Västmanlands län

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ቨስትማንላንድ ናይ ሽውደን ዝነኣሰት ወረዳ እያ። ንሳ 10 ኮምዩናትን ኣስታት 260,000 ተቐማጦን ኣለዉዋ። ፍርቆም ድማ ኣብ ቨስተሮስ ይቕመጡ። ቨስትማንላንድ ኣብ ማእከል ማላርረዮነን ትርከብ፡ ብተዛማዲ ድማ ናብተን ዓበይቲ ከተማታት ስቶክሆልምን ኡፕሳላን ኦረብሩን ኤስኪልስቱና ቀረባ እያ። ወረዳ ቨስትማንላንድ ክፋል ናይ ቨስትማንላድ ኣውራጃ እዩ። እቲ ወረዳ ነቲ ምብራቓዊ ክፋል ኣውራጃ ይጥርንፎ።

Map of Sweden Created with Highcharts 10.2.1

ኮሙንናት ኣብ

ኮሙንናት ኣብ Västmanlands län

ኣብ ታሕቲ እታ ብዛዕብኣ ብዝያዳ ከተንብብ ትደልያ ኮሙን ኣብ Västmanlands län ምረጽ

ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ

ናይቲ ወረዳ ኩነታት ኣባይቲ ካብ ኮምዩን ናብ ኮምዩን ይፈላለ እዩ። መብዛሕትአን ኮምዩናት ኣብቲ ዕዳጋ ኣባይቲ ማዕረ/ባላንስ ወይ ዝያዳ ከም ዘርእይ ይዛረባ። ግን ኣብቲ ማዕረነት ወይ ባላንስ ኣሎ ዚብሃለለን ኮምዩናትውን ናይ ገለ ዓይነት ገዛውቲ ሕጽረት ኣሎ። ዝያዳ ውጽኢት ዕዳጋ ገዝውቲ ኣሎና ዚብላ ኮምዩናትውን ቍጽረን ይንእስ ኣሎ። ስለዚ ብዛዕባዚ እንታይ ኪግበር ከም ዘለዎ ይዝተየሉ ኣሎ። ኣባይቲ ንምህናጽውን ውጥናት ይወጽእ ኣሎ።

ህዝቢ-ተቐማጦ

ቨስትማንላንድ ዓሰርተ ኮምዩናት ኣለዉዋ፤ ኣርቦጋ፡ ፈየርስታ፡ ሃልስታሃማር፡ ኩንግሰር፡ ሾፒንግ፡ ኖርበርይ፡ ሳላ፡ ሺንስካተበርይ፡ ሱራሃማርን ቨስተሮስን። ሺንስካተበርይ ናይቲ ዞባ ዝነኣሰት ኮምዩን እያ። ንሳ ልዕሊ 4,000 ተቐማጦ ኣለዉዋ፡ ቨስተሮስ ከኣ ናይ ሽወደን ሻብዓይቲ ዝዓበየት ከተማ እያ፡ ልዕሊ 142,000 ተቐማጦ ድማ ኣለዉዋ። ናይቲ ዞባ ቍጽሪ ተቐማጣይ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት እናበዝሐ ይኸይድ ኣሎ፡ ክሳዕ 260,000 ከኣ በጺሑ ኣሎ። ብቐዳምነት እቲ ናይ ቨስተሮስ ኮምዩን እዩ ዚዓቢ ዘሎ፡ ግን ከኣ ካልኦት ናይቲ ዞባ ኮምዩናት እውን ኣወንታዊ ናይ ህዝቢ ዕብየት የርእያ ኣለዋ።

ንግዳዊ-ንጥፈታትን ወሃብቲ-ስራሕን

ቨስትማንላንድ ኣብ ዓለም ፍሉጣት ዝኾናን ዓበይትን ዋኒናት ኣለዋ። ንሳተን ኣብ ከም ኣውቶሞሽን፡ መገዲ ባቡር፡ ጸዓት፡ ማሕበራዊ ብልጽግናን ጥዕናን ይነጥፋ። እቲ ወረዳ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ሰደድ ዘተኮረ ኢንዱስትሪታት ነይሩዎ እዩ፡ ናይ ስራሕ ዕድላትውን ፈጢሩ እዩ። ኣብተን ዓበይቲ ትካላት ናይ ምርምርን ምዕባለን ንጥፈታት ይካየድ፡ እዚ ከኣ ነቲ ናይ ኢንጂነራት ጠለብ ክብ የብሎ።

