Västerbottens län

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ናብ ቨስተርቦተን እንቋዕ ብደሕን መጻእኩም። እቲ ወረዳ ካብ ሰጥ ዝበለን ኣእማን ዝመልኦን ወሽመት ቦትንያ ጀሚሩ ብግራሁን ርባታትን ዱርን ማእከል ሃገር ሓሊፉ ናብቲ ኣኽራናት ኖርወይ ይበጽሕ። ቨስተርቦተን እታ ካልአይቲ ዝዓበየት ወረዳ ሽወደን እያ። ንሳ 15 ምምሕዳር ከተማ ኣለዋ፣ ብዩርሆልም፡ ዶሮተያ፡ ሊከልሰ፡ ኖርድማሊግ፡ ሞላ፡ ኖርሾ፡ ሮበርትስፉሽ፡ ሸለፍተዮ፡ ሶርሰለ፡ ስቶሩማን፡ ኡመዮ፡ ቪልሀልሚና፡ ቪንደልን ከምኡውን ቨነስ ኦሰለ። ኣብዚ ኣስታት 263 000 ሰብ ይነብር። ምምሕዳር ከተማ ብዩርሆልም ብህዝቢ ኪረአ ኸሎ ኣብ ሽወደን ዝነኣሰት እያ። ኡመዮ ናይቲ ኣውራጃ ቀንዲ ከተማ እያ።

Map of Sweden Created with Highcharts 10.2.1

ኮሙንናት ኣብ

ኮሙንናት ኣብ Västerbottens län

ኣብ ታሕቲ እታ ብዛዕብኣ ብዝያዳ ከተንብብ ትደልያ ኮሙን ኣብ Västerbottens län ምረጽ

ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ

ንመንበሪ ኣባይቲ ብዚምልከት ኣብ መንጎ ወረዳታት ብዙሕ ፍልልይ ኣሎ። ኣብ ገሊኡ ኮሙናት መንበሪ ቤት ብብዝሒ ኣሎ፡ ኣብ ገሊኡ ድማ ኣብቲ ውሽጡ ይኹን ኣብ ደገ ሕጽረት ገዛውቲ ኣሎ። ነቲ ብዕድመ ዝደፍእ ዘሎ ህዝቢ ንኣኡ ዚሰማማዕ መንበሪ ቤት ምርካብ የድሊ። ኣብ ኡመዮ ቍጽሪ ህዝቢ ይበዝሕ ኣሎ፡ እቲ ጠለብ ካብቲ ኣቕርቦት ስለ ዚበዝሕ ድማ፡ መንበሪ ቤት ምርካብ ኣጸጋሚ እዩ። ኡመዮ ቍጽሪ ህዝባ ንምዕባይ ዕላማ ኣለዋ ስለዚ ብዙሕ ገዛውቲ እዩ ዚስራሕ ዘሎ።

ንግዳዊ-ንጥፈታትን ወሃብቲ-ስራሕን

ኣብ ቨስተርቦተን እተፈላለያ ዋኒናት/ኩባንያታት ኣለዋ። ኮሙናትን ዞባን እተን ዝዓበያ ወሃብቲ ስራሕ እየን። ንሳተን ኣብ ሕክምናን ክንክንን መራኸብን ይነጥፋ። ዩኒቨርሲቲ ኡመዮ፡ ቮልቮ፡ ላስትቫግናር ን ቦሊደን ሚነራል ካብተን ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ እየን።

ንጥፈታት ሲቪላዊ-ማሕበራት ኣብ መዳይ ምውህሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብ

እቶም ሓደስቲ ሽወደናውያንን ኣብቲ ሕብረተሰብ ምውህሃዶምን ኣብዚ ግዜዚ ናይቲ ምምሕዳር ወረዳን ኮሙንን ዓቢ ዕማም እዩ። ስደት ናይቲ ወረዳ ናይ ህዝቢ ምብዝሕ ሞቶረ እዩ። እዚ ዞባ ምስ መኽሰብ ዘይብለን ውድባትን ቢዚነሳትን ኮሙናትን ኣውራጃዊ ምምሕዳርን ብምትሕብባር ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ብኽብርን ውሕስነትን ሰብኣውነትን ይቕበሎም።

ኣብያተ-ትምህርታትን ትምህርትን

ኣብ ቨስተርቦተን ክልተ ዩኒቨርሲቲ ኣለዋ። እታ 37 000 ተምሃሮ ዘለዋ ኡመዮ ዩኒቨርሲቲ እታ ዝዓብየት እያ። ኣብ ኩሉ ሰክቶራት ትምህርቲ ድማ ስልጠን ትህብ። ኣብ ኡመዮ ናይ ሽወደን ሕርሻ ዩኒቨርሲቲ (SLU) ኣሎ፡ ከምኡውን ናብ ዲዛይን፡ ኣርኪተክት፡ ንግዲ፡ ስፖርትን ስነጥበብን ዝቐንዑ ኮለጃት። ኣብ ሸለፍተዮ ናይ ሉለዮ ተክኒካል ዩኒቨርሲቲ ዝኾነ ብዛዕባ ዕንጸትይን ተክኒክን ክትምሃር ይከኣል።

ኣገልግሎት ጥዕና

ኣብ ቨስተርቦተን ሰለስተ ሆስፒታላት ኣለዋ፣ ኣብ ኡመዮ ዚርከብ ናይ ኖርላንድ ሆስፒታላዊ ዩኒቨርሲቲ፡ ሊከልሰ ሪፈራል፡ ሸለፍተዮ ሪፈራል። ኣብቲ ሆስፒታል እተፈላለየ ክፍልታትን ዎርድታትን ንጥፈታትን ኣሎ። ኣብቲ ወረዳ 32 ማእከላት ጥዕና ኣለዋ። ነፍስወከፍ ኮሙን ብውሕዱ ሓደ ማእከል ጥዕና ኣለዋ። መብዛሕትኡ ብዞባ ይካየድ፡ ገሊኡ ግን ብብሕታዊ ኣቕረብቲ ክንክን እዩ ዚካየድ።

ባህላውን ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታትን

ቨስተርቦተን ብባህሊ ሃብታም እዩ፡ ንንጡፍ ትርፊ ግዜ ድማ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ። ኣብኡ ኣገዳሲ ናይ ተፈጥሮን ባህልን ከባቢታት፡ ከምኡውን ፍቱው ናይ በጻሕቲ ቦታታት ኣሎ። ኣብ ወረዳ ቨስተርቦተን ሕዙሕ ናይ ተፈጥሮ ቦታ ኣሎ። ኣብዚ እቲ ቪንደፍየለን እተባህለ ኣብ ኤውሮጳ ዝዓበየ ናይ ተፈጥሮ ሕዙእ ቦታ ኣሎ፡ ከምኡውን ቪንደኤልቨን ዚብሃል ሃገራዊ ፈለግ ኣሎ። ኣብ ቨስተርቦተን ንሰባት ብጥዕና ኪኣርጉን ስፖርት ኪሰርሑን ኪንቀሳቐኑ ዚሕግዛ ብዙሓት ማሕበራት ስፖርት ኣለዋ። ኣብቲ ወረዳ ኣብይተ ትያትርን ኣብያተ መዘክርን ከምኡውን ኣብ ነፍስወከፍ ኮሙን ብዙሕ ሰብ ዚበጽሖ ቤትንባብ ኣሎ።