Nordmaling

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኖርድማሊንግ ኮሙን ኣብ ማእከል መንጎ እተን ከተማታት ኡመዮን ኦርንሾልድስቪክ ትርከብን ብኡ ምኽንያት ድማ ማእከል ኣብ መንጎ ከተማታት ተባሂላ ትጽዋዕን። ኖርድማሊንግ ሓደ ንጡፍ ማሕበራዊ ሂወት ዘለዋ ውሕስቲ ኮሙን እያ። ኣብዚ ናይ ስፖርትን ባህላውን ማሕበራትን ዝተፈላለየ ሕብረተሰብን ኣሎ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ኣብዚ ኮሙን ከም ኣብያተ ትምህርቲ፡ ሓልዮት ቈልዑ፡ ማእከላት ክንክን ጥዕና፡ ናይ ምግቢ ዱኳናት፡ ናይ ክዳውንቲ ዱኳናትን ቤት ንባብን ዝኣመሰለ ኵሉ ክሕሰብ ዝከኣል ኣገልግሎት ኣሎ። ብሳላ ቦትንያባናን ናብዚ ኮሙን ብኣውቶቡሳትን ባቡር ክትመጽእ ኣዚዩ ቀሊል እዩ። እቲ ቅርበት ናብ ባሕሪ ዘለዎ ጽቡቕ ተፈጥሮ፡ ክልተ ኣፍላጋትን ጫካን ካልእ ንኖርድማሊን ዘምርጽ ምኽንያት እዩ።

ናይ ኣደባባይ ዕዳጋን ሄልዩም ዝመልኣ ባላንቺና ዘለዎ ናይ ክረምቲ ዕዳጋ ኣብ ኖርድማሊንግ። ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ጐደና ይንቀሳቐሱ ኣለዉ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ኖርድማሊንግ ኮምዩን ኣባይቲ ዚህባ ብዙሓት ዋኒናት ኣለዋ። እቲ ዝዓበየ ትካል ክራይ ኣባይቲ እቲ ናይቲ ኮምዩን ዝኾነ ትካል ኣባይቲ Nordmalingshus እዩ። ንሱ ኣብ መብዛሕትኡ ናይቲ ኮምዩን ከተማታት፡ ኣባይቲ ኣለዎ። ሓያሎ ገዛ ዝሸጡ ብሕታውያን ኣካረይትን ደላሎንውን ኣለዉ። ክትረኽቦም ምስ እትደሊ ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን boendesida.ተመልከት።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ኖርድማሊንግ ኮምዩን እተፈላለዩ ብሔራት ኣለዉ። ብዘይካ ሽወደንን እግሊዝን እቲ ብብዝሒ ዚዝረብ ቋንቋ፡ ትግርኛን ዳሪን ዓረብን እዩ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ኖርድማሊንግ ኮምዩን ኣስታት 80 ንጡፋት ማሕበራት ኣለዋ። ከም ናይ ስፖርት፤ ኵዕሶ እግሪ፡ ሆኪ፡ ሃንድቦል፡ ምግላብ ፈረስ፡ ዙረትን ኣብ ዱር ምንሽራታትን። ኣብኡ ብሙዚቃን ተያትርን ስነ ጥበብ ስእልን ምርኢትን ዝነጥፋ ባህላውያን ማሕበራትውን ኣለዋ። እተፈላለያ ሰበኻታትውን ኣለዋ፡ ከም ናይ ፐንተኮስት፡ ባፕቲስት፡ ሽወደናዊት፡ ሚስዮንን EFS ን ኣብያተክርስትያን።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ኑርድማሊንግ ኮምዩን ኩሉ ኣድላዪ ዝኾነ ኣገልግሎት ኣሎ። ኣብኡ ብዙሕ ግሮሰሪታትን እንዳ ክዳውንትን ዓለባን ሳእንን ኣሎ። ሕሱር ኣቕሑ ገዛ ምስ እትደሊ ኣርባዕተ እንዳ ሓራጅ ኣለዋ፡ ንኣብነት ረፓሁሰትስ ሎፒስ። ጥቓ እቶም ኣብያተ ትምህርቲ መሐምበስን ቤት ንባብን ኣሎ።

ሓደ ዝልቃሕ መጻሕፍቲ ዝመልኣ ተር ዝበለ ከብሒ ዘለዎ ሓደ ክፍሊ ኣብ ቤት ንባብ። ሰለስተ መንእሰያት ኣብ ጥቓ ሓንቲ ትልቃሕ ኮምፕዩተር ተኣኪቦም ደው ኢሎም ኣለዉ። ቅሩብ ርሕቕ ኢሉ ሓደ ወዲ መጽሓፍ የንብብ ኣሎ። ሓንቲ ሰበይቲ ነቲ ትደልዮ መጽሓፍ ኣብ ናይ መጻሕፍቲ ከብሒ ትደሊ ኣላ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ኖርድማሊንግ ኮምዩን 10 ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ማለት ኣብ ክተማታት ኖርድማሊንግ፡ ሩንድቪክ፡ ሎግደዮ፡ ሆክነስ፡ ኒኦከርን ግረስሚርን ንደቂ 1-5 ዝዕድመኦም ዝኾነ ኣለዋ። ኣብ ኖርድማሊንግ ክፉት ቤትትምህርቲውን ኣሎ። ኣብኡ ክትካፈል ናጻ እዩ። ሓያሎ ናይ ስድራቤት መውዓሊውን ኣሎ። ኣብኡ እቶም ህጻናት በብንእሽቶ ጉጅለታት ኮይኖም ኣብ ገዝኦም ከም ዘለዉ ኮይኖም ይእለዩ።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

