Härnösand

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣብ ሀርኖሳንድ ህይወት ጥቓና እያ። ናይ ገጠር ህድኣት ወይ ናይ ከተማ ታህዋኽ ንዚደሊ፡ ኣብ ሀርኖሳንድ ኩሉ ኣሎ። ኣብኡ ደረጃኡ ዝሓለወ ደጋዊ ህይወት፡ ከምኡውን ንኹሉ ዚምሽእ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ንጥፈታትን ሃብታም ባህላዊ ህይወትን ኣሎ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ትርኢት ናይታ ኣብ ጥቓ ማይ ትርከብ ከተማ ሆርነሳንድ።

እቲ ማእከል ከተማ ናይ ሓቅን ህይወት ዝመልኦን እዩ፡ ሀርኖሳንድ ካብተን ናይ ኖርላንድ ዝዓበየ ናይ ስራሕ ዕድል ዘለወን ኮምዩን እያ። ንሕና ኣብ ብዙሕ ንጥፈታት ዚሳተፋ ዋኒናትን ህይወት ዘለዎ ቁጠባዊ ናብራን ኣሎና። ኣብዚ ንስራሕን ቤትትምህርትን ኣገልግሎትን ኩሉ ቀረባ እዩ።

መንበሪ-ገዛ

እቲ ኮሙናዊ ናይ መንበሪ ኣባይቲ ትካል Härnösandshus ኣብ ማእከል ከተማን ወይውን ጥቓ ዱርን ባሕርን መንበሪ ኣባይቲ ከቕርበልካ ይኽእል። ኣብ ሀርኖሳንድ ካብ ብሕታውያን ኣካረይቲውን መንበሪ ቤት ክትካረ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ናይ ሀርኖሳንድ ኮምዩን ወብሳይት ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል። እቲ ኣብ Arbetslivsförvaltningen ዘሎ ናይ ምቕባል ተሓጋጋዚ ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ገዛ ንኺረኽቡ ይሕግዞም እዩ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ብርክት ዝበሉ ተዛረብቲ ካልኦት ቋንቋታት ዝኾኑ ነባሮ ይርከቡ። ንተወሳኺ ሓበሬታ፡ ንክፍሊ ምቕባል ሓደስቲ ስደተኛታት ትወከሱ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ሀርኖሳንድ 430 ማሕበራት ዘለዎ ሃብታም ማሕበራዊ ህይወት ኣሎ። ኣብኡ እተፈላለያ ኣብያተክርስትያን፡ ሃይማኖታውያን ጉባኤን ማሕበራትን ከም ንኣብነት ናይ ፐንተኮስት ሰበኻ፡ ቤትክርስትያን ባፕቲስት፡ ፊላደልፊያ ሰበኻ፡ ሚስዮን ቤትክርስትያንን ናይ እስላም ባህላዊ ማእከልን ኣሎ። ይኹንምበር ካልኦት ማሕበራትውን ኣለዋ፡ ከም ንኣብነት ናይ ሶማሊ ማሕበር፡ 5i12 Centrum፡ መንእሰያት ኣንጻር ዓሌታውነትን ቀዪሕ መስቀልን። ብዛዕባ ኩለን ማሕበራት ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ናይ ማሕበራት ደብተር ይርከብ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ሀርኖሳንድ ጥቓ ኩሉ እያ። ኣንካረት ዚብሃል ሓድሽ ናይ ድኳናት ከባቢ ኣሎና። ኣብኡ ሱፐርማርከታት ከም ንኣብነት ICA MAXI ከምኡውን Coop ኣለዋ። ኣብኡ ካልኦት ድኳናት ከም ፋርማሲ፡ ናይ ስፖርት ድኳን፡ እንዳ ክዳውንትን እንዳ ሓጻውንትን ኣሎ። ጥቓቲ ሰንትሩም ሊድልን ሀምሾፕን ኣሎ። ካብቲ ማእከል ከተማ ውጽእ ኢልካ ድማ ዊልስን ተምፖን ይርከብ።

መእተዊ ናብ ሳም ቤት ንባብ ኣብ ሆርኖሳንድ።

ኣብ ሀርኖሳንድ Sambiblioteket እተባህለ ናይ ሽወደን ዝጸበቐ ቤትንባብ ኣሎ። ንሱ በብዓይነቱ ናይ ስነ-ጽሑፍን ካልእን ጽሑፋት ኣሎ። ኣብቲ ሰንትሩም ኣብያተጽሕፈት ዕዮን፡ ቀረጽን መድህንን ናይ ሓባር ቦታ ኣለወን። ናይ ሀርኖሳንድ socialtjänst ኣብቲ ሰንትሩም ይርከብ። ኣብኡ፡ ምስ ዘድልየካ፡ ቁጠባዊ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል።

