Kristinehamn

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ናይ ክሪስቲነሃምን ኮሙን ኣስታት 24 000 ነበርቲ ኣለውዋ፡ ኣብ ዞባ ቬርምላንድ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ሽወደን ዝዓበየ ቀላይ ቬነርን ኣብ ደስ ዘብል ቦታ ድማ ተደኵና ትርከብ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ሓንቲ ናይ ዕንጨቲ ብሞቶር ትንቀሳቐስ ጃልባ ኣብ ባሕሪ ኣላ። ብድሕሪት ሓደ ግምቢ-ብርሃንን ሓደ እንዳ ቡንን ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ይርኣ።

ኣብ ክሪስቲነሃምን ንሓደ ጡፍ ናይ ናጻ ግዜ ንጥፈታት፡ ሰሓቢ ባህሊ፡ ምዝናይን ጸወታን ዕድላት ኣሎ። ብተወሳኺ ናትና ኮሙን ልዑል ኣገልግሎት፡ ጽቡቕ ሓልዮት ቈልዑን ቤት ትምህርትን ከምኡ'ውን ዓቢ ናይ ምዕባለ ሓይሊን ኣሎ። ብደሓን ምጻእ!

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ክሪስቲነሃምን፡ ብምምሕዳት ናይቲ ከባቢ እትውነንን ክሪስቲናሃምን-ቡስቴደር፡ ከምኡ ውን ናይ ግሊ ትካላት ክራይ-ኣባይቲ ኣለዋ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው፡ ዝርዝር ትካላት ክራይ-ኣባይቲ ኣብዚ ዞባ'ዚ፡ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ብርክት ዝበሉ ተዛረብቲ ካልኦት ቋንቋታት ዝኾኑ ነባሮ ይርከቡ። ንተወሳኺ ሓበሬታ፡ ንክፍሊ ምቕባል ሓደስቲ ስደተኛታት ትወከሱ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ክሪስቲነሃምን፡ ኣብ መዳያት ስፖርትን ባህሊን ካልእን ዝነጥፋ፡ ኣስታት 200 ማሕበራት ይርከባ። እዚ ዝተጠቕሰ ቁጽር፡ ኣብ ሰፊሕ ሜድታት ዝዋስኣ ምትእኽኻባት፡ ኣብየት-ክርስትያናትን፡ ዝሓወሰ እዩ። እዘን ማሕበራት እዚኣተን ንኹሉ ክሊ-ዕድመ ዝሓቁፍ ንጥፈታት ኣለወን። ኣብቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ መዝገብ-ማሕበራት ብምእታው፡ ቁጽሪ-ስልኪ ናይተን ማሕበራትን፡ ካልእ ተወሳኺ ዝርዝራትን ትረኽቡ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ክሪስቲነሃምን፡ ቤት-ንባብ፡ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ (ኣርበትስፎርመድሊንገን)፡በዓል-መዚ ቀረጽ (ስካተቨርከት) ከምኡ ውን ማዕከን ማሕበራዊ-ውሕስነት (ፎርሸክሪንካሳን) ኣገልግሎት ዝህቡሉ ቤት-ጽሕፈታት ኣለዎም። ንግዳዊ ሃዋህው ናይ'ዚ ምምሕዳር ከተማ'ዚ ንብዙሕ ጽላታት ክትንክፍ ኮይኑ፡ ነኣሽቱን ዓበይትን ድኳናት፡ ድኳናት ዘገልገለ-ንብረት ኣብ ኩሉ ከባቢታት ናይቲ ምምሕዳር ከተማ ይርበኦ።

መገዲ ኣጋር ኣብ ማእከል ክሪስቲነሃምን። ሓደ ኣቦን ሓንቲ ኣደን ምስ ውላዶም ኮይኖም ሸሚቶም ኣለዉ። ብድሕሪት ብዙሓት ብእግሮም ዝንቀሳቐሱ ወይ ብሽክለታ ዝዛውሩ ሰባት ይርኣዩ ኣለዉ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

እቶም ስድራኦም ዝመሃሩ፡ ዝሰርሑ ውይ ወን ስራሕ ኣብ ምድላይ ተጸሚዶም ዝርከቡ ሰባት፡ ንደቆም ናይ መውዓሊ ህጻናት ኣገልግሎት ክወሃቦም ይኽእል። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ክሪስቲነሃምን፡ መውዓሊ-ህጻናት፡ ግዝያዊ መጻንሒ ህጻናት፡ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ኣዚለ ክፍሊ ከምኡ ውን መዘናግዒ ማእከል ህጻናትን፡ ይርከብ። ኣብዚ ምምሕዳር ከተማ'ዚ ውን ክፉት መውዓሊ-ህጻናት ኣሎ። ክፉት መውዓሊ ህጻናት፡ ነቶም ዕረፍቲ ወላዲ ወሲዶም ኣብ ገዛ ምስ ደቆም ዝርከቡ፡ ዝዓለመ እዩ። ወለዲ ምስ ደቆም ከኣ ናብዚ ክፉት መውዓሊ-ህጻናት ክመጽኡ ይኽእሉ። ናብዚ ቦታ'ዚ መጺእኩም ክትበጽሑና ወትሩ ፍሱሃት ኢና።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ክሪስቲነሃምን 11 ናይ መባእታዊ-ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ይርከባ። እዘን ኣብያተ-ትምህርታት ካብ ኣዚለ ክሳብ 9 ክፍሊ ትምህርቲ ኣብ ምሃብ ይነጥፋ።

