Storfors

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ስቱርፉሽ ኮምዩን ንህጻናት ኢላ እተሰርሐትን ምቾት ዘለዋን ካብ ኦረብሩ 70 ኪ/መ ንምዕራብ፡ ካብ ካርልስታድ ድማ 70 ኪ/መ ንምብራቕ ርሒቓ እትርከብ ናይ ቨርምላንድ ኮምዩን እያ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ሓደ ናይ ሀ መልክዕ ድልድል ዘለዎ መሓምበሲ ቦታ። ሰለስተ ቈልዑ ብሓባር ካብቲ ድልድል ይዘሉ ኣለዉ። ብድሕሪት ገዛውትን ሸኻን ትርኢ።

ንሳ ልዕሊ 4,100 ተቐማጦ ኣሎዋ፡ ኣስታት ፍርቆም ኣብ ከተማታት ዝተረፉ ድማ ኣብ ናይ ብዩርሸርንን ሉንግሱን ዓድታትን ይነብሩ። ኣብኡ ናይ በርይላግስ መትረብ ኣሎ። ንሱ ዓቢ ናይ ቀላያት ስርዒት እዩ። ከምኡው ኣብኡ ንኹሉ ዕድመ ዝኸውን ናይ እግሪ መዛወሪ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ከተማ ስቱርፉሽ፡ ድኳናትን ባንክን ማእከል ጥዕናን ኣደራሽ ባህልን መጻወት ኵዕሶን ኣሎ።

መንበሪ-ገዛ

Stiftelsen Björkåsen መንበሪ ኣባይቲ ዘካሪ ናይቲ ኮምዩን ምምሕዳር ክራይ ኣባይቲ እዩ።

ኣብ ሓደ ናይ መንበሪ ኣከባቢ ብቀይሕ ዝተለመጸ ፋሳድ ዘለዎ ተር ዝበለ መንበሪ ኣባይቲ። እቲ ገዛውቲ ብድሕሪት ዘንጸባርቕ ቁሩብ ዝርኣ ማይ ዘለዎ ካብ ላዕሊ ዝተሳእለ እዩ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ስቱርፉሽ ብዙሕ ቋንቋታት ይዝረብ። ከምዚ ኪኸውን ዝኸኣለ እቲ ኮምዩን ካብ ነዊሕ ዓመታት ናይ ስደተኛታት መቐበሊ ስለ ዝነበሮን ናይ ተፈጥሮ ጽባቐ ብምህላዉ ከኣ ብዙሓት ሰባት ይስሕብ ብምንባሩን እዩ።

ናይ ስቱርፎሽ ኩልቱርካፈ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ንመኽደን መትሓዝ ምቁር ሕብስቲ ተልዕሎ ኣላ። ታውላን ሶፋን ብድሕሪት ይርኣ ኣሎ።

ገለ ካብተን ብብዝሒ ዚዝረባ ቋንቋታት፡ ዓረብ፡ ሶማሊ፡ ፋርስ፡ ስፓኛ፡ ነዘርላንድ፡ በርማ፡ ታይላንድን ፊንላንድን እየን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ስቱርፉሽ ብዙሓት ንህጻናትን መንእሰያትን ዓበይትን ዘሳትፋ ማሕበራት ኣለዋ። ኣብ ስፖርትን ደጋዊ ህይወትን ባህልን ፖለቲካን ሃይማኖትን ዘተኩራ ማሕበራት ከኣ ኣለዋ።

ሰለስተ ሰባት ነቲ ፈጣን ውሑጅ ንኽሓልፍዎ ንሓንቲ ታንኳ ኣብ ዓረብያ ታንኳ ጌይሮም ይስሕብዋ ኣለዉ። እቲ መገዲ ኣጋር ኣብ ጐኒ ናይቲ መረገጥ መትረብ ኣሎ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብኡ ቤትጽሕፈት ዕዮን መደበር ፖሊስን ዚጥርንፍ ምምሕዳር ኮምዩን፡ ኣደራሽ ባህሊ ምስ ቤትንባብ፡ ካፈታት፡ ሲነማን ናይ ባህሊ ስቱድዮን ኣሎ። ኣብቲ ሰንትሩም፡ ባንክ፡ ናይ ጽባቐ ሳሎን፡ ሰከንድሃንድ ቡቲክ፡ ከምኡውን ፈትልን ናይ ስፌት መሳርሕን መግቢ እንስሳታትን ናይ ገዛ ፍርያትን ዚሸጣ ድኳናት ኣለዋ። ኣብቲ ሀልሳን ሁስ ማእከል ጥዕናን ፋርማስን ኣሎ። ኣብ ስቱርፉሽ፡ እንዳ ዕምባባን፡ እንዳ በንዚንን ካፈታትን ግሮሰሪታትን እውን ኣሎ።

