Västernorrlands län

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ናብ ቨስተርኖርላንድ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩ። እቲ ወረዳ ግሩም ተፈጥሮን ብዙሕ ባህልን ዘለዎ እዩ። ኣብኡ ኣብተን ሸውዓተ ኮምዩናት፡ ማለት ሱንድቫል፡ ቲምሮ፡ ሃርኖሳንድ፡ ሶለፍተዮ፡ ክራምፉሽ፡ ኦንየን ኦርንሾልድስቪክ ኣስታት 240,000 ሰባት ይነብሩ። እቲ ወረዳ ዓቢ ዱር፡ ነዊሕ ናብ ቦተንሃቨት ባሕሪ ዚግምገም መሬትን ሰለስተ ዓበይቲ ወሓይዝን፡ ማለት ዩንጋን፡ ኢንዳልስኤልቨንን ኦንየርማንኤልቨንን ኣለዎ።

Map of Sweden Created with Highcharts 10.2.1

ኮሙንናት ኣብ

ኮሙንናት ኣብ Västernorrlands län

ኣብ ታሕቲ እታ ብዛዕብኣ ብዝያዳ ከተንብብ ትደልያ ኮሙን ኣብ Västernorrlands län ምረጽ

ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ

ኩነታት ኣባይቲ ብተዛማዲ ደሓን እዩ፡ ከመይሲ እቲ ወረዳ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ናይ ህዝቢ ምውሓድ ተራእዩዎ እዩ። ኣብቲ ማእከል ከተማ ሓድሓደ ናይ ኣፓርትመንት ዋሕዲ ኣሎ፡ ኣብ ኩለን ኮምዩናት ድማ ናይ ምጽጋግንን ምሕዳስን ጉድለት ኣሎ። ዝኣርግ ዘሎ ወለዶ፡ ድሌት ናይቲ ዚሰማምዖ መንበሪ ኣባይቲ ድማ ብኣኡ መጠን ይውስኽ። ቦትኒያባናን ኣብቲ ወረዳ ንመራኸቢታትን ምልውዋጥን ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣብ መንጎ ኡመዮን ኦርንሾልድስቪክን ናይ ጕዕዞ ምምልላስ ወሲኹ ኣሎ፡ ከምኡውን ክሳዕ ሱንድስቫል። ኣብዘን ክልቲአን ቦታታት ከኣዩ እቲ ምህናጽ ገዛውቲ ዚውስኽ ዘሎ።

ንግዳዊ-ንጥፈታትን ወሃብቲ-ስራሕን

ኣብ ቨስተርኖርላንድ ብዙሓት እተፈላለያ ዓይነታት ዋኒናት ኣለዋ። ኣብ ናይ ዱር ኢንዱስትሪን ናይ ጸዓት ኢንዱስትሪን እተዋፈራ ኣረገውትን ዓበይትን ዋኒናት ኣለዋ፡ ንኣብነት SCA ከምኡውን Eon። ይኹንምበር ብዙሓት ናብ IT ተለኮሙኒከሽንን ዘተኮራ ሓደስቲ ዋኒናት ኣለዋ፡ ንኣብነት፡ Com Hem ከምኡውን Telia። ኮምዩናትን ዞባን ኣብ ውሽጢ ክንክን ጥዕናን መራኸቢታትን ካብተን ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ እየን። ካልኦት ነኣሽቱ ዋኒናትውን ኣብዚ ዞባ ይጅምራ ኣለዋ። ንሳተን ናብ ዋኒናትን ውልቃውያን ሰባትን ዝዓለመ ኣገልግሎት ይህባ።

ንጥፈታት ሲቪላዊ-ማሕበራት ኣብ መዳይ ምውህሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብ

