Örnsköldsvik

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኦርንሾልድስቪክ ኣብቲ ሰሜናዊ ገማግም ባሕሪ ትርከብ፡ ዳርጋ ኣብ ማእከል እተን ዓበይቲ ከተማታት ሱንድስቫልን ኡመዮን እያ። ኣብ መንጎቶም 55,000 ኣብ ኦርንሾልድስቪክ ኮምዩን ዚነብሩ ሰባት እተፈላለዩ ብሔራት ኣለዉ። ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ተቐማጦ ኦርንሾልድስቪክ ኣብ ከተማታትን ወይ ጥቓ ዓበይቲ ከተማታት ይነብሩ። እተን ዝዓበያ ከተማታት፤ ብያስታ፡ ሁሱም፡ ብረድቢን እየን።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ናይ ውልቅኻ ቪላ ምንባር ንቡር እዩ። እቲ መንበሪ ኣፓርትማ፡ እትውንኖ ኮንዶሚንዩም ወይ ዚካረ ኣፓርትማ ኪኸውን ይኽእል። እቲ Övikshem ዚብሃል ትካል ክራይ ኣባይቲ ኣብ ማእከል ኦርንሾልድስቪክ ዚካረ ኣፓርትማ ኣለዎ፡ ከምኡውን ኣብ ሾፕማንሆልመንን ብያስታን ብረድቢን ሁሱምን። ብዙሓት ብሕታውያን ኣካረይቲውን ኣለዉ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ናይቶም ናይ ኦርንሾልድስቪክ ኣካረይትን ኣወዓዓልትን ሓበሬታ ኣሎ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ኦርንሾልድስቪክ ኮምዩን ብዙሕ ቋንቋታት ይዝረብ። ካብቶም ብብዝሒ ዚዝረቡ፤ ታይላንድ፡ ዓረብ፡ ትግርኛ፡ ሶማሊ፡ ዳሪ/ፋርሲ፡ ሩስያ፡ ፈረንሳ፡ ስዋሂሊን እንግሊዝዝ እዮም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብቲ ናይ ኦርንሾልድስቪክ መራኸቢ ማእከል ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ሰባት ትረክብ። ኩሉ፡ ናይ ብሔር ድሕረባይታ ወይ ባህሊ ወይ ሃይማኖታዊ ዝንባለ ብዘየገድስ ዕዱም እዩ። ኣብ ብዙሕ ዓበይቲ ከተማታት ናይ ሕብረ-ባህሊ መራኸቢ ቦታታት ኣሎ፡ ከምኡውን ኣብ መንጎ ተቐማጦን ሓደስቲ መጻእትን ርክብ ዚፈጥር እተፈላለየ መርበባት ኣሎ።

ናይ በጻሕቲ ሃገር ዝውቱርን ቦታ እቲ ኣብ ኦርንሾልድስቪክ ሰንትሩም ዚርከብ det stora äventyrsbadet Paradiset እዩ። ኣብቲ ከባቢ ናይቲ ኮምዩን ብዙሕ መሓምበሲታት፡ ጂምን ናይ ስፖርት መሳለጥያታትን ኣሎ። ኣብቲ ኮምዩን፡ ኵዕሶ እግርን ኣይስሆኪን ምንሽርታትን ዓቢ ስፖርት እዩ።

ኣብኡ ብዙሕ ናይ ዝንባለን ባህልን ብሔርን ሃይማኖትን ማሕበራት ኣሎ። ኣብቲ ናይቲት ኮምዩን ደብተር ማሕበራት ነተን ኣብ ኦርንሾልድስቪክ ዚርከባ እተፈላለያ ማሕበራት ክትደልየን ትኽእል።

ሓንቲ ናይ ኣወዳት ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ኢሎም ኣብ ሓደ ሜዳ ኵዕሶ እግሪ ብሪጋ ደው ኢሎም ኣለዉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ከተማ ኦርንሾልድስቪክ ኩሉ ዓይነት ኣቕሑ ዘለዎ ድኳናትን ሰከንድሃንድ ቡቲካትን ናይ ወጻኢ መግቢ ዘለዎ ቡቲክን ይርከብ። ኣብኡ ቤትንባብን ዘድልየካ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ኣሎ። ኣብቲ ሰንትሩም ከም ቤትጽሕፈት ቀረጽን ቤትጽሕፈት ዕዮን ቤትጽሕፈት መድህንን ዝኣመሰለ ትካላት ኣሎ።