ናይ ማእከል ከተማ ፌስታ ኣብ ምያዝያ። ኣብዚ ዕዳጋ ኣደባባይ ኣሎን ብዙሓት ቈልዑ ካርሜለ ዝሓዘ ከረጢት ካብ ሓደ ናይ ዑፍ ክዳን ዝወደየ ሰብኣይ ይወሃቡ ኣለዉን።

ሰላሳ ኪ/መ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ክሪስቲነሃምን፡ ቤትጽሕፈት መድህንን ቀረጽን ኣሎ።

ኣብቲ ምምሕዳር ኮምዩን፡ ናይቲ ኮምዩን ክፍሊ ምውህሃድ ይርከብ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ስቱርፉሽ ሰለስተ ኣብ ብዩርትሻርን ከኣ ክልተ ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣለዋ። ኣብ ክሮፓስኩላን ናይ ቤትትምህርቲ ህጻናት ክላስን ናይ ዕረፈቲ ግዜ ቤትን ኣሎ፡ ኣብ ብዩርሻርን ድማ መደበኛ ቤትትምህርቲ ኣሎ።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

ኣብ ስቱርፉሽ ኮምዩን ሰለስተ መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣሎ። ቫርግብሩስኩላን እቲ ናይ ትምህርታዊ ዓመት 4-9 ተመሃሮ ዘለዉዎ ዝዓበየ ቤትትምህርቲ እዩ። ኣብ ክሮፕስኩላን እቶም ክሳዕ ትምህርታዊ ዓመት 3 ዝመሃሩ እዮም ዚኸዱዎ። ኣብ ብዩርሻርን ቤትትምህርቲ ድማ ክሳዕ ትምህርታዊ ዓመት 6።

እቲ ኣብቲ ኮምዩን ዚርከብ እንኮ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ፡ ናይ መእተዊ ፕሮግራም እዩ። ሰብ ናብኡ ዚኸይድ ናብቲ ሃገራዊ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ፕሮግራም ንምእታው ሰርቲፊከት ንኽእሉዎ ወይ ስርሕ ንኺረክብ ዘኽእሎ ደረጃ ንምብጻሕ እዩ። ኣብቲ ከባቢ ኮምዩን እተፈላለየ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ መደባት ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ትምህርቲ ንዓበይቲ ከምኡውን ናይ ኤስኤፍኢ-ስልጠና ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ምምሕዳር ኣደራሽ ይካየድ። ኣብኡ ብመባእታውን ካልኣይ ደረጃውን ጽፍሒ ዝወሃብ ኮርሳት፡ ቋንቋ ሽወደን ንወጻእተኛታት (sfi) ፡ፍሉይ ትምህርቲ ንዓበይቲ (ሰርቩክስ) ኣሎ። ንዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ፍሉይ ትምህርቲ ንምውሳድውን ተኽእሎ ኣሎ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ሀልሳን ሁስ፡ ነርስታትን ሓኪማትን ዘለዉዎ ማእከል ጥዕና ኣሎ፡ ከምኡውን ፋርማሲ ናይ ህጻናት ማእከል ጥዕናን፡ ናይ ስኒ ሕክምናን ናይ ሕሙማት ምውስዋስ ክፍልን ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ነንሕድሕድና ክንረዳዳእ ምስ ዘድልየና ተርጓማይ የድልየና። እዚ ድማ ኣብቲ ምስ ቤትትምህርትን፡ ሰበስልጣንን ሕክምናን ኣብ እንገብሮ ርክባት ይኸውን። መብዛሕትኡ ትርጉም ብተለፎን እዩ ዚካየድ፡ ተርጓማይ ድማ ምስ ዘድሊ ይጥለብ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ካብ ስቱርፉሽ ከካብ መነሃርያአን ባቡራት ወይ ኣውቶቡሳት ናብ ከባቢ ይኸዳ። ናይ ኣውቶቡስ ሰዓታት ኣብቲ ናይ ቨርምላንድትራፊክ ወብሳይት ድለዮ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ስቱርፉሽ ብዙሓት ነኣሽቱን ማእከሎትን ዋኒናት ኣለዋ።