልዑን እዩ። ኣብ ከተማ ሺል ክልተ ክሊኒካት-ስኒ ይርከባ። ህጹጽ ሕክማናዊ ኣገልግሎት ምስ እትደልዩ፡ ናብ ከተማ ካርልስታድ ክትከዱ ኣለኩም።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምምሕዳር ከተማ ሺል፡ ተርጎምቲ ካብ ማእከል-ተርጎምቲ ከተማ ካርልስታድ ይቆጽር። ከም ኣካል መስርሕ ምውህሃድ ከኣ፡ ምስ መንግስታዊ ትካላት ኣብ እትገብርዎ ርኽክባት፡ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን፡ ተርጓሚ ክግበረልኩም ይኽእል።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ጅኦግራፊካዊ ኣቐማምጣ ሺል፡ ናብ ዝኾነ ኣንፈት ንምጋሽ ስሉጥ ይገብሮ። ብባቡር ወይ ኣውቶቡስ ናብ ካርልስታድ 15 ደቓይቕ ኡወስድ። ናብ ስቶክሆልም፡ ዮቶቦሪ ወይ ውን ኦስሎ 3 ሰዓታት ይወስድ። እቲ 8 ኪሎ-ሜተር ርሒቁ ዝርከብ መዕርፎ-ነፈርቲ ካርልስታድ፡ ናብ ዝኾነ ክፋላት ዓለም ንምጋሽ ኣዝዩ ስሉጥ ይገብሮ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ከተማ ሺል፡ ብርክት ዝበላ ነኣሽቱ ትካላትን ዓበይቲ ኣብ ምስናዕ ዘተኮራ እንዱስትሪታት ኣለዋ። ወነንቲ ትካላት ወይ ውን ሓደስቲ ትካላት ክገብሩ ዝሓስቡ ሰባት ሓሳባት ንምልውዋጥን ምኽሪ ንምውሳድን ምስ ክፍሊ ትካላዊ ንጥፈታት ምምሕዳር ከተማ ክዘራረቡ ይኽእሉ። እቶም 10 ዝኾኑ ኮሚተ ትካላዊ ንጥፈታት ናይ ዝተፈላለየ ጽላታት ድሕረ-ባይታ ዘለዎም እዮም። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣድራሻ ናይዞም ሰባትን ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ: ትረኽብዎ።

ሓደ ላሓማይ ኣብ ጸልማት ድሕረ-ባይታ፡ እቲ ማስኬራ በቲ ሰማያዊ ብርሃን ናይ መልሓሚ ሃልሃልታ በሪሁ ኣሎ።