ሕሱር ኣቕሑ ገዛ ወይ ክሽነ እንተ ደሊኻ በቶም ናይ ሀርኖሳንድ ኮምዩንን ናይ ስራሕ ምምሕዳርን ሰራሕተኛታት ዚካየድ Erikshjälpen Secondhand ኣሎካ። ካብ ሀርኖሳንድ ብማኪና ወይ ብባቡር 40 ደቓይቕ ዝርሕቀቱ ቢስትራ ዚብሃል ዕዳጋ ኣሎ። ኣብኡ ብዙሕ ሱፐርማርከታት፡ ቡቲካትን ኣብያተመግብን ኣሎ። Birsta City ኣብ ውሽጡ 90 ቡቲካት ዘለዎ ኣደራሽ እዩ። ኣብቲ ከባቢ ብዙሕ ናይ ኣቕሑ ገዛን ኤለትሮኒክን መግብን ድኳናት ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ሀርኖሳንድ 17 ኮሙናዊ 10 ከኣ ብሕታዊ ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣሎ። ክፉት ቤትትምህርቲ ህጻናትን መውዓሊ ስድራቤትንውን ኣሎና። እቲ ለይቲ ክፉት ዝኾነ ኦረን እተባህለ ክፉት ቤትትምህርቲ ህጻናት፡ ነቶም ለይቲ ዚሰርሑ ሰባት ንደቆም ኪሕዘሎም ይኽእል እዩ። እቲ ህጻን ኣለርጂ ዘለዎ እንተ ኾይኑ፡ ስቫላን እተባህለ ቤትትምህርቲ ህጻናት ኣለዎ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ሀርኖሳንድ ዓሰርተ ኮሙናዊ መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣሎ። መንግስታዊ ዝኾነ ክሪስትያንስኩላ ንጸማማትን ናይ ምስማዕ ስንክልና ንዘለዎምን ህጻናት እዩ። ኣብ ሀርኖሳንድ ክልተ ብሕታውያን ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ። ናይ ሀርኖሳንድ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ 10 ሃገራዊ ፕሮግራም የቕርብ። ናይ ተለማማዲ ስልጠናው ኣሎ። ኣብኡ 10 ናይ መደባት ዕድላት ኣሎ። ኣብቲ ናይ ሀርኖሳንድ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣስታት 900 ተመሃሮ ኣለዉ፡ 120 ድማ ሰራሕተኛታት። ብዛዕባ ናይ ትምህርቲ ምርጫታት ኣብቲ ናይ ሀርኖሳንድ ወብሳይት ኣንብብ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብቲ ኮሙናዊ ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ሽወደን ንወጻእተኛታት፡ ኤስኤፍኢ ኪውሰድ ይከኣል፡ ከምኡውን ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ምልላይ ምስ ማሕበረሰብ ዚብል ፕሮግራም ኣሎ። ነቲ ዚደሊ፡ ኣብ ሀርኖሳንድ ህዝባዊ ኮለጅውን ኤስኤፍኢ ይውሰድ እዩ። ኣብቲ ኮሙናዊ ትምህርቲ ንዓበይቲ ብመሰረታውን ካልኣይ ደረጃውን ጽፍሕታትውን ኪውሰድ ይከኣል እዩ። ብካልኣይ ደረጃ ትምህርቲውን ሞያዊ ስልጠና ኣሎ። ኣብ ሀርኖሳንድ ነቶም ስንክልና ዘለዎም ለርቩክስ እተባህለ ፕሮግራም ኣሎ።

ንስራሕ ኣድላዪ ዝኾነ ስልጠና ክትወስድ ትደሊዶ? ምናልባት እቲ ሞያዊ ኮለጅ ንኣኻ ኪኸውን ይኽእል ይኸውን። ኣብ Heta Utbildningar Yrkeshögskolan i Härnösand ተዮሪ ምስ ተግባር ዚሕውስ ስልጠና ኣሎ። ካብ ሀርኖሳንድ መገዲ 45 ደቓይቕ ብማኪና ወይ ብኣውቶቡስ፡ ንኣኻ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክትምሃር እትደሊ እተፈላለየ ዕድላት ዘለዎ Mittuniversitetet ኣሎ።