ናይ ኣደባባይ ዕዳጋ ኣብ ኦርንሾልድስቪክ። ብዙሓት ሰባት ነቲ ዕዳጋ ይበጽሕዎ ኣለዉ።

ናይቲ ኮምዩን ምውህሃድ ኣሃዱ ኣብ ሰንትሩም ይርከብ። ኣብኡ ኬድካ ነቲ ምኽርን ሓገዝን ዚህብ ተሓጋጋዚ ክትረኽቦ ትኽእል።

ኣብተን ሰለስተ ዓበይቲ ከተማታት ብየርና፡ ብረድቢን፡ ሁሱምን ብያስታንን እተፈላለየ ዓይነትት ድኳናትን ኣገልግሎትን ትረክብ። ኣብተን ነኣሽቱ ከተማታት ግን እቲ ምርጫታት ይፈላለ። መብዛሕትኡ ግዜ ፖስታ እትልእከሉን መድሃኒት እትዕድገሉን ኢንተርነት እትጥቀመሉን ሱፐርማርከታትውን ኣሎ።ካብቲ ከተማ ውጽእ ኢልካ ኣብ ንኣብነት ሎንግቪክስሙንን ጎትነን ዓበይቲ ሰከንድሃንድ ቡቲካት ኣለዉ። ኣብ ብዮርና፡ ብያስታ፡ብረድቢን፡ ሁሱም፡ ስኮርፐድን ትረሆሪንግሾ ቤትንባብ ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ከተማታትን ናይቲ ከባቢ ዓድታትን ነቶም ዕድመኦም ካብ 1-5 ዝኾኑ ህጻናት ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣሎ። ሓንቲ ካብኣተን ንደቂ እቶም ምሸት፡ ለይቲን ቀዳመሰንበትን ዚሰርሑ ትቕበል።

ደቂ 1-5 ዝኾኑ ህጻናት ወለዶም ይሰርሑ ወይ ዚመሃሩ እንተ ኾይኖም ኣብቲ ቤትትምህርቲ ቦታ ኪርኽቡ መሰል ኣለዎም። እቶም ወለዲ ስራሕ ዘይብሎም ወይ ምስቲ ሓድሽ እተወልደ ህጻን ገዛ ዚውዕሉ እንተ ኾይኖም፡ እቲ ዝዓበየ ህጻን ናብቲ ቤትትምህርቲ ህጻናት ኣብ ሰሙን 15 ሰዓታት ኪመላለስ መሰል ኣለዎ። ካብ 3 ክሳዕ 5 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ወለዶም ይስርሑ ኣይስርሑ፡ ናብቲ ሓፈሻዊ ቤትትምህርቲ ህጻናት ኪኸዱ መሰል ኣለዎም። ሓፈሻዊ ቤትትምህርቲ ህጻናት ማለት 15 ሰዓታት ኣብ ሰሙን ትምህርታዊ ንጥፈታት ምህላው ማለት እዩ።

ዝበዝሓ ኣብያተትምህርቲ ህጻናት በቲ ኮምዩን እየን ዝመሓደራ፡ ገሊአን ግን ብሕታውያን እየን። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ብዛዕባ ናይ ኦርንሾልድስቪክ ኮምዩን ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ዝያዳ ሓበሬታ ትረክብ።

ኣብ ኦርንሾልድስቪክ ወለዲ ምስ ደቆም ብዘይ ቆጸራ ዚኸዱለን ክፉታት ኣብያተትምህርቲ ዚብሃላ የለዋን። ይኹንምበር ሽወደናዊት ቤትክርስትያን ናብ ህጻናትን ወለዶምን ዝዓለመ ክፉት ንጥፈታት ተዳሉ እያ። ከም መዝሙርን ጸወታን ግድላትን። ኣብዚ፡ ሃይማኖት ብዘየገድስ ኩሉ ዕዱም እዩ።

ሕጉሳት ተምሃሮ ኣብ ሓደ ናይ ሓጋይ መልክዐ ምድሪ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ሽድሽተ ዓመት መብዛሕትኦም ህጻናት ኣብቲ ናይ ምድላው ክላስ ቤትትምህርቲ ህጻናት ይጅምሩ፡ ኣብ ሸውዓተ ዓመቶም ድማ ኩሉ ህጻን ንኪመሃር ግዱድ እዩ። መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣብቲ ኮምዩን ፋሕ ኢሉ ኣሎ። ህጻናት ኣብቲ ንገዝኦም ቀረባ ዝኾነ ቤትትምህርቲ እዮም ዚምሃሩ። ህጻናት ካብቲ ቤትትምህርቲ ኣዚዮም ርሒቖም ዚቕመጡ እንተ ኾይኖም፡ ናይ ቤትትምርህቲ ኣውቶቡስ እያ እትወስዶም።

