ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ
ኩነታት ኣባይቲ ብተዛማዲ ደሓን እዩ፡ ከመይሲ እቲ ወረዳ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ናይ ህዝቢ ምውሓድ ተራእዩዎ እዩ። ኣብቲ ማእከል ከተማ ሓድሓደ ናይ ኣፓርትመንት ዋሕዲ ኣሎ፡ ኣብ ኩለን ኮምዩናት ድማ ናይ ምጽጋግንን ምሕዳስን ጉድለት ኣሎ። ዝኣርግ ዘሎ ወለዶ፡ ድሌት ናይቲ ዚሰማምዖ መንበሪ ኣባይቲ ድማ ብኣኡ መጠን ይውስኽ። ቦትኒያባናን ኣብቲ ወረዳ ንመራኸቢታትን ምልውዋጥን ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣብ መንጎ ኡመዮን ኦርንሾልድስቪክን ናይ ጕዕዞ ምምልላስ ወሲኹ ኣሎ፡ ከምኡውን ክሳዕ ሱንድስቫል። ኣብዘን ክልቲአን ቦታታት ከኣዩ እቲ ምህናጽ ገዛውቲ ዚውስኽ ዘሎ።