ብዛዕባ ኣብዚ ኮሙን ዘሎ ትምህርቲ ኣባጽሕ ብዝያዳ ኣንብብ:

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ሀርኖሳንድ ሶድራ ሱንደት እተባህለ ሓደ ካብ ናይ ዞባ ቬስተርኖርላንድ ማእከል ክንክን ጥዕና ኣሎ። ኣብኡ ካልእ ገዲፍካ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ፡ ናይ ሕማም ሽኮር ነርስ፡ ናይ መግብን ምውስዋስን ሕክምና ኣሎ። ኣብ ሀርኖሳንድ ክልተ ብሕታውያን ማእከላት ክንክን ጥዕና እውን ኣለዋ።

  • Öbacka vårdcentral - ምስ ዞባዊ ነርሳት፡ ሓኪም፡ ናይ ምውስዋስ ሓኪም፡ ናይ ስራሕ ሓኪም ከምኡውን ናይ ህጻናትን ኣደታትን ማእከላት ጥዕና።
  • Johannesbergs vårdcentral-ኣብ ማእከል ዚርከብ ማእከል ጥዕና ምስ ዞባዊ ሓኪም፡ ዞባዊ ነርሳት፡ ናይ ምውስዋስ ሓኪም፡ ናይ ስራሕ ሓኪም ከምኡውን ናይ ህጻናትን ኣደታትን ማእከላት ጥዕና።

ህዝባዊ ሕክምና ስኒ ካብቲ ማእከል ከተማ ውጽእ ኢሉ ይርከብ። ኣብ ሀርኖሳንድ ብዙሓት ብሕታውያን ናይ ስኒ ክሊኒካትውን ኣለዋ። ካብ ሀርኖሳንድ መገዲ 45 ደቓይቕ ብማኪና ወይ ብኣውቶቡስ፡ ሱንድቫልስ ሆስፒታል ዚብሃል ኣሎ።ንሱ ናይ ወረዳ ሆስፒታል እዩ። ናይ ህጹጽ ረድኤትን ካልእ ሓያሎ ንጥፈታትን የካይድ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ሀርኖሳንድ ኮምዩን ናይ ትርጉም ቤትጽሕፈት ኣለዎ። ንሱ ነቶም ተቐማጦ ሀርኖሳንድ ናይ ትርጉም ኣገልግሎት ይረኽበሎም። እቲ ቤትጽሕፈት ትርጉም ኣካላዊ ትርጉም፡ ትርጉም ብተለፎን፡ ትርጉም ብመልእኽቲ፡ ትርጉም ሰነዳትን ብሮሹራትን የቕርብ። እቲ ናይ ትርጉም ኣገልግሎት በቲ ዚምልከቶ ትካል እዩ ቆጸራ ዝተሓዞ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ሀርኖሳንድ ምዕቡል ሓባራዊ መስመራት ኣለዎ። ካብቲ መንበሪ ቤትካ ንሰንትሩም ብኣውቶቡስ ብውሑድ ደቓይቕ ትበጽሕ። እቲ ሰንትሩምሊንየን ዚብሃል መስመር ኣውቶቡስ ኣየኽፍልን እዩ። ንሱ ናብ ዕዳጋ፡ ቤትንባብ፡ መሐምበሲን ማእከል ከተማን ይወስደካ። ብዛዕባዚ ብተወሳኺ ኣብ Din Tur ኣንብብ።

ካብ ማእከል ሀርኖሳንድስ (Härnösands Central) ብኣውቶቡስ ወይ ብባቡር ናብ ብዙሕ ቦታታት ትኸይድ። ካብ ሀርኖሳንድ መገዲ 35 ደቓይቕ ብማኪና ወይ ብኣውቶቡስ፡ ናብ ሱንድስቫል ቲምሮ መዓርፎ ነፈርቲ ትበጽሕ። ካብኡ ኣብ ሽወደን ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ካልእ ሃገራትውን ክትገይሽ ትኽእል።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብቲ ካብ ሀርኖሳንድ 50 ኪ/መ ርሒቑ ዚርከብ ሱንድስቫል ዓቢ ናይ ዱር ኢንዱስትሪን ናይ ወረቐት ፋብሪካን ኣሎ። ካልእ ኢንዱስትሪን ዋኒንውን ኣሎ።

ትርኢት ኣብ ልዕሊ ዝበርሀት ሆርኖሳንድ ኣብ እዋን ምሸት