ኣብ ቨስተርኖርላንድ ሓደስቲ መጻእቲ ስለ ዝበዝሑ ዘለዉ ቍጽሪ ህዝቢ ይውስኽ ኣሎ። እዚ ከኣ ድሕሪ ነዊሕ እዋን እዩ ዚፍጸም ዘሎ። ነቶም ካብ ግዳም ዝመጹ፡ ስራሕን መነባብሮን ንምቕራብ ብዙሕ ይጸዓር ኣሎ። እቲ ናይቲ ወረዳ መሪሕነት ምስ ግሩም ሓሳባት ዘለዎም ውድባትን ቢዚነሳትን ኮምዩናትን ናይ ወረዳ ቤትምኽንር ብምትሕብባር ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ብኽብርን ሕጋውን ሰብኣውን መገዲ ኪቕበሎም ይጽዕር። ንኣብነት፡ ብ 2011 ቨስተርኖርላንድ እያ እታ መጀመርያ ኣብዚ ሃገር ንብዙሓት በይኖም ዚመጹ ስደተኛታት ህጻናት እተቐበለት።

ኣብያተ-ትምህርታትን ትምህርትን

ኣብ ቨስተርኖርላንድ ብዙሓት እተፈላለያ ዓይነታት ዋኒናት ኣለዋ። ኣብ ናይ ዱር ኢንዱስትሪን ናይ ጸዓት ኢንዱስትሪን እተዋፈራ ኣረገውትን ዓበይትን ዋኒናት ኣለዋ፡ ንኣብነት SCA ከምኡውን Eon። ይኹንምበር ብዙሓት ናብ IT ተለኮሙኒከሽንን ዘተኮራ ሓደስቲ ዋኒናት ኣለዋ፡ ንኣብነት፡ Com Hem ከምኡውን Telia። ኮምዩናትን ናይ ወረዳ ኣብያተምኽርን ኣብ ውሽጢ ክንክን ጥዕናን መራኸቢታትን ካብተን ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ እየን። ካልኦት ነኣሽቱ ዋኒናትውን ኣብቲ ወረዳ ይጅምራ ኣለዋ። ንሳተን ናብ ዋኒናትን ውልቃውያን ሰባትን ዝዓለመ ኣገልግሎት ይህባ።

ኣገልግሎት ጥዕና

እዚ ዞባ ናይ ኣብዚ ዞባ ንዝርከብ ኣገልግሎት ጥዕና ሓላፍነት ኣለዎ። ኣብ ቨስተርኖርላንድ ሰለስተ ሆስፒታላት ኣለዋ። ኣብ ሃርኖሳንድ መቐበሊ ዘለዋ ናይ ሱንድስቫል ወረዳዊት ሆስፒታል፡ ናይ ሶለፍተዮ ሆስፒታልን ናይ ኦርንሾልድስቪክ ሆስፒታልን። ኣብቲ ሆስፒታላት እተፈላለየ መቐበልን ክፍልታትን ንጥፈታትን ኣሎ።

ባህላውን ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታትን

እታ ናይ ሽወደን ዝነኣሰት፡ ሚትኡኒቨርሲተት፡ እትብሃል ዩንቨርሲቲ ኣብ ቨስተርኖርላንድ ትርከብ። ንሳ ብ2005 ተመስሪታ፡ ኣብ ሱንድስቫል፡ ኦስተርሱንድ፡ ሃርኖሳንን ኦርንሾልድስቪክን ድማ ካምፓስ ኣለዋ። ኣብኡ ካብ ሽወደንን ካብ ወጻእን ዝኾኑ መምህራንን ተመራመርትን ተመሃሮን ኣለዉ። ንሱ ኣብ ናይ ስፖርት ተክኖሎጂ፡ ኣብ ናይ ኣደባቢ ተክኒክ፡ ኣብ ፎቶጆርናሊዝምን ልዑል መደባት ኣለዎ፡ ብኤኮኖሚ ድማ ኣህጉራዊ ናይ ማስተርስ ዲግሪ ትምህርቲ ይህብ። ኣብኡ ናይ ሶስዮሎጂ፡ ተፈጥሮኣዊ ሳየንስ፡ ተክኒክን ሁማኒትስን ትምህርቲ ኣሎ። ሚትኡኒቨርሲተት ብናይ ርሕቀት ትምህርቲ ካብተን ናይ ሽወደን ዩኒቨርሲትታት ቀዳመይቲ እያ። ገለ ናይ ርሕቀት ትምርህቲ መኣከቢ ቦታ ኣለዎ፡ ገሊኡ ግን ዘመናዊ IT-ደገፍ ጥራይ እዩ ዘለዎ።