Bjurholm

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

እንቋዕ ናብ ብዩርሆልም ብደሓን መጻእኩም - ብዩርሆልም ናይ ሽወደን ዝነኣሰትን ንኣኻን ንስድራቤትካን ድማ ካብተን ኣዚየን ውሕሰነት ዚህባን ኮምዩን እያ። ብዩርሆልም ሓንቲ ካብተን ኡመዮ ዝዓበየት ኮይና እትርከበለን ሸውዓት ኮምዩናት እያ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ኣብዚ፡ ናትካ መንበሪቤት ንምርካብ ቀሊል እዩ። መብዛሕቶም ኣብ ብዩርሆልም ንምቕማጥ ዚመርጹ ሰባት ኣብተን ናይ ከባቢ ኮምዩናት ከይዶም እዮም ዚመሃሩ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ብዩርሆልም እቲ ዝዓበየ ኣካራዪ ኣባይቲ እቲ ምምሕዳር እዩ። ምምሕዳር ከተማ ልዕሊ 170 መንበሪ ኣባይቲ ኣለዎ። ቁጽሮም ውሕድ ዝበሉ ናይ ብሕቲ ኣካረይቲ ኣባይቲ ውን ኣለዉ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ብዘይካ ሽወደን ካእል ቋንቋ ዚዛረቡ ብዙሓት እዮም።ኣብ ብዩርሆልም 32 ብሔራት ኣለዉ። ዝዓበዩ ናይ ስደተኛታት ቋንቋታት ዓረብን ትግርኛን ሶማልያን እዮም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ብዩርሆልም ውሑዳት ኣብያተ ክርስትያን ኣለዋ፣ ሽወደናዊ ቤተ ክርስትያን፣ ፒንግስት ሺርካን (ብትግርኛ ከም ፔንተ ኮስታል ዝጽዋዕ) ከምኡ ውን ወንጌላዊ ሃገራዊ መሪሕነት።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ብዩርሆልም ድኳናት፣ ቤትንባብ፣ ቤት ጽሕፈት ዕዮ፣ ናይ ሓራጅ ድኳናት፣ እንዳ ሻሂ/ካፈተርያ፣ ጂም፣ ባንክ፣ ትምህርታውን ባህላውን ማእከል፣ ፋርማሲን መሐንበስን ይርከብ። ምስ ካልኦት ተዋሳእቲ ብምትሕብባር ንሕብረት ዝዓለመ ንጥፈታት ብመልክዕ ፕሮጀክት ቀጻሊ ነዳሉ ኢና።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ብዩርሆልም ንደቅኻ ኣብ ናይ ህጻናት ቤትትምህርቲ ንምእታው ግዜ ኣይወስድን፡ ስለዚ ውላድካ ቀልጢፉ ኪጅምር ይኽእል።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

ክስቶርስ ቤትትምህርቲ ናይቲ ኮምዩን F9 ቤትትምህርቲ ኮይኑ ኣብ ማእከል ብዩርሆልም ይርከብ። ንሱ ጥቓ ቤትንባብን መሐምበስን እዩ።

ዕድላት ትምህርቲ

SFI (ቋንቋ ሽወደን ንወጻእተኛታት) ካብ ቀውዒ 2016 ኣካል ትምህርቲ ንዓበይቲ ክኸውን እዩ፣ እዚ ማለት ኣብቲ ቦታ ካብ A ክሳብ D ዘለዉ ደረጃታት፣ ብድሕሪኡ ውን መሰረታዊ ቋንቋ ሽወደን ክትመሃር ትኽእል። ኣብ ቀውዒ ቋንቋ እንግሊዘኛን ቁጽርን ከነተኣታቱ እንኽእለሉ መንገዲ ጻዕርታት ንገብር ኣለና። ብቕልጡፍ ሓገዝ ክትረክብ ምእንቲ ተቐባሊ ሕቶታት/ተሓባባሪ ስደተኛታት ናይ ምምሕዳር ኣወሃሃዲ ስደተኛታት ኣብቲ ትመሃረሉ ቦታ ኣሎ።

ኣገልጎት ጥዕና

ናይ ብዩርሆልም ማእከል ጥዕና፡ መደበኛ ሓከምትን ናይ ስኒ ሓከምትን ኣለውዎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ትካላት ኣብ እትራኸበሉ ግዜ ናይ ተርጓማይ ምርካብ ተኽእሎ ኣሎ። ኣብዚ ግዜዚ ብዙሓት ትካላት ብእተፈላለየ ቋንቋታት ሓበሬታ ይህቡ እዮም።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ካብ ብዩርሆልም ናብ ኡመዮ 60 ክ/መ እዩ። ብኣውቶቡስ ከኣ መገዲ ሓደ ሰዓት እዩ። Tabussen.nu ናይ ቨስተርቦተን ሓባራዊ መስመራት ማዕጾ እዩ። ናብ ኡመዮ መዓርፎ ነፈርቲ 65 ኪ/መ እዩ። ካብ ኡመዮ ናብ ስቶክሆልም ብነፋሪት ሓደ ሰዓት ይወስድ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ናይ ብዩርሆልም ኮምዩን እቲ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ እዩ፡ ኣብቲ ናይ ብሕቲ ሰክተር ድማ ኒኦከርስ ፕረፓርካኩር እቲ ዝዓበየ እዩ። መብዛሕትኡ ሰብ ንኺሰርሕ ናብ ኡመዮ በጺሑ ይምለስ። ኣብ ቨነስን ኡመዮን ናይ ስራሕ ዕድላት ስለ ዘሎ ከተመልክት ትኽእል።