ኖላስኩላንን ፓርክስኩላንን በቲ ኮምዩን ዝመሓደራ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተትምህርቲ እየን። ክልቲኣተን ኣብ ከተማ ኦርንሾልድስቪክ እየን ዚርከባ። ሚካኤል ኤልያስን ናይ ኦርንሾልድስቪክ ተግባራዊ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርትን ብሕታውያን እየን። ኣብቲ ናይ ከተማ ሰንትሩም እየን ዚርከባ።

ምስቲ መደባዊ ትምህርቲ፡ እቲ ህጻን ኣብቲ ኮሙናዊ ቤትትምህርቲ ባህልን ቤትትምህርቲ ተክኒክን ዚካየድ ናይ ወለንታዊ ንጥፈታት ኪካፈል እውን ይኽእል እዩ። ኣብኡ እቲ ህጻን ኣብቲ ናይ ዕረፍቲ ግዜኡ ኣብ ስነጥበባውን ፈጠራውን ንጥፈታት ይካፈል።

ኣብ ኦርንሾልድስቪክ ኮምዩን ንህጻናትን ዓበይትን ዝዓለመ ሰርስኩሉር ወይ ፍሉይ ኣብያተትምህርቲ ኣሎ። እዚ ነቶም ብናይ ምዕባለ ስክንክልና ወይ ናይ ሓንጎል ማህሰይቲ ኣብቲ መደበኛ ቤትትምህርቲ ኪካፈሉ ዚጽገሙ ህጽናት እዩ ዘገልግል።

ተምሃሮ ኣብ ደገ ናይ ሓደ ኖላስኩላን ተጻሒፍዎ ዘሎ ብጫ ናይ ሕጡብ ህንጻ።

ዕድላት ትምህርቲ

ክትመሃር ወይ ሞያ ክትልውጥ ምስ እትደሊ ነቲ ናይ ኦርንሾልድስቪክ ትምህርቲ ንዓበይቲ ተወከስ። ኣብ ኦርንሾልድስቪክ ብመባእታውን ካልኣይ ደረጃውን ጽፍሒ ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ ኣሎ፡ ከምኡውን ናብ ስንኩላን ዘተኮረ ፍሉይ ቤትትምህርቲ ኣሎ። ሽወደን ንወጻእተኛታት ዚብል ትምህርቲ፡ ብመዓልቲ ወይ ምሸት ወይ ብርሑቕ ኣገባብ ክትምሃር ትኽእል።

ናይ ኦርንሾልድስቪክ ኮምዩን ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ስደተኛታት ናይ ማሕበረሰብ ምልላይ ኮርስ የዳሉ። እቲ ኮምዩን ንቕልጡፍ ምምዳብ ሰብ፡ ናይ ሕብረተሰብ ናይ ምልላይ ፕሮግራም የዳሉ። ነዚ ድማ ብብዙሕ ቋንቋታት የካይዶ። ንዝያዳ ሓበሬታ ነቲ ናይቲ ኮምዩን ናይ ምውህሃድ ኣሃዱ ተወከሶ።

ኣብ መላንሰልን ኦርንሾልድስቪክን ህዝባውያን ኮለጃት ኣለዉ። እተፈላለየ ናይ ሞያ ኮለጅ ትምህርቲ ክትደሊ ትኽእል ወይ ከኣ ነቲ ኡመዮ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ኦርንሾልድስቪክ ዘዳልዎ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራማት ወይ ኮርሳት። ቀጻሊ ምርጫታት ብመገዲ Campus Örnsköldsvik ትረኽቦ።
ብዛዕባ ትምህርታዊ ውጥናትካ ምኽሪ ወይ ደገድ ምስ እትደሊ፡ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ኦርንሾልድስቪክ ናጻ ትምህርትን ናይ ሞያ መምርሕን ኣሎ።

ብዛዕባ ኣብዚ ኮሙን ዘሎ ትምህርቲ ኣባጽሕ ብዝያዳ ኣንብብ:

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ኦርንሾልድስቪክ ናይ ህጹጽ ረድኤትን ምዕቡል ሕክምናን ሆስፒታል ኣሎ። ኣብ ሰንትሩም፡ ዶምሾ፡ ኸለቫድ፡ ብያስታ፡ ብረድቢን፡ ሁሱም-ትረሆርኒንግሾ ማእከላት ጥዕና ኣለዋ። ገለ ካብኣታተን ብዞባ ቬስተርኖርላንድ እየን ዚመሓደራ፡ እተን ካልኦት ድማ ብሕታውያን እየን። ንስኻ ባዕልኻ ኣየናይ ከም እትደሊ ክትመርጽ ትኽእል።

እዚ ዞባ ኣብ ዶምሾ፡ ብረድቢን፡ ሁሱምን ኦርንሾልድስቪክን ህዝባዊ ሕክምና ስኒ ኣለዎ። ይኹንምበር ብዙሓት ናይ ስኒ ሕክምና ክሊኒካት ኣለዋ።