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ክሪስቲነሃምን፡ ክልተ ናይ ካልኣይ-ደረጃ ኣብያተ ትምርህታት ይርከባ። ንሳተን ከኣ፡ ብሩጎርድስ-ጂምናስየትን ፕረስተሩድስ-ጂምናስየትን እየን። ኣብዘን ክልተ ኣብያተ-ትምህርታት፡ 14 ዝተፈላለየ ዓውዲታት-ትምርህቲ ይወሃብ። እታ ንናይ ምምሃር ጸገማት ዘለዎም ተማሃሮ እተአንግድ ፍልይቲ ናይ ካልኣይ-ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ከኣ፡ 5 ዝተፈላለየ ዓውዲ-ትምህርቲ ዘዋደደት እያ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ዝተፈላለየ መደባት ትምህርቲ ንዓበይቲ ከምኡ ውን መደብ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንዓበይቲ ይወሃብ እዩ። ንተወሳኺ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው፡ ብዛዕባ ትምህርታዊ ዕድላት፡ ብዝርዝር ከተንብቡ ትኽእሉ።

ክልተ ናእሽቱ ኣንስቲ ኣብ ድልድል ኮፍ ኢለን ጆላቶ ይበልዓ ኣለዋ።ናይታ ሓንቲ ሰበይቲ ሕቆኣ እታ ሓንቲ ትስሕቕ ዘላ ድማ ብቕድሜኣ ክትርእየን ትኽእል።

ኣብዚ ምምሕዳር ከተማ'ዚ፡ መእከል ትምህርቲ-ንዓባይቲ ውን ይርከብ። እዚ ማእከል'ዚ፡ ክልስ-ሓሳባውን ሞያን ኮርሳት ኣብ ምሃብ ይነጥፍ። ካብዚ ከባቢ'ዚ፡ ብቐረባ እትርከብ ዩኒቨርስቲ፡ እታ ኣብ ከተማ ካርልስታድ እትክረብ እያ። ናብዛ ከተማ እንዳተመላለስካ ኣብታ ዩኒቨርስቲ ንምምሃር ዝሕግዝ ውን፡ ስሉጥ መዓልታዊ ኣገልግሎት መጎዓዝያ ኣሎ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ክሪስቲነሃምን፡ ብርክት ዝበላ መእከላት-ጥዕናን ክሊኒካት ስኒን ኣለዋ። ኣብዚ ከተማ'ዚ ዝርከብ፡ ማእከል-ስድራቤታት፡ መኣዲ-ርክብ ናይቶም ወለዲ ክኾኑ ዝቐራረቡ ዘለዉ ሰባትን ነኣሽቱ ህጻናትን እዩ። ኣብ'ዚ ምምሕዳር ከተማ'ዚ፡ ጥዕናዊ-ማእከል ህጻናትን፡ ኣዴታት፡ መንእሰያትን፡ ማእከል ጥዕናዊ ምኽርን፡ ክፉት መውዓል-ህጻናትን ይርከብ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ትካላት ኣብ ዝግበር ርኽክባት፡ ምምሕዳር ከተማ ክሪስቲነሃምን ተርጓሚ ክቍጸረልኩም ይኽእል።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ናብተን ኣብ ኣውርጃ ቫርምላንድ ዝርከባ ከተማታትን ነኣሽቱ ዓዲታትን ክትንቀሳቐሱ ምስ እትደልዩ፡ ኣውቶቡሳትን ባቡራት ኣለዋኹም። እዘን ኣውቶቡሳትን ባቡራትን፡ ብትካል መጎዓዝያ ቫርምላንድ ይመሓደራ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ምምሕዳር ከተማ፡ ንትካላት ምቹእ ዝኾነ፡ ዕዳጋዊ ሃዋህው ኣለዎ። ኣብዚ ቦታ'ዚ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ዝነጥፋ፡ ብርክት ዝበላ ነኣሽቱን ዓበይትን ትካላት፡ ይርከባ። ጠቕላላ ኣስታ 1500 ትካላት ይርከባ። ከተማ ክሪስቲነሃምን ማእከላይ ጀኦግራፊካዊ ኣቐማምጣ ስለዘለዋ፡ ዳርጋ ንብዙሓት ዓበይቲ ከተማታት፡ ተጎዝጒዛ ትርከብ። ናትኩም ናይ ባዕልኹም ትካል ክትምስትሩ መደን ምስ ዝህልወኩም፡ ምስ ክፍሊ ትካላዊ ንጥፈታት ምምሕዳር ከተማ፡ ክትዘራረቡ ትኽእሉ።