ምምሕዳር-ከተማ፡ ካብ ኣዚለ ክሳብ 9ይ ክፍሊ ዘጠቓልል ናይ መባእታዊ ደረጃ-ትምህርቲ ኣለዎ። ንመባእታውን ናይ ካልኣይ-ደረጃን ቤት-ትምርህቲ ብዝምልከት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ከተንብቡ ትኽእሉ።

ሰለስተ ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ ተምሃሮ ኮፍ ኢሎም ዕዮ ገዛ ይሰርሑ ኣለዉ። ሓንቲ መምህር ኣብ ጎኖም ኮይና ትሕግዞም ኣላ። ኣብቲ መንደቕ እቶም ቈልዑ ዝሰኣልዎ ተሰቒሉ ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ምምሕዳር ኑርድማሊንግ እዚ ዚስዕብ ክትመህር ትኽእል፤ sfi (ሽወደን ንወጻእተኛታት)፣ ምምሕዳራዊ ትምህርቲ ንዓበይቲ ብደረጃ መባእታውን ካል ኣይ ደረጃ ትምህርትን ከምኡ ውን ንጸገም ዘለዎም ዓበይቲ ዝወሃብ ትምህርቲ።

ዝተፈላለየ ዓሌት ዘለዎም ሰባት ኣብ ሓደ ምቹእ እንዳ ቡን ኮፍ ኢሎም ቡን ይሰትዩ ኣለዉ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ኖርድማሊንግ ማእከል ጥዕና ኣሎ። ንሱ ነቶም ኣብቲ ኮምዩን ዚነብሩ ክንክን ይህቦም። ኣብዚ፡ ሓከምትን፡ ነርስታትን፡ ናይ ምውስዋስን ናይ ዕዮን ሓከምቲ ኣለዉ። ኣብ ማእከል ኖርድማሊንግ ናይ ስኒ ሕክምና ኣሎ። ኣብቲ ማሕበራዊ ቤትጽሕፈት ዚርከቦ ቦታ፡ ናይ ህጻናትን መወልዳንን ክሊኒክ ኣሎ። ዝቐረበን ናይ ህጹጽ ረድኤት ዘለዎን ሆስፒታል ኣብ ኡመዮ ይርከብ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ሰበስልጣን ንኣብነት ምስ ናይ ኖርድማሊንግ ኮምዩን ምስ እትራኸብ ተርጓማይ ክትጠልብ መሰል ኣሎካ። እቲ ናይ ምትርጓም መስርሕ ብተለፎን እዩ ዚካየድ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኖርድማሊንግ ኮምዩን ኣብ መንጎ ከተማታት ኡመዮን ኦርንድሾልድስቪክን ትርከብ። ኣብኡ ኣብ መዓልቲ ብዙሕ ግዜ ንደቡብን ንሰሜንን ገጸን ዝጎዓዛ ባቡራትን ኣውቶቡሳትን ደው ዚብላሉ መነሃርያ ኣሎ። ናብ ነኣሽቱ ቁሸታት ናይቲ ኮምዩን ዝኸዳ ኣውቶቡሳትውን ኣለዋ። ካብ ኖርድማሊን ናብ ከተማታት ኡመዮን ኦርንድሾልድስቪክ ብባቡርን ብኣውቶቡስን በጺሕካ ምምላስ ይከኣል። ኣውቶቡሳትን ባቡራትን መኣስ ከም ዝመጻን ከም ዝኸዳን ሓበሬታ ንምርካብ ኣብቲ Tabussen.nu ተመልከት።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ኖርድማሊንግ ኮምዩን እቲ ቁጠባዊ ህይወት ብብዙሓት ነኣሽቱን ገለ ድማ ዓበይትን ዋኒናት ዝቖመ እዩ። እቲ ናይቲ ኮምዩን ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ ባዕሉ እቲ 800 ሰራሕተኛታት ዘለዎ ኖርድማሊንግ ኮምዩን እዩ። ናይቲ ኮምዩን ዓበይቲ ዋኒናት ኣብ ኢንዱስትሪ ዘተኮሩ እዮም፡ ከም ንኣብነት፡ ኦሎፍስፉሽ ኤ.ቢ፡ ማሶናይት ቢምስ ከምኡውን ናይ ጽዕነት ትራንስፖርት። ኖርድማሊንግ ማእከላዊ ኣቀማምጣ ስለ ዘለዋ ብባቡርን ኣውቶቡስን ወይውን ማኪና ናብ ኡመዮን ኦርንድሾልድስቪክን በጺሕካ ምምላስ ይከኣል።

ኣብ ኖርድማሊንግ ዋኒን ክትጅምር እንተ ደሊኻ ምስቲ ናይቲ ኮምዩን ቁጠባዊ ኣደንፋዒ kommunens näringslivsutvecklareክትራኸብ ትኽእል። ንሱ ንጀመርትን ንዘለዋን ዋኒናት ደገፍ ይህብ።