ኣብቲ ናይዚ ዞባ ወረዳ መርበብ ሓበሬታ ቮርድጊደን ኣብ ቀረባኻ ዘሎ ክሊኒክ ንኽትረክብ ሓገዝ ትረክብ። ሓበሬታ ብብዙሕ ቋንቋታት ይርከብ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ኦርንሾልድስቪክ ኮምዩን ናቱ ኣገልግሎት ትርጉም የብሉን። ኣብቲ ምስ ኮምዩን፡ ክንክን ጥዕናን ካልእ ትካላትን እትገብሮ ርክብ፡ ተርጓማይ ምስ እትደሊ፡ እቲ ትካል እዩ ዚደልየልካ። ግን ባዕልኻ፡ ተርጓማይ ከም ዘድልየካ ክትዛረብ ግቡእካ እዩ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ናይ ኦርንሾልድስቪክ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብቲ ካብ ከተማ 25 ኪ/መ ርሒቑ ዚርከብ ጊደዮ ይርከብ። ካብኡ ናብ ስቶክሆልም ኣርላንዳ ዚግበር ውሽጣዊ በረራ ኣሎ፡ ስሕት ኢሉ ድማ ቻርተር በረራ ኣሎ።

ብቦትንያባናን ባቡር ንሰሜን ብኡመዮ ጌርካ ናብ ሉለዮ፡ ንደቡብ ድማ ብክራምፉሽ፡ ሃርኖሳንድ፡ ሱንድስቫል ብድሕሪኡ ናብ ስቶክሆልም ክትከየድ ትኽእል። መነሃርያ ባቡር ኣብ ኦርንሾልድስቪክን ሁሱምን ኣሎ። ብመገዲ SJ:s webbplats ቦታ ሓዝ።

ካብ ኦርንሾልድስቪክ ኣውቶቡስ ወሲድካ ናብ ናይቲ ወረዳን ኮምዩንን ዓበይቲ ከተማታት ክትገይሽ ትኽእል። መብዛሕትኡ መስመራት ካብ ናይ ኦርንሾልድስቪክን ረሰሰንትሩም እዩ ዚብገስ። እተን ናይቲ ከተማ ኣውቶቡሳት ካብቲ ኣደባባይ ናይ ኦርንሾልድስቪክን ትሕት ኢልካ ኣብ ኦርንፓርከን እየን ደው ዚብላ። እቲ ናይ መስመራት ዝርዝር ኣብቲ ናይቲ ወረዳ ትራፊክ ወብሳይት ይርከብ።

ነተን እኩባት ደሴታት ክትበጽሐን እንተ ደሊኻ ካብ ሾፕማንስሆልመን ናብተን ናይ ኡሉቮንን ትሪሱንዳን ደሴታት ዓመት ምሉእ ዚኸዳ መሳገርቲ መራኽብ ኣለዋ።

SJ
ሓንቲ ሰማያዊት ተመላላሲት ባቡር ንሓደ መደበር ባቡር ትሓልፎ ኣላ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብዚ ኮምዩን ዝዓበዩ ወሃብ ስራሕ ኦርንሾልድስቪክ ኮምዩንን ዞባ ቬስተርኖርላንድን እዮም።

ኣብቲ ኮምዩን እቲ ናይ ምስናዕ ፋብሪካ ንብዙሓት ስራሕ የትሕዞም። BAE Systems Hägglunds, Metsä Board, Bosch Rexroth, AdityaBirla/Domsjö fabriker ክምኡውን Sanmina SCI ኩለን ልዕሊ 300 ሰራሕተኛታት ዝሓዛ ተክኒካዊ መሰረት ዘለወን ዋኒናት እየን።

ናብ ንኣብነት ኡመዮ፡ ኖርድማሊንግን ሃርኖሳንድን ቅርበት ነቶም ኣብ ኦርንሾልድስቪክ ዚቕመጡ ካብ ናይ ባዕሎም ኮምዩን ዝዓበየ ናይ ስራሕ ዕድል ይህቦም። ክሳዕ ኡመዮ ወይ ኖርድማሊንግ ብባቡር ምግያሽ ካብ ሰዓት ዚውሕድ ይወስድ። ከምኡውን ክሳብ ሃርኖሳንድ ነዊሕ ኣይወስድን፡ ስለዚ ሓደ ሰብ ኣብ ኦርንሾልድስቪክ እናተቐመጠ ኣብ ካልእ ጎረቤት ኮምዩናት እናተመላለሰ ኪስርሕ ይኽእል ማለት እዩ።