እዚ ኮምዩንን እዚ ዞባን ናይዚ ዞባ ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ እዮም። ኣብቲ ወረዳ ቍጽሪ ሰራሕተኛታት ብቐዳምነት ኣብቶም ኣብ ሽወደን እተወልዱ ብምኽንያት ዕድመ ይጎድል ኣሎ፡ ስለዚ እቶም ካብ ወጻኢ ዝመጹ ሰባት ንናይ ስራሕ ሓይሊ ውሕስነት እዮም።

ንጥፈታት ሲቪላዊ-ማሕበራት ኣብ መዳይ ምውህሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብ

ኣብ ቨስትማንላንድ ነቶም ነባሮ፡ ብሕታውያንን ሰብ ዋኒናትን፡ ከምኡውን ንሓደስቲ መጻእቲ፡ ግሩም ሃዋህው ንምፍጣር፡ ኣብ መንጎ ዞባን ሰበስልጣንን ኮምዩናትን ዋኒናትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ንጡፍ ምትሕብባር ይካየድ ኣሎ። ኣብ መንጎ ሽማግለ ዞባን ዞባን ኮምዩናትን፡ ንጉዳያት ምውህሃድ ብዚምልከት ዘላቕን ጽኑዕን ቀጻልን ምትሕብባር ንምፍጣር ጽሑፍ ውዕል ተገርይሩ ኣሎ።

ኣብያተ-ትምህርታትን ትምህርትን

ናይ ሜላርዳለንስ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ቨስተሮስን ኤስኪልስቱና ካምፓስ ዘለዎ ሓደ ካብቶም ናይ ሽወደን ዝዓበየ ዩኒቨርሲቲ እዩ። ንሱ 13,000 ተምሃሮን 900 ሰራሕተኛታትን ኣለዉዎ። ከምኡውን ብዙሕ እተፈላለየ ስልጠናታት ኣለዎ። እቲ ስልጠናታት ኣብ ኣርባዕተ መዳያት እተኸፍለ እዩ፤ ኤኮኖሚ፡ ጥዕናን መነባብሮን፡ ምምህርናን ተክኒክን። ኣብቲ ኣብ ሺንስካተባርይ ዚርከብ ስኩግስሜስታርስኩላንን ኣብ ስትሮምስሆልም ዚርከብ ሪድስኩላንን ናይ ኮለጅ ትምህርቲ ኣሎ። ናይቲ ወረዳ ማእከላይ ቦታን ቅርበትን፡ ናብ ጎረባብቲ ወረዳታት ኬድካ ንኽትምሃር ኣቕሊሉዎ ይርከብ።

ኣገልግሎት ጥዕና

ኣብ ዞባ ቬስትማንላንድ 4 ሆስፒታላት ኣለዋ። ዞባ፡ ቬስተሮስ ሾፒንግን ሳላን ዘለዋ ሆስፒታላት ይውንን። ሆስፒታል ፋጌሽታ ብብሕታዊ ትካል ይመሓደር። ብዘይካ ሆስፒታላት፡ ብዙሓት ህዝባውን ብሕታውን ማእከላት ጥዕናውን ኣለዋ። ኣብ ኣውራጃ ቨስትማንላንድ ናብ ባዕልኻ እትመርጾ ማዕከል ጥዕና ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።

ባህላውን ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታትን

እቲ ወረዳ ብዙሕ ኣገዳሲ ሕርሻታትን ጥንታዊ ኣደራሻትን ዘለዎ ዚዓቢ ዘሎ ከባቢ እዩ። ብደቡብ እቲ ብዙሕ ደሴታትን ገፊሕ መሬትን ዘለዎ ቀላይ ማላረን ኣሎ። ብሰሜን ድማ ኣኽራናትን ዱራትን ስንጭራታትን ዝበዝሖ ከባቢ እዩ። ናብ ተፈጥሮ ኬድካ ክትሕምብስን ዓሳ ክትገፍፍን ክትናፈስን ብጃልባ ክትዛወርን ቀሊል እዩ። ኣብ ወረዳ ቨስትማንላንድ 90 ናይ ተፈጥሮ ሕዛእትን 50 መዘከርታ ህንጻታትን ኣሎ። ኣብኡ ነቶም ኣብ ታሪኽን ስፖርትን ስነጥበብን ሙዚቃን ትያትርን ዚግደሱ ሰባት ብዙሕ በብዓይነቱ ባህላዊ ንጥፈታት ኣሎ።