ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ
ንመንበሪ ኣባይቲ ብዚምልከት ኣብ መንጎ ወረዳታት ብዙሕ ፍልልይ ኣሎ። ኣብ ገሊኡ ኮሙናት መንበሪ ቤት ብብዝሒ ኣሎ፡ ኣብ ገሊኡ ድማ ኣብቲ ውሽጡ ይኹን ኣብ ደገ ሕጽረት ገዛውቲ ኣሎ። ነቲ ብዕድመ ዝደፍእ ዘሎ ህዝቢ ንኣኡ ዚሰማማዕ መንበሪ ቤት ምርካብ የድሊ። ኣብ ኡመዮ ቍጽሪ ህዝቢ ይበዝሕ ኣሎ፡ እቲ ጠለብ ካብቲ ኣቕርቦት ስለ ዚበዝሕ ድማ፡ መንበሪ ቤት ምርካብ ኣጸጋሚ እዩ። ኡመዮ ቍጽሪ ህዝባ ንምዕባይ ዕላማ ኣለዋ ስለዚ ብዙሕ ገዛውቲ እዩ ዚስራሕ ዘሎ።