ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ
ናይቲ ወረዳ ኩነታት ኣባይቲ ካብ ኮምዩን ናብ ኮምዩን ይፈላለ እዩ። መብዛሕትአን ኮምዩናት ኣብቲ ዕዳጋ ኣባይቲ ማዕረ/ባላንስ ወይ ዝያዳ ከም ዘርእይ ይዛረባ። ግን ኣብቲ ማዕረነት ወይ ባላንስ ኣሎ ዚብሃለለን ኮምዩናትውን ናይ ገለ ዓይነት ገዛውቲ ሕጽረት ኣሎ። ዝያዳ ውጽኢት ዕዳጋ ገዝውቲ ኣሎና ዚብላ ኮምዩናትውን ቍጽረን ይንእስ ኣሎ። ስለዚ ብዛዕባዚ እንታይ ኪግበር ከም ዘለዎ ይዝተየሉ ኣሎ። ኣባይቲ ንምህናጽውን ውጥናት ይወጽእ ኣሎ።
ህዝቢ-ተቐማጦ
ቨስትማንላንድ ዓሰርተ ኮምዩናት ኣለዉዋ፤ ኣርቦጋ፡ ፈየርስታ፡ ሃልስታሃማር፡ ኩንግሰር፡ ሾፒንግ፡ ኖርበርይ፡ ሳላ፡ ሺንስካተበርይ፡ ሱራሃማርን ቨስተሮስን። ሺንስካተበርይ ናይቲ ዞባ ዝነኣሰት ኮምዩን እያ። ንሳ ልዕሊ 4,000 ተቐማጦ ኣለዉዋ፡ ቨስተሮስ ከኣ ናይ ሽወደን ሻብዓይቲ ዝዓበየት ከተማ እያ፡ ልዕሊ 142,000 ተቐማጦ ድማ ኣለዉዋ። ናይቲ ዞባ ቍጽሪ ተቐማጣይ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት እናበዝሐ ይኸይድ ኣሎ፡ ክሳዕ 260,000 ከኣ በጺሑ ኣሎ። ብቐዳምነት እቲ ናይ ቨስተሮስ ኮምዩን እዩ ዚዓቢ ዘሎ፡ ግን ከኣ ካልኦት ናይቲ ዞባ ኮምዩናት እውን ኣወንታዊ ናይ ህዝቢ ዕብየት የርእያ ኣለዋ።